“ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ ኢኹም’ በልኩ” ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን’ዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፦ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን’ዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለማውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ’የ’ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’፡ ትብሉኒ ኣለኹም።” ዮሃ 10፡34-36።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስወንጌል፡ ጐይታና ናይ “ሕያዋይ ጓሳ” ትምህርቲ ድሕሪ ምስትምሃሩ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ናብ ምቕታሉ ዝዓለመ ሓያል ተቓውሞ ዚትርኽ’ዩ። ብዛዕባ ሕያውነት ስለ ዘስተምሃረ ኽንድዚ ዚኣክል ተጻብኦ ዝገጠሞስ፡ ብቐጥታ ግሁድን መሪርን ተግሳጽ እንተ ዚግስጾም ደኣ፡ እንታይ መገበርዎ ማለት’ዩ፧ ንዝተዛረቦ ኹሉ ዘረባ፡ “ንኣምላኽ ተጻሪፉ” ኢሎም ዘይትርጉሙ እናሃቡ፡ ንእኡ ዚቐትሉሉ ምኽንያት ሃሰው ይብሉ ነበሩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ “ንስም እግዚኣብሔር ዝጸረፈ ወይ ዘቃለለ ብዳርባ እምኒ ይሙት” ዚብል ጽኑዕ ትእዛዝ ተዋሂቡ ስለ ዝነበረ፡ ኪቐትልዎ ንዝደልዩ ሰብ በዛ ሕጊ’ዚኣ ኣመኽንዮም ብምቕታል፡ ነቲ ንጽህ ደም ናይ ምፍሳስ ባህጎም መጐልበቢ ገይሮም ይጥቀሙሉ ነበሩ1። ንግስቲ ኢዛቤል፡ ሰይቲ ንጉስ ኣከኣብ፡ ነቲ ንጹህን ድኻን ናቡተ ንምቕታል ዝተጠቕመትሉ ሕጊ’ውን እዚ’ዩ 2። ኣብ መወዳእታ ንጐይታና’ውን በዚ ሕጊ’ዚ’ዮም ዘቕተልዎ3። ቅዱስ እ ስቲፋኖስ፡ ቀዳማይ ሰማእት’ውን ነዚ ሕጊ’ዚ ተጠቒሞም ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ4።
ስለዚ ነቲ ቕዱስ ሕጊ ኣምላኽ፡ መጋበርያ ናይቲ ኣብ ውሽጦም ኰይኑ ዚህውኾም ንጹህ ደም ናይ ምፍሳስ ጽምኣቶም ገይሮም ይጥቀምሉ ነበሩ። ኣብ’ዛ ዝተጠቕሰት ዕለት’ዚኣ’ውን፡ “ትጻረፍ ኣለኻ” እናበሉ ብዳርባ ኪቐትልዎ ኣእማን ኣልዓሉ። እቲ ጥበበኛ ጐይታ ድማ፡ ካብቲ “ዚኣምኑሉን” ዚጥቀሙሉን ሕግታት ሓደ ብምጥቃስ፡ ነቲ ሃቐናኦም ዓገቶ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ድማ ንኣታቶም መልሲ ንምሃብ ካብ ዝተዛረቦ ቓላት ዝተወስደ’ዩ። ብሓቂ ጹሑፍ ኪፈርስዶ ኣይከኣልን’ዩ፧ ወዲ ሰብከ ብዘይካ ጽሑፍ ናይ ምፍራስ ታሪኽ፡ ካልእ ታሪኽዶ ኣለዎ’ዩ፧ እቲ ብጽሑፍ ዝተዋህበና ቓል ኣምላኽ፡ ይትረፍ በቶም ዝናዓቕዎን ዘይተቐበልዎም፡ በቶም፡ “ኣማን ብኣማን ቃል-እግዚኣብሔር’ዩ” ኢልና እንኣምን፡ ንርእስና ኸኣ “ክርስቲያን” ኢልና እንሰሚ ሕዝቢ’ኳ ኸይተረፈ ኺፈርስ ይውዕልን ይነብርንዶ ኣየሎን፧ እሞ ጐይታ ደኣ፡ ንምንታይ’ዩ “ጽሑፍ ክፈርስ ኣይከኣልን’ዩ” ዝብል፧ ባዕሉ’ውን“. . . ን ስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዛት ተፍርሱ ኣለኹም” ከም ዝበለ’ውን ተጻሒፉልና ኣሎ5። ስለዚ እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ ዝተፈልየን ዝዓመቘን ምስጢር ከም ዘለዎ ዚእምተልና’ዩ።
ሓደ ጽሑፍ ሕጊ “ፈሪሱ” ንኽትብሎ፡ ፈጺሙ ኸም ዚስረዝ፡ ከም ዚልወጥ’ሞ፡ ብኻልእ ከም ዝትካእ፡ እንተ ተጣሒሱ ድማ ኪቐጽዕ ወይ ኬቕጽዕ ስልጣን ከም ዘይህልዎ እንተ ተገብረ’ዩ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ገና ምስ ስልጣኑ ዘሎ ጽሑፍ እንተ ጠሓስካዮ፡ ኣብ ህይወትካ እንተ ኣፍረስካዮ፡ እቲ ጽሑፍ ፈሪሱ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ናይ ምድራዊ መንግስቲ ሕጊ’ኳ፡ ብውልቀ ሰባት ወይ ብጕጅለ እንተ ተጣሕሰ፡ “ሕጊ ፈሪሱ” ኣይንብልን እና።
እቲ ዝጠሓሰ ኣካል ብትካላት ሕጊ ተሃዲኑ ምስ ተታሕዘ፡ ብመጠን ክብደት ናይቲ ጥሕሰት እቲ ሕያው ሕጊ ነተ ጠሓሲ ይቀጽዖ’ዩ። ስለዚ እቲ መፍረሲ ድኣ’ዩ ዝፈርስ’ምበር፡ እቲ ጽሑፍ ሕጊስ ኣይፈርስን’ዩ። ምናልባት እቲ መፍረሲ ዚፈርሰሉ ጊዜ ኺድንጉይን ኪቕልጥፍን ይኽእል ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ጽሑፍ ሕጊ’ዩ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሰብ ህላውነቱን ስልጣኑን ዜረጋግጽ። ጐይታ፡ “ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን’ዩ” ዝበለሉ ነዚ’ዩ።
ድሕር’ዚ ኺሕተት ዚግብኦ ሕቶ’ምበኣር፡ “ጽሑፍ ብኸመይ’ዩ ዝፈርስ፧ መንኸ’ዩ ዜፍርሶ፧” ዚብል’ዩ። ስባት ንጽሑፍ ንጥፍኣቶም ዘፍርሱሉ መገዲ ብዙሕ’ዩ። ቀዳማይ መገዶም፡ ነቲ ጽሑፍ ቃል ናይ እግዚኣብሔር፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርካ ዘይምቕባልን ዘይምእማንን’ዩ። ነዚ መርገጺኦም’ዚ ዜንጸባርቑሉ መገዲ ኸኣ ብዙሕ’ዩ። ክትርእዩ፡ ከተንብቦ፡ ክትስምዖ ፈጺምካ ዘይምድላይ፡ ሓደ ኻብ መግሊጺኦም’ዩ። ካብኡ ሓሊፎም’ውን ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኼጥፍእዎ፡ ኬንድድዎ፡ ካብ ሕትመት ኪእግድዎ ዚጋደሉሉ እዋን’ውን ብዙሕ’ዩ። ኣብ ሃገርናን ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ክርስቲያናትናን እዚ ናይ ምንዳድን ምቕዳድን ተግባራት ብተደጋጋሚ ተፈጺሙ’ዩ። ኣብ ወተሃደራውያን መዓስከራት ካብቶም ተዓለምቲ ደቂ ሃይማኖት እናተመንዘዐ ላምባ ተነስኒስዎ ኺቃጸል ከሎ ዝተዓዘበ ሰብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቚጸር’ዩ። ብልሳን “መራሕቲ ሃይማኖት” ዚ ስመዩ ውልቀ ሰባት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ መጽሓፍ ርኹስ’ዩ” ኪበሃል’ውን ብዓለምለኸ ደረጃ ተሰሚዑ’ዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይንበብ ዝተኸልከለሉን ብርቱዕ ተቓውሞ ዘጋጠሞ እዋን’ውን ብዙሕ’ዩ።
ኣብ ጊዜ ቕዳሴ፡ ካብ ኢድ’ቶም ዜንብብዎ ዝነበሩ ዲያቆናት ብሓይሊ ተመንዚዑ ብመስኮት ዝተወርወረሉ እዋን’ውን ውሑድ ኣይኰነን። እግዚኣብሔር ደኣ ኣማስያኡ ምሕረት ይግበረልና እምበር፡ ሰላምናን በረኸትናን ገፊፉ ዜሳቕየናን ዜዋርደናን ዘሎ ንሱ እዚ ኣበሳና’ዚ ምዃኑ ዝዀነ ዓይነት ጥርጥር የልቦን።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና’ውን ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ወዲ’ቲ ቅዱስ ንጉስ፡ ዮስያስ፡ ዝዀነ ንጉስዮኣቂም፡ ነቲ እግዚኣብሔር ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ፡ ብኢድ ባሩኽ ዘጽሓፎ ቕዱስ ናይ ብራና ጽሑፍ፡ ከም ስጋ ብኻራ እናዘልዘለ ኣብ መጋርያ ሓዊ ኸም ዘንደዶ ተጻሒፉልና ኣሎ (ኤር 36፡21-31 ይነበብ)።
ካልኣይ መገዶም ድማ፡ ዋላ ነቲ መጽሓፍ ኬንድድዎ እንተ ዘይተራእዩ’ኳ፡ ነቲ መጽሓፍ ንዜንብቡን ብእኡ ንዚምርሑን፡ ኬሳድዱ፡ ኬሕስሩ፡ ኪኣስሩ፡ ኬውግዙ፡ ኪቐትሉ ምምራጾም’ዩ። ሳውል ጐይታ ረዲእዎ ናብ እምነትን ሓዋርያነትን ክሳዕ ዚበቅዕ፡ ቀንዲ ተግባሩ ኸምኡ ነበረ6። ኣይተረድኦን ደኣ’ምበር ንጐይታ ናይቲ ጽሑፍን ናይታ መገድን’ዩ ዜሳድድ ዝነበረ።
እቲ ሳልሳይ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ናይ ምፍራስ ሃቐና ድማ፡ ክርስቲያን ወዲ ቤተ ክርስቲያን ምዃንካ እናተኣመንካ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ ክትርእዮ፡ ከተንብቦ፡ ክትፍልጦ፡ ክትምርሓሉ ኢልካ ዘይምሕሳብን ዘምድላይን’ዩ። ንሓደ ኸምዚ ዝመርገጺኡ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ትፈልጥዶ፧” ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “ገበር ናይታ መጽሓፍ ጸሊም ዝሕብሩ ምዃኑ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ዝፈልጦ የብለይን” ኢሉ መለሰ። ዝዀነ ሕጋዊ ፎርም (ቅጺ) ኺመልእ ከሎ፡ ሃይማኖት ምስ ዚሕተት ግን፡ “ክርስቲያን (ተዋህዶ)” ኢሉ ይምልስ ነበረ። ደቁ ኣብ መመዓልቶም ዜጠምቕ፡ መርዓኡ’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን. ዝፈጸመ ሰብ ነበረ። ካብዚ ዚኸፍእ ጽሑፍ ናይ ምፍራስ ሃቐና ይህሉዶ ይኸውን፧ ብዛዕባ’ዚ ኣካያዳኻ’ዚ ድማ ዝዀነ ስኽፍታ ኸይተሰምዓካ ምንባር፡ ነቲ ኣቲኻዮ ዘለኻ ናይ መንፈሳዊ ድንዛዘ ደረጃ ዚገልጽ’ዩ። በዚ ቕዱስ ጽሑፍ መሰረት ከም ዚፍረደካ እናተነግረካ ንኽትፈልጦ ዘይምድላይ፡ ብእኡ ኻብ ምፍራድ ኣየድሕንን’ዩ። ክንፈልጦ ብዘይ ምድላይናን ብዘይ ምፍላጥናን እንብድለሉ ዓመታት፡ ካብ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኣይሓልፍን’ዩ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ልዕሊኡ ንዝፈጸምካዮ ጥሕስትን ፍርሰትን ዚወሃበካ ፍርዲ ግን ዘለኣለማ’ዊ። ጐይታና፡ ኣብ ዮሃ 12፡ 48-50 “. . . ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቃል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ’ዩ።” ብምባል ኣፍሊጡና ኣሎ። እቲ ዚፈርድ ቃሉ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩልና ይርከብ። ነብዪሆሴእ፡ ኣብ ሆሴ 4፡6 “ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ፡ ኣነ ድማ ካህን (ሕዝቢ) ከይትዀነኒ ኽኣብየካ’የ ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፡ ኣነ ከኣ ንደቕኻ ክርስዖም’የ።”
ብምባል ሳዕቤን ዘይምፍላጥና እንታይ ምዃኑ ኣፍሊጡና ኣሎ። ሳዕቤን ናይዚ ብፍታውና ዝመረጽናዮ ድንቊርና’ዚ፡ ኣባና ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብቶም ዝፈረናዮም ወለዶታትና’ውን ዝፈድየና ምዃኑ፡ ክብደት ናይቲ መሪጽናዮ ዘለና ኣበሳ ብጒሉሕ ዜርእየና’ዩ። ነዚ ዘለኣለማውን ቅዱስን ጽሑፍ’ዚ ይትረፍ ፈጺምና ኽንዕቆን ክንጽየፎን፡ ከም ተራ ናይ ሰብ ቃልን ጽሑፍን ጌርና ኸይነንብቦን ከይንሕዞን’ውን ኣዚና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። እቲ ራብዓይ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ናይ ምፍራስ ሃቐና ድማ፡ ከም ጥዑይ ሰብ ብሓጐስን ብኣኽብሮትን ተቐቢልካ ኸተብቅዕ፡ ብግብሪ ግን ኣብ ዕለታዊ ናብራኻ ስለ ዘይትእዘዞ፡ መዓልታዊ ክትጥሕሶን ከተፍርሶን ምንባር’ዩ። ብዛዕባ ምፍላጡ ልዑል ግዳሰ ተንጸባርቕ፡ ኣዘውቲርካ ተንብቦ ተጽንዖን፡ ኪስበኽ ክትስምዖ ኸለኻ’ውን ባህ ይብለካ፡ ክሳዕ ተመሲጥካ ብዛዕባኡ ምዝራብን ንእኡ ምስባኽን’ውን ትበጽሕ። ኣፋዊ እምበር ልባዊ ፍቕርን እምነትን ስለ ዘይብልካ ግና፡ ብተግባር ምሉእ ዘመንካ ኣንጻሩ ተዓጢቕካ፡ ከተፍርሶ ትነብር። እዚ ቓል’ዚ ናይ እግዚኣብሔር’ምበር ናይ ሰብ ዘይምዃኑ ብሓቂ ተረዲኡካን ኣሚንካሉ ኽነስኻ፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ርእሰ ቕትለታዊ ናይ ዘይምእዛዝ ምርጫ እንተ ወሲድካ፡ እዝዩ ኸቢድ ዕሽነት’ዩ ዚኸውን። እግዚኣብሔር ነቲ ኸምዚ ዝበለ ሕርያ ዘልዓለ ረሲእ ሰብ፡ ከምዚ ዚስዕብ’ዩ ዚብሎ።
“ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡ “ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፡ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፡ ሰራቒ ምስ ርአኻ፡ ምስኡ ሓበርካ፡ ክፍልኻውን ምስኣመንዝራታት ነበረ። ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፡ መልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ። ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሓምዮ፡ ንወዲ እኖኻውን ተነውሮ አሎኻ። እዚ እናገበርካስ፡ ኣነ ስቕ በልኩልካ፡ እህ፡ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፡ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቚም እየ። ” መዝ 50፡16-21
እግዚኣብሔር ንኸምዚ ዝበለ ኣካይዳ ኺዕገስ ከቶ ኣይኰነሉን’ዩ። “ግብዝነት” ኢሉ ከኣ ይጽውዖ። ግብዝ ምዃን ማለት፡ ክልተ ተጻራሪ ባሕርያት ኣብ ሓደ ጊዜ ኸተንጸባርቕ ምፍታን ማለት’ዩ። ኣብ ሓደ ጊዜ ኣፍቃርን ጸላእን። መኽበርን መስተናዓቕን ክትከውን ትጋደል። ብኣፍካ መፍቀሪ፡ ብልብኻ ግና ሕሱም ጸላኢ፡ ብኣፍካ መኽበሪ፡ ብልብኻ ግና መቃለሊ ነዓቒ ትኸውን7።
ንኸምዚ ዝበለ መንነት ይትረፍ’ቲ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ቅዱስ ኣምላኽ፡ ንርእሱ ሓጥእ ሰብ’ኳ ኣይዕገሶን’ዩ። ንኸምዚ ዝበለ ባሕርይ ካብቲ ገባሪኡ ንላዕሊ እቲ ተዓዛቢኡ’ዩ ዜስተውዕሎ። መጠኑ ደኣ ይፈላለይ ይኸውን’ምበር፡ ኵሉ ሓጥእ ወይ ረሲእ ሰብ ግብዝ’ዩ። ነቲ ሓጥእ ሰብ ግብዝነት ኣዝዩ ዜቘጥዖ ግን ሰብ ኣብ ልዕሊኡ ኺግበዝ ኸሎ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ’ምበር፡ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ወይ ሰብ ዝፈጸሞ ግብዝነት ክፉኡ ነጺሩ ኣይረኣዮን’ዩ። ስለዚ ግብዝነት ንኻልኦት ኣካላት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዋላ ነቲ ገባሪኡን ዋናኡን ከይተረፈ’ዩ ዚጥብሮ ማለት’ዩ። እምበኣር ኣዚና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ኣብ ሓደ ጊዜ መፍቀርቲ ጽሑፋትን መፍረስቲ ጽሑፋትን ኴንና ኸይንርከብ ንፍራህ፡ ርእስና ድማ ንሓሉ። እግዚኣብሔር ብክልተ ነብያቱ ገይሩ ነዚ ሕይወት ብዜገርም መገዲ ገሊጽዎ ይርከብ።
“. . .እዚ ሕዝቢ እዚ ብኣፉ ኻብ ዚቐርበኒ፡ ብኸናፍሩ’ውን ካብ ዜኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ካብ ዚርሕቕ፡ እቲ ንኣይ ምፍራሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል እዚ ሕዝቢ እዚ ዜደንቕ ተግባር፡ እወ፡ ዜደንቕ ተግባርን ተኣምራትን ወሲኸ ኽገብር እየ፡ ጥበብ፡ እቶም ጥበበኛታቱ ኺጠፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቱ ኺድፈን እዩ፡ በለ።” ኢሳ 29፡13,14 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ደቂ ሕዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፡ ንሓድሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ፡ ይባሃሃሉ ኣለዉ። ከም ኣመጻጽኣ ሕዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፡ ከም ሕዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን‘ዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፡ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን‘ዮም።” ህዝ 33፡30-32
እቶም ኣብ ወንጌላትና ብብዝሒ ተጠቒሶም ዘለዉ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ሕይወት ዝነበሮም’ዮም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ ኣምላኽ፡ ብተሪር ሃይለ-ቃል ዝተዛረቦም ከኣ ንኣታቶም’ዩ። ነቲ ጽሑፋት ኣብ ምፍላጥን ኣብ ምስትምሃሩን ኣዝዮም ግዱሳት’ኳ ዚመስሉ እንተ ነበሩ፡ እቲ ቐንዲ መለለዪ ተግባሮም ግና፡ ነቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምጥሓስን ምፍራስን’ዩ ዝነበረ። ጐይታ ድማ፡ “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።. . . ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።” እናበለ ይቐልዖምን ይገንሖምን ነበረ8። ከም ክርስቲያን ኣገልገልትን ምእመናንን መጠን፡ ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈሪሳዊ ሕይወት ገዛእ-ርእስና ኽንሕሉ ጐይታ ብጽኑዕ ኣጠንቂቑና’ዩ 9።
ብፍላይ ሓዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ግና፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ምዒዱና ኣሎ። “ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”10
ሓደ ክርስቲያን ግን ብኸመይ’ዩ መፍረሲ ጽሑፋት ካብ ምዃን ርእሱ ኬድሕን ዚኽእል፧ እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ፡ ነቲ ጽሑፍ ቃል፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ ከም ቃል እግዚኣብሔር ጌርካ ምቕባል’ዩ። ከምኡ ጌርና ብፍርሃት ኣምላኽን፡ ብእምነትን ብኣኽብሮትን እንተ ዘይተቐበልናዮ፡ ድሮ ኣፍሪስናዮ ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ናይቲ ጽሑፍ ሓይልን ስልጣንን ኣብቶም ከም ቃል እግዚኣብሔር ዝተቀበልዎ ሰባት ጥራሕ’ዩ ዚገሃድ። እቲ ጽሑፍ ኣባና ኺዓይይን ፍረ ኼፍርይን ዚኽእል፡ ኣብቶም ብእምነትን ብፍርሃትን እንቕበሎን እንእዘዞን ምዃኑ፡ እቲ ቕዱስ ሓዋርያ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። “ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተኒጊሩልና አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን።” እብ 4፡2 “ምእንትዚ’ውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዚዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።” 1ተሰ 2፡13
እቲ ካልኣይ ስጒምትና ድማ ነቲ ኸም ቃል-ኣምላኽ ጌርና ዝተቐበልናዮ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦን ክንእዝዞን፡ ከነንብቦ፡ ከነጽንዖ ኸነስተንትኖ’ዩ። እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” ኢሉ ዝመዓዶ ቓል ንኣና’ውን ዚምልከት’ዩ 11። እቶም ነዚ ኣርኣያ’ዚ ዝሰዓብዎ፡ ብዙሕ ረቢሖምን ተናኢዶምን’ዮም12። እቶም ነቲ ቓል ዜኽብርዎን ዚቕበልዎን ኵሎም፡ እቲ ጽሑፍ ከም መዓር ምቁር፡ ከም ወርቂ ኽቡር ገይሮም’ዮም ዚርእይዎ። ንእኡ ንምንባብ ድማ ድቃስ ስኢኖም ይሓድሩ። ብዛዕባኡ ተዛሪቦም ድማ ኣይጸግቡን።13
እቲ ሳልሳይ ስጒምቲ ድማ፡ ከም ቅዱስ ዳዊት ነቲ ቓል ንምእዛዝ ህንጡይን ቅልጡፍን ምዃን’ዩ። ነቲ ጽሑፍ ቃል ናይ እግዚኣብሔር፡ ይትረፍ ፈጺምካ ኸይተኣዘዝካዮ ኽትተርፍ፡ ንምእዛዙ ኽትደንጒይን ጊዜ ኽትበልዕን’ኳ ፍጹም ኣይግባእን’ዩ። ማዕጾ መምስተዓጽወ ምዅሕኳሕ ዝልማዶም ዓያሱ ኽንከውን ኣይግባእን’ዩ። ኣቦና ቅዱስ ዳዊት፡ “ጐይታየ፡ ምሕላው ቃልካ ግደይ’ዩ፡ በልኩ።. ...ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፡ ኣይደንጔኹን።” ዝበሎ ቃል፡ እግዚኣብሔር ንምንታይ “ዝኸም ልበይ” ኢሉ ኸም ዝስመዮ ዜረጋግጸልና’ዩ።14 በብዝተኣዘዝናዮ መጠን ንምግባሩ ነዕጠጥይን ንመጣላዕን እንተ ዄንና፡ ነቲ ጽሑፍ ብምልኣት ከም ዘይተቐበልናዮ፡ ምጥሓሱ የውናውነና ከም ዘሎ ግሁድ ምልክት’ዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ምምጥላዕ፡ ንሰይጣን፡ “ንዓ ብልዓኒ” ዝመልእኽቱ ሓደገኛ ዕድመ’ዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ክልተ ዝልቦም ሰባት ኣይደልዮምን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣይዕገሶምን’ውን’ዩ 15።
እቲ ራብዓይ ስጒምቲ ከኣ ንርእስኻ ናብ ጽሑፍ ኣምላኽ ምልዋጥ’ዩ። እግዚኣብሔር፡ ብዛዕባ’ዚ ዘለናዮ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዘመን ዝሃበና፡ “እንሆ፡ ምስቤት እስራኤልን ምስቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡. . . ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ሕዝበይ ኪዀኑ‘ዮም፡..።” ዚብል ቃል ተስፋ ኣሎ16። ብኸመይ ኣብ ልብና ከም ዚጽሕፎ ድማ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስካትኩም ኢኹም። ንስካትኩም ብመንፈስ ሕያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብደበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ17። ነቲ እነንብቦን ዚስበኸልናን ቃል ኣብ ልብና ዚጽሕፈልና እምበኣር፡ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልብና ከም እተጻሕፈ እንፈልጥ ከኣ፡ ነቲ ጽሑፍ ኣብ ልብና ተዓቚሩ ምስ እንረኽቦ’ዩ። እቲ “ንቓለይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ” ዚብል ትእዛዝ ድማ “ደብዳቤ ወይ ጽሑፍ ናይ ኣምላኽ ኩኑ” ማለት’ዩ። እቲ ነቲ ቓል ኣብ ልቡ ዝጽሓፈ ወይ ዝዓቘረ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ነቲ ቓል ዚሓስቦ ብእኡ ድማ ሕይወቱ ዚመርሕ ማለት’ዩ። በዚ ኸምዚ ከኣ ሓጢኣቱ ኣዝዩ ይውሕድ ብቕድስና ድማ ይመላለስ። “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ’ዩ።. . .ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”18።
እቲ ሓምሻይ ስጒምቲ ከኣ በቲ ጽሑፍ መሰረት፡ ርእስኻ ምምርማርን ምምእዛዝንን’ዩ። ምእንቲ ኸይንሓጥእ፡ ኣብ ኣእምሮና ዚመጽእ ሓሳባት፡ ናብ ኣፍና ህሩግ ኢሉ ንዚመጽእ ቃላት፡ ክንገብሮ ንዝደለና ዅሉ ተግባራት ቅድሚ ምእንጋድና፡ “እቲ ቅዱስጽሑፍ ነዚ ነገር’ዚ ኽሓስብ፡ ክዛረብ፡ ክገብር ይፈቕደለይ ድዩ፧” ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። መምስ ገበርናዮን መምስ ቈሰልናን ንሓትት እንተ ዃንና ግና፡ መንፈሳዊ መልክዕና ብበስላ ዘይምሱል’ዩ ዚመስል። ገለ ነገር ንምግባር ወይ ንምዝራብ እንህወኸሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ታህዋኽ፡ ውድቀት ጥራሕ’ዩ ዜብዝሕ፡ ርእስና ገቲእና ንኣና ዜድሕን፡ ንብጻይና ዚሃንጽ፡ ንኣምላኽና ከኣ ዜኽብር ምርጫ ኸነልዕል ይግባእ። ኵሉ ሳዕ ክንዕወት ስለ ዘይንክእል ከኣ፡ ጸሓይ ከይዓረበት ከላ፡ በቲ ቅዱስ ጽሑፍ ንርእስናን ኣካይዳናን ሃሰስ ኢልና ኽንፍትሽን ክንምርምርን ይግባእ። ውሑድ ዘይኰነ ቑስሊ ከም ዚጸንሓና ጥርጥር የልቦን። ስለዚ ነቲ ብሓጢኣት ዝቘሰለ ስጋናን ነፍስናን ብንስሓ ኸነሕዊ ይግባእ። ጽሑፋት ኣፍሪስካ ኸተብቅዕ፡ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ ሰብ፡ ልዋም ድቃስ ደቂስካ ምሕዳር፡ ናይ መንፈሳዊ ድንዛዘን ሞትን ግሁድ መርኣያ’ዩ። ጐይታና፡“ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን’ዩ።” “ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ይቐልል።” ኢሉ ብወግዒ ኣፍሊጡና’ዩ 19። ስለዚ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ኽብሪ ዘለዎ ቓል ኣፍሪስና ንዘለኣለም ምእንቲ ከይንፈርስወገን ናይቲ ቕዱስ ጽሑፍ’ምበር፡ ጸላእቱ ኣይንኹን።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ የካቲት 14, 2013 ግዕዝ (21 የካቲት 2021) - መበል 24 ሰንበት: ቊ.29 [፳፱] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል፡ |
ቅዳሴ፡ |
እብ 12፡12-22 |
2ጴጥ 1፡19-ፍጻ |
ግብ 7፡29-35 |
ዮሃ 10፡34-ፍጻ |
ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመዓለም) |
መዝ 88(89)፡7,8 ‘እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን ዐቢይ ወግሩም ዲበ ኵሎሙ እለ ዐውዱ እግዚኦ ኣምላክ ኃያላን መኑ ከማከ።’ ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ካብቶም አብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ዙርያኻ ኣሎ |
1 ዘሌ 24፡10-16 2 1ነገ 21፡7-16 3ዮሃ 19፡7 4ግብ 6፡8-15፣ 7፡54-60 5ማቴ 15፡1-6: 6ግብ 9፡1,2፣ 22፡3-5፣ 26፡9-11: 7ያእ 3፡9-12: 8ማቴ 23፡2,4 9ማቴ16፡5-12 10ያእ 1፡21-25 112ጢሞ 3፡14-17 12ግብ 17፡ 11 13ኤር 15፡17 መዝ 19፡7፣ 119፡11,48,72,81,82,97 101, 123, 147, 148: 14መዝ 119፡57,60 15ያእ 1፡6-8፣ 4፡8,9፣ መዝ 119፡113፣ 1ነገ 18፡21፣ ራእ 3፡15,16 16ኤር 31፡31,33 172ቈረ 3፡2,3 18መዝ 119፡ 9,11፣ (ህዝ 3፡10) 19ማቴ 24፡35፣ ሉቃ 16፡17
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ