ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ። ወነገርኩ ስመከ ለሰብእ። ትርጉም “ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ። ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ሓይለ ቃል ናይዚ መልእክቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 17 እዩ ዝርከብ። በዚ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካልኣይ ጊዜ ከምዝተራኣዮም ብምዝካር ናይ ቶማስ ታሪክ እንዳገለጽ ተስተምህረሉ፡ ትዝምረሉ፡ ተመስግነሉን መዓልቲ እዩ።
ፍቕሪ ማለት ስም ጥራሕ ከምዘይኮነ ኩልና ንፈልጦ እካ እንተኮነ፡ ግብሪ ምካኑ ግን ንዝንግዖ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ምክንያቱ ከምቲ ብኣፍና እነድምጾ ብግብርና ስለዘይነጸባርቆ እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ። ንኹሉ ሰብ ግን ኣይኮንኩን ነቶም ዘይነተግብር እንበር። መጽሓፍ ቕዱስ ፍቕሪ ብግብሪ እንበር ብቃል
ክቡር ክርስቲያን ኣስተብህል፡ ነዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ትርጉሙ ብምግንዛብ ብጥንቃቔን ብጸሎትን ብምስትውዓልን ኣንብቦ። እንተ ኺኢልካ ድማ ነዛ ኣብ መጀመርታ ወይ መእተዊ ዘላ ጥቕሲ፡ ደጋጊምካ ኣንብባ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣንብራ። ከመይሲ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌኻ እንታይ ከም ዝዀነ ከተስተውዕል ምእንቲ።
‘ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” ማቴ 23፡38-39። እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ ዚጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡”
ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ቤተ-ክርስቲያን ቤት ጽድቅን ቅድስናን እያ። ስለ ዝኾነት ድማ ካብ ቅድስና ወጻኢ፥ ናይ ዝኾነ ዓለማዊ-ተግባር መጋበሪያ ኮይና ክትርከብ ፥ ምስቲ ብቕድስና ዝፍለጥ ዕላማኣ ዝሳነ ኣይኮነን። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸይድ ታሪኻ እንተረኣና ግን፥ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ብዝነበሮ ከቢድ ፈተና ሓሊፋ ከምዝመጸት ኢና ክንርዳእ ንኽእል። ዘይተቐበለቶ ፈተና’ውን ኣሎ ኣይበሃልን። እቶም ኩሎም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዝኸፈሉዎ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ ድማ፥ እንሆ ህልውናኣ ዓቂባ ንኽትነብር ኣብ ከቢድ ቃልሲ ትርከብ ኣላ።
ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፣ ብሓላፍነትን ዋንነትን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ንኽትሕተም ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ሕጋዊ ፍቓድ ረኺባ። እዚ፣ ንኹለን ኃይማኖታት ዝውሃብ መሰል'ውን እዩ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ ዮሃንስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብሚያዝያ 6 ሓሙስ ምሸት ብ30 ዓ.ም ሓቢሮም ከለዉ። ብዛዕባ ርኽክቡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ከም ዝዀነ ክገልጸሎም ከሎ ከምዚ በሎም።
ሎሚ 1 መስከረም 2001 ግእዝ (መስከረም 11, 2008) በዓል ቅዱስ ዮሓንስ እነብዕሎ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ ኣበዓዕላ እዩ።
“በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይዅን፡ በሎም።” ዮሓ 20፡19።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ