ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና:
ኣርባዕተ መንእሰያት አብ ከተማ ሲንሲናቲ፣ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ሕቡራት መንግስታት አሜርካ፡ ብ12 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም።ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳብ ታሕሳስ 3 “መፃጎዕ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይቤሉ እስራኤል። ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።”(ይበል እስራኤል። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ብሰንበት፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን።) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ በዚ መዓልታት እዚ ንዕውራት ብርሃን ተስፋ ንዝቀበጹ ተስፋኦም፡ መሕወይ ድውያን፡ ካብ እስራት ኣጋንንቲ ዘውጽእ ሓራ፡ ኣምላክ ብርሃን ፡ ዕውራትን ሕሙማትን ንዘድሓነን ንዘድሕንን ኣምላኽ ዝቀርብ መዝሙር ምስጋና ዝዝመረሉ እዩ።
ንልዕልና ሕግን ሓቅን ዝተሓሰመ ሰብ ቀንዲ መሳርሒኡ ሓይልን ሓሶትን ጥራይ እየን። ጎነጻዊ ሓይልን ሓሶትን ዝተዓጥቀ ሰብ ከኣ መወዳእትኡ ውድቀትን
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳር 26 ምኵራብ ይባሃል።ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ”(ብህልውንኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾም’ውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄር’ውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።” ዝበሎ፡ ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ምጽባይ ክብረት እምበር ውርደት ከምዘይብሉ፡ ምክንያቱ ጽጉማት ኣእውዮም ቅድሚ ሕጂ ዘየሕፈረ ኣምላኽ ህላውነቱ ኣይተለወጠን ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ኣብ እግዚኣብሄር ምውካል መዓልቲ መዓልቲ ንዕኡ ክንረክብ ሃረር ምባል ዘለዎ በረኸት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኣብዚ ዓለም ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ፍቕሪ ከም ዘሎ ድማ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ሰብ፡ ፍቕሪ ዓለም፡ ፍቕሪ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ፍቕሪ ውሉድ፡
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 13 ክሳብ ሕዳር 19 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር "ሎቱ ስብሐት ወሎቱ ኣኵቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት።” (ንሰንበት ንዝቀደሳ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግብኦ) ኢላ ቤተ ክርስትያን መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ፡ዕጉስ፡ ዝደለዮ ዘበለ ዝገብር፡ ዕብየቱን ከኣልነቱን እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረቱ ኣብ ዕድሜና እዚ ዕለት ዝሃበና፡ ካብ ፍቃዱ ከይንወጽእ፡ እቲ ንሱ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከይንስእን፡ ግዳይ ዘልኣለማዊ ሞት ከይንኸውን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘይምፍጻም፡ዘስዕቦ ሞትን ናይ ዘልኣለም ስቓይን ከምኡውን ንሞት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ