“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብ: ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 4፡52። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እምሰማያት ወረደ ወእመላእክት ተአኵተ፡ ወእማርያም ተወልደ።”ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ኮነ፡ካብ ሰማይ ወረደ፡ ብመላእክቲ ተመስገነ፡ ካብ ማርያም ተወልደ።” ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ’ውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” መዝ 118፡27።
“ፈራሕ ነዲኡ ይኣትዋ” እትብል ምስላ ካብ ቅድም ኣትሒዘ ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ምስላታት ሓንቲ ኢያ። ወላ እኳ ሓደሓደ እዋን ኣነ ፈራሓት እዮም ዝብሎም ዝነበርኩ ሰባት ኣንጻር ናይዚ ምስላ እዚ ከጋጥሞም እርኢ
ዳግማይ ትንሣኤ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ኣብ ሰሜን ኣሜርካ።
እንኮ ልሳን ቤተክርስትያን ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን መበል ሓምሳ (50) ዓመታ፡ ማለት ወርቃዊ-ኢዮቤልዩ ካብ 1951 ክሳብ 2001 ዓ.ም (1944 - 1994 ዓ.ም ግእዝ) ከተብዕል ኣብ ምቅርራብ እንከላ ብመስከረም 2001 ዓ.ም.ፈ (1994 ዓ.ም ግእዝ) ተዓጽያ።
“ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ’ በለቶም። ...ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ’፡በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፡ ‘ሕጂ ቕድሕዎ’ሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም፡ ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።” ዮሃ 2፡5-8። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ካብ ጥሪ 12 ክሳብ ጥሪ 18 “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ሖረ ኢየሱስ ብትፍሥሕት ውስተ ከብካብ (ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጐስ ናብ መርዓ ከደ) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡ በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” (መዝ 84፡ 6, 7) ሎሚ እቲ ንዓና ብቅድስት ድንግል ማርያም ጌሩ ንሰብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝተዋህበና ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉግበሩ’ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ሰብ ይዕበ ይንኣስ ይውሓድ ይብዛሕ ኣብ ህይወቱ ዘይጭነቕ ወይ ዘይሓስብ ኣሎ ክብል ኣይደፍርን እየ፡
እንድርያስ ወዲ ዘብዴዎስ ሓደ ካብቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ጎይታ ኮይኑ እቲ ቀዳማይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰዓበ ሓዋርያ እዩ። ንሱ ብመጀመርታ ንክርስቶስ ምስ
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ጎይታ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ከሰንየኩም ጸሎትናን ባህጊ ልብናን እዩ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ 11 ጥሪ “ጥምቀት” ተባሂሉ ካብቶም ዓበይቲ በዓለት ቤተ ክርስቲያና ዝበዓሉ በዓላት እዮም እሞ፡ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና። "አንሶሰወ ገሀደ ወአስርአየ ከመ ሰብእ በበሕቅ ልህቀ በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ" (ብግልጺ ተመላለሰ፡ ከም ሰብ ተራእየ፡ ከም ህጻን ዓበየ፡ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ አብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ)። ኣብዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቅ ፡ ምእንታና ክብል ምስቶም ዮሐንስ ዘጠምቆም ዝነበረ ተነሳሕቲ ተጠምቀ። እቲ ቅዱስ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ማእከል ሓጥአተኛታት ምስረኣዮ እግዚኣብሄር ኣቦ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡” ዝብል ድምጺ ኣስመዔ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተጠምቀሉ ሰዓት ከኣ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ብሓጥያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ሰማይ ተከፈተ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ፡ ሚስጥር ሰለስትነቱ ተገልጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጌሩ ንኩላትና ብምሕረቱ ጠመተና፡ ጥምቀት ሰርዔ ፡ ብዝተከፈተ ሰማይ ምሕረት ናባና ፈሰሰ፡ ናይ ሓጥያት ዕዳና ተደምሰሰ። በዚ ክቡር ብዓል እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብስርዓት ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሞይትና ንትንሳአሉን ንሓብረሉን ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ እቲ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ” ዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ