ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ “ኖላዊ” ዕለት ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ “ኖላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። “ኖላዊ” ድማ ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ “ጓሳ” ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርን ምስባክን ኣርባዕቲኡ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ብምሉኡ ጓሳ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ “ኖላዊ (ጓሳ)” ዚበሃለሉ ዘሎ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ እቲ ንጓሳና ዝዀነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቕንያት’ዩ።
ድሕሪ ሳልስቲ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ታሕሳስ 29 በዓል-ልደት ከነኽብር ኢና (07/01/22ፈ)። እዚ “ሕያዋይ ጓሳ፡ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ሓለቓ ጓሶት” ዝተሰምየ መድሓኒና ኻብ ዘስተምሃረና ዓበይቲ ምህሮታት ሓደ፡ ነቲ ንሱ ጥራሕ ዚፈልጦ እግዚአብሔር ኣቦኡ እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኸም ዜስምሮ’ዩ። መስዋእቲ ምቕራብ ብሰብ ዘይኰነስ ብኣምላኽ ዝተስርዐን ዝተኣዘዘን ናይ ኣምልኾ ስርዓት’ዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እግዚአብሔር እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኸም ዜስምሮ፡ ብመን እንተ ቐረበ ኸም ዜስምሮ፡ እቶም ዚስውኡ እንታይ ዓይነት ህይወት ኪህልዎም ከም ዘለዎ፡ ወዘተ ብዝርዝር ኣፍሊጡና’ዩ።፡ ካብ’ቲ ንሱ ዝዘርዘሮ ረቛሒታት ስሙር መስዋእቲ ንሓዲኡ እንተ ኣጕደልና፡ ይትረፍ መስዋእትና ኪቕበለልና ብኣንጻሩ ኣበሳ ኸም ዚቘጽረልና ቓሉ የረጋግጸልና’ዩ። ከም’ዚ ኻብ ኰነ፡ መስዋእቲ ምቕራብና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ መስዋእትና ነቲ ንኣምላኽ ዜስምር ረቛሒታት ምምላኡ ኸነረጋግጽ ይግብኣና ማለት’ዩ። ጐይታና ኣብ’ቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ ብዛዕባ መባእ (መስዋእቲ) ግሩም ትምህርቲ ሂቡ’ሎ።
“እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሓሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስ’ቲ ሓውካ ተዓረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።” ማቴ 5፡23,26
ስለ’ዚ ንዝበደልካዮን ንዘጕሃኻዮን ሓውካ ይቕሬታ ብምሕታት ከይተዓረቕካ መባእ ወይ መስዋእቲ ኸተቕርብ ምፍታን ናብ ዝኸፍአ ፍርዲ ኣሕሊፉ ኸም ዚህበካ ርጉጽ’ዩ። እዚ ኣብነት’ዚ ብዛዕባ እነቕርቦ መስዋእቲ ጥንቍቓት ክንከውን ከም ዚግብኣና ዜመልክተና’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ብዛዕባ ረቛሒታት ስሙር መስዋእቲ ኣይኰንናን ክንመሃር። ዝዀነ ዓይነት መስዋእቲ ኸነቕርብ ከለና፡ ንኣምላኽ ብዜስምሮ መገዲ ነቕርቦ ምህላውና ንምዝኽኻር ዚኣክል ጥራሕ’ዩ። ሎሚ ኽንዘራረበሉ ተሰሪዑልና ዘሎ ዓይነት ናይ መስዋእቲ፡ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ፡ ብፍላይ ከኣ ንምምቓል ዚምልከት’ዩ።
ሰናይ ግብሪ ንምንታይ’ዩ ኸም መስዋእቲ ዚቝጸር፧ ካብ’ቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እነንብቦ ስርዓት መስዋእቲ ዝተላዕለ፡ መስዋእቲ ዚመስለና፡ እቲ ናይ ህንጻ ቤት መቕደስ ኬድና እነበርክቶ ህያብ ጥራሕ’ዩ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን፡ ኵሉ መስዋእትን መባእን ናብ’ታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ኬድካ ይቐርብ ነበረ። ካብ’ዛ ቦታ’ዚኣ ወጻኢ ዚግበር ወይ ዚቐርብ ዝዀነ መስዋእቲ ኸም ሓጢኣት ይቝጸር ነበረ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዚቐርብ ጥራሕ መስዋእቲ ዚበሃል ኪመስለና ጀመረ። ሰብ፡ ብቐጥታ ንኣምላኽ ዚገብሮ ዀነ ንኸምኡ ሰብ ዚገብሮ ግብሪ ዅሉ ግና መስዋእቲ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግብኣና። እቲ ጽቡቕ ግብርና ዘበለ ዅሉ፡ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ ምኡዝን ቅቡልን መስዋእቲ’ዩ። እቲ ኽፉእ ግብርና ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡ ናብ ሰይጣን ዚቐርብ ርኹስ መስዋእቲ’ዩ። ነዚ ዜረጋግጸልና ድማ ኣምላኽ ብግብርና ኸይተሓጐሰ ምስ ዚተርፍ ነቲ እነቕርቦ ነገራዊ መስዋእትና ዘይምቕባሉ’ዩ።፡ ነቲ ዝዓበየ ግብራዊ መስዋእትና እንተ ዘይተቐቢልዎ፡ ነቲ ዝነኣሰ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራዊ መስዋእትና ኪቕበሎ ፈጺምኻ ዘይሕሰብ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ግብርና ኻብ መስዋእትና ዝበለጸ ኣገዳስነቱ ከም ዘለዎ ዜመልክተና’ዩ። ስለ’ዚ ግብርና እቲ ዝዓበየ መስዋእትና’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ድማ ነዚ ምስጢር’ዚ’ዩ ዜረጋግጸልና ዘሎ። ሰናይ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ዜስምሮ ዝበለጸ መስዋእቲ’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ከም ዜረጋግጸልና ሰብ ህያው ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኽ’ዩ (1ቈረ 3፡16,17፣ 6፡19,20)። ስለ’ዚ ንሓደ ሰብ ሰናይ ክንገብረሉ ኸለና፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ንኣምላኽ መስዋእቲ ነቕርብ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ነዚ ሓቂ’ዚ ጐይታና ኣብ ማቴ 25፡31-46 ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ። ነቶም ኣብ ዘመን ምድራዊ ህይወቶም ንጽጉማት ዜርህውሎምን ዜጸናንዕዎምን ዝነበሩ ኣብ ምጽኣቱ ኼመጕሶም ከሎ ዝተዛረቦ ቓል ነዚ ናይ ሰናይ ግብሪ ክብርን ኣገዳስነትን ዜርእየና’ዩ።
“.....'ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ’ሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ ኣስተኹምኒ፡ ሓሚመ በጻሕኹምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።” ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ “ጐይታይ፡ መዓስ ጠሚኻ ረኣናካ’ሞ ኣብላዕናካ። ወይ ጸሚእካስ ኣስተናካ፡ መዓስከ ጋሻ ዄንካ ረኣናካ’ሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዓሪቕካስ ከደንናካ፧ መዓስከ ሓሚምካ ረኣናካ መይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧” ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ “እቲ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡” ኢሉ ይመልሰሎም።” ማቴ 25፡34-40
እዞም ተጠቒሶም ዚምስገኑ ዘለዉ ጻድቃን ሓንቲ ግብሪ’ዮም ፈጺሞም። እዛ ግብሪ’ዚኣ ንሰባት ሰናይ ግብሪ ትዀኖም ንኣምላኽ ከኣ ስሙር መስዋእቲ ትዀኖ። ስለ’ዚ ንዝዀነ ሰናይ ግብሪ በቲ ኣብ ሰብ ዘለዎ ትርጉምን ጽልዋን ጥራሕ ዘይኰነ፡ በቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ትርጕምውን ክንርእዮ ይግባእ። ዝዀነ ሕማቕ ግብሪ ንምግባት ክንድረኽ ከለና’ውን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘሎ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ንእኡ ዝፈጠረን ንስጋኡ መቕደሱ ዝገበሮን ዘይርአን ኣምላኽ’ውን ክንዝክሮን ክንሓስቦን ይግብኣና። ኣብ’ቲ መቕደሱ ዝገበርናዮ ግብሪ፡ “ናብኡ ኣይበጽሕን’ዩ፡ ንእኡ ኣይምልከቶን’ዩ” ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ግደ ሓቂ፡ እቲ ኣብ’ቲ መቕደስ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ተግባር፡ ካብ ነቲ መቕደስ ንላዕሊ ንዋናን ፈጣርን ናይ’ቲ መቕደስ’ዩ ብዝያዳ ዚብጽሖ። ስለ’ዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዚፍጸም እኩይ ተግባር ወይ በደል፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ዝቐረበ ርኹስ መስዋእቲ’ዩ። ንዅሉ ተግባርና ብጥዑይ ድርኺትን ብልዑል ጥንቃቐን ክንገብረሉ ዚግብኣና ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
እግዚአብሔርከ ንምንታይ’ዩ በቲ ንሕና እንገብሮ ሰናይ ግብሪ ዚሰምርን ዚሕጐስን፧ ሰናይ ግብሪ ምግባር መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ሰናይ ግብሪ ሰብኣውን ስጋውን ባህርይ ኣይኰነን። ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እቶም ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ (ብኣርእያ ስላሴ) ዝተፈጠርና ሰባት፡ ሰናይ ግብሪ ናይ ምምራጽን ናይ ምግባርን ዓቕሚ ተዓደልና። እቲ ሓቂ ኸምኡ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ፍጡራቱ ኢና’ሞ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተፈጠርና ኢና።” ቀ.ት
“ከመይ ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳልወልና ሰባት ተግባር እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።” ኤፌ 2፡10
ስለ’ዚ ዕላማ ምፍጣርና ሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኽንገብር’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ካብ ሰናይ ግብሪ በዅርና ማለት፡ ሰብ ምዃን ሓዲግና ማለት’ዩ። ከልቢ እንተ ዘይሓለወ፡ ገመል እንተ ዘይተሰከመ፡ ብዕራይ እንተ ዘይሓረሰ፡ ሰብ ከኣ ሰናይ ግብሪ እንተ ዘየዘውተረ ኵላቶም ከንቱ’ዮም። እቲ ዜሕዝን ከኣ ሰናይ ግብሪ ዘይምግባር፡ ኣብ ዘይምግባር ጥራሕ ተደሪቱ ዘይተርፍ ምዃኑ’ዩ። ገባሪ ሰናይ እንተ ዘይኴንካ፡ ናይ ግድን ገባሪ እከይ ኢኻ። ኣብ መንጎ ሰናይ ግብርና እከይ ግብርን፡ ሓዲግ-ሰብ ዚንጥልጠለሉ (ወይ ዜንሳፍፈሉ) ባዶ ቦታ ወይ ባዶ ሃለዋት የለን። ምኽንያቱ እንተ ወሓደ፡ ሰናይ ዘይምግባር ጥራሕ ንርእሱ ግብረ-እከይ’ዩ። ሓደ ሰብ ገባር-ሰናይ እንተ ዀነ ወሃቢ ይኸውን፡ ገባር-እከይ እንተ ዀነ ግና ሰራቒ ወይ ዘራፊ’ዩ ዚኸውን። ከይሃብካን ከይሰረቕናን ስቕ እንተ በልና ኣይገበርቲ ሰናይ ኣይገበርቲ እከይ ሓዲግ ንኸውን ማለት ኣይኰነን። ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ምስ ገበርቲ እከይ ኢና ንምደብ። ምኽንያቱ ኽትህቦ ንዚግብኣካ ዘይምሃብ እቲ ዝኸፍአ ስርቅን ዝምታን’ዩ። ልዕሊ ኢልና ኣብ ዘንበብናዮ ናይ ማቴ 25፡31-46 ምስላ፡ ነቶም ንዝጠምዩ ዘይመገቡ፡ ንዝዓረቑ ዘየልበሱ ናብ ገሃነም’ዩ ፈሪድዎም። ገሃነም ድማ ናይ ሰረቕቲ ዘለኣለማዊ ማሕደር’ዩ። ብዘይ ምሃቦም ስለ ዝሰረቑ፡ ናይ’ቲ ማሕደር ሰረቕቲ ተደርበዩ። ናብ መንግስቲ-ሰማይ ዚኣትው እቶም ዚህቡ ጥራይ’ምበር እቶም ኢዶም ዘርጊሖም ዘይስረቑ ኣይኰኑን። ሰናይ ግብሪ ዘይምግባር፡ እቲ ዝኸፍአ ግብረ-እኩይ ሰለ ዝዀነ፡ ንህይወትና ብእኡ ኽንመዝና’ዩ ዚግባእ። ኣብ ቃል እግዚአብሔር ብተደጋጋሚ ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ’ዩ ዚፈርዶ (ኤር 32፡19፣ ማቴ 16፡27፣ 1ጴጥ 1፡17፣ ራእ 20፡12)። እግዚአብሔር፡ ኣብ መወዳእታ ብመሰረት ግብርና ዚፈርደና ኻብ ኰነ፡ ንሕና’ውን ንህይወትና ብመንጽር ግብርና ኽንመዝና’ዩ ዚግብኣና ማለት’ዩ።
እቲ ሓቂ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ሰብ ብግብሩ’ዩ ዚድሕን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን!! ቅዱሳን ሃዋርያት ብግብርና ኸም ዘይንድሕን ኣነጺሮም ነጊሮምና’ዮም። ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተሰረትና፡ ሰዓብቲ ናይ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃንና መጠን፡ በቲ ሃዋርያት ዝሓደጉልና ትምህርቲ ኢና እንኣምን።
“ሓደ’ኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን’ሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ (ምድሓን’ዚ) ኸኣ ውህበት ኣምላኽ’ዩ’ምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።” ኤፌ 2፡8,9
“ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሓነና ብቕዱስ ጽውዓ’ውን ጸውዓና’ምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። ሕጂ ግና (እቲ ምድሓን) ብምግሃድ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸ። ንሱ ንሞት (ስዓሮ)፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውጽኦ።” 2ጢሞ 1፡9,10
“ናይ’ቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዚህብ ምሕጻብን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን ኣድሓነና። ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ እሙን (ቃል)’ዩ።” ቲቶ 3፡4-8
ብግብርና ዘይንድሕን እንተ ዄንና ደኣ ንምንታይ ብግብርና ንፍረድ፧ ሰናይ ግብሪ ናይ ድሕነትና ምኽንያት (means) ዘይኰነስ ናይ ድሕነትና ፍረ ወይ ውጽኢት’ዩ። ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታት ከም ዜረጋገጸልና፡ ብእምነት ብጸጋ ኣምላኽ ኢና ናብ ድሕነት እንኣትው። ናብ ድሕነት ምስ ኣተና (ድሕነት ምስ ረኸብና) ግና፡ ነቲ ድሕነትና ብግብሪ ኢና እንነብሮ። ምኽንያቱ ዕላማ ናይ’ቲ ብእምነት ዝረኸብናዮ ድሕነት፡ ነቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምስራት ዓለም ክንነብረሉ ኢሉ ዘዳለወልና ሰናይ ግብሪ እናገበርና ምእንቲ ኽንነብር’ዩ። ጐይታና ብዛዕባ’ዚ ኼስተምህር ከሎ፡ ብጕንዲ ወይኒ መሲልዎ ኣሎ።
“ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ’የ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ’ዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቆ። ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ (ኣቦይ) የርሕቖ።” ዮሃ 15:1,2
ኣብ ጕንዲ ዘየለ ጨንፈር ይመውት’ምበር ህይወት ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ህይወት ዘይብሉ ጨንፈር ከኣ ፍረ ኼፍርይ ኣይክእልን’ዩ። ኪፈርይ እንተ ዀይኑ ቕድም ህይወት ኪረክብ ይግብኦ። ህይወት ከይረኸበ ኸሎ፡ ፍረ ኽትጽበይ ኣይከኣልን’ዩ፡ ፍረ ብምፍራይ ህይወት ኣይርከብን’ዩ፡ ህይወት ብምርካብ ጥራሕ’ዩ ፍረ ዚፍረይ። ስለ’ዚ’ዩ “ግብሪ (ፍረ) ብምግባር ህይወት (ድሕነት) ኣይርከብን’ዩ” ዚበሃል። ህይወት ዝረኸበ ዘበለ ዅሉ ግና ፍረ ኼፍርይ ናይ ግድን’ዩ። ከይፈረየ እንተ ተረፈ ኸኣ፡ ከም’ቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ተቘሪጹ ይድርበይ፡ ነታ ረኺብዋ ዝነበረ ህይወትን ድሕነትን ከኣ ንሓዋሩ ይስእና ማለት’ዩ። እቲ ጥቕሲ ኣብሪህዎ ኸም ዘሎ፡ ክትፈርይ ዘይክትፈርይ ኣብ’ቲ ጕንዲ ኽትጠብቕ ናይ ግድን’ዩ። ኣካል (ጨንፈር) ናይ’ቲ ጕንዲ ዚኸውን ከኣ ብእምነት ብጸጋ’ዩ ሓንሳእ ኣካል ናይ’ቲ ጕንዲ ኣካል ስለ ዝዀንካ ግን፡ ንሓዋሩ ኣካል ኴንካ ትነብር ማለት ኣይኰንን። ዕላማ ናይ’ቲ ኣካልነትካ ሽቶኡ እንተ ዘይወቒዑ እቲ ተኻሊኻ ኪቘርጸካ ናይ ግድን’ዩ፡ ምኽንያቱ ንኽትፈርየሉ’ዩ ተኺሉካ። ስለ’ዚ ኣካል ወይ ጨንፈር ከይኰንካ ምፍራይ የለን፡ ከይፈረኻ ድማ ኣካል ዄንካ ምንባር የለን ማለት’ዩ። እምበኣር ድሕነት ወይ ህይወት ናይ ምርካብ ናይ መወዳእታ ዕላማ፡ ፍረ ምፍራይ’ዩ። ናይ ሰብ ፍረ ኸኣ ሰናይ ግብሪ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እዚ ቓል’ዚ እሙን’ዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣምኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደልይ ኣለኹ። እዚ ሰናይ ግብሪ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቕምን’ዩ። .... እቶም ናትና’ውን (እቶም ዝኣመኑ’ውን) ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድልይ ነገር (ማለት) ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይመሃሩ።” ቲቶ 2፡8፣3፡14
ስለ’ዚ “ኣብ እምነት ኣለኹ፡ ክርስትያን’የ” ንዚብል ኵሉ ሰብ ሰናይ ግብሪ ምግባር ግዴታ’ምበር ምርጫ ኣይኰነን። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ፡ ነቶም “ኣባይ ዘሎ” ዝበሎም ጨናፍሩ ፍረ ምስ ሰኣነሎም ብዘይ ምሕረት ቈሪጹ ዚድርበዮም። ጽቡቕ ግብሪ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተቘሪጹ (ተፈልዩ) ናብ ሓዊ ገሃነም ኪድርበይ፡ ከቶ ዘይገሃስን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ፡ ናብ ኰን ደዀን ዘይኣትው ሕጊ መለኮት’ዩ (ማቴ 3፡10,12፣ 7፡ 16-23፣ 12፡33-37፣ 21፡18-20፣ ሉቃ 13፡6-9፣ ዮሃ 15፡6፣ ሮሜ 2፡6-10፣ 2ተሰ 1፡9,10፣ እብ 6፡7,8)። እዚ ግብሪ ኣብ ድሕነትና ዘለዎ ተራን ናይ ሰናይ ግብሪ ኣገዳስነን ዚገልጽ ዓሚቚ ኣስተምህሮ፡ ኣብ’ቲ መሰረተ-እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና (ፍኖት ህይወት ዝተሰምየ መጽሓፍ) ብሰፊሑ ንመሃሮ ዘለና’ዩ።
ከም ሰናይ ግብሪ መጠን፡ ምምቓልከ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ’ዩ፧ ካብ ዘሎካ ዅሉ ንኻልኦት ምምቃል (ምሃብ) ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ብኣጸዋውዓ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ “መግቦታ-እግዚአብሔር” (God’s providence) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኵሉ’ቲ ኺምቀል ዚኽእል ኣብ ኢድና ዘሎ ገንዘብ፡ ንብረት፡ ጕልበት፡ ክእለት፡ ስልጣን ወዘተ ኻብ እግዚአብሔር ብመጋቢነቱ ዝረኸብናዮ ጸጋ’ዩ (1ዜና 29፡11-17)። ስለ’ዚ ካብ ኢድ እግዚአብሔር ዝተቐበልናዮ ጽባሕ ንግሆ ድማ ተሓታትነት ዘለዎ ገንዘብ ሕድሪ’ዩ። እግዚአብሔር ሰናይ ግብሪ ናይ ምግባር ባህርዩ ስለ ዝመቐለና፡ ሰናይ ግብርና እነዕዝዘሉ ትሕዝቶኡ ድማ ምስኡ ይህበና። ብኻልእ ኣዘራርባ ካብ’ቲ ናይ መጋቢነት ባህርዩ ድማ ሂቡና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ መጋቢነትና ኸነጋግጸሉ ዝተዋህበና ንብረትን ገንዘብን ምእንቲ ኸነማቕሎም፡ እቲ ንሕና ዘሎና ዘይብሎም ብዙሓት ጽጉማት ሰባት ድማ ይህበና ማለት’ዩ። በዚ እግዚአብሔር ዝሃበና ትሕዝቶን ናይ መጋቢነት ሓላፍነትን እሙናት እንተ ዄንና ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ረድኤትና ንዜድልዮም ሰባት እናማቐልና ንነብር ማለት’ዩ። ነቲ ኻልእ ክፉእ ምርጫ እንተ ኣልዒልና ድማ፡ ነቲ እግዚአብሔር ብሕድሪ ዝሃበና ትሕዝቶ ብጥልመት ናትና ጥራሕ ንገብሮ። ነቶም ንሕና ብመጋቢነት ከነገልግሎም ዝተዋህቡና ሰባት ከኣ ብሽግር ብስእነት ንቐጽዖም ኣለና። ስለ’ዚ በደልና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ሰብን ዚፍጽም ድርብ በደል’ዩ። ከም’ቲ ግቡእ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዅሉ ትሕዝቶ ብዝረኣናዮ መጠን፡ ዘይናትና ንብረት ብሕድሪ ዝተቐበልና ሰባት ምዃንና ኼዘክረና ይግባእ። እቶም ናትና ደገፍ ዜድልዮም ሰባት ኪረኣዩና ኸለው ወይ ከኣ ብዛዕባኦም ክንሰምዕ ከለና ድማ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ናይ መጋቢነት ተልእኾ ኪዝከረና ይግባእ። ገንዘብ ወይ ንብረት ብዝኣከብና መጠን፡ ዕዳ ንእክብ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ግቡእና’ዩ።
ኣምላኽ ካብ’ቲ ዘይውዳእ ሃብቱ ብልግሲ ዝመቐለና፡ ንሕና’ውን ንኻልኦት ብምምቃል ብሰናይ ግብሪ ምእንቲ ኽንህብትም’ዩ። (1ጢሞ 6፡17-19)። ስለ’ዚ ትሕዝቶና እናጐደለ፡ ሰናይ ግብርና ግን እናበዝሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ኸነረጋግጽ ይግባእ። ከምኡ እንተ ዘይገበርና፡ ጽባሕ ንግሆ እቲ ለጋስ ወሃቢ ኣዝዩ ሓያል ተጸባጻቢ ዀይኑ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣቢሉ፡ “ጸብጻብ መጋቢነትካ ሃበኒ” ኢሉ በብውልቅና ኺሓትተና’ዩ። እቲ ብዝተቐበሎ ገንዘብ ሕድሪ ነቲ ናይ መጋቢነት ተልእኾኡ ብዓወት ዝፈጸመ ሰብ፡ ነዚ ዜርዕድ ጐይታ ምስ ረኣየ ርእሱ ኬቕንዕ’ዩ። እቲ ንኣምላኽ ዋንነቱ፡ ነቲ ሽጉር ድማ ብጽሒቱ ኺዘርፎ ዝጸንሐ፡ ብዕዳ ኣምላኽ ዝተቐብረ ዓሻ ዓመጸኛ ግና፡ ብሕፍረትን ብፍርሃትን ኪወሓጥ’ዩ። ከም’ዚ ኣብ ሉቃ 16፡19-31 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ነቲ ድኻ ኣልኣዛር ብጽሒቱ ብምኽላኡ ኣብ ሲኦልን ገሃነምን ዚሳቐይ ዝነበረ ዕሽነት ዝሃብቱ ሰብኣይ ኪኸውን’ዩ።
እምበኣር፡ ዚምቀል ትሕዝቶ ኣብ ኢድና ዚምቀሉ ሰባት ከኣ ኣብ ከባቢና ኺበዝሑልና ኸለው፡ እግዚአብሔር ጽቡቕ ምኽሪ መኺሩልና ኸም ዘሎ ንዘክር። ንድምጹ በእዛንና እንተ ዘይሰማዕናዮ’ኳ፡ ንሱ ግን ይዛረበና ኸም ዘሎ ነስተውዕል። “ነቲ ዝሃብኩኻ ትሕዝቶን ናይ መጋቢነት ተልእኾን እትትግብረሉ መድረኽ ሰሪዐልካ ኣለኹ’ሞ፡ ሃየ ኣገልግለኒ ኣኽብረኒ፡ ንርእስኻ ድማ ካብ ዕዳን ዕሽነትን ኣድሕን” ኢሉ ብግብራዊ ቛንቋ ይዛረበና ኸም ዘሎ ነስተውዕል። እቲ ናይ መንፈስ ኣእዛንና ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኺሰምዖ እንተ ዘይክኢሉ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኣዝዩ መሪርን ክፉእን ኪኸውን’ዩ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ ነዚ ንኣምላኽ ዜስምር መስዋእቲ ዝዀነ ናይ ምምቓል ሰናይ ግብሪ ፈጺምና ኸይንርስዖ ዘጠንቀቐሉ ምኽንያቱ ከኣ ንሱ’ዩ። ካብ’ቲ ዘሎና ኣካፊልና ብመጋቢነትና ኸነገልግሎም ብዚግብኣና ጽጉማት ኣዕለቕሊቓ ኣብ ዘላ ዓለም እናነበርና፡ ነቲ ናይ ምምቓል ሓላፍነትና እንተ ረሲዕናዮ ደኣ፡ እንታይ ካልእ ክንዝክር ኢና፧ እዚ ምርሳዕ’ዚ፡ ብፍላጥ፡ ኰነ ኢልካ ዚግበር ናይ ፍታው ምርሳዕ’ምበር፡ ናይ ኣእምሮ ናይ ምዝካር ጸገም ዝፈጠሮ ምርሳዕ ኣይኰነን። ኣቦታትና፡ “ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓራምዝ ነይንቕንቕዎ” ኸም ዚብሉ፡ ነዚ ናይ ምምቓል ሓላፍነትና ብፍላጥ እንተ ረሲዕናዮ ኸኣ፡ ይትረፍ ሓርማዝ ኣምላኽ ብዓብዩ’ውን ኪንቕንቐና ኣይክእልን’ዩ’ሞ ካብ’ዚ መሪር ዝሳዕቤኑ መንፈሳዊ ድንዛዘ ርእስና ነድሕን። ካብ ናይ ብዓል-ሕድሪ ዀነ ካብ ናይ መጋቢነት ሓላፍነትና ኣይንብኰር። ሓላፍነትካ ምርሳዕ ድማ ናብ ግፍዒ’ምበር ናብ ጽድቂ ስለ ዘይድርኸና፡ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኽ ዜስምር ናይ ሰናይ ግብርን ምምቓልን መስዋእቲ ነቕርብ ምህላውና ንዘክርን ነረጋግጽን።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ታሕሳስ ፳፬, ፳፻፲፬ ግዕዝ (2 ጥሪ 2022 ፈ). መበል 17 ሰንበት: ቊ.24/፳፬ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
እብ 13፡16-ፍጻመ | 1ጴጥ 2፡21-ፍጻመ | ግብ 15፡13-21 | ዮሃ 10፡1-21 | ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ ፸፱(፹)፡፩ "ኖላዊሆሙ ለእሥራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።" "ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ