S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልዕሊ 41 መንእሰያት መዓርገ ዲቁና ተቐቢኦም

ሰላሳን ትሸዓተን ካብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ክልተ ድማ ካብ ቅድስት ማርያም ኮፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብዎም ብ8 መጋቢት 2009 (፳፱ የካቲት፳፻፩ ዓ.ም. ግእዝ)

ብብፁዕ ኣቡነ ዮሴፍ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጳጳስ

ደቡባዊ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ: መዓርግ ዲቁና ተቐቢሎም። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብተኸታታሊ ንሓሙሽተ ዓመታት መንፈሳዊ ትምህርት ክመሃሩ ዝጸንሑ እዮም።

ብፅዕናኦም ነዞም በብዕድሜኦም ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብዘፍቅዶ፡ ካብ መዓርግ ዘማሪ ክሳብ መዓርግ ዲቁና ዝተቐብኡ መእሰያት፡ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ዝሃብዎ ማዕዳ ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ኣዝዩ ዓቢይ ብምዃኑ ብትግሃትን ብተወፋይነትን ከገልግሉ፡ መንፈሳዊ ፍልጠቶም ከዕብዩን ሕዝቦምን ክጓስዩን ማዕዳ ሂቦም።

ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ፡ ካብተን ኣብ ትሕቲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝምእከላ ኣብያተ ክርስቲያን ሓንቲ እያ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ 2008 6 ዲያቆናት ኣብ ቅድስት ስላሴ ቤተክርስትያን ስያትል መዓርግ ዲቁና ከምዝተቐብኡ: ኣብ 2006 ዓ.ም ድማ 12 ዲያቆናት ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ኦክላንድ ካሊፎርንያ መዓርግ ዲቁና ከምዝተቐብኡ ዝዝከር እዩ።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ "ኣብዛ ሃገር ብዝዓበዩ መንእሰያት ጌርካ ምእመናን ምጉሳይ" ዝብል ዝተለሞ ውጥን: እንሆ እቲ መደብ ተጀሚሩስ ድሮ እኳ ገለ ካብዞም መንእሰያት ብዝተፈላለየ መዓርግ ንቤተ ክርስትያን የገልግልዋ ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ድማ ምስ "ደቂቀ እንጦንዮስ" ብምትሕብባር ስነ-መለኮት (Theology) ከጽንዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

እዞም ዝተቐብኡ መንእሰያት ሓዋርያዊ ሕግን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ተኸቲሎም ክኸዱ፡ ንእግዚኣብሔር ብምሉእ ልቦም ከገልግልዎ መንፈሳዊ ጸሎትና ከሰንዮም ንጽሊ።

ነዚ ነገር'ዚ ክውን ዝገበረ እግዚኣብሔር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ. ኣሜን።

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ

ኤርትራዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምስ ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ብዘለዋ መንፈሳዊ ሓድነት: ብ1994 ዓ.ም. ኣብ ካይሮ ግብጺ ከይዶም መዓርግ ጵጵስና ዝለበሱ ኤርትራውያን ጳጳሳት ዘርኢ ስእሊ።

(ካብ ጸጋም ንየማን: ጳጳስ ኣቡን ዲዮስቆሮስ: ጳጳስ ኣቡን ጴጥሮስ: ጳጳስ ኣቡን ቄርሎስ:  ፓትርያርክ እንጦንዮስ: ጳጳስ ኣቡን ዮሃንስ)

እግዚኣብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ይሓሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div