“ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።”ዮሃን 3፡11። እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትና ኸነስተንትን ዚሰርዓትልና መዓልቲ እያ። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ሊቕ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር፡ በለይቲ ንጐይታ ኺረኽቦ ምስ መጸ፡ ጐይታ “ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን’’ ብምባል ኣገዳስነት ዳግም ልደት ብዘየማትእ መገዲ ገለጸሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ናይ ጐይታ ቓል መሰረት ብምግባር ፡ ብምስጢር ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ እንውለደሉ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ሰርዓትልና።
ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል (ምሳ 22፡28)
ሓዋርያዊ ትውፊት ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ መንፈስ ቅዱስን ስለ ዝተረኽበ ብኽብሪ ክተሓዝ ድኣ ይግብኦ እምበር፥ ካብቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ትውፊት ገይሮም፥ መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ ቁንጭል ኣቢሎም ወሲዶም፥ ንገዛእ ርእሶም ሊቃውቲ ክዅኑላ ዝጋደሉ፥ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
“ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።” ማቴ 24፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ነዚ ሰሙን‘ዚ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ሰሪዓትልና ኣላ። ምጽኣት መድሓኒና ምቕራቡ ኻብ ዜመልክቱና ኣገደስቲ ምልክታት ሓደ ድማ፡ ኵነታት ፍቕሪ ሓድሕድና እዩ። ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታ ኸነስተንትን ከሎና፡ መብዛሕትና ነዛ ኣዝያ ኸተስግኣና ዚግብኣ ወሳኒት ትእምርቲ ፈጺምና ኣይነስተብህለላን ኢና። ፍቕሪ እትዝሕለሉ ምኽንያት ድማ ብብዝሒ ዓመጻ ስለ እተዕብለል ምዃኑ ጐይታ ኣግሂዱልና ኣሎ። ፍቕሪ ሰብ ብፍቕሪ ዓመጻ እናተዓብለለ ምስ ዚኸይድ፡ ብድሕሪኡ ንሰብ ምፍቃር ዕሽነት ኰይኑ’ዩ ዚስምዓካ። ነቲ ርኹስ ረብሓ ዓመጻ ስለ እትሃርፎ፡ ነቲ ኸተፍቅሮ ዚግብኣካ ሰብ ክትዕምጾ ድሕር ኣይትብልን ኢኻ።
“…እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።” (ዮሃ 5፡14)
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 24, 2019፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ