ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ልቢ ቈልዓ ከምዝነበረኒ፡ ህንጻ ናይታ ዝዓበኹላ ቤተክርስቲያን ፈሪሱ ኣብ ዝተሓደሰሉ ህሞት ዝተሰምዓኒ ስምዒት ነበረ።
ምሕዳስ፡ ተሓድሶ፡ ለውጢ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ከም ቁሪ እናፈራሕናዮም ስለዝዓበና፡ እታ ናይ ሽዑ ከባብ ዝቕርጻ ቤተክርስቲያን ሰምበል፡ ንዝሰፍሐን ዝሓሸን ኣገልግሎት ፈሪሳ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ክትሕደስ እንተነበራ’ውን፡ እቲ ናይ ሽዑ ልቢ ቁልዕነተይ ግን “ስለምንታይ እታ ቕድስቲ ስፍራ ትፈርስ?!” ኣብ ዝብል ውሱን ሓሳብ ጥራይ ነቒጹ ነበረ። እቲ ለውጢ ንኸይቅበል ዝሓንገደ ልቢ፡ ብኸመይ ተቓንዩ ከምዝዓበየ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡ ነቲ ኣብ ዘመን ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝበሃል ነገር እዩ ዘዘክረኒ። ብመሰረቱ ቤተክህነት ለውጢ ንምቕባል፡ ምናልባት እቶም ዝደሓርና ከይኮንና ኣይንተርፍን ኢና ዝብል ብዙሓት ዝግምትዎ፡ ኣነውን ዝሰምሮ ሓሳብ ከኣ ሓቂ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እቲ ዘንበብክዎ ዛንታ የረጋግጸለይ ኣሎ። ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘተኣታትውዎ ዝነበሩ ለውጢ፡ ንመጀመርያ ግዜ ተለፎን ኣብታ ሃገር ከምዝኣቱ ክገብሩ ከለዉ’ውን፡ ብወገን ቤተክህነት ተሪር ተቓውሞ እዩ ኣጋጢምዎም ዝነበረ። ካብ ቤተክህነት ዝተላእኩ ሸሞንተ ወኪል ድማ ናብ ህጸይ ቀሪቦም፡ “ተለፎን ናይ ኣጋንንቲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክኣቱ የብሉን፡ ካብ ሃገርና ድማ ጠቕሊሉ ክጠፍእ’ዩ ዝግብኦ” ኢሎም ጥርዓኖም ከምዘቕረቡ ታሪኽ መዝጊብዎ ኣሎ። (መጽሓፍ የለውጥ ያለህ፡ ገጽ 10 ተመልከት) እታ ክትፈርስ ዘይደለኽዋ ቤተክርስቲያን ሰምበል ፈሪሳ፡ ሰፊሓ ስለዝተሃንጸት ድማ ምእመናን ካብ ቁሪ ተገላጊሎም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ቦታ ረኸቡ። ብመሰረቱ’ውን፡ ቅዱስ ስፍራ እንታይ ማለት’ዩ? ቤተክርስቲያን ማለት ከ ብሓቂ እቲ ህንጻ ማለት ድዩ ዝብል ሓታቲ መስቀላዊ-ሕቶ እንተዝረክብ እኳ ኸኣ፡ ክብልዎ ሰሚዐ ኢለ ዝደግሞ እንተዘይኮይኑ እኳ፡ ክምልሶ ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዘለዎ ኣዕጋቢ መልሲ’ውን ኣይነበረንን። ልቢ ቘልዓ ኮይኑ ግን ንጽቡቕ ምዃኑ ብዘይምስትብሃል ንምሕዳስ እታ ቤተክርስቲያን ብምቅዋም ከም ቈልዓ ሓሰብኩ። ናይ ኤለክትሪክን ጋዝን ኣማራጺታት እናሃለወ፡ ንዕዑ ተሓሲምና ኣብ ቤተ-ልሄም ብትኪ ዒግ ዝበልናዮ ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ፡ በቲ ናይ ቁልዕነት ልበይ እግረም። መጕልሒ ድምጺ ክንጥቀም እናኸኣልና ብትምክሕቲ ዝገዓርናዮ፡ ጓለንስተይቲ ከበሮ ቤተክርስቲያን ኣይትሃርምንያ ኢልና ዝተማጐትናዮ፡ መጽሓፍ ቅዳሴ ብቛንቋ ግእዝ ዝተደርሰ ክሳዕ ዝመስል ብትግርኛ ኣይከውንን እዩ እናበልና ዝተኸራኸርናዮ ክዝክሮ ከለኹ፡ ሕንከት እናተሰምዓኒ ብልቢ ቁልዕነተይ እግረም ኣለኹ። እቲ ምንታይሲ ንፍተዎ ንጽልኣዮ፡ እቲ ለውጢ መጺኡስ እንሆ’ኳ ካብቲ ክዕረ ዝግብኦ ብዙሕ ተሓዲሱ… ቅዳሴ ብትግርኛ ንሰምዕ ኣለና፡ ለካስ ቤተክርስቲያን ትሕደስ እያ! ትማሊ ብጀካ እቲ ምስ ጸናጽልን ጣቕዒትን ጥራይ ዝህረም ዝነበረ ከበሮ፡ ሕጂ ግን ዋጣን ክራርን ኣሰንዮሞ ኣብ መዛሙር ክንሰምዖ ምኽኣልና ውጽኢት ተሓድሶ እዩ። እንሆ እእዛንና እቲ ብደባትር ጥራይ ዝዝየም፡ ምእመን ግን ተረዲኡ ከስተማቕሮስ ይትረፍ ከምዘለዎ ክደግሞ እኳ ዘይክእል ጥራይ ዝሰምዕ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ልቢ ምእመናን ዝደረሶ፡ ቀሊል ዜማ ዝሰረቱ መዛሙር ንሰምዕ ኣለና። እዚ’ውን ውጽኢት ተሓድሶ እዩ። ለካስ ቤተክርስቲያን ትሕደስ እያ?! ለካስ ደቀንስትዮ’ውን ይዝምራን ይሽብሽባን’የን። ለካስ ዋጣን ክራርን’ውን ነቲ ጽዩፍ ተግባረተን ሓዲገን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ክቃነያ ይኽእላ እየን… ኮታ… ለካስ ከምቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበረ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘይሰርቕ፡ ጽሩይ ስርዓተ ኣምልኾን ሕዋስ ዘይብሉ ትምህርትን ከምዝህልዋ ንምግባር ቤተክርስቲያን’ውን ትሕደስ’ያ! ወይ ልቢ ቁልዕነት ኢሎሞስ…!! ተሓድሶ ማለት ግን እንታይ ማለት እዩ? ተሓድሶ ዝብል ቃል ዳዮርቶሲስ ካብ ዝብል ናይ ጽርኢ ቃል ዝተረኽበ ኣበሃህላ ኮይኑ፡ ንዝቐነነ ወይ ኣሪጉ ንዝተጨማደደ፡ ወይ’ውን ካብ መስርዑ ንዝወጸ፡ ኣስተኻኺልካን ኣሐዲስካን ናብቲ መበቈላዊ ባህርዩ ምምላስ ማለት እዩ። ቤተክርስቲያን፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ጥራይ ክትሕደስ ከምእትኽእል ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ “መሠረት ሕግን፡ እምነትን፡ ትምህርትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ” ብምባል ብንጹር ኣስፊርዎ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ኩሉ ሕጊ ይኹን እምነት ወይስ ትምህርቲ ናብቲ መሠረቱ ማለት ናብ መጽሓፍ ቅዱስ መሊስና ክንሕድሶ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕዮ እዩ። ቤተክርስቲያን ተሓድሶ ኣየድልያን እዩ ዝብል እንተሎ ግን ሓደው ፍቕሪ ቤተክርስቲያን የብሉን፡ ወይውን ብሱሩ ወዲ ቤተክርስቲያን ኣይኮነን ጥራይ እዩ ክበሃል ዝከኣል።
ምስትውዓልና ንዝኸፈተ እግዚኣብሄር ግን ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ!!
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ