“ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ’ያ’ሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ’ዩ፡ ንኣምላኽ’ውን ይፈልጦ’ዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ’ሞ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን’ዩ።” 1ዮሃ 4፡7,8
ንዅላትና ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና!! ብኣቈጻጽራ ግእዝ ትማሊ ታሕሳስ 29 ኢና ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣብዒልና። እዚ ብልደቱ ዝተጋህደ ቐዳማይ ምጽኣት ጐይታና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘግሃደልና ኽቡር ፍጻመ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ልደቱ ብሰባትን ብመላእኽትን ብዓብይ ክብሪ ተጸምበለ (ሉቃ 2፡8-20)። “ቃል ስጋ ዀነ” ኺበሃል ከሎ፡ ስጋውያን ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ቀሊል ነገር ኰይኑ’ዩ ዚረኣየና (ዮሃ 1፡14)። ንመለኮት ግና ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ሓያል፡ ዘለኣለማዊ፡ ደረት-ኣልቦ፡ ከኣል-ኵሉ፡ ፈላጥ-ኵሉ፡ ወዘተ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ነዚ ድኹምን ድሩትን መዋትን ዝዀነ ስጋና ኺለብስ፡ ካብ መስቀል ዘይንእስ ከቢድ መከራ’ዩ። እቲ ንሰብ ዘለዎ ደረት-ኣልቦ ፍቕሪ’ዩ ነዚ ሰብ ናይ ምዃን ውርደት ብሓጐስ ኪቕበሎ ዝገበሮ። ኣብ ቅዳሴ ዮሃንስ ኣፈወርቅ “ፍቅር ሰሐቦ ለወልድ ኃያል እም መንበሩ” ኸም ዚብል፡ እግዚአብሔር ነዚ ኸቢድ ስጕምት’ዚ ኺወስድ ዝገበሮ ፍቕሪ ምዃኑ ግሁድ’ዩ። ኣብ’ቲ እዚ ፍቕሪ’ዚ ዝተጋህደሉ ቕንያት፡ ነዚ ኣገዳሲ ናይ ፍቕሪ ኣርእስቲ ኽንመሃሮ’ምበኣር ግቡእ’ዩ።
ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ናይ ክርስቶስ ፍቁር ወደ መዝሙር’ዩ ዝነበረ (ዮሃ 19፡26፣ 21፡7,20)። ካብ’ቶም መልእኽታት ዝጸሓፉ ሃዋርያት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝሰፍሐን ዝዓመቘን ትምህርቲ ዝሃበ ድማ ንሱ’ዩ። ኣብ’ቲ መልእኽታቱ ንፍቕሪ ኣመልኪቱ ኻብ ዝገለጾ ዓሚቝ ምስጢራት ሓደ፡ ፍቕሪ ዝዓበየ መርትዖ ናይ’ቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ሰማያዊ ልደት ምዃኑ ዜረጋግጽ’ዩ። ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ጽቡቕ ፍቓድ ኰይኑ ድማ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ንሱ’ዩ።
ፍቕሪ፡ ናይ ኣየናይ ውልድነትና መረጋገጺ’ዩ፧ መብዛሕትና፡ ነቲ ብስጋ ኻብ ወለድና ዝረኸብናዮ ውልድነት’ምበር፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ውልድነት ኣይንፈልጦን፡ እንተ ፈለጥናዮ’ውን ኣይነድህበሉን ኣይንነብረሉን ኢና። እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ውልድነት ግና ንሱ’ዩ። ነዛ ውልድነት’ዚኣ ዘይረኸበ፡ ከምኡ’ውን ረኺብዋ ኼብቅዕ ዘይዓቀባን ዘይነበረላን ሰብ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኪኣትውን’ዩ። ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣተወን ማለት ድማ ናበይ ኣትዩ ኸም ዘሎ ብሩህ’ዩ። ድሕሪ ምጽኣት ጐይታ፡ ሰማይን ምድርን ብረስኒ ሓዊ ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍ’ዩ (2ጴጥ 3፡10-12)። እቶም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ተወሊድና ዝሞትና ዅላትና፡ ናይ መወዳእታን ዘለኣለማውን ስፍራና ኣብ መንግስተ ሰማያት ወይ ኣብ ገሃነመ እሳት’ዩ ዚኸውን። ካልእ መንበሪ ቦታ ፈጺሙ የልቦን። ኣብ መንግስተ ሰማያት፡ እግዚአብሔርን ቅዱሳን መላእኽቱን፡ ኵሎም ናብ መንግስቱ ኺኣትዉ ዚበቕዑ ሰባትን ኪነብሩ’ዮም። ሰይጣንን ኵላቶም ኣጋንንቱን፡ እቶም ኣብ’ዛ ምድራዊት ህይወቶም ብሓጢኣት ዘገልገልዎ ዅሎም ሰባትን ድማ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢኦምን ቦታኦምን ኣብ ገሃነመ እሳት’ዩ (ራእ 20፡10-14፣ 21፡7,8)። ኣገዳስነት ናይ’ዚ ውልድነት’ዚ ማዕረ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ....ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን።” ዮሃ 3፡3,5።
ስለ’ዚ ካብ ላዕሊ ተወሊድና ማለት ዜጋታት መንግስተ ሰማያት ኴንና ማለት’ዩ። እቲ ኻብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ካብ ላዕሊ ዘይተወልደ ዘበለ ደማ፡ ውሉድ ድያብሎስ ስለ ዝዀነ ናይ ገሃነመ እሳት ዜጋ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ብዛዕባ’ዚ ሰማያዊ ውልድነት’ዚ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ’ቲ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ሜሮንን ዚበሃል መሰረተ እምነታ’ያ ብዕምቈትን ብስፍሓትን እተስተምህሮ። ብዛዕባ’ዚ ብዕምቈት ኪፈልጥ ዚደልይ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ኣብ’ቲ “ፍኖተ ህይወት” ዝተሰምየ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናይ መሰረት እምነት መጽሓፍ ኪውከስ ሰናይ’ዩ።
ነዚ ሰማያዊ ውልድነት’ዚ ኸም ዝተቐበልናዮን ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝዀንናን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ ብዛዕባ ውልድነትና ብርጉጽነት’ምበር፡ ብግምት (assumption) ኣይኰንናን ክንዛረብ ዚግብኣና። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንካን ዘይምዃንካን ከየረጋገጽካ ምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነት’ዩ። ኣብ’ዛ ዘለናያ ዓለም ወላዲቱ ወይ ወላዲኡ መን ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ ብኸመይ ዝበለ ጭንቀትን ጓህን ከም ዚነብር ኵላትና ንፈልጥ ኢና። እዚ ሓላፊ ህይወት’ዚ ብዛዕባ ውልድነትካ ማዕረ ኽንዲ’ዚ ኣገዳስነት እንተ’ልይዎ፡ እቲ ዘይሓልፍ ነባሪ ልደትናኸ ደኣ ኽንዲ ምንታይ ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ ማለት’ዩ፧ እዚ ልደት’ዚ ዘሎናን ዘይብልናን ከነረጋግጽ’ምበኣር ናይ ግድን’ዩ። እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና እተስተምህሮ መሰረተ-እምነት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ሜሮንን ዝተፈጸመ ሰብ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን ከም እተወልደ፡ ስለ’ዚ ኸኣ ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ’ዩ ዜረጋግጸልና። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ’ዩ።
ዝተጠምቀ ዘበለ ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ንዘለኣለም ዚነብር እንተ ዚኸውን፡ ኵላትና ናብ መንግስተ ሰማያት ከም ንኣትው ርጉጽ ምዀነ ነይሩ። ካብቶም ጽዉዓት እቶም ዝበዛሕና ናብ ሕርየት (ናብ ምሉእ ድሕነት) ዘይንበቅዕ ምዃንና ግን፡ ንውልድነትና ዜረጋግጹ ኻልኦት ረቛሒታት ከም ዘለዉ ዜረጋግጸልና’ዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ውልድነትና ናይ ባህርይ ውልድነት ስለ ዘይኰነ’ዩ። ናይ ባህርይ ውልድነት፡ ዘይሓልፍ ዘይበርስ ነባሪ ውልድነት’ዩ። ካብ ናይ ስጋ ውልድነትና፡ ማለት እቲ ኻብ ኣቦናን ኣዴናን እንውለዶ ልደት ናይ ባህርይ ውልድነት ስለ ዝዀነ ፈጺሙ ዘይስረዝ’ዩ። ዋላ ንወላዲና እንተ ንቐትሎ’ኳ ውሉዱ ኻብ ምዃን ዚስርዘና የልቦን። ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ናይ ባህርይ ውልድነት ዘለዎ ግና ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ። እቶም ዝተረፍና ዅላትና ግና፡ ናይ ውልድነት መሰል (adoption) ደኣ’ዩ ተዋሂቡና’ምበር ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርዩ ውሉድ ኣይኰንናን። ኣብ ኣምላኽ ዘለና ውልድነት ናይ ባህርይ ውልድነት እንተ ዚኸውን፡ ልክዕ ከም ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታውያን (ኣማልኽቲ) ምዀንና ኔርና። ውልድነትና ብመሰል ምዃኑ ቓል እግዚአብሔር ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣረጋጊጹልና’ዩ።
“ናብ’ቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበለ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ዮሃ 1፡11,12።
እምበኣር ውልድነትና ናይ መሰል’ምበር ናይ ባህርይ ስለ ዘይኰነ፡ ነቲ ኽቡር መሰል ዘይበቅዕ ህይወት ክንነብር እንተ መሪጽና፡ ነዚ ብሕያውነቱ ዝረኸብናዮ መሰል ክንስእኖ ንኽእል እና። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ’ኳ በዚ መሰል’ዚ ኽሳዕ ሃዋርያነት በጺሑ ኼብቅዕ፡ ከም ኤሳው ነዛ ውልድነቱ ብሕሱር ገንዘብ ስለ ዝለወጣ፡ ድያብሎስ ናብ ምዃን ተለወጠ (ዮሃ 6፡70)። እምበኣር እቲ ናይ ውልድነት ምስጢራት፡ ናብ’ቲ መሰል ውልድነት ዜእትወና በሪ’ዩ። ርጉጽነት ውልድነት ግና ብእኡ ጥራሕ ኣይድረትን’ዩ።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን’ምበኣር፡ ካብ’ቶም ናይ ውልድነትና መርትዖታት ሓደን እቲ ዝዓበየን ፍቕሪ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ፍቕሪ መለኮታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ’ቶም ካብ ኣምላኽ ዝተወልዱ ጥራሕ’ዩ ዚርከብ። ኣብ ፍቕሪ ዘየለ ዝተጠምቀ ክርስቲያን፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪኸውንን ኪስመይን ኣይብቑዕን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ናይ መሪሕ ጥቕስና ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣዝዩ ብዝነጸረ መገዲ’ውን ደጊሙ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ’ዮም ዚግለጹ።” 1ዮሃ 3፡10።
በዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ መሰረት’ምበኣር፡ ኣብ ፍቕሪ ዘየለ ሰብ ኣብ ውልድነት ኣምላኽ ኺህልው ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። ጥምቀት ካብ ሓጢኣት ክንሞተሉ ዝተሰርዓልና ምስጢር’ዩ። ጽልኢ ድማ ምስ ቅትለት ነፍሲ ዚዳረግ ዝኸፍአ ሓጢኣት’ዩ። ናይ ጥምቀት ሞትና ኻብ ጽልኢ ሓራ እንተ ዘይኣውጺኡና፡ ወይ ነቲ ውልድነት ብመሰረቱ ኣይተቐበልናዮን፡ ወይ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ንሓጢኣት ስለ ዝመረጽና ብምርጫና ተሓሲምናዮ ደርቢናዮን ኣለና ማለት’ዩ። ኣብ’ዚ ልዕሊ ኢልና ዘንበብናዮ ናይ 1ዮሃ 3፡10 ጥቕሲ፡ ንኻልእ ኵሉ ናይ ጽድቂ ባህርያትን ግብርታትን ኣብ ሓደ ጠቕሊሉ “ጽድቂ ዘይገብር” ኢሉ ድሕሪ ምጥቃሱ ነታ ፍቕሪ ግን ንበይና ኺረቝሓ መረጸ። ኣብ’ዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ጥቕሲ’ውን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ንውልድነት ብፍሉይ ምስ ፍቕሪ ኣዛሚዱ ገሊጹልና ኣሎ።
“ንኢየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ’ዩ። እቲ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ (ኻብ ኣምላኽ) ዝተወልደ’ውን የፍቅሮ’ዩ። ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ፡ ትእዛዛቱ’ውን ምስ እንሕልው፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።” 1ዮሃ 5፡1,2።
በዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ መሰረት፡ እቲ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ ይውለድ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ’ውን የፍቅር። እቲ ዘየፍቅር ሰብ’ምበኣር፡ ዘይተወልደን ዘይኣመነን ሰብ’ዩ።
ጐይታ ግና ንምንታይ’ዩ ንፍቕሪ ቐንዲ መርትዖ ናይ ውልድነት ኪገብራ መሪጹ፧ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቕዱሳን ሃዋርያቱ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ብቑዕ መልሲ ሂቦምና’ዮም። እቲ ዝመሃሩና ሓቂ ኸኣ፡ ፍቕሪ ንዅሉ ኻልእ ትእዛዛት ኣብ ውሽጣ ዝሓቘፈትን፡ ትግባረ ዅሉ ትእዛዛት ብዘይ ብእኣ ኺፍጸም ዘይከኣል ምዃኑ ዜብርህ’ዩ።
“ኣብ’ዘን ክልተ (ንኣምላኽን ንብጻይካን ናይ ምፍቃር) ትእዛዛት’ዚኣተን ብዘሎ (ዅሉ) ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ (ተሓቚፉ) ኣሎ።” ማቴ 22፡40።
“እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ’ዩ’ሞ፡ እታ ሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ’ኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እቲ “ኣይትዘምው፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነይ፡” እተባህለ ኻልእ ትእዛዝ’ውን እንተ ዀነ፡ (ኣብ’ቲ) “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቃል ክቱት’ዩ፡ ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን’ያ፡ እምበኣርሲ፡ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ’ያ።” ሮሜ 13፡8-10።
“ .....ኵሉ’ቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ብእትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም’ዩ።” ገላ 5፡14።
“ኣብ ልዕሊ’ዚ ዅሉ (ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ)፡ ንዅለን (ትእዛዛት) ኣሲራ (ወይ ጠሚራ) ናብ ፍጻሜ እተብጽሐን ፍቕሪ’ያ’ሞ፡ ልበስዋ።” ቈሎ 3፡14 ካ.ት
ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽታት’ዚ’ምበኣር፡ ፍቕሪ የለን ማለት ክርስትና ዀነ መንፈሳዊ ህይወት ፈጺሙ የለን ማለት ምዃኑ ኣዝዩ ብሩህ’ዩ። ፍቕሪ ኣልቦነት፡ ከቢድ መንፈሳዊ ለምሲ’ዩ። ፍቕሪ እንተ’ልያ ግን ከተርሕቖ ዘይትኽእል ሓጢኣት፡ ክትገብሮ ዘይትኽእል ጽድቂ የለን። ከምኡ ምዃኑ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣረጋጊጹልና’ሎ፡
“ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ለዋህ’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን’ያ፡ ኣይትዕበይን’ያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኰነትን (ኣይተስተሓፍርን’ያ)፡ “ንዓይ ይጥዓመኒ” ብዚብል ኣይትምራሕን (ናታ ኣይትደልን)’ያ። ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን ኣይትቕየምን’ያ። ብሓቂ ትሕጐስ’ምበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላን’ዩ። ፍቕሪ፡ ንዅሉ ትጸውር፡ ንዅሉ ትኣምን፡ ብዅሉ ተስፋ ትገብር፡ ንዅሉ ድማ ትዕገስ። .....ፍቕሪ ግና ከቶ ኣይተቋርጽን’ያ።.......ሕጂ ኸኣ እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዚኣተን ሰለስቲአን (ይነብራ)፡ ካብ’ዚኣተን እትዓብይ ግና ፍቕሪ’ያ።” 1ቈረ 13፡4-8,13 ካ.ት።
ነዘን ኵለን ኣብ’ዛ ጥቕሲ ፍቕሪ ተገሊጻትለን ዘለዋ ባህርያት ኣባና እንተ ዚህልዋ፡ ከም ኣቦና እዮብ፡ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሰይጣን ናብ ዚሕበነሉ ደረጃ ፍጹምነት ምበጻሕና ኔርና። ነታ ናብ’ዚ እተብጽሓና ፍቕሪ ስለ ዝደርበናያን ስለ ዝተሓሰምናያን ግን፡ ንፍጹምነት ይትረፍ ክንበጽሖ፡ ክንሓስቦን ክንሓልሞን’ኳ ናብ ዘይከኣለና ደረጃ ወዲቕና ንርከብ።
ፍቕሪ ግን ናይ ብሓቂ ድዩ ዘይብልና፧ ካብ’ቶም እንጸልኦም እቶም እነፍቅሮምዶ ኣይበዝሑን’ዮም፧ ንምንታይ ደኣ’ዩ ዅሉ ጊዜ ፍቕሪ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ዚስበኸልና፧ ከም’ዚ ዘመሰለ ሕቶ ናይ ምስትውዓል ደጌታት ዚኸፍተልና’ኳ እንተ ዀነ፡ እግዚአብሔር ካባና እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ኸም ዚጽበይ ዘይምፍላጥና ዘበገሶ ናይ ድኻም ሕቶ ምዃኑ ግን ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። ክልተ ዓይነት ፍቕሪ’ዩ ዘሎ። እቲ ቐዳማይን መፍቀርቲ ዝዀንና ኸም ዚስምዓና ብምግባር ዚጥብረናን፡ እቲ ባህርያዊ ፍቕሪ’ዩ። እዚ ዝዓይነቱ ፍቕሪ’ዚ፡ ዋላ በቲ ናይ ሰብ ደረጃ ኣይኹን፡ ኣብ እንስሳታት’ውን ዚርከብ ፍቕሪ’ዩ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኣደን ውሉድን ዘሎ ፍቕሪ፡ ውጹእ ባህርያዊ’ዩ። ካብ ኣብ ሰብ’ሲ ኣብ እንስሳ’ኳ ደኣ ይሕይል ይኸውን’ዩ። ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘሎ ፍቕሪ ድማ፡ ብድፍኢት ጾታዊ ነዝዕታት (hormons) ዝተደረኸ ጾታዊ ፍቕሪ’ዩ። ዋላ ናብ ጾታዊ ርክብ ዝዓለመ ኣይኹን፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ሕይል ዝበለ ባህርያዊ ፍቕሪ ኸም እነርእይ ኣዝዩ ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ። ኣብ ናይ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ መዘናግዒ ቦታታት ብምርኻብናን ንሓድሕድና ብምልምማድናን እነማዕብሎ ፍቕሪ’ውን ባህርያዊ’ዩ። እንስሳታት’ኳ ሓቢሮም ዚነብሩ ምስ ዚዀኑ ሓቢሮም ይዕንድሩ፡ ይጻወቱ፡ ይልሓሓሱ፡ ይተሓኻኸኹ፡ ንዚምግቦም ንዚጓስዮም ሰብ’ውን ኣዝዮም ይፈትውዎ። ኪርእይዎ ኸለው ጐይዮም ይቕበልዎ፡ ይሕቈፍዎ፡ ይልሕስዎ፡ ይተሓሰሓስዎ ወዘተ’ዮም። እዚ ኸም’ዚ ዝበለ ምልምማድን ረብሓን ወዘተን ዝወለዶ ባህርያዊ ፍቕሪ ሒዝካ፡ “ፍቕሪ ኣሎኒ፡ አፍቅር’የ” ምባል ኣብ ትዕዝብትን ፍርድን ናይ ኣምላኽ ዜውድቕ ርእስኻ ናይ ምቅላል ዓሻ ተኣምኖ’ዩ። ገዛእ ርእስኻስ ምስ እንስሳ ናይ ምስራዕን ናይ ምውድዳርን ዜሕፍር ሃቐና ኸኣ’ዩ። ዘሎና ዜምስለና ዘሎ፡ ምናልባት ነዛ ባህርያዊት ፍቕሪ’ኳ ምኽኣል ዚስእንዋ፡ ንሳ’ውን ዘይብሎም ትሕቲ እንስሳ ዝወረዱ ሰባት ኣብ ከባቢና ስለ እንርእይ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ባህርያዊ ፍቕሪ፡ ናይ’ቲ ሰማያዊ ውልድነትና መርትዖ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ዝርካቡ ባህርያዊ ፍቕርኻ ጸባጺብካን ኣኪብካን፡ “እግዚአብሔር ኪቕበለንን ኪጻምወንን’ዩ” ኢልካ ምጽባይ መወዳእታኻ ዜበላሽው ሓደገኛን ዓሻን ትጽቢት’ዩ።
እቲ ኻልኣይ፡ ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ዓይነት ፍቕሪ ግን፡ እምነታዊ ፍቕሪ’ዩ። “መንፈሳዊ ፍቕሪ” ኢልካ ኺጽዋዕ’ውን ይኽእል’ዩ። እግዚአብሔር ከም ፍቕሪ ዚፈልጦ፡ ካብ’ቲ ብኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ሰብ ድማ ዚጽበዮ ፍቕሪ፡ ንእኡን ኣብኡን ካብ ዘሎና እምነትን ፍርሃት እግዚአብሔርን መንፈሳውነትን ዝመንጨወ ፍቕሪ ምስ ዚኸውን’ዩ። ብባህርያዊ ፍቕሪ ተደሪኽና ዘይኰነስ፡ እግዚአብሔር “ኣፍቅሮ” ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ተኣዚዝና እነፍቅሮ ናይ ውሳነ ፍቕሪ’ዩ። እዚ እምነታዊ ፍቕሪ’ዚ ብዝዀነ ይኹን ኵነታትን ባህርይን ግብርን ናይ’ቲ ኺፍቀር ዚግብኦ ሰብ ዘይዕንቀፍ’ዩ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ በይኑ ኣብ እግዚአብሔር ጥራሕ ዚምርኰስ ፍቕሪ’ዩ። ንጸላእትኻ ከተፍቅር፡ ንረገምትኻ ክትምርቕ፡ ምእንቲ’ቶም ዚቐትሉኻ ክትጽልይ፡ ነቶም ኬሕድጉኻ ዘንቀዱ ብፍታውካ ኽትህብ ዜኽእል ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪ’ዩ። ስምዒታዊ ገጽታ ዘይብሉ’ዩ። ማለት፡ ስለ ዝተሓጐስካ ዘይውስኽ ስለ ዝጐሃኻ ዘይጐድል፡ ብለጠቕታን ክብታን ናይ ስምዒታዊ ሃለዋትካ ዘይጽለው ጽኑዕ ፍቕሪ’ዩ። ሃልሃልታኡ ሰማይ ጠንቊሩ ዝጸንሐ ፍቕርና፡ ዋላ ኣዝዩ ኸቢድ ይኹን፡ ብሓንቲ በደል ናይ’ቲ ተፈቃሪ ጠፊኡ ኣሰሩ’ኳ ዘይረኣይ፡ ብኣንጻሩ ካብ ሲኦል ብዚጽልምት ዝኸሓነ ጽልኢ እንተ ተተኪኡ፡ “ፍቕሪ ነይሩኒ” ኢልካ ምዝራብ’ውን ኣዝዩ ኼሕፍረና’ዩ ዚግባእ። “ጸላእቱን ሓጥኣንን ድኹማትን ከለና ንዘፍቀረናን ነፍሱ በጃና ዘሕለፈልናን ጐይታ “እናሰዓብና” ንናይ ኣጸባጻብ ፍቕሪ ኸም ፍቕሪ ንቘጽር እንተ ዄንና፡ ንእግዚአብሔር ብዛዕባ’ታ ቐንዲ ባህርዩ ነላግጸሉ ኸም ዘለና ኣይንዘንግዕ። ንእምነታዊት ፍቕሪ፡ ዝዀነ ዓይነት በደል ኣየጕድላን ኣይድምስሳን’ዩ። እቲ ናይ 1ቈረ 13፡4-7 ጥቕሲ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ጃህራ፡ ትዕቢት ወዘተ ዘለዋን፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ትዕግስቲ፡ እምነት፡ ተስፋ ወዘተ ዘይብላን ፍቕሪ ሒዝና፡ “ፍቕሪ ኣለኒ” እንተ ኢልና፡ ብልሳንናን ብግብርናን ንእግዚአብሔር ክንጻረሮ ተዓጢቕና ምህላውና ዜመልክት’ዩ።
“ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮ” ዚብል ብሊቀ-ነብያት ሙሴ ዝተዋህበ ናይ ብሉይ ኪዳን ሕጊ’ዩ (ዘሌ 19፡18)። ክርስቶስን ሃዋርያቱን ብግብሪ ዘርኣዩና ፍቕሪ ግን ንብጻይካ ካብ ነፍስኻ ኣብሊጽካ ኣፍቅሮ” ዚብል’ዩ። ፍቕሪ ሓድሽ ኪዳን፡ ነፍስኻ ኣብ ክንዲ ብጻይካ ኣሕሊፍካ ኽትህብ ይጽውዓካን ይእዝዘካን እንተ’ልዩ፡ ካብ ነፍስኻ ኣብሊጽካ ኸተፍቅር ይእዝዘካ ኸም ዘሎ ብሩህ’ዩ።
“ንሱ (ክርስቶስ) ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ሰለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣለና። ንሕና’ውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና’ዩ።” 1ዮሃ 3፡16።
“ሓንቲ’ኳ “ንርእሰይ ይጥዓመኒ” ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ (ኢልኩም) ኣይትግበሩ። ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ’ምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዜሕሾ ኣይጠምት (ኣይግበር)።” ፊልጲ 2፡3,4።
ነዚ ትእዛዝ’ዚ ኸኣ ፈጺሞም ኣርእዮም’ና’ዮም፡ (2ቈረ 12፡15፣ 1ተሰ 2፡8)። ናብ’ዚ ደረጃ ፍቕሪ’ዚ ኸይዓበኻ “ፍቕሪ ኣሎኒ፡ ውሉድ ኣምላኽ’የ፡ ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያን’የ” ምባል ትርጉም ስለ ዘይብሉ፡ “ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን” ክሳዕ ዚበሃለልና፡ ንኣምላኽን ንኸማና ሰብን ዘሎና ፍቕሪ ይዓብይ ምህላዉ ነረጋግጽ። ንባህርያዊ ፍቕሪ ኸም እምነታዊ ፍቕሪ እናቘጸርና ርእሰና ኣይንጠብር። ናይ ሰማያዊ ውልድነትና መርትዖን መረጋገጺትን እዛ ንኣምላኽ’ኳ እትገልጽ ብልጽትን ብቕዕትን ፍቕሪ ትኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥር ፩, ፳፻፲፬ ግዕዝ (9 ጥሪ 2022 ፈ). መበል 18 ሰንበት: ቊ.25/፳፭ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 11፡25-ፍጻመ |
1 ዮሃ 4፡1-9 |
ግብ 7፡12-22 |
ማቴ 2፡1-12 |
ዘእ |
መዝ ፹፰(፹፱)፡፳፯,፳፰ "ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዐቅብ ሎቱ ሣህልየ።" "ኣነ’ውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ’የ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ’የ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ’ዩ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ