ሃይማኖት ተዋህዶ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረታ
ብሓሙሽተ የዕማደ ምስጢር ዝቆመት ምስ 7 ምስጢራታ
ሃይማኖት የውሃንስ ኣፈወርቂ ክርስቶስ ዝርእሳ
ብገድሊ ትፍለጥ ኣብ ኩሉ ሂወታ
ኣብ ኩሉ ፋሕ ዝበለት እስክንድርያ ዝሕምብርታ
ብሓይሊ ክርስቶስ ትነብር ንሓያላት ሞጒታ
ሃይማኖተይ ሃይማኖት ቅዱሳን
ዝኹሉ ዝግበር ዘሎስ ይገርመኪዶ ይኸውን
ፓትሪያርክ ተዓጽዩስ ክትምርሒ ብምእምን
ትበኽዪዶ ኣለኺ እናረኣኺ ዘፈንፍን
ይግርመኪ ዶ ይድንጽወኪ’ሎ
ፓትርያርክ ሂቦምኺ ፓትርያርኪ ከሎ
ንፈርዖን ክትምርዐዊ ተባሂሉ ብተሎ
ብሒጓ ሒጓ ተሸጥኪ ወሲዶምኺ ሓባባሎ
እንተ ጨራሕኪ ‘ኳ ተበልኪ ግደፉኒ ዋናይ ኣሎ
ኣገዲዶምኺ ስምዒ ኢሎም እቲ ንሕና ንብሎ
ንፈርዖን ሸይጦምኺ ‘ወ ብፍርሒ
ምስ ዓለም ሽርኽነት ገይሮምዎ ብልሒ
ኣብ ሑጻ ሰሪቶምኺ ኣውጺኦምኺ ካብ ከውሒ
ምድረበዳ ቀይሮምኺ ዝነበርኪ ሰውሒ
ንረብሓ ተሸይጥኪ ተቀይርኪ ኣርሒ
ብደቂኺ ኣትዮምኺ መታን ከይትጎርሒ
በበላሕቶም እናጥፍኡ መታን ከይትረብሒ
እወ!
ኣብ ከርሳ ኣትዮም መሲሎም ደቂ ዘርኣ
መጕዚቶም ክትከውን ኣሲሮም ንዋንኣ
ዉሽጣ መሪዞሞ ከይፈሪ ጽገኣ
ሓንሳእ ንሓዋሩ ኪኽለፍ ባህተኣ
ፋሕ ብትን ኣእትዮም ንኹሎም ደቂ ዘርኣ
ይህንጠዩ ኣለዉ ክዉዕሉ ኣብ ድበኣ
መልክዕኪ ቀይሮሞ ናብ ፖለቲካዊት ዉዱብ
ሰማዒ ሲኢንኪ እንተበልኪ ዓገብ
ካህናተይሲ ግዲ ይብገሱ ይኾኑ ኢልኪ ኣሸበሸብ
ግን ጠሊምናኪ ካህናትኪ ኣቢና ምዝራብ
ይሰውረና ጥራሕ እታ ሰዓት ጸብጻብ
ሰብዶ የለን? ትብሊ ኣለኺ ደቅኺ እንዲና ሓሚቅና
ከም ሎሚ ዘይበዛሕና ሰዓብትኽስ ግን ዓሺና
ምስ ሓሶት ክንነብር ሪኢና ከምዘይረኣና
ንሕና ነጣቅዕ ተሓይሮም ኣቦና
እኳ ስለኦም ጸሎት ከይንእውጅ ፈሪሕና
ፈሪሕና ተዋህዶየ ትብዓት ውሒዱና
ካብ ምስ ተጻረርትስ ምስቶም ዝጣበቁልኪ ዘለዉ ባእሲ መሪጽና
ይገርመኪዶ ይህሉ ትፍንፍንና ነዞም ናይ ኤረትራ ካህናት
ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ክንምራሕ ብዉጉዛት
ደድሕሪ ኣርዮስ ክንጓዓዝ ናብ ጥፍኣት
ሰማንያ (80) ካህናት ተሳኢኖም ዝኾኑ ንበረኸት
ከምቶም ምስ ካህን ኣዛርያ ዝነበሩ ተባዓት
ደው ኢሎም ዝቃወሙ ንናይ ዖዝያን ትዕቢት
በይኖም ኮይኖም ፓትርያርክ እንጠንዮስ መሪጾማ ንሂወት
ኣብ ሞት ምስ በጻሕናስ ገዲፍናሎም ሃዋርያውነት
ንሕና ግን ምንባር ይሕሸና ኣይንደልን ሃዋርያውነት!
ዘይወቅሰና ዶ ይመስለኪ እቲ ሕልናና
ኣሕሊፍና ሂብናዮም ንዓለም ነቦና
ንረብሓ ሸጥናዮም ዩሁዳ ተቀይርና
ይርኢ እንድዩ ዘሎ ትዓይንና ፓትርያርክ ተዓጽዮም ክብርና
መኣስ እቲ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ጠፊኡና
ኣባና ወዲቅኪ ዋናታትኪ ንሕና ኾይና
ከይንጣበቅ ስለኺ ንኹሉ መኒንና
ፍቅሪ ምንባር በቚሉ ነጊሱ ኣብ ልብና
መስቀል ሒዝና ግን ናብ መስቀል ምጉዓዝ ተሃኪና
በዓል ቤት ክመጽእ’ዩ ናብ ምሕርቃም ኣስናን ከእትወና
ተዋህዶየ ብኸይልና ጥራሕ ናብ ሲኦል ከይወረድና!
ወዮ ዝተነግረ ብነቢይ ዳኒኤል
ኣብ ኣስመራ እንሆ ኣነ እየ ይብል
ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ቆይሙ እቲ ገበል
ዳንኤል11፡31-37 ዝበሎ እንሆ ይትግበር
ት’ዕቡይ ኣብ ቤት መቅደስ ድንኳኑ ይተክል
ንተቓወሞ ዝበለ ብሓይሉ ይቀትል
ምስቶም ጥበበኛታት ጥራሕ ንቃወም ደው ንበል
ብዙሓት ይስዕብዎ ኣለዉ ብመገዲ ርኽሰቱ
እንሆ ከኣ ከጥፈኦምይጽዕር ነቶም ዝሞጎቱ
ሃይማኖት ተናዒባ ብሰራም ብልሓቱ
ሰላማ ተዘሪጉ ብቅርሕንቲ ሰብ ቃህሚቱ
ሓዊ ተርኪዕሎም ዋናታታ ነሕድሕዶም ከም ዝጣማመቱ
ሃደሽደሽ ኣቢልዋ ሰሚሩ ትምኒቱ
ግን ኣይቕሰን ኣለዉዋ ተረፍ ቶም ዝሞቱ
ክሰዓር’ዩ ትእኩይ ንሶም ዮም ዝስዕሩ ንምሸቱ
ንዓኺ’ኳ ሓድሽዩ ካህናት ፈሪሖም ክበሃል
እወ የስደምመኪ ይኸውን ጳጳሳት ነቦኦም ሸይጠሞም ክበሃል
ፈሪሕና እንዲናሞ እንታይ ይበሃል
ካብ ትጠፍእስ ግዳ ክንብሎ ንክርስቶስ ንዓ ዳግማይ ተሰቀል
ንስኺ ግን ኣይትስነፊ ደኣ ንላዕሊ ምምህላል
ክረድእ’ዩ ኣብ መወዳእታ ኣምላከ እስራኤል
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ