“ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’’ (ኤር 6፡16) ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻይደ ጉባኤ ካብ ትጽቢት
ወጻኢ ብዝሒ ምእመናንን ዝተሳተፍዎ፡ ብትሕዝቶኡ ሃብታምን መነቓቕሕን ኔሩ። እዚ ካብ ብዙሓት ክፍለ ሃገራት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብዝመጹ ኣጋይሽ ተጋቢኡ ዝቐነየ፡ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ዓዘቕትን ማሕዩርን ኣትያትሉ ኣብ ዘላ እዋን ዝተኻየደ ብምንባሩ፤ ተሳተፍቲ ጉባኤ እዚ መሰረት ናይታ ጽባሕ እንርእያ ህያው፡ ሓራን ብርትዕትን ቤተክርስትያንና እዩ ብምባል ብኣድናቖት ገሊጾምዎ።እዚ መመላእታ ዓመት ምድላዋት ኪግበረሉ ዝጸንሐ ዓብዪ ጉባኤ፡ ንሰለስተ ወለዶ ኣብ ሓደ መኣዲ ዘሳተፈ ጉባኤ ምንባሩ ኸኣ ካልኣይ ዓወት እዩ። ዓበይቲ ሊቃውንቲ ኣቦታት ብጸሎት ነግህ ጀሚሮም ነቲ ማእከላይ ዕድመ ዘሎዎ ኣካል ህዝብና ብሰሚናራት፡ ትምህርትን ሕቶን መልስን ኪመርሕዎ፤ ከምኡውን ኣብዚ ዓዲ ዝዓበዩ ደቂ ቤተክርስትያን ድያቆናትን መዘምራንን ተማሃሮን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኮይኖም፡ ኣብዚ ከቢድ ናብራ ስደት፡ ኣሰር ኣቦታቶም ኪስዕቡ ክትርእይ ካብዚ ዚዓቢ ሓጎስ ኪህሉ ኣይክእልን። ኣብ ሞንጎ እቲ ጉባኤ ብኣካላት ን/ሃገረ ስብከት ንምምሕዳር ዝምልከት ጸብጻብን መደባትንውን ተዘትይሉ። ነቶም ኣብዚ ዓዲ ዓብዮም ቋንቆኦም ኣጽኒዖም፡ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርቲ ቤተክርስትያን ተማሂሮም ኣገልግሎት ጀሚሮም ዘሎዉ ድያቆናት እትጥርንፍ ግዝያዊት ብደረጃ ን/ሃገረ ስብከት ኮሚቴ ብምቛም፡ ናይ ድያቆናት ጉባኤ ተመስሪቱ።
ዝተፈላላየ ሞያ ዘሎዎም ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያኖም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ከገልግሉ ላዕልን ታሕትን ኪብሉ ንዝተዓዘበ ሰብ፡ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ፡ ልክዕ ከም ቀዳሞት ኣቦታትና፡ ቅኑዓትን ሓቀኛታትን መራሕቲ እንተረኺቡ ንኣምላኹን ቤተክርስትያንን ንምግልጋልን ምውፋይን ድሕር ከምዘይብል ዘመስከረ ጉባኤ እዩ ኔሩ።
ሰንበት ስብሃታት ቅዳሴን ዑደትን ኪካየድ ከሎ ኸኣ ብመገዲ ኢንተርነት፡ ከምዚ ዚኣመሰለ መንፈሳዊ ጉባኤ ሓርቢትዎ ንዘሎ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ዝርከብ ደቂ ቤተክርስትያን፡ ብቐጥታ ብቪድዮ (Live Video) ተመሓላሊፉ።
ኣብ መጨረሻ ናይ ዝመጽእ ዓመት መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ቅ. ገብርኤል ኒው ዮርክ ኪኸውን ብምስምማዕ ኩሎም ምእመናን “ያብጽሓነ ኣመ ከመ ዮም ያብጽሓነ” እንዳዘመሩ ናብ ኣምላኾም ተመባጽዑ።
ጉባኤ ኪዛዘም ኪብል፡ መርድእ ናይቶም መተካእታ ዘይብሎም ሊቅ መጋቤ ምስጢር መብራህቱ ሞባእ ሰሚዕና፡ ኣብ ገጽ ኩሎም ተሳተፍቲ ኸኣ ከቢድ ሓዘን ይንበብ ኔሩ፤ ኣምላኽ ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት ንቤተሰብ ምጽንናዕ፡ ንቤተክርስትያንና ከኣ መከራኣ ወዲኡ ተካእቲ ሊቃውንቲ ኪህባ ኣቡነ ዘበሰማያት ተደጊሙ።
በዚ ኣጋጣሚ ምእመናንን መራሕትን ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዝሃብዎ ኣገልግሎትን መስተንግዶን ብስም ኩላቶም ተሳተፍቲ ደጊምና ዓስብኹም ብኣምላኽ ርኸቡ፡ የቐንየልና ንብል። ስእላዊ መግለጺ ጉባኤ 2009 ንምርኣይ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቕ።
ን/ክ/ስነ-ጽሑፍ፡ ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ