“ሃይማኖት ኣይመሓየሽን’ዩ” ኢሎም ናይ ዝትንትኑ ገለ ጽሑፋት ትሕዝቶ ምስ ኣንበብኩ’የ ነዛ “ጸሓይ ከም በዲራ ህሌት” እትብል ኣበሃህላ ዘኪረ።
"ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ” (1 ቆሮ 1.18)።
እዛ ሣልሰይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን ‘ምኵራብ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት፡ ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመሥዋዕት። አነ ውእቱ እግዚኦ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት፡ እግዚእ ውእቱ ለሰንበት ወልደ ዕጓለ እመሕያው። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ መሥያጥ፡ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ። ቦአ ምኵራብ ወገሠፆሙ። አንከሩ ምህሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕመ ነገሩ። ወሣዕሣዓ አፋሁ። ትርጉም ፡ ኢየኡስ ናብ ኣይሁድ ምኵራብ ከደ ቃል ሃይማኖት መሃረ ካብ መስዋእትስ ምጽዋት ይበልጽ በሎም። ጐይታ ሰንበት ኣቦ ምሕረት ኣነ እየ በሎም። ወዲ ሰብ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ በሎም። ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ኢልዎም ናብ ምኵራቦም አተወ፡ ስቅ ክብሉ ገንሖም። ትምህርቱን ሓይሊ ቃሉን ሞገስ፡ ናይቲ ነገር ምፍታው ናይ ቃሉ ላዛን አድነቁ። ኢሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኣብ ምኵራብ ምምሃሩ ቅዱስ ያሬድ ዘመረ።
ስሕለት ሴፍ ዘምለጠ፡ ሰሃራ እናበልዖ፡ ሰሃራ ዘምለጠ ሲናይ ተቐቢሉ ባሕሪ እናወሓጦ፡ ደቂ ህዝበይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከም ባሮት ተሸይጦም፡
ጸሓፊ፡ ብመሠረት ቆሎሴ 4፡14 እቲ ሓኪም ዝነበረ፡ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ክርስቲያን ግሪኻዊ ወንጌልን ግብረ ሓዋርያትን ዝጸሓፈ ሉቃስ ዝተባህለ መሰነይታ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበረ እዩ።
ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ማለት ብ26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ ዓ.ም ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ሊቀ ጳጳሳት ቤተክርስቲያን ምስሪ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብ’ቲ ርክብ፣ ኣብ መንፈሳዊ ክልቲአን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ዘተኮረ ዝርርብ ድሕሪ ምልዛቦም፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኩነታት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ ዕሙቕ ዝበለ ልዝብ ኣካይዶም።
ናይ ወዲ ሰብ ናይ ህይወት ዕላማ፡ ንምስሊ ኣምላኽ ምንጽብራቕ እዩ። ፍጥረት ሰብ ብመልክዕን ምስልን ናይ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ፍጡር እዩ። እዚ ዘርእየና ድማ፡ ወዲ ሰብ ንመልዕን ምስልን ኣምላኽ ከንጸባርቕ ዝተፈጥረ ፍጡር ምዃኑ እዩ። ስለዚ ብፍጥረት ተካፈልቲ ባህሪይ ኣምላኽ ዀንና። ብምኽንያት እታ ዝተገብረት ኣበሳ እዚ መልክዕን ምስልን ኣምላኽ ኣባና ተበላሸወን ተደወንን። እንተዀነ ኣምላኽ በዚ ዝተበላሸወ መልኽዕ ንሓዋሩ ክንነብር ኣይሓደገናን። እንታይ ደኣ ነቲ ዝተበላሸወ መልኽዕና ከሐድሶ፡ ንዝጠፍአ ነገርና ክመልስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወረደ። ነዚ ወረደ ዝብል ሓሳብ ሒዝና ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከነስተንትን ቐኒና ክንከውን ተስፋ ይገብር። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ዝወረደሉ ዕላማ ነቲ ዝተፈጠርናሉን፡ ናይ ህይወትና ተልእኾውን ዝዀነ፡ ንኣምላኽ እነንጸባርቐሉን መልኽዕናን ምስልናን ንምሕዳስ እዩ።
ቃጭል ኣልዒለ ብልዑልን ጥዑምን ዜማ “ጻኡ ንኡሰ ክርስቲያን” (ሓደሽቲ ኣመንቲ ዘበልኩም ውጹ!) ኢለ ኣብ ፍርቂ ቅዳሴ፡ ይእውጀሉ
ኣብ 1850 ዓ.ም ዝተኣታተወ “ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተመሓለላፈ ውርሻ ኃጢኣት የብላን” ዚብል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት፣ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊክን ዝተፈጥረ ናይ እምነት ፍልልይ መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ተንጠልጢሉ ዘሎ ጸገም እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ