ፖለቲካ ኣንታ ፖለቲካ፡
በል እስኪ ፍቐደለይ ከዕልለካ:
ፖለቲካ'ዶ ክብለካ ፖለቲካ:
ዘይጥዑም እቲ ስምካ:
ካብ መን ተፈጢርካ:
ካብ ምንታይ ፋብሪካ:
ፍጥረት ሰብ ዘይብልካ:
ኣብ ምድረ ሲኦል ዝሰፈርካ፡
ኣብ ባህሪ ጋኔን ዝሓደርካ፡
ስቓይ ህዝቢ ዝጥዕመካ:
ዓመጽ ጎነጽ ዝስራሕካ:
ጸይቂ ግፍዒ ዝልማድካ፡
ግህሰት ድፍረት ዝኣመልካ፡
ህውከት ዕንወት ዝፈቐድካ፡
ንሃስያ ንገበን ዝዓጠቕካ፡
እዛ ዓለም ገርካያ ግዝኣትካ:
ንደቂ ሰባት ገርካዮም ባሮትካ:
ክንደይ ህዝቢ ዘጽነትካ:
ክንደይ መንእሰይ ዘቕዘፍካ:
ክንደይ ስድራ-ቤት ዘፍረስካ:
ክንደይ ንብረት ዘብረስካ:
ክንደይ ኣርካናት ዘሰወርካ:
ክንደይ መንፈሳዉያን ዘእሰርካ:
መግለጺ የልቦን ንጠባይካ:
መወዳእታ ዘይብሉ ክፍኣትካ:
እከይ ዝብሃል ኩሉ ኣብ ኢድካ:
ኣብ ኩሉ ወጠምጠም ማለት ኣመል ኮይንካ፡
ኣዳኸርቲ ትሓቁፍ ለባማት ጠሪዝካ፡
ሽማግለ ትሰርዕ መንእሰይ ኣባሪርካ፡
ሓሶት ትማጎት ሓቂ ገዲፍካ:
ግፍዒ ትፍጽም ፍትሒ ረጊጽካ:
ሓሳረ መከራ ትመርጽ ራህዋ ሓዲግካ:
ሕሰም ትጽውዕ ድሕነት ሰጊርካ:
ጥሜት ትዕድም ጽጋብ ኣርሒቕካ:
ድኽነት ትእውጅ ኣፍረይቲ ቀፊድካ:
ሕማም ተላብዕ ማዕጾ-ዶብ ረጊጥካ:
ኩናት ትውልዕ ንሰላም ጠሊምካ:
ንሰይጣን ትሰግድ ኣምላኽ ከለካ:
ፖለቲካ ሳሕቲ ዝምስገን ቁምነገር ኣሎካ:
ኣብ ገለ ክፋል ዓለምና ኣወንታዊ ለውጢ ዝሰረትካ፡
ከም ብዓል ቻይና ብዝሒ ህዝቢ ዝዓንገልካ:
ኣብ ገለ ሃገራት'ውን ራህዋ ዝፈጠርካ:
ኣብ ገለ ሃገራት ካኣ ፍትሒ ዘውሓስካ፡
ብሓፈሻ ግን ዘይተውርዶ ኣበሳ ዘይብልካ:
ኣብ ዓለምና መርዛም ሕንዚ ዝነዛሕካ፡
ኣብ ሲኖዶስ ኤርትራ ዘረዳድእ ዕርቂ ከይተኸልካ:
ናይ ቁዱስ ኣንጦንዮስ መስዋእቲ ከይዓጀበካ:
መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ገለ ሃገራት ዓዲምካ:
ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ፓትርያርክ ኣመሪቅካ:
ፖለቲካ እንታይ እዩ እቲ ጉድካ:
ህዝቢ ዓለም ገርካዮ ክነብር ከም ፍቓድካ:
ናይ ደቂ ሰባት ጭንቀት ጥራይ'ዩ ዘዕግበካ:
ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብዙሕ’ዩ ብገበን ዘሕትተካ፡
ልዑል ኣምላኽ ባዕሉ ምሕረት የውርደልካ።
ፖለቲካ ኣርሓ እንዲኻ ትእዝዝ ንኹሎም:
ንገሊኦም ኣብ ሰማይ ትሰቕሎም:
ንገሊኦም ኣብ ጎዳጉዲ ትቐብሮም:
ንገሊኦም ኣብ ባሕሪ ተጥሕሎም:
ንገሊኦም ኣብ ገደል ተጽድፎም:
ንገሊኦም ዓጀውጅው ተብሎም:
ንገሊኦም ካብ ስልጣን ተውርዶም:
ንገሊኦም ኣብ ስልጣን ተደይቦም:
ንገሊኦም ኣጉል ደሞክራሲ ተልብሶም:
ንገሊኦም ውልቀ ምልኪ ተስንቖም:
ንገሊኦም ኣብ ቤት ኣምላኽ ተናቑቶም:
ንገሊኦም ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ተናኽሶም:
ንገሊኦም ኣብ ስልጣን ተእርጎም:
ንገሊኦም ብዕልዋ መንግስቲ ትሰጎም:
ንገሊኦም ኣብ ሕድሕዶም ተባእሶም:
ንመራሕቲ ሃገራት ከም ድሌትካ ትእዝዞም:
እንተ ደለኻ ትኣልዮም እንተ ደለኻ ትሕዞም።
ፖለቲካ ዋላ ዘይብልካ ንሕስያ:
ኣብ ቅድመኻ ኩሉ ክንዲ ጽንጽያ:
ነዛ ዓለም ሰላም ከሊእካያ:
ኩናት ኣብ ዩክረይን ምስ ሩስያ:
ኩናት ኣብ ቓዛ ኣብ እስራኤል ዙርያ:
ምስ ፍልስጠም ምስ ሶርያ:
ምስ ለባኖስ ምስ የመንያ:
ኢራን'ውን ትትኩስ ኣማዕድያ:
ሬሳታት ተኣኪቡ ብክሻ ብዓረብያ:
ኩናት'ውን ኣብ ሱዳን ጽርግያ:
ዕግርግር ኣብ ደቡብ ኮረያ:
ፍኽክር ኣብ ሕድሕድ ሶማልያ:
ኩናት ከሎ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ:
ንጎረቤት ኤርትራ ክትወራ ተሃንጥያ:
ፖለቲካ እንዲኻ ኣጆኺ ዝበልካያ:
ኩናት ክትውልዕ እነሆ ተዳልያ:
ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትውንን ተመኒያ:
ካብ ፈረንሳ ደገፍ ክትረክብ ጉያጉያ:
ንሩስያ'ውን ሓገዝ ክትህባ ተጸብያ:
ፖለቲካ ንኢትዮጵያ ዋላ እንተሓገዝካያ:
ንዓሰብ ካብ ማዕዶ ጥራይ እያ ክትርእያ:
ፖለቲካ ኣብ ኩሉ ጦብሎቅ ትብል ከም ወኻርያ:
ነዛ ዓለምና ኣብ ቅልውላው ኣእቲኻያ:
ኣብ ገለ ሃገራት ሰላም ኣጥፊእካያ:
ንገሊኤን ተዕጥቐን ኣዕናዊ መሳርያ:
ንገሊኤን ተጥፈኤን ዝሓንገዳ ዝኣበያ:
ፖለቲካ ስራሕካ ኩሉ ግዜ ንቅያ:
ፖለትካ ይግብኣካ ናይ ክፍኣት መዳልያ።
ፖለቲካ ዝፈጸምካዮ በደል ኣብ ሃገርና:
ሓደ ሓደ ከም ኣብነት እንተ ጠቐስና:
ብሰንክኻ ተመቓቒሉ ህዝብና:
ተቓዋሚ ደጋፊ ኢልካ ፈላሊኻና:
ትርጉም ናይ ነጻነት ሓርነት ምስ ጠፍኣና፡
ስርዓተ-ፍርዲ ሕጊ ቅዋም ምስ ሰኣና፡
ንጎረባብትና ቶኽቲኽካ ኩናት ምስ በዝሓና፡
ናይ ብሉጻት ደቂ ሃገር መስዋእቲ ምስ ከፈልና፡
ኩነታት ሃገርና ብኹሉ መለክዒ ምስ ከፍኣና፡
ካብታ ሃገርና ወጺእና ፍቐድኡ ተበታቲና:
ኣብ ርሑቕ ኣወስትራልያ ሰፊርና:
ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ፋሕ ኢልና፡
ኣብ ካናዳ ኣመሪካ ተዘሪእና:
ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዛሚድና:
ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ተዋፊርና:
ካብ ኩሉ ስድራቤት ዝንኣስና ዝዓበና:
ኣረጊት ኣደ ሽማግለ ኣቦ ከይተረፍና:
መንእሰይ ብፍላይ ኩላህና ተሰዲድና:
ኣብ ኤርትራ መን ተሪፋ መን ገዲፍና:
ጥራሓ ተሪፋ መፍቶ እቶም ጸላእትና:
ተረጊምና ዲናስ ወይስ ፈሪድካና፡
መስሓቕ ህዝቢ ዓለም ዝገበርካና:
ከምታ ኣብ ሓሳረ-መከራ ሓኒቅካ ዘእተኻና:
ፖለቲካ ቀልጢፍካ ካብታ ጸበባ ኣውጽኣና:
ብሰላም ናብታ ትውልዲ ሃገርና ምለሰና:
ባህልና ታሪኽና ክንዕቅብ ኣብታ መረበትና:
ቀሲንና ክንነብር እታ ዝተረፈት ሂወትና:
ትምኒትና ክሰምር ኣምላኽ ይርድኣና።
ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና:
ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና:
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና:
ዕድመኻ ይሕጸር ፖለቲካ ዓለምና።
10 የካቲት 2025
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ