ንልዕልና ሕግን ሓቅን ዝተሓሰመ ሰብ ቀንዲ መሳርሒኡ ሓይልን ሓሶትን ጥራይ እየን። ጎነጻዊ ሓይልን ሓሶትን ዝተዓጥቀ ሰብ ከኣ መወዳእትኡ ውድቀትን
“...ነቲ ሰብ’ቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ።”ሉቃ 11፡26።
እቲ ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ሂቡና’ሎ። ኣእምሮኡን መንፈሳውነቱን ጽቡቕ ዘሎ ሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ኣርእስቲ ኼንብብ ወይ ኪሰምዕ ከሎ ኸም ዚስምብድ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መወዳእታኡ ዘየተሓሳስቦ ሰብ ኪህልው ኣይግባእን’ዩ። እቲ መወዳእታ ኽትበጽሖ እትደልይ ቦታ ምስ ወሰንካ ኢኻ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናብኡ ዜብጽሕ መገዲ እትመርጾ። ናብ ከረን ኪበጽሕ ዘንቀደ ሰብ፡ መገዲ መንደፈራ ወይ መገዲ ባጽዕ ኪመርጽ ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ምድራዊ ናብራ፡ ኣዝዩ ዝኽፍአ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምኡ ዚገብር ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግና፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ዚደልይ ክነሱ፡ ነቲ ናብኡ ዘየእትው ገፊሕ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዚመርጽ ግን ማእለያ የብሉን። መወዳእታኻ ብሰናይ ትምኒት ጥራይ ኪሰምርን ኪጽብቕን ኣይክእልን’ዩ። መወዳእታኻ ዚጽብቕ፡ በቲ እትመርጾን እትኸዶን መንፈሳዊ መገድን ጕዕዞን’ዩ።
ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና:
ኣርባዕተ መንእሰያት አብ ከተማ ሲንሲናቲ፣ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ሕቡራት መንግስታት አሜርካ፡ ብ12 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም።እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ዕለተ-ሰንበት ተዳልዩልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ብዛዕባ ምስላ መርዓ ዕዱማትን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዘስተምሃረሉ ኽፍሊ ወንጌል’ዩ። እዚ ማቴዎስን ሉቃስን ጽሒፎምዎ ዘለዉ ምስላ ኣብቲ ኣገላልጽኡ’ኳ ቚሩብ ፍልልይ ይሃልዎ’ምበር፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡን ቀንዲ መልእኽቱን ፍጹም ሓደ እዩ። ማቴዎስ ከም መርዓ፡ ሉቃስ ከኣ ከም ናይ ድራር ዕድመ ገሊጽዎ ኣሎ። ክልቲአን ፈላሊኻ በበይነን ምርኣይ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ሓሳበን ሓደ ስለ ዝኾነ ብሓደ ኽንርእየን ኢና። ከምቲ ሉቃስ ኢልዎ ዘሎ፡ ጐይታ ኣብ ድራር ተዓዲሙ ከሎ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” በሎ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበት’ዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ’ሞ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታ “ንርእሱ” እትብል ቃል’ያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ