ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል (ምሳ 22፡28)
ሓዋርያዊ ትውፊት ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ መንፈስ ቅዱስን ስለ ዝተረኽበ ብኽብሪ ክተሓዝ ድኣ ይግብኦ እምበር፥ ካብቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ትውፊት ገይሮም፥ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ቁንጭል ኣቢሎም ወሲዶም፥ ንገዛእ ርእሶም ሊቃውቲ ክዅኑላ ዝጋደሉ፥ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
“ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ክገብር እየ ኢሉ ሐሰበ።” ሉቃ 12፡16-17፡29,30። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 3 ክሳብ 9 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ” (ናይ ጥበቡ ውዕለት ድንቅን መስተንክርን እዩ።) ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ንከዋክብቲ ሰማይ ብብርሃን ዘድመቀ፡ ንምድሪ ብኣዚዮም ዝማሩክ ብሉጻት ዕምባባታት ዝሸለመ፡ንመሬት ፍሬኣ ክትህብ ዝገበረ፡ ንቅዱሳን ኣቦታት መጐሶም ዝኾነ፡ አምላክ ምስጋና ነቅርበሉ ጊዜ እዩ።
ዘረባ ህበይ እዩ። “መሲለ ዝነግሮስ ክመስሎ ኢለ” ከምዝበሃል ግን፡ ኣብዚ ዘለናዮ፡ ዘመን መሳልሶ፡-- ሓው ንሓው ኣሕሊፉ ዝወሃሃበሉ ዘሎ ህጹጽ ዘመን፡--
ኣቕሊብናሎም እንተ’ሊና፡ ናይዚ ዕለት እዚ ንባባትና ብዘይካ ግብረ ሃዋርያት፡ ኵላቶም መርዓዊ-ጠቀስ እዮም። መዝሙር ሊቃውንትና’ውን “ትዌድሶ መርዓት” ዚብል’ዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡ “መርዓዊ” ዚብሎ ዘሎ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። “መርዓት” ዚብላ ዘሎ ድማ ንቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ድማ “ዓርኪ መርዓዊ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ዓብይ መልእኽቲ እዚ ዚዛረቦ ዘሎ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ንኣታቶም “ኣሻቓሊ” ዀይኑ ዝረኸብዎ ዜና ምስ ነገርዎ እዩ።
ፓትርያርክ ዘሃገረ ቡልጋርያ ቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ኣብ መበል ንሚእትስ ክልተ ጐደል ዓመት ዕድሚኦም፡ ማለት ኣብ መበል 98 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።
ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና:
ኣርባዕተ መንእሰያት አብ ከተማ ሲንሲናቲ፣ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ሕቡራት መንግስታት አሜርካ፡ ብ12 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ