ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብዘውጽኦ ናይ ጾምን ጸሎትን ኣዋጅ መሰረት፣ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያናት ብሰላም ተፈጺሙ። ቀንዲ መሪሕ ጽሑፍ ናይዚ ዝተገብረ ጸሎት ካብ መዝሙር ዳዊት ብዝተወስደ እዩ ተማእኪሉ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 28 ክሳብ ጥሪ 10 “ዘመነ ልደት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይሠርቅ ኮከብ እም ያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። (ካብ ያቆብ ኰዀብ ይወጽእ። ካብ እስራኤል ከኣ ሓጢኣት የርሕቅ።) ብፍላይ ከአ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳብ 5 ጥሪ, “ልደት” እዩ ዝበሃል። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።” (መዝ 89፡27, 28) ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ዚመርሕ ኰዀብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኣብዛ መከራን ጸበባን ዝበዝኃ ዓለም ኵሉ ነገር እሾኽ ኮይኑ ምሕላፍ እንተ ኸልከለካ፣ መሬት ክንዲ ኣፍ ዕንቍ እንተጸበበትካ፣ ምድረ-ሰማይ ጽልምት ኢሉ እንተ
ትምህርቲ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብዝውሃብ ትምህርትታት እንዳዓሞቐ እንዳሃብተምን ድሕሪ ምምጻእ፡ “ተማሂርካ ምስትምሃር” ብዝብል ቴማ፡ ደቂቀ እንጦንዮስ፡ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ናብ ዝሰፍሐ ኣካል ቤተክርስትያንና (ናብ ውሉደ ክህነት፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን) ዝበጽሓሉ መገዲ ኣብ ምድላው ይርከቡ።
ኣብዚ ሎሚ ዝተነበበ ወንጌል፡ (ማቴ 1፡1-18) ማቴዎስ ኣብ ጽሑፍ ብዛዕባ ፍጻሜ ትንቢታት ኣዝዩ ዝተገደሰ ሰብ እዩ። ማለት ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን እናተሓሓዘ እዩ ጽሒፉ። እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ መበቆል ናይቲ ጽሑፍ የረጋግጸልና። ማቴዎስ ኣብ ወንጌል ናይ 12 ትንቢታት ፍጻሜ ጠቒሱ ኣሎ (ማቴ 1፡22፣ ማቴ 2፡15,23፣ ማቴ 3፡1-5፣ ማቴ 4፡14፣ ማቴ 5፡17፣ ማቴ 8፡17፣ ማቴ 12፡17፣ ማቴ 13፡14,35፣ ማቴ 21፡4፣ ማቴ 27፡9)። ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ ትንቢት ነይሩ (ኢሳ 7፡14)። ኣብዚ ትንቢት እዚ ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ካልእ ስም፡ ኣማኑኤል ዝብል፡ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣማኒኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። ክርስቶስ ማለት መድሓኒት ማለት ኮይኑ፡ ተግባሩ ክገልጸልና ከሎ፡ ኣማኒኤል ከኣ መለኮታዊ መንነቱ ይገልጸልና። ጐይታ ብዘይካ እዚኣቶም ኻልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ዝጽወዓሎም ስማት ኣለውዎ። ብስሙ ሰባት ካብ ፍርዲ ይድሕኑ (ዮሃ 3፡18) ኣጋንንቲ ይወጹ (ማር 16፡17) መከራ ይቕበሉ (ግብ 5፡41) ድሌቶም ይረኽቡ (ዮሃ 16፡24)። ምኽንያቱ እዚ ስም እዚ ልዕሊ ዂሉ እዩ (ፊሊ 2፡9-11)።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳብ ታሕሳስ 27 “ኖላዊ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም ( ናብ ዓለም ዝመጸ ሕያዋይ ጓሳ) ማለት እዩ። እዛ ሰንበት እዚኣ ሳልሰይቲ ሰንበት ኮይና፡ ኖላዊ ማለት ሓላዊ ጓሳ ኮይኑ ነብያት ሓቀኛ ጓሳ ኮይኑ ወዲ እግዚኣብሄር ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ምንባዮምን፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሓቀኛ ጓሳ ምኳኑን እንዳዘከረት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ትዝምሮን፡ ትቅድሶን፡ ተመስግኖን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ሓቀኛን እሙንን ጓሳ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ከምቲ ንህዝብካ ኣብ ዘመናት ዝመራካ ምርሓና፡ በሪህካ ተገለጽ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ሕያዋይ ጓሳ ኣነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ