ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1 ክሳዕ 8 ንዘሎ መዓልታት “ዮሃንስ” ኢላ’ያ እትሰምዮ። ነቲ ነብያት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነብዩሉ፡ ካብ ኣረጋውያን ወለዲ ብተኣምር ዝተወልደ፡ ብስራታዊ ገብርኤል ብዛዕባ ልደቱ ዝተዛረበሉ፡ ብልደቱ ብዙሓት ዝተሓጐስሉ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኪእውጅን መገዱ ኺጸርግን ዝተሓርየ፡ ልዑል ትጽቢትን ክቱር ትሕትናን ዝተዓደለ፡ ንመለኮት ኬጥምቕ ጸጋን ክብርን ዝተዓደለ፡ እቲ ስጉው መለኮት ብልሳኑ “ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ኣይተንሰአን” ኢሉ ዝመስከረሉ ቕዱስ ዮሃንስ ንምዝካር ዝዓለመ ሳምንቲ ድማ እዩ (ማቴ 11፡7-13)።
ጐይታና ነዚ መሪሕ ቃል’ዚ ዝተዛረበ፡ ንህዝቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይህበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪረክብዎን ኬዛርብዎን ኢሎም ናብኡ መጹ። ኣብ ምልእቲ እስራኤል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዞረ ይምህር ስለ ዝነበረ ምስ ስድራ ቤቱ ዜሕልፎ ጊዜ ነይርዎ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። መብዛሕትኦም ኣዝማዱ ብእኡን ብትምህርቱን ስለ ዘይኣመኑ፡ “ተጸሊሉ’ዩ” ዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ዚምህረሉ ቦታ ሒዞም ኪወስድዎ ኸም ዝመጹ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ማር 3፡21)። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን ኣብቲ ጊዜ እቲ እቶም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 7፡3-5)። ኣብዛ እዋን’ዚኣ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጹ ግና ኣይተገልጸን። ስድራኡ ከም ዝመጹ ኺንገሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ (ማቴ 12፡9)።
ጐይታና ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱ በብኽልተ ድሕሪ ምምዳብ፡ እቲ ዚግባእ መምርሕን ስልጣንን ኣዕጢቝ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ” ኢሎም ኪሰብኩ ለኣኾም። በቲ ዝተኣዘዝዎ መሰረት ተልእኾኦም ፈጺሞም ኵላቶም ናብኡ ተመልሱ። ነቲ ዝለኣኾም ጐይታ ድማ ጸብጻቦም ኪህብዎ ጀመሩ። ካብቲ ዝፈጸምዎ ተልእኾ እቲ ብዝያዳ ዝመሰጦም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዝተመከርዎ ስልጣን ነበረ። “ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለው፡” ኢሎም ብሓጐስ ነገርዎ። ጐይታ ድማ፡ ነቲ ሓጐሶም ዜዕዝዝ፡ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ረኣኽዎ” ዚብል ብስራት ነገሮም።
ጐይታና ኣብታ ተታሒዙ ዚስቀለላ ናይ መወዳእታ ፋሲካ ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬዛርብዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና ነቲ ሓሳባቶም ገና ብቓላት ከይገለጽዎ ኸለው ኣብ ልቦም ከሎ ኣስተውዒልዎ ነበረ። ከምቲ ቕዱስ ዳዊት፡ “ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒ’ውን ንምቕማጠይን ምትንሳአይን ትፈልጦ፡ ንሓሰበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” ዝበሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ’ውን ከም ኵሉ ዚፈልጥን ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ፍጹም ኣምላኽን መጠን፡ ነቲ ኺብልዎ ዝደለዩ ሓሳብ ኣስተውዒልዎን ፈሊጥዎን ነበረ (መዝ 139፡1-4)።
ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ወትሩ ኣብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ኣዝዩ ቅቡል ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። እቶም ናይ እምነት መራሕትና ዝኾኑ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝበዝሐ ጸሎቶም ብንብዓትን ውሽጣዊ ስምዒትን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ