S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዕላል ምስ ፖለቲካ: ብዶ/ተስፋይ ገብረመድህን

ፖለቲካ ኣንታ ፖለቲካ፡

በል እስኪ ፍቐደለይ ከዕልለካ:

ፖለቲካ' ክብለካ ፖለቲካ:

ዘይጥዑም እቲ ስምካ:

ካብ መን ተፈጢርካ:

ካብ ምንታይ ፋብሪካ:

ፍጥረት ሰብ ዘይብልካ:

ኣብ ምድረ ሲኦል ዝሰፈርካ፡

ኣብ ባህሪ ጋኔን ዝሓደርካ፡

ስቓይ ህዝቢ  ዝጥዕመካ:

ዓመጽ ጎነጽ ዝስራሕካ: 

ጸይቂ ግፍዒ ዝልማድካ፡

ግህሰት ድፍረት ዝኣመልካ፡

ህውከት ዕንወት ዝፈቐድካ፡

ንሃስያ ንገበን ዝዓጠቕካ፡

እዛ ዓለም ገርካያ ግዝኣትካ:

ንደቂ ሰባት ገርካዮም  ባሮትካ:

ክንደይ ህዝቢ ዘጽነትካ:

ክንደይ መንእሰይ ዘቕዘፍካ:

ክንደይ ስድራ-ቤት ዘፍረስካ:

ክንደይ ንብረት ዘብረስካ:

ክንደይ ኣርካናት ዘሰወርካ:

ክንደይ መንፈሳዉያን ዘእሰርካ:

መግለጺ የልቦን ንጠባይካ:

መወዳእታ ዘይብሉ ክፍኣትካ:

እከይ ዝብሃል ኩሉ ኣብ ኢድካ:

ኣብ ኩሉ ወጠምጠም ማለት ኣመል ኮይንካ፡

ኣዳኸርቲ ትሓቁፍ ለባማት ጠሪዝካ፡

ሽማግለ ትሰርዕ መንእሰይ ኣባሪርካ፡

ሓሶት ትማጎት ሓቂ ገዲፍካ:

ግፍዒ ትፍጽም ፍትሒ ረጊጽካ:

ሓሳረ መከራ ትመርጽ ራህዋ ሓዲግካ:

ሕሰም ትጽውዕ ድሕነት ሰጊርካ:

ጥሜት ትዕድም ጽጋብ ኣርሒቕካ:

ድኽነት ትእውጅ ኣፍረይቲ ቀፊድካ:

ሕማም ተላብዕ ማዕጾ-ዶብ ረጊጥካ:

ኩናት ትውልዕ ንሰላም ጠሊምካ:

ንሰይጣን ትሰግድ ኣምላኽ ከለካ:

ፖለቲካ ሳሕቲ ዝምስገን ቁምነገር ኣሎካ:

ኣብ ገለ ክፋል ዓለምና ኣወንታዊ ለውጢ ዝሰረትካ፡

ከም ብዓል ቻይና ብዝሒ ህዝቢ ዝዓንገልካ:

ኣብ ገለ ሃገራት'ውን ራህዋ ዝፈጠርካ:

ኣብ ገለ ሃገራት ካኣ ፍትሒ ዘውሓስካ፡

ብሓፈሻ ግን ዘይተውርዶ ኣበሳ ዘይብልካ:

ኣብ ዓለምና መርዛም ሕንዚ ዝነዛሕካ፡

ኣብ ሲኖዶስ ኤርትራ ዘረዳድእ ዕርቂ ከይተኸልካ:

ናይ ቁዱስ ኣንጦንዮስ መስዋእቲ ከይዓጀበካ:

መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ገለ ሃገራት ዓዲምካ:

ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ፓትርያርክ ኣመሪቅካ:

ፖለቲካ እንታይ እዩ እቲ ጉድካ:

ህዝቢ ዓለም ገርካዮ ክነብር ከም ፍቓድካ:

ናይ ደቂ ሰባት ጭንቀት ጥራይ' ዘዕግበካ:

ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብዙሕ ብገበን ዘሕትተካ፡

ልዑል ኣምላኽ ባዕሉ ምሕረት የውርደልካ።

 

ፖለቲካ ኣርሓ እንዲኻ ትእዝዝ ንኹሎም:

ንገሊኦም ኣብ ሰማይ ትሰቕሎም:

ንገሊኦም ኣብ ጎዳጉዲ ትቐብሮም:

ንገሊኦም ኣብ ባሕሪ ተጥሕሎም:

ንገሊኦም ኣብ ገደል ተጽድፎም:

ንገሊኦም ዓጀውጅው ተብሎም:

ንገሊኦም ካብ ስልጣን ተውርዶም:

ንገሊኦም ኣብ ስልጣን ተደይቦም:

ንገሊኦም ኣጉል ደሞክራሲ  ተልብሶም:

ንገሊኦም ውልቀ ምልኪ ተስንቖም:

ንገሊኦም ኣብ ቤት ኣምላኽ ተናቑቶም:

ንገሊኦም ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ተናኽሶም:

ንገሊኦም ኣብ ስልጣን ተእርጎም:

ንገሊኦም ብዕልዋ መንግስቲ ትሰጎም:

ንገሊኦም ኣብ ሕድሕዶም ተባእሶም:

ንመራሕቲ ሃገራት ከም ድሌትካ ትእዝዞም:

እንተ ደለኻ ትኣልዮም እንተ ደለኻ ትሕዞም።

 

ፖለቲካ ዋላ ዘይብልካ ንሕስያ:

ኣብ ቅድመኻ ኩሉ ክንዲ ጽንጽያ:

ነዛ ዓለም ሰላም ከሊእካያ:

ኩናት ኣብ ዩክረይን ምስ ሩስያ:

ኩናት ኣብ ቓዛ ኣብ እስራኤል ዙርያ:

ምስ ፍልስጠም ምስ ሶርያ:

ምስ ለባኖስ ምስ የመንያ:

ኢራን'ውን ትትኩስ ኣማዕድያ:

ሬሳታት ተኣኪቡ ብክሻ ብዓረብያ:

ኩናት'ውን ኣብ ሱዳን ጽርግያ:

ዕግርግር ኣብ ደቡብ ኮረያ:

ፍኽክር ኣብ ሕድሕድ ሶማልያ:

ኩናት ከሎ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ:

ንጎረቤት ኤርትራ ክትወራ ተሃንጥያ:

ፖለቲካ እንዲኻ ኣጆኺ ዝበልካያ:

ኩናት ክትውልዕ እነሆ ተዳልያ:

ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትውንን ተመኒያ:

ካብ ፈረንሳ ደገፍ ክትረክብ ጉያጉያ:

ንሩስያ'ውን  ሓገዝ ክትህባ ተጸብያ:

ፖለቲካ ንኢትዮጵያ ዋላ እንተሓገዝካያ:

ንዓሰብ ካብ ማዕዶ ጥራይ እያ ክትርእያ:

ፖለቲካ ኣብ ኩሉ ጦብሎቅ ትብል ከም ወኻርያ:

ነዛ ዓለምና ኣብ ቅልውላው ኣእቲኻያ:

ኣብ ገለ ሃገራት ሰላም ኣጥፊእካያ:

ንገሊኤን ተዕጥቐን ኣዕናዊ መሳርያ:

ንገሊኤን ተጥፈኤን ዝሓንገዳ ዝኣበያ:

ፖለቲካ ስራሕካ ኩሉ ግዜ ንቅያ:

ፖለትካ ይግብኣካ ናይ ክፍኣት መዳልያ።

 

ፖለቲካ ዝፈጸምካዮ በደል ኣብ ሃገርና:

ሓደ ሓደ ከም ኣብነት እንተ ጠቐስና:

ብሰንክኻ ተመቓቒሉ ህዝብና:

ተቓዋሚ ደጋፊ ኢልካ ፈላሊኻና:

ትርጉም ናይ ነጻነት ሓርነት ምስ ጠፍኣና፡

ስርዓተ-ፍርዲ ሕጊ ቅዋም ምስ ሰኣና፡

ንጎረባብትና ቶኽቲኽካ ኩናት ምስ በዝሓና፡

ናይ ብሉጻት ደቂ ሃገር መስዋእቲ ምስ ከፈልና፡

ኩነታት ሃገርና ብኹሉ መለክዒ ምስ ከፍኣና፡

ካብታ ሃገርና ወጺእና ፍቐድኡ ተበታቲና:

ኣብ ርሑቕ ኣወስትራልያ ሰፊርና:

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ፋሕ ኢልና፡

ኣብ ካናዳ ኣመሪካ ተዘሪእና:

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዛሚድና:

ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ተዋፊርና:

ካብ ኩሉ ስድራቤት ዝንኣስና ዝዓበና:

ኣረጊት ኣደ ሽማግለ ኣቦ ከይተረፍና:

መንእሰይ ብፍላይ ኩላህና ተሰዲድና:

ኣብ ኤርትራ መን ተሪፋ መን ገዲፍና:

ጥራሓ ተሪፋ መፍቶ እቶም ጸላእትና:

ተረጊምና ዲናስ ወይስ ፈሪድካና፡

መስሓቕ ህዝቢ ዓለም ዝገበርካና:

ከምታ ኣብ ሓሳረ-መከራ  ሓኒቅካ ዘእተኻና:

ፖለቲካ ቀልጢፍካ ካብታ ጸበባ ኣውጽኣና:

ብሰላም ናብታ ትውልዲ ሃገርና ምለሰና:

ባህልና ታሪኽና  ክንዕቅብ ኣብታ መረበትና:

ቀሲንና ክንነብር እታ ዝተረፈት ሂወትና:

ትምኒትና ክሰምር ኣምላኽ ይርድኣና።

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና:

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና:

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና:

ዕድመኻ ይሕጸር ፖለቲካ ዓለምና።

10 የካቲት 2025

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div