ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሓላፊ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝምደቡ ንደሓር፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓዋርያዊ
ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ህልውናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘሕፍርን ዘጸይፍን ተግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምኽሳቱ፣
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ። ተንሥአ ኵሎ ሙታነ፡ ወፈትሖሙ ለሙቁሐን። ተንሥአ፡ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ወአግዓዘ ነፍሰ ጻድቃን።ትርጉም ክርስቶስ ተንሲኡ ሙውታት ኩሎምውን አተሲኡ፡ንኩሎም እሱራት ፈትሐ ብዓቢ ሓይሊ ስልጣንን ነፍሲ ጻድቃን ሓራ አውጽኤ” ኣዚዩ መሳጢ ብዝኾነ ቃላት ጌሩ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ብመንፈሳዊ ቃላት ጌሩ ካብ ዝገለጾ ሓረግ ዝተወስደ ቃላት እዩ።
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን: ክርስቲያን እየ እናበልካ ብስም ጥራሕ ምምካሕ: ርእስኻ ጠቢርካ ናብ ጥፍኣት ካብ ምኻድ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘመጉሰካ ኣይኮነን። ከምቲ ጎይታ "ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ፈሪሳውያን እንተዘይበዝሐ Read More...
ኣብ ቅዱስ ወንጌል “ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝኽእል ሐደ እኳ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ክጸልእ፥ ነቲ ሓደ ከፍቅር፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር፥ ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ።” ዝብል ኣሎ።ማቴ 6፡24። በዚ መሠረት ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፥ ወታሃደር ናይ ክርስቶስን፥ ወተሃደር ናይ ምድራዊ ንጉሥን ክኸውን ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ክሕሰብውን ኣይምተገብኦን። ይኹን እምበር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ካህናትን ዲያቆናትን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ ንዓመታት ከርተት ከም ዝበሉን፥ ገና ከርተት ይብሉ ከም ዘለዉን ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ክፈልጦ ይግባእ።
ካብ ዓርቢ ሚያዝያ 9 ክሳብ ሰኑይ ሚያዝያ 12, 2010 ዓ.ም.ፈ. ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣሜሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝኂ ምእመናን ብኽብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ መድኃኔ ዓለም ንግደት ዝተፈላለየ መንፈሳዊን፥ ባህላዊን፡ ስፖርታዊን መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት በጽባሕ ኀበ መቃብር። እንዘ ዓዲ ጽልመት ወረከበት እብነ እቱተ እምአፈ መቃብር። ወበጽሐት ኀበ ስምዖን ጴጥሮስ ወኀበ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ወትቤሎሙ ነሥእዎ ለእግዚእየ እም ውስተ መቃብር፡ ወኢየአምር ኀበ ወሰድዎ፡ እንዘ ይረውፁ ክልኤሆሙ ኅቡረ። በደሮ ለጴጥሮስ ዝኩ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ትርጉም፡ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።
ዝኾነ ክርድኦ ከምዝኽእል፥ ግፍዕን ንዕቀትን እናተቐበለ ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ ማይ ዝመልአ ዕትሮ ወይ ገንኢ መሊኡ ከምዝፈስስ፥ ሰብ‘ውን ንዕቀትን ውርደትን ክበዝሖ ከሎ፥ ከም ኣድጊ ዝጸዓንዎ ስቕ ኢሉ ዝጸዓን ኣይኮነን። ስለዝኾነ‘ውን እቲ መስፈር ክመልእ ወይ እቲ ዓቐን ካብቲ ልክዕ ክሓልፍ ከሎ ግን፥ ብሕይወቱ ከሎ ምስ ምዉታት ክቝጸር ዝመርጽ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝኾነ እንተኾነ‘ውን እቶም ግቡዛት ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር፥ ሰብኣዊ ክብሩ እናተረግጸን መሰሉ እናተዓመጸን ዝነብር ሰብ ወይ ሕዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።
ብሩኽ በዓል ትንሳኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና። ቀጺልና April 9- 10 2010 (ሚያዝያ ፩-፪ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ኣብዚ መንፈሳዊ በዓል ንኽትሓብሩና ትዕደሙ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ