“ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ‘እንሆ ጕርሒ ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በለ። ናትናኤል ከኣ ‘ኣበይ ትፈልጠኒ’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ‘ፊሊጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከለኻ ርእየካ’፡ ኢሉ መለሰሉ።” ዮሃ 1፡ 47-48።
“ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ‘መምህር፡ ዕውር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧’ ኢሎም ሓተትዎ።”ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ’ዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ፡ . . . ኢሉ መለሰሎም።” ዮሃ 9፡2, 3.
“እንሆ ኸኣ [እቶም ኣጋንንቲ]፡ “ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ።...እንሆ ድማ ብዘላ እታ ዓዲ ንኢየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።” ማቴ 8፡29; 34.
ሓዋርያ ዝበሃል ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህረ፥ ሞቱ ዝነገረ ትንሣኤኡ ዘበሠረን እሙን ምስክር ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉውን “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም
ጐይታና ነዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ ዝመሃረ፡ ነቲ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዚኣክል መጽጕዑ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ሰንበት መዓልቲ ፈዊሱ ዓራቱ ጸይሩ ኪኸይድ ምስ ኣዘዞ እዩ። በቲ ግብሩ ሓሪቖም ክሳዕ ንምቕታሉ ሓሰቡ። ጐይታ ድማ ነዚ ሓሳቦም እዚ ስለ ዝተረድኦ፡ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝገበሮ ኸም ዝገበረ ኣስፊሑ ገለጸሎም። ኣብዚ ትምህርቱ እዚ ድማ ብዛዕባ ሰለስተ ዓይነት ሞት ዜገርም መግለጺ ሃበ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞት ገና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት ከለኻ እትሞቶ ናይ ልዕሊ መቓብር ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ድማ ብኣካል ስጋ ሞይትካ ናብ መቓብር እትወርደሉ ሞት እዩ። እቲ ሳልሳይ ሞት ግና፡ በቲ ልዕሊ መቓብር ከለኻ እትምቶ መንፈሳዊ ሞት እዩ ዝውሰን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ