“እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።” ማርቆስ 2፡28።
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 25 መስከረም ግእዝ ናይ ክረምቲ መወዳእታ ናይ ሓጋይ መጀመርታ ብክብሪ ውዕለት እግዚኣብሄር ትዝክሮሉ ዕለት እዩ። ዘመነ ክረምቲ ዘብቅዓሉ መስከረም 25 ስለዝኮነ ኣብዚ ብኣቦታት ሊቃውንቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙር “ ትብሎ መርዓት ለመርዓዊሃ ወልድ እኁየ ነዐ ኀቤየ፡ ወሪደ ኢታጐነዲ” እዚ ማለት ከኣ መርዓት (ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን) መርዓዊ (ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ) ኦ ፍትወይ ናባይ ንዓ እትብሎ። ናይዚ ምሥጢሩ ከኣ ሃዋርያት ብቃላቶም ዘይሰበክዎ ስብከት ዘይመሃርዎ ትምህርቲ፡ የሎን፡ ነቢያት’ውን ብቃሎም ዘይተነበይዎ ፡ትንቢት የሎን። ናይ ነቢያት ትንቢት ናይ ሃዋርያት ስብከት ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም በጽሐ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ማር 2፡23-28 ጐይታ ሰንበት ሙዃኑ ነብያት ዝተነበይዎ ጉይትነትን ሃዋርያት ዘረጋገጽዎ ምስ ህይወትና ኣረጋጊጽና ክንርኢ ኢና።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳዕ 25 ንዘሎ ቕንያት “መስቀል” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና ኣዕሚቖም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል ኣብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና ቕንያት ድማ እዩ።
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብዘውጽኦ ናይ ጾምን ጸሎትን ኣዋጅ መሰረት፣ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያናት ብሰላም ተፈጺሙ። ቀንዲ መሪሕ ጽሑፍ ናይዚ ዝተገብረ ጸሎት ካብ መዝሙር ዳዊት ብዝተወስደ እዩ ተማእኪሉ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳዕ 15 ዘሎ ሳምንቲ፡ “ፍረ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ኵሉ’ውን ፍረ-ጠቀስ እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን፡” ከምኡ ድማ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ። እዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ኽፋል ጥራይ ዘይኰነ እቲ ልዕል ኢሉ ኣብ 4፡26-29፡ ተጠቒሱ ዘሎ፧ “መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ።
እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ረዚን ቃል ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዩ። እንሆ ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃሎም
ኣብዛ መከራን ጸበባን ዝበዝኃ ዓለም ኵሉ ነገር እሾኽ ኮይኑ ምሕላፍ እንተ ኸልከለካ፣ መሬት ክንዲ ኣፍ ዕንቍ እንተጸበበትካ፣ ምድረ-ሰማይ ጽልምት ኢሉ እንተ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ