ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሐ ዓለም፡ ‘ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡’ ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።” ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 2፡21)።
"ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” (1 ቆሮ 1.18)።
ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ እዚ ሰንበት'ዚ በዓለ-መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ) እዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ፡ በቲ ሓይሊ ኽሳዕ ዚለብሱ፡ ነቲ ተስፋ-ኣቦ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኺጽበዩ ዝኣዘዞም መሰረት፡ ኣብታ ደርባዊት ህንጻ ደዪቦም ከይብኰሩ ሓቢሮም እናጸለዩ ተጸበይዎ (ሉቃ 24፡49 ፣ ግብ 1፡4,5)። እቲ እሙንን ሓቀኛን ጐይታ ድማ፡ ነቲ “እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ” ኢሉ ዝገለጾ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም (ዮሃ 15፡26)። ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ከለው ድማ፡ ብድንገት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚጥዕም ጽምዲ ካብ ሰማይ መጸ። መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንዅላ’ታ ቤት መልአ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ መሲሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐሚጡ መልኦም (ግብ 2፡1-4)
ጸሓፊ፡ ብመሠረት ቆሎሴ 4፡14 እቲ ሓኪም ዝነበረ፡ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ክርስቲያን ግሪኻዊ ወንጌልን ግብረ ሓዋርያትን ዝጸሓፈ ሉቃስ ዝተባህለ መሰነይታ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበረ እዩ።
ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ማለት ብ26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ ዓ.ም ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ሊቀ ጳጳሳት ቤተክርስቲያን ምስሪ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብ’ቲ ርክብ፣ ኣብ መንፈሳዊ ክልቲአን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ዘተኮረ ዝርርብ ድሕሪ ምልዛቦም፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኩነታት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ ዕሙቕ ዝበለ ልዝብ ኣካይዶም።
"ንሱ ድማ፡ ‘እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ’ዩ’ ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ’ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .”ሉቃ 24፡44-45። እዚ ናይ’ዚ ዕለአት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮ’ዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕቲ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮም’ውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ረዚን ቃል ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዩ። እንሆ ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃሎም
ኣብ 1850 ዓ.ም ዝተኣታተወ “ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተመሓለላፈ ውርሻ ኃጢኣት የብላን” ዚብል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት፣ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊክን ዝተፈጥረ ናይ እምነት ፍልልይ መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ተንጠልጢሉ ዘሎ ጸገም እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ