S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅነ-ጉባኤ - 2010

ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ! ዩኤል 216

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ሎሚ ዘመን መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ብብፁዓን ጳጳሳት፥ ኣቦታት ካህናት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ማዕሪጉ ብልዑል ክብርን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ንኽካየድ ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ። በዚ መሠረት ነቢይ ኢዩኤል ‘’ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ’’ (ኢዩ 216) ከም ዝበለ፡ ነዚ ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ ዝግበር ዓመታዊ ጉባኤን ክብረ በዓል ገብርኤልን ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ክሳተፎ ዕድመ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ነዘኻኽር።

ኣብ ጉባኤ ብዛዕባ እታ ተስፋኣ ወትሩ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝኾነት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንናን እሙን መራሒና 3 ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ብጸሎትን ምህለላን መስዋዕቲ-ቅዳሴ ጌርና ንእግዚኣብሔር ክንልምን ኢና። ከምኡውን ንመንፈሳዊ ሕይወትና ብዝጠቕሙ ዝተፈላለዩ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ ትምህርትን መዝሙራትን ጌርና ንሕድሕድና ክንተሃናነጽ፥ ብተውሳኺ ናይ ብፁዓን ኣቦታትና ጳጳሳት ቡራኬን ማዕዳን ክንቅበል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ኩላትና ክንስሕቶ ኣይግባእን።

ሠናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ እቶም ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ካብ 22-25 July 2010 ዝካየድ፡ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ክሳተፉ ተመዲቦም ዘለዎ ብፁዓን ጳጳሳት ድማ፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ፥ መትሮፖሊታን ብፁዕ ኣቡነ ሰራፊም ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን፡ ብፁዕ ኣቡነ ዳዊት ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጽን ካልኦት ናይ ክብሪ ዕዱማት ኣጋይሽን ዝርከብዎ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ስለ እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ብዝተገብረልና ኩሉ ሠናይ ነገራት ንኣምላኽ ከነመስግን፥ ብዛዕባ እቲ ዝተረፈና ምእንቲ ሰላም-ህዝብና፥ ሰላም-ሃገርና ኤርትራን ሰላም-ምሉእ ዓለምን ሓቢርና ክንልምን፥ ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ እዚ መንፈሳዊ ጉባኤ ክትኮኑ ኣምላኽ ልብኹም የነቓቕሕ። ከምሕራይ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዘዝኩምንን ምድሪ እተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ክትበልዑ ኢኹምዝበለና፥ ነቲ ኣቦ ምሕረት ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብንስሓ ንቕረቦ እሞ ንሱውን ክቐርበናን ምሕረቱ ከውርደልናን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኢሳ 116

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ምእመናን ኣብ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ክትሳተፉ ዝመደብኩም ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብርትዓዊ ዋጋ ናይ መደቀሲኹም ሆቴል ክትሕዙ ኣብ ጠውቑ። ካብ ኤርፖርት ክንቅበለኩም እትደልዩ ኣጋይሽና ከኣ ናይ ትጓዓዝሉ ኣየር ቲኬትኩም ቅዳሕ ክትልእኩልና ብኣኽብሮት ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ። ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ትዓርፍሉ ኤር-ፖርት ጆን ኤፍ ከነዲ (New York JFK Airport) ወይ ድማ ላጓርዲያ (New York LaGuardia Airport) ክኸውን ድማ ንሕብር። ንዘድሊ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ቴሌፎናት ደዊልኩም ግቡእ ምትሕብባር ክትረኽቡ ትኽእሉ። ዕድመን ጥዕናን 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ። ልዑል እግዚኣብሔር ንጉባኤና ይባርኽ! ብደሓን ምጹ!!

ንመጓዓዝያ ዝምልከት፡-

  • 646-919-6847
  • 203-296-0274
  • 908-249-6399 ደውሉ

ናይ ሆቴል ዝምልከት፡-

  • 908-415-5787
  • 203-219-6684
  • 203-570-4116 ደውሉ

መኪና ዘዊርኩም ንትመጹ፡-

  • 646-808-6660
  • 973-6288858
  • 718-931-0191 ደውሉ

ንካህናትን ዲያቆናትን ዝምልከት፡

  • 646-401-2068
  • 203-391-1605
  • 845-453-7641

ህጹጽ ኵነታት ንዘጋጥም፡

  • 203-710-1645
  • 718-696-7219
  • 718-541-6172 ደውሉ


ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ክንዓዪ ኢና! ነህ 2፡20
ኣዳላዊት ኮሚቴ ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ
ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div