“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።
መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
“ጅጎ” ዝበሃል ኣምላኽ ከምዘሎ፡ ሰሚዐን ኣንቢበን ኣይፈልጥን’የ። “ኣባ ጅጎ፡ መብልዒ ጐጎ፡ ማይ ጃሕ ኣብሎ” ክንብል ግን ይዝከረኒ።
መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ መባእ ቶምቦሳ፡ ኣዲኦም ወ/ሮ ቅዱሳን ልጃም ብ1938 ዓ.ም. ኣብ በራቒት ንኡስ ዞባ ቆሓይን ዞባ ደቡብ ተወልዱ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮኑ፡
ካብዚ ዝርርብ እታ ሳምራዊት ሰበይትን ጐይታና ኢየሱስን፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበልና ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 4 እንተኣስተውዒልና ፡ምድሪ ሰማርያ ኣብ መንጎ ምድርታት ይሁዳን ገሊላን’ዩ ዝርከብ ። ስለዚ ክርስቶስ ይኹን ካልእ ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክኸይድ ብሰማርያ ኣቢሉ ክሓልፍ ግድን’ዩ። እንተኾነ ንክርስቶስ ብእኡ ምሕላፍ ግድን ዝኾኖ በዚ ዝተጠቕሰ ጂኦግራፊያዊ ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ ሓደ ካልእ መለኮታዊ ምኽንያት ነበሮ።
እቲ ዘገርም ቁጽሪ ዘየብሎም ተቓወምቲ ትውፊት ኢና ዝብሉ ምዕራባውያን፥ ዝጠቕስዎ ጥቅሲ፥ ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ንደቂ ቆረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ ኣሕዋተየ፥ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፥ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፥
“ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’’ (ኤር 6፡16) ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻይደ ጉባኤ ካብ ትጽቢት
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 26 ክሳብ ለካቲት 2 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ተወልደ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘይሁዳ (ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወልደ።) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ቤተ ልሔም ይሁዳ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።” (መዝ 98፡ 2-3) ሎሚ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት ብዝብል ናይ ኣዴና ሃና ኣብነት ብምግባር ነዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ነነዌ ኣብ ህይወትና ከመይ ከነተግብሮ ከም ዘሎና፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ልቢ ቈልዓ ከምዝነበረኒ፡ ህንጻ ናይታ ዝዓበኹላ ቤተክርስቲያን ፈሪሱ ኣብ ዝተሓደሰሉ ህሞት ዝተሰምዓኒ ስምዒት ነበረ።
ዕላማና---->ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ሠናይ ንምግባር እዩ። 2ቆሮ 8፡20
ዕላማና---->ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕና ደቀ-መዛሙርቲ ክርስቶስ ምግባር እዩ። ማቴ 28፡19
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ