ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሓላፊ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝምደቡ ንደሓር፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓዋርያዊ
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን: ክርስቲያን እየ እናበልካ ብስም ጥራሕ ምምካሕ: ርእስኻ ጠቢርካ ናብ ጥፍኣት ካብ ምኻድ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘመጉሰካ ኣይኮነን። ከምቲ ጎይታ "ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ፈሪሳውያን እንተዘይበዝሐ Read More...
ኣብ ቅዱስ ወንጌል “ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝኽእል ሐደ እኳ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ክጸልእ፥ ነቲ ሓደ ከፍቅር፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር፥ ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ።” ዝብል ኣሎ።ማቴ 6፡24። በዚ መሠረት ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፥ ወታሃደር ናይ ክርስቶስን፥ ወተሃደር ናይ ምድራዊ ንጉሥን ክኸውን ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ክሕሰብውን ኣይምተገብኦን። ይኹን እምበር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ካህናትን ዲያቆናትን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ ንዓመታት ከርተት ከም ዝበሉን፥ ገና ከርተት ይብሉ ከም ዘለዉን ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ክፈልጦ ይግባእ።
ካብ ዓርቢ ሚያዝያ 9 ክሳብ ሰኑይ ሚያዝያ 12, 2010 ዓ.ም.ፈ. ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣሜሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝኂ ምእመናን ብኽብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ መድኃኔ ዓለም ንግደት ዝተፈላለየ መንፈሳዊን፥ ባህላዊን፡ ስፖርታዊን መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 15, 2020፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መፃጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበት ሠርዐ።” አምላክ ኣዳም ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓሉ (ዝፈጠረሉ) እዩ፡” ዚብል። ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ብዛዕባ ምፍዋሱ፡ ትእምርቲ ምግባሩ፡ዝጎበጠ ምቅንዑ፡ ለምጻማት ምንጽሁ፡ ብዛዕባ መለኮታዊ ታአምራት ሓይሉ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ይዝመር፡ ይስብከን፡ ይዝከርን።
ዝኾነ ክርድኦ ከምዝኽእል፥ ግፍዕን ንዕቀትን እናተቐበለ ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ ማይ ዝመልአ ዕትሮ ወይ ገንኢ መሊኡ ከምዝፈስስ፥ ሰብ‘ውን ንዕቀትን ውርደትን ክበዝሖ ከሎ፥ ከም ኣድጊ ዝጸዓንዎ ስቕ ኢሉ ዝጸዓን ኣይኮነን። ስለዝኾነ‘ውን እቲ መስፈር ክመልእ ወይ እቲ ዓቐን ካብቲ ልክዕ ክሓልፍ ከሎ ግን፥ ብሕይወቱ ከሎ ምስ ምዉታት ክቝጸር ዝመርጽ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝኾነ እንተኾነ‘ውን እቶም ግቡዛት ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር፥ ሰብኣዊ ክብሩ እናተረግጸን መሰሉ እናተዓመጸን ዝነብር ሰብ ወይ ሕዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።
ብሩኽ በዓል ትንሳኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና። ቀጺልና April 9- 10 2010 (ሚያዝያ ፩-፪ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ኣብዚ መንፈሳዊ በዓል ንኽትሓብሩና ትዕደሙ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ