ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 29 - 31/ 2010 ፤ ጥሪ ፳፩ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
ካብዚ ዝርርብ እታ ሳምራዊት ሰበይትን ጐይታና ኢየሱስን፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበልና ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 4 እንተኣስተውዒልና ፡ምድሪ ሰማርያ ኣብ መንጎ ምድርታት ይሁዳን ገሊላን’ዩ ዝርከብ ። ስለዚ ክርስቶስ ይኹን ካልእ ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክኸይድ ብሰማርያ ኣቢሉ ክሓልፍ ግድን’ዩ። እንተኾነ ንክርስቶስ ብእኡ ምሕላፍ ግድን ዝኾኖ በዚ ዝተጠቕሰ ጂኦግራፊያዊ ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ ሓደ ካልእ መለኮታዊ ምኽንያት ነበሮ።
ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይወት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ’ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ ካብዚ ስራሕና ይውጻኣልና ጥራሕ ዘይኮነስ: ሓንቲ ከይበደልካ: መሳርሕተይ ዝበልካዮም ሓስዮም ሓሳስዮም ይቀተል እንተዝብሉኻ እንታይ ምበልካ? ከምዚ ኸማይ እንተትኸውን: “ኢሎም ይተርፉ” ኢልካ ጠንጢንካሎም ምኸድካ። እንድዒ ንስኻ ኣንባቢ እምበር: ኣነ ብዘይቃል ዓለም ኣንጻር’ቲ ኩሉ ንትዕግስቲ ዝምልከት ዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ከምኡ ምገበርኩ። ግና እቶም ሰብ ነገርካ: እቲ ዝበሉዎ ክገብሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰራማት እንተዝኾኑ’ሞ ኣብ ዓርቢ ሰብ አኪቦም: ኣብቲ መቕተሊ ፍርዲ ዝወሃቦ ደንደስ ደው እንተዘብሉኻ’ኸ…… የድሕነና።
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡
ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንጥሪ/January 30-31/ 2010 (ጥሪ ፳፪ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 26 ክሳብ ለካቲት 2 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ተወልደ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘይሁዳ (ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወልደ።) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ቤተ ልሔም ይሁዳ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።” (መዝ 98፡ 2-3) ሎሚ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት ብዝብል ናይ ኣዴና ሃና ኣብነት ብምግባር ነዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ነነዌ ኣብ ህይወትና ከመይ ከነተግብሮ ከም ዘሎና፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ጥምቀት፡ ብዙሕ ዓይነት መልክዕ እኳ እንተ ሃለዎ፡ ጥምቀት ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ብእምነት ዝእቶ ኪዳን እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበና ጥምቀት፡ ብማይ ምሕጻብ፡ ብደመና ምሕላፍ፡
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
ኣኅዋትና፥ እምነትኩም ኣዝያ ትዓቢ ስለ ዘላ እታ ኣብ ንሓድሕኩም ዘላ ናይ ነፍስ ወከፍኩም ፍቕሪ ኸኣ ትስስን ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። እዚ ኸኣ ቅኑዕ እዩ። ስለዚውን ንሕና ባዕልና ብጽንዓትኩምን እምነትኩምን፥ በቲ ኣብ ስደትን ጸበባን እትዕገሥዎ ዘሎኹምን፥ ኣብተን ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብኣኻትኩምን ንምካሕ ኣሎና።
በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ። እቲ በዓል ረብዕ ምሸት 6 ጥሪ 2010 ዓ.ም ብዋዜማ ጀሚሩ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ ድማ ብስርዓተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ኣብዚ ክቡር በዓል ልደት'ዚ: ብርክት ዝበሉ ብባህላዊ ልብሲ ዘጌጹ ምእመናን ብምርካቦም ድማ ንበዓል-ልደት' ተወሳኺ ግርማ ሂብዎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ