“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብ: ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 4፡52። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እምሰማያት ወረደ ወእመላእክት ተአኵተ፡ ወእማርያም ተወልደ።”ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ኮነ፡ካብ ሰማይ ወረደ፡ ብመላእክቲ ተመስገነ፡ ካብ ማርያም ተወልደ።” ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ’ውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” መዝ 118፡27።
መዓርግን ስልጣንን ፓትርያርክ (ደቂቀ እንጦንዮስ ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኮርፐስ ክርስቲ, ተክሳስ ሕ.መ. ኣሜሪካ 24 ሚያዝያ 2008 )
ስልጣን ፓትርያርክ
መሰረት ስልጣን ፓትርያርክ ካብ ሰማይ እምበር ካብ ባይታ ኣይመጸን። ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ስልጣን ንሃዋርያት ከም ዝሃቦም ዝሕብሩና ኣብነታት እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ምስክር እዮም። “በቲ ሓቂ ቀድሶም፣ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፣ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽኩዎም”። (ዮሃ፡17፡17-18) “ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፣ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣሎኹ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፣ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ”። (ዮሃ፡20፡21-22) “ስለዚ ኺዱ ንኹላቶም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኹሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ
“ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ’ በለቶም። ...ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ’፡በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፡ ‘ሕጂ ቕድሕዎ’ሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም፡ ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።” ዮሃ 2፡5-8። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ካብ ጥሪ 12 ክሳብ ጥሪ 18 “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ሖረ ኢየሱስ ብትፍሥሕት ውስተ ከብካብ (ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጐስ ናብ መርዓ ከደ) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡ በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” (መዝ 84፡ 6, 7) ሎሚ እቲ ንዓና ብቅድስት ድንግል ማርያም ጌሩ ንሰብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝተዋህበና ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉግበሩ’ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
“ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” (ዘዳግም 6:4-5)።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ 11 ጥሪ “ጥምቀት” ተባሂሉ ካብቶም ዓበይቲ በዓለት ቤተ ክርስቲያና ዝበዓሉ በዓላት እዮም እሞ፡ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና። "አንሶሰወ ገሀደ ወአስርአየ ከመ ሰብእ በበሕቅ ልህቀ በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ" (ብግልጺ ተመላለሰ፡ ከም ሰብ ተራእየ፡ ከም ህጻን ዓበየ፡ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ አብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ)። ኣብዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቅ ፡ ምእንታና ክብል ምስቶም ዮሐንስ ዘጠምቆም ዝነበረ ተነሳሕቲ ተጠምቀ። እቲ ቅዱስ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ማእከል ሓጥአተኛታት ምስረኣዮ እግዚኣብሄር ኣቦ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡” ዝብል ድምጺ ኣስመዔ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተጠምቀሉ ሰዓት ከኣ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ብሓጥያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ሰማይ ተከፈተ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ፡ ሚስጥር ሰለስትነቱ ተገልጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጌሩ ንኩላትና ብምሕረቱ ጠመተና፡ ጥምቀት ሰርዔ ፡ ብዝተከፈተ ሰማይ ምሕረት ናባና ፈሰሰ፡ ናይ ሓጥያት ዕዳና ተደምሰሰ። በዚ ክቡር ብዓል እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብስርዓት ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሞይትና ንትንሳአሉን ንሓብረሉን ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ እቲ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ” ዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ