“ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ’ምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።” ሮሜ 13፡13,14።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ታሕሳስ 14 ክሳዕ ታሕሳስ 20 “ብርሃን” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ኵሉ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙርን ምስባክን ኣርባዕቲኡ ንባባትን ድማ ብርሃን-ጠቀስ ዝዀነ ትሕዝቶ ዝመልአ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ቕድሚ ምጽሓፉ፦ “ለይቲ ሓሊፉ፡ መዓልቲ ኸኣ ቀሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።” ብምባል፡ ብርሃንን ኣጽዋራቱን ልብስና ምዃኑ ኣበሲሩና ኣሎ (ሮሜ 13፡12)። ቃል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ዘረጋገጾ ሓቂ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ምዃኑ’ዩ (2ማቴ 4፡16 ፣ ዮሃ 1፡9)። ኣጽዋር ብርሃን ምልባስ ማለት፡ ንክርስቶስ ምልባስ ማለት ምዃኑ፡ ኣስዒቡ ነገረና። ንክርስቶስ ዝለበሰ ንዅሉ’ቲ ሰማያዊ ልብስታት ስለ ዚለብስ፡ እዚ ቕዱስ ሃዋርያን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንናን ከኣ በዛ ዕለት’ዚኣ ብዛዕባ ንክርስቶስ ምልባስ ትምህርቲ ኣዳልዮምልና ኣለዉ።
ኣገዳስነት ልብሲ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ኣብ’ዛ ዓለምና ኺህልው ኣይክእልን’ዩ። ብዘይካ ወዲ ሰብ ልብሲ ዚለብስ ዝዀነ ኻልእ ፍጥረት ዘይምህላው ንርእሱ፡ ልብሲ ንወዲ ሰብ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ብንጹር ዜመልክተና’ዩ። ድሕሪ ውድቀት ወዲ ሰብ፡ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ዝገበረሉ ቐዳመይቲ ግብሪ ሕያውነት ዚኽደኖ ልብሲ ምሃብ’ያ። እቲ ብጸጋ ተሸፊኑ ዝነበረ ሕፍረትና ብሰሪ ሓጢኣት ምስ ተቐልዐ፡ እቶም ክልተ ፍቁራት ሰብ-ኪዳን ካብ ሓድሕዶም ኪሕብኡ ጀመሩ። ተረሓሒቕካ ኺንበር ስለ ዘይከኣል ድማ፡ ሕፍረቶም ብረጋፊ ኣቚጽልቲ ኸዊሎም ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ ፈተኑ። ቈጽሊ ኻብታ ዝተቐንጠበላ ህሞት ኣትሒዙ ስለ ዚመውት፡ ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት’ኳ ኸም ልብሲ ዀይኑ ኼገልግል ኣይክእልን’ዩ። ሕሰም ሓጢኣት ኪገልጽን ፍርዱ ኼስምዕን ምስ መጸ፡ እግዚአብሔር ንኣዳም፡ “ኣበይ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣዳም ድምጺ ኣምላኽ ምስ ሰምዐ ዝተኣመኖ ቐዳማይ ተኣምኖኡ፡ ብዛዕባ ዕርቃኑ ነበረ። እግዚአብሔር ድማ፦“ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ፧ ካብ’ታ “ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧”
ብምባል፡ ንሰብ ጥራዩን ዕርቃኑን ዜውጽኦ፡ ሓጢኣት፡ ማለት ትእዛዛት ምፍራስ፡ ምዃኑ ኣፍለጦ (ዘፍ 3፡11)። ስለ’ዚ ናይ ኣካላዊ ልብሲ ዀነ ናይ መንፈሳዊ ልብሲ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ ዘርኣየና፡ እቲ ንዕርቃንና ዝቐልዐ ሓጢኣት’ዩ። ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ እንተ’ልዩ ግና፡ ሓጢኣት ዝፈጠሮ ዕርቃን ብኣካላዊ ልብሲ (ብዓለባ ወይ ብቘርበት) ጥራሕ ዘይክወል ምዃኑ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ኣብ ኣካላትና እንለብሶ ኣካላዊ ልብሲ፡ ናይ’ቲ ኽንለብሶ ዚግብኣና መንፈሳዊ ልብሲ ትእምርቲ (ምልክት) ኰይኑ ዝተሰርዓልና’ምበር ነቲ ሓጢኣት ዘውረደልና መንፈሳዊ ዕርቃን ኪኸውን ከም ዘይተዋህበና ብንጹር ክንፈልጥ ይግባእ። መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳዊ ዕርቃንና ኪኸድን ዝተዋህበና ልብሲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ’ዩ ዜረጋግጸልና።
ንምንታይ’ዩ ክርስቶስ ብልብሲ ተመሲሉ፧ ልብሲ ንሕፍረትካ ይኽውሎ’ምበር ከም ዘየለን ከም ዘይህልውን ገይሩ ኣየጥፍኦን’ዩ። ሰብ ርእዩ ኸይክዕበካ፡ ከይፈርደልካ፡ ከይርሕቀካ ይሰትረካ። ምስ ሰብ ክትሕወስ፡ ኣብ ቅድሚ ኸማኻ ሰባት ብትብዓት ክትቀውም የኽእለካ። እግዚአብሔር ከኣ ኣዳምን ሄዋንን ብናይ ዕርቃን ሕፍረት ኪሳቐዩ ምስ ረኣዮም፡ ንዕርቃኖም ኬርሕቖ ንተፈጥሮኦም ኪልውጦ ዘይኰነስ፡ ኪኸድኖ መረጸን ወሰነን። ነዚ ንምግባር ድማ እንስሳ ሰዊኡ ብቘርበት ናይ’ቲ ዝተሰውአ እንስሳ ገይሩ ኣልበሶም (ዘፍ 3፡21)። እዚ ተግባር ኣምላኽ’ዚ ትንቢታዊ ትእምርቲ ናይ’ቲ ጽድቁ ንኼልብሰና ዚስዋእ ቅዱስ ገንሸል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። እቲ ኣዳምን ሄዋንን ብቘርበቱ ኪኸድን ዝተሰውአ እንስሳ እንታይ ከም ዝነበረ ኣይተጻሕፈልናን። እቲ ንድሕነት ቤት እስራኤል ኣብ ግብጺ ዝተሰውአ እንስሳ ገንሸል ምዃኑ፡ እቲ ንምድሓንና ዝተገልጸን ዝተሰውአን ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ገንሽል ኣምላኽ፡ ገንሽል ፋሲካና” ተባሂሉ ምስያሙ ግን እቲ ዕርቃን ኣዳምን ሄዋንን ዘልበሰ እንስሳ’ውን ገንሸል ምዃኑ ኽንግምት ዜጸግም ኣይኰነን።
ልብሲ ንሕፍረትና ይኸድኖ’ምበር ከም ዘየርሕቖ፡ እቲ መንፈሳዊ ልብስና ዝዀነ ክርስቶስ ድማ ንሓጢኣትና የተዓርቖ ሕድገት የውህቦ’ምበር፡ ደጊምና ሓጢኣት ከም ዘይንገብር ገይሩ ኣይልውጠናን’ዩ።
“......ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ’ውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና’ዩ። “ሓጢኣት የብልናን” እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና። እታ ሓቂ’ውን ኣባና የለን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ’ውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን’ዩ። “ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉ’ውን ኣባና የሎን።” 1ዮሃ 1፡7-10
“......ሓደ’ኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ’ሎ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣለና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ’ዩ። ንሱ ድማ ናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ’ዩ፡ ናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም (መተዓረቒ) ድማ’ዩ’ምበር፡ ናይ ሓጢኣትና ጥራሕ ኣይኰነን።” 1ዮሃ 2፡1,2
እምበኣር፡ ጐይታ ንሓጢኣትና ብደሙን ጽድቁን ከዲኑ ደኣ ኣተዓሪቑና’ምበር፡ ሓጢኣት ከም ዘይንፍጽም ገይሩ ኣይለወጠናን። ብክርስቶስ ዝኣመነ ፈጺሙ ሓጢኣት ከም ዘይፍጽም ጌርና ንሓስብን ንኣምንን እንተ ዄንና ግና፡ ንርእስና ጥራሕ ዘይኰነ ንኣምላኽውን ከይተረፈ ሓሳዊ ብምግባር ዝበኣሱ ኣበሰኛታት ከም ንኸውን እዚ ሃዋርያዊ ቓል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስጋና፡ ዕርቃኑ ምሉእ ብምሉእ ተኣልዩ ፈጺምና ሓጢኣት ዘይንገብር እንኸውን፡ ጐይታ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸን ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ ነዚ ኽቡር ስጋኡ ምስ ኣምሰሎን’ዩ። ምድሓን ነፍስና ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙ’ዩ። ምድሓን ስጋና ግና ኣብ ምጽኣቱ’ዩ ፍጹም ዚኸውን። ስለ’ዚ ኸኣ ዕርቃንና ዚውገደሉ ምሉእ ምድሓን ስጋና ኽሳዕ እንረክብ እናስቊርቈርና ንጽበይ ኣለና።
“.....ንሕና ብዅርነት መንፈስ ዘሎና’ውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቍር ኣለና።” ሮሜ 8፡23
“ንሱ (ክርስቶስ) በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ’ዩ።” ፊል 3፡21
ዕርቃኑ ዝተቐልዐ ስጋ’ዩ፡ ናይ ውርደት ስጋ ዚበሃል። ክርስቶስ ልብስና ዚዀነልና ድማ ነቲ ዕርቃንና ኸዲኑ ካብ ውርደት ምእንቲ ኼድሕነና’ዩ። ኣብ ምጽኣቱ ድማ ብመሰረቱ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ፡ ዕርቃን ዘይብሉ (ዘይሓጥእ) ስጋ ኬልብሰና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ተስፋ’ዚ፦ ብኸም’ዚ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እዛ ኸም ድንኳን ጊዝያዊት ዝዀነት ምድራዊት ቤትና፡ ማለት ስጋና፡ እንተ ፈረሰት’ኳ፡ ካብ ኣምላኽ ሓንቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ ህንጻ፡ ናይ ዘለኣለም ቤት (ሰማያዊ ስጋ) ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ሰማያዊት ቤትና (ስጋና) ኽሳዕ እንለብስ ግና ብሃንቀውታ (ነስቈርቍር) ኣለና። ምኽንያቱ ሰማያዊ ስጋ ምስ ለበስና ዕሩቓት ዄንና ኣይክንርከብን ኢና። ሞት ብህይወት ምእንቲ ኺልወጥ ካብ’ዚ ምድራዊ ስጋና ኽንቅንጠጥ ፈቲና ዘይኰንናስ፡ ሰማያዊ ስጋ ምእንቲ ኽንለብስ ሃረር ንብል ኣለና። ከመይ እዚ ድንኳን’ዚ (እዚ ስጋ’ዚ) ኸቢዱና ንቕንዘው ኣለና።” 2ቈረ 5፡1-4 ካ.ት
“እቶም መሬታውያን ከም’ቲ መሬታዊ’ዮም፡ እቶም ሰማያውያን ድማ ከም’ቲ ሰማያዊ’ዮም። ከም’ቲ ምስሊ ናይ’ቲ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ ምስሊ ናይ’ቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ (እዚ ናይ ውርደት) ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ በራሲ (ሓላፊ) ድማ ነቲ ዘይበርስ (ዘይሓልፍ) ከም ዘይወርሶ እነግረኩም ኣለኹ። . . . ከመይ እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ ኸኣ ዘይሙማት ኺለብስ ይግብኦ’ዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ (እቲ)፡ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸም’ዩ።” 1ቈረ 15፡48-50,53,54 ካ.ት
ስለ’ዚ ነቲ ዘይሓልፍን ዘይመውትን ዕርቃን ዘይብሉን ስጋና ኽሳዕ እንለብስ። ነዚ ዕሩቕ ስጋና ንክርስቶስ ብምልባስ ኢና እንኽውሎ። እቲ ንዕርቃኑ ብክርስቶስ ዘየልበሰ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪቐርብን ኪቐውምን ኣይክእልን’ዩ።
ክርስቶስ ልብስና እንተ ዀይኑኸ ብኸመይ ኢና እንለብሶ፧ ቃል እግዚአብሔር ንክርስቶስ ብምስጢረ- ጥምቀት ኸም እንለብሶ’ዩ ዚነግረና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ንክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝለበስዎ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ። “ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ’ሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።” ገላ 3፡26,27።
ዘይተጠመቐ ሰብ ውልድነት ኣምላኽ የብሉን። ስለ’ዚ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ኪለብሶ ኣይክእልን’ዩ። ሰብ ንኽዳኑ (ንልቡሱ)’ዩ ዚመስል። ጽቡቕ ክዳን እንተ ለበሰ ጽቡቕ ይኸውን፡ ክዳን እንተ ኣኽፍአ ድማ ክፉእ ይኸውን። እቲ ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ዝለበሰ ድማ፡ ንክርስቶስ፡ ነቲ ጻድቕ ይመስል። እቲ ዜሕዝን ግና ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ለቢስናዮ ኸነብቅዕ ፈጺምና ንክርስቶስ ዘይንመስል “ክርስትያን” ምብዛሕና’ዩ።
ንክርስቶስ ብጥምቀት ለቢስናዮ እንተ ዄንና ደኣ እንታይ ዄንና ደኣ ኢና ንክርስቶስ ዘይንመስል ዘለና፧ ንክርስቶስ ከም ዝለበስናዮን ከም ዘይለበስናዮንከ ብምንታይ ኢና እንፈልጥ፧ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልብሲ ስለ ዝተመሰለ ከም’ዚ እንኽደኖ ኣካላዊ ክዳን (ዓለባ) ጌርና ክንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። መንፈሳዊ ልብስና’ዩ። መንፈሳዊ ልብስና ለቢስናዮ ምህላውና ዚፍለጥ ድማ ነቲ ናይ ክርስቶስ መንፈሳዊ ባህርያት ምስ እነንጸባርቕ’ዩ። ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ጽድቅን ድሕነትን ለቢስናዮን ንነብረሉን እንተ’ሊና፡ ሽዑ ንክርስቶስ ለቢስናዮ ኸም ዘለና ርጉጽ ይኸውን። በቲ ናቱ ጽድቂ ምምልላስ ገዲፍና ብናይ ሰይጣን ረሲእነት (ሓጢኣት) ንመላለስ፡ በታ ቐጣን መገዲ ድሑናት ገዲፍና፡ በታ ገፋሕ መገዲ ጥፍኣት ንመላለስ እንተ’ሊና ግን፡ ንክርስቶስ ከም ዘይለበስናዮ፡ ከም ዝቐንጠጥናዮ፡ ወይ’ውን ብሓጢኣትና ነቲ ልብስና ክርስቶስ ንጽይቖ፡ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ንገብሮ’ለና ማለት’ዩ።
“እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመዝራ ኽገብሮ’የ፧ ያእ ኣይፋለይን!!” 1ቈረ 6፡15።
“ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት’ዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!! ነቲ ዘፍረስክዎ ኸም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ አርእይ ኣለኹ።” ገላ 2፡17,18።
“ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት (ሰባት) ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት’ዮም’ሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ’ዮም። እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን’ዩ፡ ኣነ’ውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን’የ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ’የ።” ራእ 3፡4,5።
“እንሆ ኸም ሰራቒ እመጽእ ኣለኹ፡ ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱ’ውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑ’ውን ዚእርንብ ብጹእ’ዩ።” ራእ 1፡15።
“ኣብ’ታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብ’ታ ኸተማ’ውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሓጸቡ ብጹኣን’ዮም። እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ’ዮም።” ራእ 22፡14,15።
ካብ’ዚ ዝተዘርዘረልና ህያው ቃላት ከም እንርድኦ’ምበኣር፡ እቲ ኣዝዩ ዜገድስ ንክርስቶስ ምልባሱ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ንክርስቶስ ም ስ ለበስካዮ፡ ብምንዝርናኻን ብኻልእ ኵሉ ሓጢኣትካን ከይትብድሎ፡ በቲ ኣካላቱ ዝዀነ ስጋኻ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ከይትገብሮ ኽትጥንቀቕ ይግባእ። እቲ ዝለበስካዮ ኽዳንካ እንተ ኣርነብካዮ’ዩ ዚኸድነካ’ምበር፡ ክዳንካ ቐሊዕካ እንተ ተጋሕተንካ ዕርቃንካን ሕፍረትካን ኪስተር ኣይክእልን’ዩ። ንክርስቶስ ብጥምቀት ለቢስዎ ኼብቅዕ፡ ብዜነውር ሓጢኣት ተመላሊሱ መንፈሳዊ ዕርቃኑ ዚቐልዕ ክርስትያን፡ ከምቲ ኽዳን ተኸዲኑ እናሃለወ ሕፍረት ስጋኡ ቐሊዑ ዚነብር ዓሻ ሰብ’ዩ። እቲ ነቲ ንጹህን ቅዱስን ልብሱ ብሓጢኣት ዚጽይቆውን ልክዕ ከምቲ ዚቐልዖ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ እቲ ኽዳውንቱ ዘይጽይቖን ወዝቢ እንተ ተጸየቖ ድማ ቀልጢፉ ብደም ክርስቶስ (ብንስሓ) ሓጺቡ ዜጻዕድውን ክርስትያን፡ “ብቑዕን ብጹእን” ተሰየመ። እቲ ንኽዳኑ ነቒሑ ዚሕልዎን ዚእርንቦን’ውን ብቑዕን ብጹእን’ዩ።
ሓጢኣት ዕርቃንናን ርስሓትናን ከም ዜርእይ፡ ለቢስናን ንጹሃትን ምህላውናን ዜረጋግጸልናኸ እንታይ’ዩ፧ ነቲ ኣረጊት ሰብነትና (ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይና) ምስናይ ግብሩ ቐንጢጥና ኣብ መስቀል ብምስቃል፡ ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ (ብኣርኣያ ስላሴ) ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ብምልባስ ኢና ንክርስቶስ ለቢስናዮ ኸም ዘለና ኸነረጋግጽ እንኽእል። ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣረጊትን ረሳሕን ክዳንና ካልእ ሓድሽን ጽሩይን ልብሲ ኣይንለብስን ኢና። ስለ’ዚ ቕድሚ ነቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ልብስና ቕድሚ ምልባስና፡ ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥና ኽንድርብዮ ናይ ግድን’ዩ። ናይቲ ኣረጊት ሰብነትና ባህርያትን ናይቲ ሓድሽ ሰብና ባህርይን እንታይ ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙን ኣነጺሩን ገሊጹልና’ዩ።
“እምበኣርከ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም’ቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝዀነ ሓሳባት ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን አሰምዓልኩምን ኣለኹ። ንሳ’ቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም‘ዮም። ንሳ’ቶም ደንዚዞም’ዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ንክርስቶስ ከም’ዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። .....ብእኡ ኸኣ ተማሂርኩም እንተ ኴንኩም፡ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘላ፡ ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሽወ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በተሓሳስባኹም’ውን ተሓደሱ። ነቲ በርኣያ እግዚአብሔር፡ ብጽድቅን ቅድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።” ኤፌ 4፡17-24 ካ.ት
“ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ኽፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ-ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ ቕተሉ።..... ንስኻትኩም ቀደም ነዚ ነገራት’ዚ እናገበርኩም ትነብሩ ነበርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም ካብ ቍጥዓ፡ ካብ ሕርቃን፡ ካብ ክፍኣት፡ ስም ሰብ ካብ ምጽላም፡ ካብ ዜጸይፍ ዘረባ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ። ከምኡ’ውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ነቲ ንእኡ ምእንቲ ኺፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በርኣያኡ ዚሕድሶ ዘሎ (ሓድሽ) ሰብነት ዝለበስኩም ስለ ዝዀንኩም ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳስዉ። እምበኣር ኣምላኽ ከም ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ህዝቢ ዄንኩም፡ ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፡ ..... ይቕረ ተበሃሃሉ። .....ኣብ ልዕሊ’ዚ ዅሉ ግና ንዅለን ኣሲራ ኣብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቕሪ’ያ’ሞ ልበስዎ።” ቈሎ 3፡5,7-10,12-14
ስለ’ዚ ንክርስቶስ ከም ዝለበስናዮ እነረጋግጽ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብና ምስናይ’ቲ ዅሉ ኽፉእ ግብርታቱን ትምኒታቱን ካባና ቐንጢጥና ኣብ ምድርባዩን ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ጽድቅን ቅድስናን ዝመለለዪኡ ሓድሽ ሰብ ኣብ ምልባሱን እንተ ተዓዊትና ጥራሕ’ዩ። ከነርሕቖም ዚግብኣና ናይ ኣረጊት ሰብ ባህርያትን ክንለብሶም ዚግብኣና ናይ ሓድሽ ሰብ ባህርያትን’ውን ብንጹር ተዘርዚሮምልና ኣለዉ። እቲ ኣብ ኤፌ 6፡11-18 ተገሊጹ ዘሎ “ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ዚብል፡ ንዅሎም ክንለብሶም ዚግብኣና ኣጽዋር ዝዘርዘረ መልእኽቲ’ውን ኪዝንጋዕ ኣይግባእን። ከም’ቲ ቕዱስ ኣቦና እዮብ፡ “ንጽድቂ ለቢሰያ ንሳ’ውን ለቢሳትኒ” ዝበሎ፡ ንሕና’ውን ከምኡ ዜብል ትብዓት ክሳዕ እነጥርይ፡ ነቲ ብመስዋእትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጽድቂ ኽንነብሮ ይግብኣና (እዮ 29፡14)። “ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ” ከም ዝተባህለ፡ ንቕድስና ልብስና ኽንገብሮ ይግባእ (መዝ 110፡3)፡ ነቲ ብደም ክርስቶስ ዝለበሰናዮ “ልብሲ ምድሓን” ብንጽህና ኽንሕልዎን ክንእርንቦን’ምበር ክንጽይቖን ከነጥፍኦን ኣይግባእን (ኢሳ 61፡10፣ መዝ 132፡16)።
ትዕግስቲ ለቢስና ኽንሓልፎ ዚግብኣና ፈተና፡ ብቝጥዓን ባእስን ጽልእን እንተ መሊስናሉ መንፈሳዊ ልብስና ተገሊሁ ዕራቕና ኸም ዝተቐልዐ፡ ፍቕሪ ለቢስና ኽንዋስኣሉ ኣብ ዚግብኣና ጕዳያት፡ ብጽልእን ቂምታን ምፍዳይ ሕነን ዕርቃንና እንተ ቐሊዕና፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ዝለበስናዮ ክርስቶስ፡ ኣገልጋሊ ሓጢኣትና ኽንገብሮ ንጋደል ምህላውና ንገንዘብ። ብኸም’ዚ ዚመስለ ኣነዋሪ መንፈሳዊ ዕርቃን ንርእስናን ንጐይታናን ካብ ምውራድ ድማ ንቈጠብ። ብገለ ምኽንያት ሕፍረትና ተቐሊዑ ጥራይና ምስ እንኸውን፡ ብንስሓ ኽዳንና ንምእርናብ ከቶ ኣይንደንጕይ። መንፈሳዊ ልብስና ብሓጢኣት ምስ ዚጽየቕ፡ ብደም ክርስቶስ (ብግብራዊ ንስሓን ብቅዱስ ቍርባንን) ሓጺብና ንምጽዕዳው ኣይንደንጕይ (ራእ 7፡14፣ 3፡4,5)። ከም’ቶም፡ “ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ” ዝተባህለሎም ኴንና፡ ነቲ ልብስና ንክርስቶስ ደርቢና ዕቡዳት ኣይንኹን። መንፈሳዊ ዕርቃን ኣብ ሰማያት ንዘለኣለም ኣብ ገሃንም ዜቕጽዕ ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ ወርትግ ንዘክር። ስለ’ዚ ነቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝለበስናዮ ክርስቶስ፡ ብንጽህናን ብኽብርን ንሓልዎ። ንክርስቶስ ልብሱ ዘይገበረ ክርስትያን፡ ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኪቐውም ፈጺሙ ኣይበቅዕን’ዩ’ሞ፡ ንኣቦ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ ንምዃኑ ክንበቅዕ፡ ንክርስቶስን ባህርያቱን ለቢስና ንእኡ ንምሰል። ብኸም’ዚ ኣብ ምድራዊ ጕዕዞና ዕዉታት እንተ ዀንና እግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ሰማያት ጻዕዳ ኽዳውንቲ (ጽድቂ ቅዱሳን) ኬልብስና፡ ኣኽሊል ጽድቂ ኺደፍኣልና፡ ኣብ ዝፋን ቅዱስ ወዱ ኣቐሚጡ ኬኽብረና’ዩ’ሞ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ምልባስና ኣይንረስዕ (ራእ 19፡8)።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ታሕሳስ ፲፯, ፳፻፲፬ ግዕዝ (26 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 16 ሰንበት: ቊ.23/፳፫ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 13፡8-ፍጻመ | 1ዮሃ 1፡1-ፍጻመ | ግብ 26፡12-23 | ዮሃ 1፡1-18 | ዘእግዚእነ |
መዝ ፵፪(፵፫)፡፫,፬m "ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።" "ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክኣቱ’የ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣምላኸየ፡ ብበገና ኸመስግነካ’የ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ