ጐይታ፡ ኣብታ ዝተታሕዘላ ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሒዝዎም፡ ናብቲ ኣዘውቲሩ ዚጽልየሉ፡ “ጌተሰማኔ” ዝተባህለ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኸደ። ወንጌላዊ ማቴዎስን ማርቆስን ኣዘንትዮምዎ ኸም ዘለው፡ ናብቲ ስፍራ ጸሎት ምስ ወሰዶም “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ዀኑ፡ ምሳይውን (ብጸሎት) ንቕሑ” ኢሉ ተዛረቦም። እዞም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታኦም ከምዚ ዀይኑ ርእዮምዎ፡ ከምዚ ኺዛረብ’ውን ሰሚዖምዎ ኣይፈልጡን እዮም።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡-
ኣኅዋተይን ኣኃተይን ጽቡቕ ዘመን ይግበረልና ንኹልና።
ንኣደ ስዉእ፥ ንሓፍቲ ስዉእ፥ ንሰበይቲ ስዉእ፥ ንጓል ስዉእ (ንስድራ ቤት ስዉኣት) ጽንዓት ሂቡ፡ ነቶም ስዉኣትና ከኣ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሰልና። ነታ
ጸሎት ቅድሚ ቁርባን ምቕባል
ኦ ጎይታ፣ ኣነ ሓጥእ ብምዃነይ ንስኻ ኣብ ልዕለይ ክትሓድር ብቑዕ ኣይኮንኩን‘ሞ ንነፍሰይ ክትፍወሲ ኢኺ፤ ሓጢአትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ። ኣነ ብዘይካ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት እትገብሮ ፍቕርኻን ምሕረትካን ርህራሄኻን ወላሓንቲ ነገር ዘይብለይን ካብ ኩሉ ሰናያት ደረቕን ጥራየይ ዘለኹን እየ። ንስኻ ካብ’ቲ ክግለጽ ዘይከኣል ክብርኻ ካብ ሰማያት ናብ ድርቅናና ዝወረድካን ኣብ መብልዕ ማል ክትውለድ ዝመጻእካን።
ካብ ኣካላት ቅድስቲ ስላሴ ኽንመሃሮም ካብ ዚግብኣና ዓበይቲ ኣርኣያታት ሓደ፡ እዚ ከም መሪሕ ጥቕሲ ናይዚ ርእስናትና መሪጽናዮ ዘሎና ሓሳባት እዩ። ብመሰረት ምስጢረ ስላሴ ናይ ሰረተ-እምነትና፡ እግዚኣብሄር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል ሰለስተ ኪኾኑ ከለው፡ ብመለኮት፡ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብባህርይን ብህልውናን ሓደን ምብልላጽ ዘይብሎም ማዕረን እዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፎም ከካብ ርእሶም ኪዛረቡ ዀነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዅሉ ነገሮም ሓደ ስለ ዝዀኑ ድማ ዚሓስብዎ ዚዛረብዎ ዀነ ዚገብርዎ ፍልልይ ኣይምሃለዎን ነይሩ።
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ሰፊረን ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ሃይለ-ቃላት ናይ ጐይታ፡ ሓንቲ እዛ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” እትብል ሓሳብ እያ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ተወሊዱስ ኣብኣውን ይነብር ንዘሎ ሰብ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንካን” ክትብሎ ኸሎኻ፡ እቲ ሰማዒ ብቐሊሉ ኸይርድኦ ይኽእል እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነት ናይ ደቀ መዛሙርቱ እምበር ብዛዕባ ጂኦግራፍያዊ ህላዌኦም ይዛረብ ከም ዘየሎ ግና ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ንዘሎ ኵሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ካብ መንን ናይ መንን ምዃን በቲ ዘሎኻዮ ቦታ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዘሎካ ኣካይዳ እዩ ዚውሰን።
ዜማ ወይ መዝሙር ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ ንእግዚኣብሔር እተሞግሰሉ፡ ቅዱስን መንፈሳዊን ስነ ጥበብ እዩ። መዝሙር (ዜማ) ዚብል ቃል ንባዕሉ፡ ምስ ቋንቋታት ዕብራይስጥን፡ ኣራማይክን ዝተተሓሓዘ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ