S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ትምህርቲ ነገረ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብዝውሃብ ትምህርትታት እንዳዓሞቐን እንዳሃብተመን ብምምጻእ፡ እቶም ቀዳሞት ምሁራት ውሉደ ክህነት ናይ ኣርባዕተ ዓመት ትምህርቶም ኪዛዝሙ ከሎዉ፡ ሓደስቲ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን እናተወሰኽዎ ከምቲ መደብ ዝተገብረሉ ብጽቡቕ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።  እዋናውን ውህሉልን ሽግራት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ዝርከቦ ብቁዓትን ምሁራትን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ምስዝፈርዩ፡ ንምእምናን ዘዕግብ ትምህርትን ምምሕዳርን ምስ ዝህሉ ምዃኑ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ ዓየይቲ ግና ውሑዳት እዮም እሞ ... ንጐይታ እቲ እኽሊ ዓየይቲ ኪህበኩም ለምኑ” ከምዝተባህለ፡ ቁጽሪ ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኪውስኽ ምርኣይ፡ ብመንፈስ ዓብዮም ተወፋይነቶም ከዕዝዙ ካብ ምዕዛብ ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር ኪህሉ ኣይክእልን።

ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ  ዝቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ሓሙሻይ ዓመቱ ጌሩ ኣሎ። ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ትምህርቲ ነገረ-መለኮት  እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ። ገዳም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጽሮም ብዝውስኽ ምሁራት መነኮሳትን፡ ኣብ መገዲ ምንኩስና ዝርከቡ ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ደቂ መዛሙርትን ኣዝዩ እንዳዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማዕከን መንፈሳውነትን ፍልጠትን እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 27 ኮርሳት ኪውዳእ ከሎ፡ ኣብዚ ሰመስተር እዚ ኸኣ ትምህርቲ መንፈሳዊ ጉስነት (Pastoral Theology)፤ ንጽጽር ነገረ-መለኮት ኣብ ሞንጎ ቤተክርስትያንናን ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራትን (Comparative Theology Part I)፡ ከምኡውን ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ (Geez Language) ከም ኮርስ ተዋሂቡ።

ትምህርቲ መንፈሳዊ ጉስነት (Pastoral Theology) ነቲ ኣብ ዘምንና ቤተክርስትያንና ትፍጽሞ ኣላ ኢልካ ክትዛርብ ዘየኽእልካ መንፈሳዊ ጉስነት፡ ታሪኻውን መጽሓፍቅዱሳውን ሰረቱ፡ ብቑዕ ትምህርቲ፡ ስብከት፡ መሪሕነት፡ ኣምልኾ፡ ምምሕዳርን ናይ ኣበ-ንብሲ ዕዮን የጠቓልል። ቤተክርስትያን ብዝተፈላለየ መንፈሳውን ማሕበራውን ሕማማት ብዝሳቐዩ ምእመናን ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዘጠቓልል ብቑዕ ጉስነት ኣዝዪ ኣድላዪ ምዃኑ ተገሊጹ።  ኣብቲ ንጽጽር ነገረ-መለኮት ኣብ ሞንጎ ናይ ክርስትያን ማሕበራት (Comparative Theology Part I) ዝብል ድሕረ-ባይታ ናይቲ ሎሚ ዝተፈላለያ ክርስትያን ማሕበራት ዝኽተልኦ ስርዓተ ኣምልኾን ትምህርትን፡ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብኸመይ ከምዝማዕበለ፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኣብቶም ዝፈላለዪ ነጥብታት ዘሎዋ ርድኢት እንታይ ምዃኑ በሪሁ።

እቲ ሳልሳይ ኮርስ፡ ቋንቋ ግእዝ (Geez Language)፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ምስ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብዝገበሮ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ክንዲ ቋንቋ ኮፕቲክ ቋንቋ ግእዝ፡ ኣብ ክንዲ ዜማ ኮፕቲክ ከኣ ስርዓተ ቅዳሴን ካልእ ዜማታትን፡ ብምሁራት ውሉአ ክህነት ከም ኮርስ ይውሃብ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰምስተር፡ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ቋንቋ ግእዝ (Geez Language)፡ ሎሚ ኣብቲ ዞባና ምስ ዝዝረቡ ቋንቋታት ኪነጻጸር ዘይኽእል ሃብትን ምዕባለን ቋንቋ ግእዝ ዘብርህ ዝተፈላለየ ኣብነታት ተዋሂቡ፡ ከምኡውን መጻሕፍቲ ቤተክርስትያን ብግቡእ ንምርዳእ ምልከት ቋንቋ ግእዝ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ “ተማሂርካ ምስትምሃር” ብዝብል ቴማ ኣብዚ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ሰፊሑ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ዳርጋ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኪብጻሕ ኣብ ዝክኣለሉ እዋን፡ ተመሃሮ ነገረ-መለኮት ትምህርቶም ናብ ዝሰፍሐ ኣካል ህዝብና ዝበጽሓሉ መገድታት ብዕምቆት ተዛራሪቦም።  ሃገረስብከት ንመንእሰያትን ውሉደ ክህነትን ዝዓለመ ዓመታዊ ናይ ስልጠና ማእከላት ብውሑድ ዓቅሚ ድሮ ጀሚርዎ ከምዝሎ ይፍለጥ። እቲ ናይ መንእሰያት መደብ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ዞብታት ኣመሪካ ዝውሃብ ኮይኑ፡ መንፈሳዊ፡ ማሕበራዊ፡ ስነ-ጥዕናን ሞያውን ምኽርታት ሓቊፉ ንሰለስተ መዓልትታ ዝካየድ ሰፊሕ መደብ እዩ። ስልጠና ውሉደ ክህነት ክኣ ብተመሳሳሊ፣ ውሉደ ክህነት ብመንፈሳውን ማሕበራውን ፍልጠት ንምዕጣቕን፡ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ውሉደ ክህነት ነንሕድሕዶም ዝባላልሕሉን መደብ ኮይኑ ን 2-3 መዓልትታት ይካየድ። ከምቲ ነብዪ ሆሴእ ዝበሎ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽኣብየካ እየ”(ሆሴእ 4፡6)። ቀንዲ ጸገም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ድሕረት ትምህርቲ (ዘመናውን  ሃይማኖታውን ትምህርቲ) ብምዃኑ ነባሪ ፍታሕ ዚርከብ፡ ዓለም ለኻዊ መምዘኒ ዘማልአ ናይ ስነ-መለኮት ኮለጅ” ብምኽፋት ንኣገልገልትን ምእመናን ብምስትምሃር ምዃኑ ዳርጋ ኩሎም እቶም ንቤተክርስትያንና ብቐረባ ዝፈልጥዎ ምሁራትን ለባማትን ዝሰማምዕሉ ነጥቢ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ፍልጠት ዝገነነሉ ዘመን፡ ኣብ ርድኢትን ብቑዕ ትምህርትን ዘይተሰረተ፡ ብርቱዕን ጽኑዕን እምነት ኪህሉ ኣይከኣልን፤ ቀጻልነት ቤተክርስትያንውን ኣብ ሓደጋ ኪወድቕ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

እዚ ኤርትራውያን ካህናትን ድያቆናትን እንዳተሳተፍዎ፣ ብመዓልታዊ ቅዳሴ፣ ጸሎተ ነግህን ጸሎተ ሰርክን እንዳተሰነየ ዝወሃብ ጽዑቕ ትምህርቲ ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሴፍ እንዳተመርሐ፣ በቶም ዝተፈልጡ መማህራን ስነ-መልኮት ዝወሃብ ኣዝዩ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርቲ’ዩ። ካብቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ድማ ካብ ህይወት’ቶም ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዓቢ ትምህርቲ ትምሃር። ምኽንያቱ ንቓል እግዝኣብሔር ብዕምቆት ይፈልጥዎ ጥራይ ይኮኑስ ይነብርሉ ድማ እዮም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ድማ ስለቶም ስለ እምነት ተዋህዶን፣ ሕጊ ቤተክርስትያንን ምእንቲ ከይጠሓስ ኪብሉ ህይወቶም ዚወፈዩ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤ.ክ ኤርትራ፤ ሕጊ ቤተክርስትያን ኣይንግህስን ብምባል ኣሰሮም ኣቦኦም ስለዝሰዓቡ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘሎዉ ውሉደ ክህነት፤ ከምኡውን ኣጸድ እታ መዋእሎም ምሉእ ዘገልገልዋ ቤተክርስትያን ከይረግጹ፡ ካብ ቅዱስ ቁርባን ተፈልዮም ኣብ ገዝኦም  ኪዕጸዉ፡ ብብዓል ግዜ ሓደ ጭዋ ሰብ፡ ዝተገደዱ ሊቃውንትን ስለ ኹሎም ብቐጻሊ ጸሎት ኪግበር ቀንዩ።

እዚ ብሉጽ መደብ፡ ኣብ ከባቢና ዓይነታዊ ኣገልግሎት ከነብርክት ዚድግፍ ብምዃኑ፡ ክሉኹም ኪትምሃሩ ትኽእሉ ኣቦታት ካህናት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መደብኩም ከተእትውዎ ንላቦን ንመክርን።

ተመሃሮ ነገረ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ” ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div