“ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርኁከ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት ወይድኃኑ ፍቁራኒከ” መዝ. ፶፱ ፬። “ስለ ሓቂ ምእንቲ ኪለዓል ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዓላማ ሃብካዮም” መዝ. 60፡4።
መስቀል ብርሃን ለኩሉ ዓለም ዓምዳ ወድዳ ለቤተ ክርስቲያን። መስቀል ንኹሉ ዓለም ዘብርህ መሠረትን ዓምድን (እምነትን) ቤተ ክርስቲያን እዩ። (ድጉዓ ዘቅድስት) ንሱ ነቶም ክልተስ ሓደ ዚገበረ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪውን ዘፍረሰ ሰላምና እዩ። …. ብመስቀሉ ነቲ ጽልኢ ቀቲሉ፡ ንክልቲኦም ብሓደ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።” ኤፌ. 2፡14-17። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ፈጣሪኦም ጥሒሶም ፈጣሪኦም ኣሕዚኖም ሕይወቶም ምስ ጎድኡ፡ ንመጀመርታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበ ተስፋ “ዘርኢ እታ ሰበይቲ ርእሲ ተመን ኪጭፍልቕ፡ እዩ።” ዚብል ኣምላኻዊ ቃል እዩ ነይሩ። ዘፍ.3፡15 እዚ ከልካሊ (ቀጽሪ) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጣሪኦም ንኸይራኸቡ፡ ዓቢይ ከልካሊ ኮይንዎም ነበረ።
እነሆ ኢድ እግዚኣብሔር ንምድኃን ሓጻር ኣይኮነትን ከይሰምእ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ። ኢሳይያስ 59: 1።
ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብእኩም ብበደል ረኺሰን ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረብ ኣሎ። እሞ ንኣኹምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዝፈላልየኩምሲ ኃጢኣትኩም እዩ; ኢሳ. 59፡1-4 እቲ ንወዲ ሰብ ካብ ፈጣሪኡ ክፈልዮ ዝኽእል እምበኣር ኃጢኣት ጥራይ እዩ። “ገጽካ ከዊልካልና ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፡ ስምካ ዝጽውእን፡ ንኣኻ ክሕዝ ኢሉ ዝትንስእን ሓደ እኳ ኣይነበረን” (ኢሳ. 64፡ 7 ኢያ. 7፡ 11 ሆሴ.5፡5-8)።
እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ መስቀልን ብመስቀል ኪፍጸም ዘለዎ እርቀ ሰላም ንነቢያቱ ብብዙሕ መንገዲ ይገልጸሎም ነበረ። እብ. 1፡1-2 ወኣስተሓለፈ እዴሁ ላእለ ኤፍሬም ወምናሴ “ኢዱ ኣብ ልእሊ ኤፍሬምን ምናሴን ኣመሓላለፈ።” ዘፍ. 48፡ 14-20።
እስራኤል ኢዱ ኣመሳቒሉ ብትእምርተ መስቀል ዝባረኸሉ ምኽንያት፡ እቲ ብዘርእኻ ኩሎም ኣሕዛብ ኪባረኹ እዮም ዚብል ተስፋ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከም ዚፍጸም ብትንቢት ስለ ዝተገልጸሉ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዮሴፍ ነቲ ምሥጢር ምምስቓል ኣእዳው ኪቕይሮ እንተደለየ፡ ያእቆብ ግና ፈሊጠ ኣሎኹ ወደየ ብምባል ትንቢት እምበር ጌጋ ከም ዘይኮነ ነገሮ ዘፍ. 48፡ 19
ሙሴ እቲ ዓቢይ ናይ ኣምላኽ ሰብውን ነቲ ብመስቀል ኪፍጸም ዘለዎ ድኅነት ቅድሚ ብዙኅ ዘመናት ነቶም ዝመርሖም ዝነበረ ሕዝቢ፡ ከምዚ ኣረድኦም፡ … ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ ኩርባ፡ ደው ክብል እየ።” ዘፀ. 17፡9 እዚ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ዝተፈላለየ ተኣምራት ዝገብር በትሪ ኣምላኽ እቲ ኣብ ቀራንዮ ብልሒ ሞት ዘጥፍእ መስቀል እዩ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር ጸላኢ ከኣ ሞት እዩ።” 1ቈሮ. 15፡26 እቲ በትሪ ኣምላኽ እዚ ትእምርቲ መስቀል ምንባሩ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብከምዚ ይገልጾ። “ኮነ ከኣ ሙሴ ኢዱ ምስ ዘልእል እስራኤል ይስእር፡ ኢዱ ምስ ዘውርድ ድማ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።” ዘፀ. 17፡11 እቲ ንሙሴ ኣብ ርእሲ ኩርባ፡ ንኢያሱ ድማ ኣብ ዓውደ ኲናት ሓደ ዝገብሮም ዝነበረ እቲ ብትእምርተ መስቀል (ብምልዓል ኣእዳው) ዚዓዪ ዝነበረ ረድኤት እግዚኣብሔር እዩ። ብእኡ ብደም መስቀሉ ጌይሩ ሰላም ምስ ገበረ፡ ከኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኩሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ። ቈላ.1፡20
እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ኪፍጸም ዘለዎ፡ ተስፋ ንደቂ እስራኤል ንምርድኡ ይኸብዶም ስለ ዝነበረ፡ እግዚኣብሔር ብበበይኑ ምሳሌታት ይገልጸሎም ነበረ። “እግዚኣብሔር ከኣ ንሙሴ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ክኸውን ድማ እዩ እቲ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ከኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ። ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኮነ ከኣ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት፡ ይሓዊ ነበረ። ዘኁል.21፡8-9
እቲ ኣብ ልዕሊ ባላ እተሰቕለ ኣስራዚ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ ምዃኑ “ንእኡ ዚኣምን ኩሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ እዩ።” ዮሓ. 3፡14-15
ዝነዱ ኣትማን እቶም ተናኸስቲ። ከምቲ እቶም ኣትማን ብሕንዞም ነቲ ሕዝቢ ዝጎድእዎ፡ ዲያብሎስ ከኣ ብክፉእ ምኽሩ ንኣዳምን ንዘርኡን ዝቐትሎም ናይ ዲያብሎስ ምሳሌ እዩ ተመን ኣስራዚ። ተመን ኣስራዚ ሕንዚ የብሉን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ኣበሳ ዘይብሉ ንጹሕ እዩ እሞ፡ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ። ኢሳ. 53፡9 ማቴ.27፡24
ከምቲ ናብ ተመን ኣስራዚ ዝጥምት ዝሓዊ ዝነበረ፡ ናብ ክርስቶስ ብእምነት ዝጥምት ከኣ ካብ ኃጢኣቱ ይነጽህ። “ናብቲ ሕፍረት ንኢቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት።” እብ.12፡2 ፊል.3፡20
ነዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ትንቢት ንምፍጻም፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። መዝ. 74፡ 12-13
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣብ መስቀል ዝተገብረላ ክብሪ ኣምላኽ ንምዝካርን ንምኽባርን፡ ዓመት ዓመት ከተብዕሎ ትነብር። እዚ እተገብረሉ ምኽንያት፡ ከኣ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ “ በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ነዓይ እተሰቕለት፡ ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ፡ እንተ ዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ” (ገላ. 6፡14)። ቤተ ክርስቲያንውን ኣሰር ሓዋርያ ጳውሎስ ብምኽታል፡ “መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንእነ፡ መስቀል ቤዛነ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ፡” ብምባል ነቲ ንኣኣ ንምቕዳስን ንምድኃንን ክብል ኣብ መስቀል እተፈጸመ ሕማማተ መስቀል ክትዝክር ትነብር ኣላ።
ምጽዋር ቅዱስ መስቀል
ዝኾነ ክርስቲያን መስቀል ምጽዋር ከም ዝግብኦ ክፈልጥ ኣለዎ። “መስቀል ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ነዓይ ኣይበቅእን እዩ። ማቴ. 10፡38 እዚ ከኣ ኩሉ ኣማኒ ብቕዓት እምነቱ በቲ ዝጾሮ መስቀል ይምዘን ማለት እዩ። መስቀል ምጽዋር ማለት ነቲ ንሕና እንነብሮ ሕይወትን እንሰርሖ ስራሕን፡ ምስቲ ንሕና እንሕዞ መስቀል ብግብሪ ዝሳነ ክኸውን ኣለዎ። “ንኹሎም ከኣ ደድሕረይ ኪስዕብ ዝደሊ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ፡ ይስዓበኒ በሎም።” ሉቃ.9፡23 መስቀል ምጽዋር ማለት፡ እምበኣር ንዓለምን ፍትወቱን ንዒቕካ ደድሕሪ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ምስዓብ ማለት እዩ።
እቶም ንእግዚኣብሔር ዘሥመርዎ ቅዱሳን ኣቦታት ከኣ፡ በዚ መንገዲ እዚ እዮም ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦም ሞገስ ዝረኸቡ። “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ከኣ ነቲ ሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒለምዎ እዮም። ገላ. 5፡24 ስለዚ መስቀል ማለት ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ፡ ትእምርተ ምድኃን ማለት እዩ። ንሕናውን መዓልቲ መዓልቲ እግዚኣብሔር ዘይከብረሉ ሓሳባትን ግብርታትን ኣልጊስና፡ ተኻፈልቲ መስቀሉ ክንከውን ይግብኣና።
“እቲ ዝሞተ ካብ ኃጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንኃጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ኃጢኣት ሥጋ ምእንቲ ክጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ከም እተሰቕለ ፈሊጥና፡ ኣሎና።” ሮሜ 6፡6 “ኣነስ ንኣምላኽ ብሕይወት ምእንቲ ክነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ፡ ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ፡ ገላ. 2፡ 19 ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር ርኽሰት፡ ፍትወት ሥጋ፡ ክፉእ ትምኒት ስስዓ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።” ቈላ. 3፡5። ገለ ካብቲ ክንገብሮ ዝግብኣና፡ እዚ ዚስእብ እዩ። “እምበኣርከስ ከም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቑራትን ኮንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ዓቕሊ፡ ትእግስቲ ልበሱ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉውን ፍቕሪ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ ልበስዋ ቈላ. 3፡12-15 1ቈሮ.13-4-8።
እዚ ንምፍጻም እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን
መንበረ ፓትርያርክ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ