“እታ ሰበይቲ ድማ፡ ‘‘ክርስቶስ’ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ፡ ንሱ ምስ መጸ ኵሉ ኺነግረና’ዩ፡’ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ ንሱ’የ፡’ በላ።” ዮሃ 4፡25,26።
እዚ ናይዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ዝርርብ ተሪኹልና ኣሎ። እቶም ኣብ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ዝነበሩ ዓሰርተ ነገዳት ብንጉስ ኣሶር ተማሪኾም ናብ ብዘላ ዓለም ምስ ተበተኑ፡ እቶም መተካእታኦም ኪዀኑ ናብኡ ዘምጽኦም ሕውስዋስ ዓሌታት ኣህዛብ “ሳምራውያን” ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። እዚ ስም’ዚ ድማ ካብታ “ሰማርያ” እትበሃል ዋና ከተማ ናይቲ ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ዝነበረት ዝወጸ’ዩ። እዞም ሕዝቢ’ዚኦም፡ ንኣምላኽን ንጣኦታትን ዜምልኹ ሕዝቢ ነበሩ። ስለዚ በቶም ደቂ እስራኤል ኣዝዮም ፍንፉናትን ንዑቓትን ነበሩ1። ኣብዚ ንባብና ኣብ 4፡9 ተገሊጹ ኸም እንረኽቦ ድማ፡ ኣይሁድን ሳምራውያንን ንሓድሕዶም ዝዀነ ሕብረት ኣይነበሮምን። ሰላም ኣይበሃሃሉን፡ ናብ ገዛ ሓድሕዶም ኣይኣትዉን፡ ብሓባር መኣዲ ኣይበልዑን ነበሩ2። ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣህዛብ ስለ ዚግባእ፡ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል’ምበር፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ከይኣትዉ፡ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ይኽልክሎም ነበረ3። ምኽንያቱ ንሓደ ኣይሁዳዊ ናብ ከተማ ኣሕዛብ ምልኣኽ ኣዝዩ ኸቢድ ስለ ዝዀነ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክትርታዕን ሓይሊ ኽትዕጠቕን ኣዝዩ ኣድላዪ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚለብሱ ኻብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ጽኑዕ ትእዛዝ ተዋህቦም4። ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብቲ ኻብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ ቆርነሌዎስ ንኺልእኾ ብፍሉይ ራእይን ብትእዛዝ መንፈስ ቅዱስን ኪድርኾ ናይ ግድን ኰነ5። ተልእኾኡ ፈጺሙ ምስ ተመልሰ ኻብቶም ኣሕዋቱ ደቀ መዛሙርቲ ዝገጠሞ ተቓውሞ’ውን ብሰፊሑ ተተሪኹልና ኣሎ6። ካብዚ ዝተጠቕሰ ፍጻመታት ብምብጋስ እምበኣር፡ ንሓደ ኣይሁዳዊ ብምድሪ ሰማርያ ምሕላፍን ምስ ሳምራውያን ምውሳእን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ኽንርዳእ ኣየጸግምን’ዩ።
ክርስቶስ ጐይታና ባዕሉ ብቓሉ ዘይተዛረቦን ብግብሪ ዘይፈጸሞን ነገር፡ ዝዀነ ሃዋርያ ኺገብሮን ኪዛረቦን ኣይክእልን’ዩ7። ስለዚ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ኣርኣያ ጐይታኦም ተኸቲሎም ናብ ከተማ ሳምራውያንን ካልኦት ኣህዛብን ኣትዮም ወንጌል ምእንቲ ኺሰብኩ፡ ጐይታና ብሰማርያ ኺሓልፍ ናይ ግድን ኰኖ። ኣብ መገዲ ኺደኽሙን ኪጠምዩን ናይ ግድን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ኬዕርፉን ርእሶም ኪዕንግሉን ዔላ ማይ ናብ ዝነበሮ ሩባ ወረዱ። ንጐይታና ንበይኑ ኣብቲ ዔላ ገዲፎምዎ ድማ ዚበልዕዎ ምግቢ ኺሽምቱ ናብታ ኣብ ቀረባኦም ዝነበረት ናይ ሰማርያ ኸተማ ኸዱ። እታ ዝኸድዋ ኸተማ “ሲካር” ትበሃል ነበረት። እቲ ምድሪ’ቲ ኣቦና ያእቆብ ንወዱ ዮሴፍ ዘረስተዮ ምድሪ ነበረ።
ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ “ሳድሰይቲ ሰዓት” ማለት፡ ብኣና ፍርቂ መዓልቲ (ሰዓት 12) ወይ ከኣ ፋዱስ ማለት’ዩ። ንኣና ናይቶም ዝገዝኡና ኢጣልያውያን ጽልዋ ደኣ ኣቈጻጽራና ኽንልውጥ ገይሩና’ምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኽሳዕ ሕጂ ከምቲ ናይ ኣይሁድ ኣቈጻጽራ ጊዜ’ዮም ዚጥቀሙ። ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና “ሳድሰይቲ ሰዓት” እንተ’ኢሉ፡ ብኣና ፍርቂ መዓልቲ፡ “ሳልሰይቲ ሰዓት” እንተ ኢሉ፡ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ፡ “ታስዓይቲ ሰዓት” እንተ ኢሉ ድማ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ማለት’ዩ። ኣብ ባህልና ዀነ ኣብ ባህሊ ኻልኦት ሕዝብታት፡ ፍርቂ መዓልቲ ወፊርካሉ ኻብ ዝጸንሓካ ጕዳይ ደኣ ናብ ቤትካ ትኣትው’ምበር፡ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ስራሕ ወይ ማይ ክትወርድ ናብ ርባ ኣይውረድን’ዩ። ኣብዛ ህሞት’ዚኣ ግን ክልተ ዘይንቡር ነገር ኣብ ሓደ ጊዜን ኣብ ሓደ ቦታን ተኸስቱ። ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ኣብ ዔላታት ሳማርያ ኺርከብ ልሙድን ንቡርን ኣይነበረን፡፡ እቲ ዘይንቡር ግን ብእኡ ጥራይ ኣየብቅዐን። ኣይሁዳዊ ሰብኣይሲ ንሳምራዊት ሰበይቲ “ማይ ኣስትይኒ” ኺብላ’ውን ዝበኣሰ ዘይንቡር ኰነ። ሓደ ዓቢ ማሕበራውን መደባውን እግድ ተጣሕሰ። ይትረፍ ንኻልእ ሰብሲ ንባዕላ ነታ ጽይንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ’ኳ ኣዝዩ ዜገርም ኰይኑስ፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ማይ ክትሰትይ ትልምን ዘለኻ፧” ኢላ ብኣስተንክሮ ኽትሓትቶ ተደረኸት። በዚ ተራ ዚመስል ናይ ኣግርሞት ንግግር ከኣ ናብ ዓሚቝ ስነ-መለኮታዊ ዘተ ኣተዉ።
ኣብ መንጎ’ዚ ሓያል ዝርርብ ድማ ማሕበራውን መንፈሳውን መንነት ናይዛ መጓቲት ሰበይቲ፡ ካብኡ ሓሊፉውን መንፈሳዊ መንነትን ተልእኾን ናይ ክርስቶስ ተጋህደ። እዛ ሰበይቲ፡ ናብ ሻድሻይ ሰብኣይ ዝበጽሐት ኣመንዝራ’ያ ዝነበረት። እቲ ሕጂ ምስኣ ዚነብር ዘሎ ሰብኣይ ድማ ሕጋዊ በዓል ቤት ዘይኰነስ ውሽማኣ ወይ ናይ ምንዝርና ዓሚላ’ዩ። እቶም ዝቐደሙ ሓሙሽተ ሰብኡት’ውን ከምዚ ናይዚ ሰብኣይ ተመሳሳሊ ዝምድና ዝነበሮም ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ልዑል’ዩ። ብኣካል ኰነ ብታሪኽ ፈጺምካ ዘይትፈልጦ፡ ብወዝቢ ዝረኸብካዮ ሰብ፡ ናይ ምንዝርና ታሪኽካ ዘርዚሩ ኺገልጸልካ ኸሎ፡ ብዛዕባኻ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ርእሱ’ውን ይነግረካ ኸም ዘሎ ብሩህ’ዩ። ስለዚ ንዅሉ ታሪኻ ቅልዕ ኣቢሉ ምስ ነገራ፡ “ኣበይ ትፈልጠኒ፧ መን ከምኡ ኢሉ ነጊሩካ፧” ኢላ ኽትሓትት፡ “ተጋጊኻ ትሕስው ኣለኻ” ኢላ ኽትቍጣዕን ክትነቕፎ’ውን ምኸኣለት ነይራ። ነቲ ብሱል መንፈሳዊ ኣረኣእያ ስለ ዝመረጸት ግና፡ “ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ” ኢላ ኸም ቅጽበት ዓይኒ ናይ ቅኑዕ መደምደምታ በጽሐት። ብዛዕባ’ቲ ጐይታ ዝቐልዖ ዜሕፍር ታሪኻ ከይሓፈረት ብግልጺ ስለ ዝተኣመነት ድማ፡ ጐይታ “ቅንዕናን ሓቅን” ከም እተፍቅር ብምንጋር ነቲ ናይ ባህርይ ብልጫኣ መስከረላ።
እዛ ቕንዕናን ሓቅን እተፍቅር ኣመንዝራ ግና፡ ኣብ ውሽጣ ዀይኑ ዚሓቕያ ናይ ስነ-መለኮት ጕዳያት ስለ ዝነበራ፡ ንውልቃዊ ጕዳያ ንጐኒ ሓዲጋ ነዚ ነብዪነቱ እተራእያ ኣይሁዳዊ ኽትሓትቶ መረጸት። ምኽንያቱ ምስ ኣይሁዳዊ ናይ ምዝርራብ ዕድል ደጊማ ኸይትረክብ ትኽእል’ያ። “ናይ ዘይፈልጣ ሰብ ታሪኽ’ኳ ዘርዚሩ ዝፈለጠስ፡ ናይ ሃይማኖትናን ሃይማኖቶምን ፍልልይ ኣጸቢቑ ከም ዚፈልጥ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን” ኢላ ስለ ዝሓሰበት፡ ንኣምላኽ ኪስገደሉ ብዛዕባ ዚግባእ ቦታ ሓተተቶ። ንሱ ድማ ካብ ቦታ ስግደት ሕልፍ ኢሉ፡ ብዛዕባ ሕይወት ናይቲ ዚሰግድ ሰብ ብዚምልከት ካብ ኣእምሮ ዘይሃስስ ዓቢ ትምህርቲ ኣስነቓ። በቲ ንልባ ዝረትዐ ቓሉ ተደሪኻ ድማ፡ ነቲ ኣይሁዳውያን ዝረስዕዎ መሲሕ (ክርስቶስ) ዘከረቶ። በዚ ዘረባኣ’ዚ ድማ ምምጻእ ክርስቶስ እትጽበ ኣመንዝራ ሳምራዊት ምዃና ተገልጸ። እቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተገሊጹ ዘሎ ቓላ ድማ ነቲ ድሮ ዝመጸን ዝተገልጸን መሲሕ ክትፈልጦ በሪ ኸፈተላ።
ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ይትረፍ ኣብ ርባታትን ሻውላትን ናይ ሰማርያ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌም’ኳ ተረሲዑ ዝነበረ ጕዳይ’ዩ። እምበኣር ንክርስቶስ ብሰማርያ ኺሓልፍ ናይ ግድን ዝዀኖ፡ ነዛ ናቱ ምምጻእ እትጽበ ዝነበረት ኣመንዝራ ሰበይቲ ምእንቲ ኺግለጽ’ምበር ምድሪ ሰማርያ ኸይረገጽካ ኻብ ናብ ገሊላን ይሁዳን ክትመላለስ ዘይከኣል ጂኦግራፍያዊ ግዴታ ዀይንዎ ኣይኰነን። ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ዚጽበዩ ኣይሁድ በጻብዕ ዚቝጸሩ ውሑዳት’ዮም ዝነበሩ። ገለ ኻብኣቶም ነብዪ ስምኦን፡ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ምስኣ ዝነበሩ ሒደት ሰባትን፡ እቲ ንኢየሱስ ኣብ ክቡር መቓብር ብምቕባር ትንቢት ዝፈጸመ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን ምጥቃስ ይከኣል’ዩ (ሉቃ 2፡25,38፣ ሉቃ 23፡51)። እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ዚጽበይዎ ኸቶ ዘየሕፍር እሙን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ብህጻንነቱ ዝረኸብዎ ኺሓቝፍዎ፡ ነቶም እናገሸን እናመሃረን ዝረኸብዎ ማይ ኬስትይዎን ካብኡ ኺመሃሩን ነቶም ሞይቱ ዝረኸብዎ ድማ ብኽቡር ቦፍታ ኪገንዝዎን ንርእሶም ኣብ ዝወቐርዎ ኽቡር መቓብር ኪቐብርዎን ብምፍቃድ፡ ጻማ ትጽቢቶም ፈደዮም8።
እዛ ነቲ እተጸበየቶ ክርስቶስ ክትርኢን ክትፈልጦን ዝተዓደለት ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ “ንሱ ምስ መጸ፡ ዅሉ ኺነግረና’ዩ” ብምባል ካብ ጐይታኣ ዝነበራ ትጽቢት ገሊጻ’ያ። ንእኡ ምስ ረኸበቶ እንታይ’ዩ ነጊርዋ፧ ትጽቢታ ተማሊኡላዶ፧ ብርግጽ ተማሊኡላ’ዩ። ቀዳማይ ዝነገራ ነጥቢ፡ ብዛዕባ ማይ ሕይወት’ዩ። ንሳ ብዘይካ ማይ ዔላ ኻልእ ትፈልጦ ኣይነበራን። ማይ ዔላ ድማ ኣሽንኳይ ንዘለኣለም ንሒደት ሰዓታት’ኳ ኣየጽንሕን’ዩ። ክንዲ’ቲ ዜርውየካ መጠን ከኣ፡ ንእኡ ንምርካብ ብዙሕ’ዩ ዜህልኸካ። እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ብዛዕባ’ቲ ንዘለኣለም ዘየጽምእ ማይ ምስ ሰምዐት፡ “ጐይታይ ከይጸምእ’ሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ’ቲ ሃበኒ” ኢላ ዝለመነትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (4፡15)። ምስ ሰተኻዮ ንዘለኣለም ዘየጽምእ፡ ኣብ ውሽጥኻ ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ዚኸውን “ማይ ሕይወት” ዚበሃል ማይ ከም ዘሎ፡ እቲ “ዅሉ ኺነግረና’ዩ” ዝተባህለሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ዝነገረ ወይ ኪነግር ዚኽእል ኣካል ኣይነበረን። እዚ ማይ’ዚ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣብ ዮሃ 7፡37-39 በሪሁልና ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ንዘለኣለም ኣብ ውሽጥና ስለ ዚነብር፡ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ኰይኑ ንዘለኣለም ዜጥልለናን ዜርውየናን ንሱ’ዩ። ኵሉ’ቲ ንኽንፈልጦ እንጸምኦ መንፈስ ቅዱስ’ዩ ዚገልጸልናን ዚምህረናን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ ‘እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ‘ ዚብል፡ እቲ መንፈስ (ቅዱስ) ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ’ሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” 1ቈረ 2፡9-12
ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ እንረኽቦ ሓቂ ድማ ንሱ’ዩ። ጐይታና ንዅሉ ዚነግረናን ዜፍልጠናን ብመንፈሱ ገይሩ ምዃኑ ባዕሉ ነጊሩና’ዩ።
“እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም’ዩ። .... ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡ እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ’ዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም’ዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን’ዩ’ሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ’ዩ። እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ’ዩ። ስለዚ’የ፥ ‘ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም’ዩ፡ ዝበልኩ።” ዮሃ 14፡26 ፣ 16፡12-15
ነህምያ’ውን፡“ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሂብካ’ዮም” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ9። ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ዝተቐበልዎ ቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ኺፈልጥዎን፡ ነቲ ዝፈለጥዎ ድማ ኪነብሩሉ ኸም ዘኽኣሎም ብግሩም ቃላት ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ።
“ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም’የ ዝጸሓፍኩልኩም.... ንስኻትኩምሲ ኸምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዝምህረኩም ዘሎ፡ .....ከምቲ ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ’ኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን’ዩ።” 1ዮሃ 2፡20,21,27
ስለዚ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዀነ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባትን ጕዳያትን ክንፈልጦ ዜድልየና ዅሉ፡ ክርስቶስ’ዩ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ዜፍልጠና። ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥን፡ ከም ፍቓዱ ጌርና ኽንጽልይን ዜኽእለና፡ እዚ መንፈስ ቅዱስ’ዚ’ዩ10። ጐይታና፡ ነዛ “ክርስቶስ መጺኡ ዅሉ ኺነግረና’ዩ” ኢላ ትጽበ ዝነበረት ሳምራዊት፡ ነቲ ናይ ምፍላጥ ጽምኣታ ዜርውይ ማይ ሕይወት ከም ዜስትያ ኣበሰራ። ምኽንያቱ ዅሉ ጊዜ እግዚኣብሔር ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ’ዩ11።
ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብዛዕባ ሕሉፍን ህሉውን ሕይወታ ነገራ። እቲ ናይ መውስቦ ታሪኻ ብኣካል ንዚፈልጣ ዝዀነ ሳምራዊ ምስጢር ኣይነበረን። ቅድሚ ሕጂ ርእይዋን ረኺብዋን ንዘይፈልጥ ሰብ ግና ስዉር ምስጢር’ዩ። ብዛዕባ’ቶም ዘእተወቶም ቍጽሪ ሰብኡትን ምስኣቶም ዝነበራ ዓይነት ዝምድናን ብምግላጽ፡ ነቶም ኣብ ልባ ዝነበሩ፡ ክርስቶስ ኪምልሰላ እትጽበዮ ዝነበረት ሕቶታት ክትሓትት ኣተባብዓ። ነቲ ኣምላኾ-ጠቀስ ሕቶታት ልዕሊ ትጽቢታ ብብቕዓት ብምምላስ ከኣ፡ ካብ ኣምልኾ ናይ ኣኽራን ኣውጺኡ፡ ናብቲ ቕቡል ብመንፈስን ብሓቅን ዚግበር ስግደትን ኣምልኾን መርሓ። ብትሕዝቶን ስልጣንን ናይ ኣዘራርባኡ ክርስቶስ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገሚታ፡ “እቲ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲሕ ምስ መጸ፡ ኵሉ ኺነግረና’ዩ” ኢላ ተዛረበቶ። ንሱ ድማ፡ ክርስቶስ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ነቲ ሓቂ ኣግሂዱ ገለጸላ። ብኸምዚ መገዲ’ዚ ክርስቶስ ዝተገልጸሎም በጻብዕ ዚቝጸሩ ውሑዳት’ዮም። እቲ ዜገርም ከኣ ንሓንቲ ጽቡቕ ስነ-ምግባር ድሕረ- ባይታ ዘለዎ ሰብ ዘይኰነስ ንሓንቲ ምስ ሽድሽተ ሰብኡት ዝተዋሰበት ኣመንዝራ ሰበይቲ ምግላጹ’ዩ። ነቲ እትጽበዮ ምስ ረኸበት ድማ እቲ ዘምጽኣ ናይ ማይ ምውራድ ጕዳይ ምስናይ ዕትሮኣ ሓደጋ፡ ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ከተበስር፡ ናብቲ ማሕበራዊ ኽብሪ ዘይህባ ሕዝቢ ጐየየት። ነቲ ሕዝቢ ኺስሕብ ብዚኽእል ጥበብ ከኣ ምምጻእ ክርስቶስ ኣበሰረት። ሳላኣ ድማ ብዙሓት ሳምራውያን ብክርስቶስ ብምእማን ንእምነት ተኣዘዙ። እቲ ማሕበራውን መንፈሳውን ታሪኻ ስለ ዝዓንቀፎም ከኣ፡ “ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን’ምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡” ብምባል ኬመጕስዋ ኣይፈቐዱን (4፡42)። እቲ መሲሕ ክርስቶስ ስለ ዘኽበራ ግና ናይ ሰብ ክብሪ ዚዓብሰላ ኣይነበሮን።
ንሕናኸ ነቲ “ዅሉ ዚነግር” ክርስቶስ ብሓቂ ረኺብናዮዶ ንኸውን፧ ከም ዝረኸብናዮን ከም ዘይረኸብናዮን ክንፈልጥ ዜጸግም ኣይኰነን። ነቲ ኽንፈልጦ ዜድልየናን ዚግብኣናን ይነግረና እንተ’ልዩ ብርግጽ ረኺብናዮ ኣለና፡ ምሳና’ውን ኣሎ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ቃል ቅዱስ ወንጌል፡
“ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ተሰዊሩ ኣሎ።”
ኢሉና’ዩ12። ብቐንዱ ክርስቶስ “ምስጢረ ኣምላኽ” ምዃኑ’ውን ልዕል ኢሉ፦
“ምእንታኹምን ምእንቲ’ቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፡ ምእንቲ’ቶም ገጸይ ርእዮም ዘይፈልጡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ ክትፈልጡ እደልይ ኣለኹ። እዚ ኸኣ ነቲ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ምእንቲ ኺፈልጡን ናይ ምሉእ ምስትውዓል (ኣእምሮ) ሃብቲ ምእንቲ ኺህልዎምን፡ ልቦም ተጸናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑን ኢለ’የ።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ13። ክርስቶስ ባዕሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ካብ ኰነ፡ ምስጢር ኣምላኽ ንሱ ባዕሉ ኻብ ኰነ፡ ንእኡ እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን፡ ንዅሉ ኺነግረናን ኬፍልጠናን’ዩ። ሓደ እዋን፡ ኣብታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ጐይታና ነቶም ፍቁራት ሃዋርያቱ፡
“ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱ’ውን ትፈልጥዎ ኢኹም” ኢሉ ምስ ተዛረቦም፡ ሃዋርያ ቶማስ ከኣ፡ “ጐይታይ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧” ኢሉ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ሕቶ ሓተተ። ጐይታና ኸኣ፦
“‘መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ’የ። ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡’ በሎ። ፊልጶስ ከኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡’ በሎ። የሱስ በሎ “ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ”። ከመይ ኢልካኸ ‘ነቦ ኣርእየና፡’ ትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ’ዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።” ዮሃ 14፡4-10
እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ፡ ብርጉጽነት ከም ዚፈልጡ እናነገሮም ከሎ፡ ንሳቶን ግን ነቲ ኺፈልጥዎ ዚግብኦም ምፍላጣም’ኳ ኣይፈለጡን። ጐይታ ግና፡ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ሰማያት ንኣኻትኩም ተዋሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም (ነቶም ዘይኣምኑ) ግና ኣይተዋህቦምን”
ኢሉ ኣቐዲሙ ኣረጋገጹሎም’ዩ።14። ስለዚ ኣብቲ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን፡ ኣብ እምነትን ምእዛዝን ጸኒዕና እንተ’ሊና፡ ንኣና’ውን እቲ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ተዋሂቡና ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ዚበሃል ከቶ የልቦን15። ንክርስቶስ ኣዚና ኽንፈልጦ፡ ነቲ ኣብኡ ተሰዊሩ ዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ክንርስተዮ እንተ ፈቒድና፡ ንሱ ድማ ንምስትውዓል ኣእምሮና ኸፊቱ ኽንፈልጦ ኺረድኣና’ዩ። ካባና ዚደለይ እንተ’ልዩ ኸኣ፡ ኣሰር ቅዱሳን ሃዋርያቱ ስዒብና፡
“. . .እንተ ዀነ ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ (ወጽዓ) ቘጸርክዎ። እወ! ምእንቲ’ቲ መዘና ዘይብሉ (ብሉጽ) ፍልጠት ናይቲ ጐይታይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ንዅሉ ነገር ከም ክሳራ እቘጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ኽብል ንዅሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ (ምእንቲ) ኽረክብን ምስኡ (ምእንቲ) ክኸውንን ከኣ፡ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣለኹ።”
ክሳዕ ምባል ምዕባይ’ዩ16። ስለዚ ንኻልእ ኵሉ ስጋውን ምድራውን ረብሓ ኸም ወጽዓን ጐሓፍን ክንቈጽሮ ኽሳዕ እንኽእል፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ብሉጽ ፍልጠት ንምርካብ እንብህግ እሙናት ክርስቲያን እንተ ዄንና፡ ነቲ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ክንረኽቦ፡ ንምስጢራት ኣምላኽ ብዕምቈት ክንፈልጦ ብዘይ ስፍሪ ኺወሃበና’ዩ። እምበኣር ከምታ ሳምራዊት፡ “ንሱ ዅሉ ኺነግረና’ዩ” ንበል’ሞ ናብኡ ንምጻእ።
ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ የካቲት 21, 2013 ግዕዝ (28 የካቲት 2021) - መበል 25 ሰንበት: ቊ.31(፴፩) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
ሮሜ 9፡1-17 |
1ጴጥ 2፡20-ፍጻ |
ግብ 11፡1-19 |
ዮሃ 4፡1-25 |
ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም) |
መዝ 46፡3-4 ‘ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና።’ አግረረ ለነ አሕዛብ ወሕዘበ ታሕተ እገሪነ፤ ወኀረየነ ሎቱ ለርስቱ፤ ሥኖ ለያዕቆብ ዘአፍቀረ። |
12ነገ 17፡24-41 2ግብ 10፡28፣ 11፡2,3 3ማቴ 10፡5,6፣ 15፡24-27፣ ግብ 13፡26፣13፡46,47፣ ሮሜ 1፡16፣ 2፡9-11 4 ሉቃ 24፡49፣ ግብ 1፡4,5,8 5ግብ 10፡9-35 6ግብ 11፡1-20: 7ሮሜ 15፡17-19:8መዝ 25፡3፣ ኢሳ 49፡23 9ነህ 9፡20:10ሮሜ 8፡26,27 11ደጕ 3፡25,26 12 ቈሎ 2፡3: 13ቈሎ 2፡1,2 ካ.ት 14ማቴ 13፡11 15ግብ 10፡34,35 ፣ ሮሜ 2፡11 ፣ ገላ 3፡28፣ ቈሎ 3፡11 16ፊሊ 3፡7,8
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ