“ስለ’ዚ ኸምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቐባበሉ። ምኽንያቱ ክርስቶስ፡ ነቲ ነቦታት ዝተዋህበ ተስፋ ምእንቲ ኼጽንዖ፡ (ከምኡ’ውን) ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኬርእይ፡ ናይ ግዙራት ኣገልጋሊ ኸም ዝዀነ፡ እነግረኩም ኣለኹ።” ሮሜ15፡7,8 ካ.ት
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ እዚ ዘለናዮ ሰንበት’ዚ “ናዝሬት ሕፅነት (ሕጽነት)” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። “ናዝሬት ሕፅነት” ዝተባህለሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናዝሬት ስለ ዝዓበየ’ዩ። ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ተሰሪዖምልና ኻብ ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኺዳን ሓደ፡ እዚ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮሜ (ሮማ) ዝተላእከ መልእኽቲ’ዩ። እዚ መልእክቲ’ዚ ሓቚፍዎም ካብ ዘሎ ብዙሓትን ኣገደስትን ኣርእስታት ሓደ ድማ፡ እዚ ንኽንመሃሮ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡልና ዘሎ፡ ንማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትናን ዝምድናታትና ዚፍውስ ወርቃዊ ኣርእስቲ’ዩ። መብዛሕትኡ ዝምድናታትናን ብዘይ ምቅብባል ዝተዓብለለን ዝተዋሕጠን ስለ ዝዀነ፡ ንኣና ኻብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዚበልጽ ካልእ ኣርእስቲ ኺህልው ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዘይምቅብባልና ኣብ መንጎናን ኣብ’ዛ ምድርናን ጥራሕ ተደሪቱ ዚተርፍ እንተ ዚኸውን፡ ኣገዳስነት ናይ’ዚ ኣርእስቲ ኣዝዩ ትሑት ምዀነ ነይሩ። እንተ ዀነ እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ መንጎና ዚረኣይ ሓድሕዳዊ ዘይምቅብባል ግና፡ ኣባና ኻብ ዜውርዶ ጕድኣት ንላዕሊ ኣብ ሰማያት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዜውርዶ በደል ስለ ዚዓብይ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ልዑል ግዳሰ ኸነርእይ ኣዝዩ ዜርብሓና ብልሂ ስጕምቲ’ዩ።
ንሓድሕድና ዘይምቅብባል ብኸመይ’ዩ ኻባና ንላዕሊ ንእግዚአብሔር ዚጐድኦን ዚብድሎን፧ ነዛ ምስጢር’ዚኣ ዘይምፍላጥናን፡ ነዛ ሕቶ’ዚኣ ዚኸውን ቅኑዕን ብቑዕን መልሲ ዘይብልና ምዃናን’ዩ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጻድቕ ኣምላኽ ኽንሓጥእ፡ ንዅሉ ዝምድናታትና ድማ ኸነዕንዎ ዚገብረና ዘሎ። ከም ሓጥኣንን ስጋውያንን ፍጡራት መጠን፡ ምስ’ቲ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብርን ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነን ኣምላኽ ብቐጥታ ኽንዋሳእ ኣይንኽእልን ኢና (1ጢሞ 6፡16፣ እብ 12፡28)። ነዚ ጸገምና’ዚ ምእንቲ ኺፈትሕ ድማ፡ ነቲ ምስኡ ዘለና ዝምድናን ምውሳእን፡ በቲ ኣብ ሓድሕድና ዘሎና ዝምድናን ምውሳእን ክንገልጸሉ ብሕያውነቱ ፈቐደልና። ነቲ ብምስሉን ብኣርኣያኡን ዝተፈጥረ ምሳና ዘሎ ሰብ፡ ዋላ ሓጥእን በዳልን ድኹምን ሰብ ይኹን፡ ንእኡ ንኣምላኽ ዚውክል ሰብ ጌርና ኽንቅበሎ እግዚአብሔር ብተደጋጋምን ብንጹርን ኣዚዙና’ዩ። ንቕዱሳን ሃዋርያቱ፦ “ንኣኻትኹም ዚቕበል፡ ንኣይ’ዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ’ዩ ዚቕበሎ።”
“ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ’ዩ ዚንዕቆ።” ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጸልና’ዩ (ማቴ 10፡40፣ ሉቃ 10፡16)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ መንጎና ዘሎ ምቅብባል ንምዕዛዝን ንምህናጽን ዝተዘርበ መለኮታዊ ጥበብ’ዩ። እግዚአብሔርሲ ዅሉ ዚኽእልን ኣብ ኵሉ ዚርከብን ኣምላኽ’ዩ። ንዝዀነ ሰብ ከየሳተፈ፡ ንዅሉ ተግባሩ ብቓሉን ብመንፈሱን ጥራሕ ኪገብሮ ምኸኣለ ነይሩ። ስለ’ዚ ብዘይ ሰባኺ-ሰብ ባዕሉ ኺሰብከና ኺፍውሰና፡ ካልእ ኵሉ ዜድልየና’ውን ኪገብር ምኸኣለ ነይሩ። እንተ ዀነ ሰናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብዝቐለለን ብዝበለጸን መገዲ ባዕሉ ኺገብሮ ስለ ዚኽእል ጥራይ፡ ባዕሉ ኺገብሮ ኣይመረጸን። ነቲ ብኣርኣያኡ ዝፈጠሮ ሰብ ነዚ ዕዮ’ዚ ብምሃብ ኬኽብሮ፡ ኣብ ሓድሕድና ድማ ምቅብባልን ምክብባርን ኪሃንጽ መረጸ። ከም’ቲ ብውክልና እንዓይይ፡ ከምኡ ድማ ክብረቱ ዀነ ውርደቱ ኽንቅበለሉ ፈቐደልና። ስለ’ዚ ድማ’ዩ እዚ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ጐይታ ቓል ዝተነግረና። ገለ ገለ ሰባት፡ እዚ ናይ ጐይታ ቓል፡ ነቶም ናቱ ሃዋርያትን ነብያትን ቅዱሳንን’ምበር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ተራ ሰባት ዘሎ ዝምድናታት ከም ዘይምልከት ገይሮም የዋህ ርእይቶ ኺህቡ ይስምዑ’ዮም። እዚ ምቅብባል’ዚ ንዅሉ ሰብ ከም ዜጠቓልል’ውን ኣረጋጊጹልና’ዩ። ደቀ መዛሙርቱ፡ “መንና ዀን ይበልጽ፧” ኢሎም ናይ ዘይምቅብባል ባህርይ ኬንጸባርቑ ምስ ረኣዮም፡ ንሓደ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ’ሞ፦ “ንኸም’ዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል። ካብ’ዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቚ ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ። .....ካብ’ዞም ናእሽቱ ንሓደ’ኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ፡ መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ’ለው።” ብምባል ገንሖምን መሃሮምን (ማቴ 18፡5,610)። ስለ’ዚ ይትረፍ ነቲ ዓቕሚ ኣዳምንን ሄዋንን ዝበጽሐ እኹል ሰብ፡ ነቲ ገና ኣእምሮ ዘይሰዅዐ ሕጻን ኰነ ቘልዓ እነርእዮ ኣቀባብላ ብቐጥታ ምስ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡና’ዩ። እታ “ብስመይ ዚቕበል” እትብል ቃል ደጊምና ኸነልዕላ ስለ ዝዀንና ኣብ ልብና ሒዝናያ ንጽናሕ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ሓድሕዳዊ ምቅብባል፡ ቀጥታዊ ነጸብራቕ ናይ’ቲ ንኣምላኽ ዘሎና ኣቀባብላ’ዩ። ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ምስላታቱ ብዜገርም ኣገላልጻ ኣስፊርዎ ይርከብ።
“እቲ ንድኻ ዚጭቁን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና (ንእግዚአብሔር) የኽብሮ።.....ንድኻ ዜባጭው ንፈጣሪኡ ይጸርፍ .....።....እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚአብሔር የለቅሖ፡ ንሱ’ውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ’ዩ።” ምሳ 14፡31፣ 17፡5፣ 19፡17
“ንፈጣሪ ጽረፎ” ኢሉ ሓደ ሰብ ኪሓባብለና ወይ ኬገድደና እንተ ዚፍትን፡ ይትረፍ’ቲ ብኣምላኽ ፈጺሙ ዘይግደስ ስማዊ ክርስቲያን፡ እቲ ብህላውነቱ ዘይኣምን ኢዝሄራዊ’ኳ (atheist) ኣይምወዓሎን። ኣብ ማሕበራዊ ህይወቱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዚፍጽሞ ባጫ፡ ጭቈና፡ ግፍዒ፡ ማህረምቲ ወዘተ ንእግዚአብሔር ኪጸርፎን ኪገፍዖን ዚውዕል ሰብ ግና ማእለያ የብሉን። ብልሳንና ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ብዘይ ምጽራፍና፡ እዱባትን ውርዙያትን ሰባት ዝዀንናዶ ይመስለና ይኸውን፧ ንምዃኑኸ ብቓላት ምጽራፍዶ ይኸብድ ብግብሪ ምጽራፍ፧ ግብሪ፡ ካብ ቃላት ንላዕሊ ዝሓየለ መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍን ዝለዓለ ተሰማዕነት ከም ዘለዎ ዝዀነ ጥዑይ ኣእምሮ (sound mind) ዘለዎ ሰብ ዚስሕቶ ኣይኰነን። ዕርቃኑ ተቐሊዑ ዚኸይድ ሰብ፡ ብሕፍረት ገጹ ንምኽዋል ኪጋደል እንተ ረኣናዮ ኣይምገረመናንዶ፧ ኣፉ ብኢዱ ዓቢሱ፡ ብግብሩ ዚጻረፍ ሰብከ ኣዝዩ ዝበኣሰዶ ኣይኰነን፧ ጐይታና ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ፍርዱ ኺህብ ከሎ፡ ነቶም ዝረድእዎን ዝበደልዎን ሰባት ዝሃቦ ቓል ወርትግ ኪዝከር ዚግብኦ’ዩ።
“እቲ ኻብ’ዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። .... እቲ ኻብዞም ናእሽቱ (ኣሕዋተይ) ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 25፡40,45
ስለ’ዚ ንሕና ኣብ ሰባትን ኣብ ምድርን ጥራሕ ክንጥምት ክንብል፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት እነውርዶ ዘለና በደል ኣይነቕልበሉን ኣለና። እቲ ኣብ ልዕሊ እከለ ወይ እከሊት ዝገበርናዮ ግብሪ፡ ናይ መወዳእታ ተቐባሊዑ እግዚአብሔር ባዕሉ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እንዛረቦ ቓላት፡ እነንጸባርቖ ስምዒትን ባህርይን፡ እንገብሮ ተግባራት ኣዚና ኣዚና ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ከም ዚግብኣና ዜመልክተና’ዩ።
እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብ ንዘውረድናዮ ጊዝያዊ በደል፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዚፈርደሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ እግዚአብሔር ዝዀነ ኢንታ ዘይወጾ ፍትሓዊ ኣምላኽ ምዃኑ መሸም፡ ዝዀነ ኣማኒ ክርስቲያን ዘይክሕዶ ሓቂ’ዩ። ሰብ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ንሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ጥራሕ’ዩ ዚነብር። ዕድሚኡ ምሉእ፡ ብዘይምቊራጽ ንሰብ እናበደለ እንተ ዜሕልፎ’ኳ፡ ንዘለኣለም ምሉእ ኣብ ሓዊ ገሃነም እናተሳቐየ ኪነብር ምፍራዱ ኣይበዝሐንዶ፧ ከም’ዚ ዘመሰለ ዘይተመጣጣኒ ዚመስል ከቢድ ፍርዲ ምፍራዱኸ ንኣምላኽ “ፍትሓዊ” ኼስምዮ ዚኽእል ድዩ፧ እቲ ጸገም፡ እቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ’ዩ። ንሕና ንሓላፊ (ንመዋቲ) ሰብ ስለ ዝበደልና ሓላፊ ፍርዲ ኺብየነልና ኢና ንጽበይ። እቲ በቲ ዝበደልናዮ ሰብ ጌርና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ እነውርዶ በደል ግና ኣይንፈልጦን ኢና።
“ከም’ዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። ከም’ዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕልናኦም’ውን እናኣቚሰልኩም ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም። ስለ’ዚ ከኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ ወይ ምእንቲ ከይዕንቕፎ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን’የ።” 1ቈረ 8፡11-13
በደልና ኣብ’ቲ ሓላፊ ሰብ ጥራሕ ተደሪቱ ዚተርፍ እንተ ዚኸውን፡ ብርግጽ ፍርድና’ውን ሓላፊ ምዀነልና ነይሩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ንብድል ስለ ዘለና ግን፡ ፍርድና’ውን ከቢድን ዘለኣለማውን ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። ንኽብደት ናይ’ቲ ዚወሃበና ፍርዲ ዚውስኖ፡ ዓይነት ናይ’ቲ በደል ዘይኰነስ መንነት ናይ’ቲ ተበዳሊ’ዩ። ንጉስ ዳዊት፡ ኣብ ልዕሊ ባትሴባ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ በዓል ቤታ ኡርያ ድማ ቅትለት ፈጺሙ ሓንቲ ስድራ ቤት ምስ ኣፍረሰ፡ እግዚአብሔር፦
“እምበኣርስከ (ንኣይ) ስለ ዝነዓቕካኒ፡ .....ሴፍ ካብ ቤትካ ንዘለኣለም ኣየግልስን’ዩ። .....እንሆ፡ ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካ’የ።”
ኢሉ፡ ኡርያን ባትሴባን ዘይኰኑ ንሱ ኸም ዝተበደለ ኣፍለጦ (2ሳሙ 12፡10,11)። መንፈሳዊ ኣዒንቲ ናይ ንጉስ ዳዊት በዚ ፈዋሲ መለኮታዊ ቓል’ዚ ስለ ዝተኸፍታ፡ ሓይሉን ኣርኣያኡን ከቶ ዘይሃስስ ጸሎተ-ንስሓ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጸለየ።
“ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ ኣለኹ’ሞ፡ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ’ዩ። ብዘረባኻ ጻድቕ ብፍርድኻ’ውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።”መዝ 51፡3,4
ስለ’ዚ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት እነውርዶ በደል፡ እቲ እንኮ ተበዳሊ እግዚአብሔር ጥራሕ ምዃኑ ኸነስተውዕል ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኣርእስትና ብዛዕባ ምቅብባል ክነሱ፡ ብዛዕባ ምብድዳል ኣስፊሕና ንዛረበሉ ዘለና ምኽንያት፡ ነቲ ዘይምቅብባልና ብምብድዳል ስለ ዚግለጽ’ዩ። እዚ ሓሳብ’ዚ ብመጠኑ ድሕሪ ምግላጽና ኺለዓል ዚግብኦ ኣገዳሲ ሕቶ ኸም ዚህልው እምበኣር ርዱእ’ዩ።
ንምንታይ ኢና ንሓድሕድና ኽንቀባበል ዜድልየና፧ ዕላማ ናይ ሓድሕዳዊ ምቅብባልከ እንታይ’ዩ፧ ዕላማ ናይ ምቅብባልና፡ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ናይ ኵሉ ተግባር ኣርኣያና መሸም፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ “እቲ ጻድቕ ክርስቶስ ንኣና፡ ኣዚና ሓጥኣን ንዝዀንና ሰባት፡ ገና ሓጥኣንን ጸላእቱን ድኹማትን ሰባት ከለና፡ ኪቕበለና ዝገበሮ ምኽንያት (ዕላማ) እንታይ’ዩ፧ ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና (ሮሜ 5፡6-10)። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ’ዩ ዝተቐበለና። ስለ’ዚ ንሕና’ውን ካብኣ ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ዕላማን ኣማራጽን ኪህልወና ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ’ዩ ኣርኣያ ዝሓደገልና (1ጴጥ 2፡21)። እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ፡ ንሱ (ኢየሱስ) ጥራሕ ዝረኣዮን ዚፈልጦን እግዚአብሔር ኣቦ፡ ብኸመይ ከም ዚኸብርን ከም ዚሕጐስን ካብኡ (ካብ ኢየሱስ) ወጻኢ ኺነግረና ዚኽእል ካልእ ኣካል የልቦን (ዮሃ 3፡11,32)። እግዚአብሔር ከኣ ምቅብባልና ጥራሕ ኣይኰነን ዜገድሶ። ልዕሊ ኵሉ እቲ ዕላማ ናይ ምቅብባልና’ዩ ዜገድሶ። ምኽንያቱ ብመሰረቱ፡ ወዲ ሰብ ንኽብሪ ኣምላኽ’ዩ ተፈጢሩ። እግዚአብሔር ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“ነቲ ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን (ህዝቢ) ኣምጽኣዮ፡ ....እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንትው’ዩ።
ብምባል ኣፍሊጡና’ዩ (ኢሳ 43፡6,7,21)። ናይ ኵሉ ክርስቲያን ጽውዓ ድማ ናይ እግዚአብሔር ኣቕሓ ኽብሪ ኪኸውን ምዃኑ ተነጊሩና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ንዅሉ ተግባርና ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ክንገብሮ ተኣዚዝና ኣለና።
“እምበኣርሲ ሓደ’ኳ ርእሱ ካብ’ዚኣቶም (ኣቕሓ ውርደት ካብ ምዃን) እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር በዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን’ዩ።” 2ጢሞ 2፡21
“እምበኣርሲ እንተበላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰተኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” 1ቈረ 10፡31
“ብቓል ኰነ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ።” ቈሎ 3፡17
እምበኣር ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ክብሪ ኣምላኽ ከም ዚበዝሕን ከም ዚዓዝዝን ምግባር ጥራሕ’ዩ። እዚ ኸኣ ብዅሉ ቓላትናን ተግባራትናን ኽንገብሮ ተነጊሩና ኣሎ። እዚ ትእዛዝ’ዚ ነቲ ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ዝዀነ ጒዳያትና ዚምልከት ጥራሕ ኣይኰነን። ንዅሉ ማሕበራውን ስጋውን ጒዳያትና ዀነ ዅነታትና’ውን ዜጠቓልል’ዩ። ምቅብባል ዚኣክል ዓብዪ መለኮታዊ ተግባር ግዳ፡ ከመይ ጌርና ኻብዚ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ዕላማ ወጻኢ ኽንገብሮ ንኽእል፧ ንሓደ ኣቕሓ፡ ኣቕሓ ኽብሪ ዚገብሮ ብወርቂ ወይ ብብሩር ዝተሰርሐ ምዃኑ ዘይኰነስ፡ እቲ ነቲ ኣቕሓ መሊኡ ዘሎ ነገርን እቲ በቲ ኣቕሓ ዚዕየይ ስራሕን’ዩ። እታ ኣብ ራእ 17፡4-6 ተጠቒሳ ዘላ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡ ኣብ ኢዳ ዝነበረ ጽዋእ፡ ጽዋእ-ወርቂ’ዩ ዝነበረ። ነቲ ጽዋእ ወርቂ መሊእዎ ዝነበረ ትሕዝቶ ግና ዜፈንፍን ርኽሰት ምንዝርናኣ ነበረ። እዚ ሒዛቶ ዝነበረት ጽዋእ ወርቂ፡ “ኣቕሓ ክብሪ” ኺስመይ ዚበቅዕ ድዩ፧ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ንሕና ድማ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ኽቡራት ኣቓሑ ኽነስና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ብዜፈልፍል ሰናይ ግብርን ዝምድናታትን ገዲፍና፡ ንኣምላኽ ብዜዋርድ ዓይነታት ናይ ሓጢኣት ተመሊእና እንተ’ሊና፡ ኣቓሑ ውርደት’ምበር ኣቓሑ ክብሪ ኽንስመይ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ፡ ዓይነት መንነቶምን ባህርዮምን ግብሮምን ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ሰብ ብሓጐስን ብፍቕርን ኪቕበል ዜጸግሞ ሰብ፡ ንኣምላኽ ውርደት ኬስትይ ዚጋደል ጽዋእ ውርደትን ርኽሰትን ምዃኑ ዜጠራጥር ዋላ ሓንቲ የልቦን። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኰይኑ “ጸማእኩ” ምስ በለ፡ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ ወይኒ ኣብ ሰፍነግ (ስፑኞ) ገይሮም ኬመንግግዎ ተጋደሉ። እዚኣቶም ከምኡ እንተ ገበሩ ጸላእቱ’ዮም፡ ኣብ መስቀል እተሰቕለ ገበነኛ ዀይኑ ኸኣ’ዮም ዚርእይዎ ዘለዉ። ክርስቲያን ተባሂልካ ኸተብቅዕ፡ ብሰሪ ዘይምቅብባልካ ንጽዋእካ ንኣምላኽ ዚኸውን ውርደት ምምላእ፡ እሞ ኸኣ ብትንሳኤ ናብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ንዝዓረገ ንጉስ-ነገስታት ከም’ዚ ጌርካ ምድፋር ኣዝዩ ኸቢድ፡ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ዚውሕዶ ናይ ዓያሱ ምርጫ ጥራሕ’ዩ ኺበሃል ዚከኣል!! ጽዋእ ርኽሰትና መሊኡ ምስ ኣንጀርበበ ድማ ዕሽነትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ኺገሃደልና’ዩ። ንዘይምቅብባል ቅቡል ዚገብር ዝዀነ ይኹን ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘየለ ኣጸቢቑ ይሰቈረና። ንግብርና ዜበላሽው፡ ንዝምድናታትና ዜዕንው ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኪኽሰት ከሎ፡ ዋላ ቕትለት’ውን ይኹን፡ ቅድም ንኣምላኽ ንዘክር። ኣብ’ታ ፈታኒት እዋን’ቲኣ፡ ንእኡ ዚኸውን ክብሪ ኸነዕዝዝ፡ ኣዒንቱ ኣተኲሩ ይዕዘበናን ይጽበየናን ከም ዘሎ ንዘክር። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስ ድማ ንኣና ኣቕሓ ውርደት ገይሩ ኼበላሽወና ብኣና ብፍጡራቱ ገይሩ ድማ ንኣምላኽ ኪወቅዕን ኬዋርድን ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ይጽበይ ዘይኰነስ ይደፍኣናን ይህውጸናን ከም ዘሎ’ውን ኣይንዘንግዓዮ። ካብ’ዛ ዘለኣለማዊት ሓደጋ’ዚኣ እተድሕነና እንኮ መድሃኒትና፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ነቲ በዳሊና፡ ጸላኢና ብኽብርን ብፍቕርን ብምሕረትን ምቕባል ጥራሕ’ያ።
ንብጻይና ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ብምሉእ ልብና ኸም ዝተቐበልናዮ ብምንታይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚ’ሞ ከይተሓትተ ብንጹር ዝተመለሰ ኣገዳስን ክቡርን ሕቶ’ዩ። ጐይታና፡ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” እትብል ኣልማዛዊት ምልክትን መለለዪትን ሂቡና ኣሎ (ማቴ 7፡16,20)። ኦም ጥራሕ ዘይኰነ ሰብ’ውን ብፍሪኡ’ዩ ዚልለይ (ማቴ 12፡33-35)። ስለ’ዚ ኣብ ኵሉ ዝምድናታትና ንኣምላኽ ብዙሕን ነባርን ክብሪ ንፈርየሉ ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ ማለት’ዩ። ንኣምላኽ ዜኽብር ፍረ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ኪህልወና መሸም ፈጺሙ ዘይከኣል’ዩ። ወዝቢ እንተ ተረኺቡና ኸኣ፡ እንሆ፡ ክንዲ ውቅያኖስ ዚኸውን ቃል እግዚአብሔር ኣብ ኢድና ኣሎ። እቲ ንእግዚአብሔር ዜኽብር ኣብ ዝምድናታትና ኺንጸባረቕ ዚግብኦ ፍረታት ኣብኡ ተዘርዚሩ ኣሎ። ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልካ ኣብ ዚግበር ሓድሕዳዊ ምቕብባል፡ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ሓድነት፡ ንጽህና፡ ቅድስና፡ ሰላም፡ ይቕሬታ፡ ልግሲ፡ ምእዛዝ፡ ሓቂ፡ ቅንዕና፡ ድንጋጸ ወዘተ ዝኣመሰሉ ፍረታት ንፈርይ እንተ’ሊና፡ ኣብ’ቲ ቕኑዕ መስመር ከም ዘለና፡ “ኣቓሑ ኽብሪ” ምዃንና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ብኣንጻሩ ይትረፍ ንዝምድናታት፡ ብቐንዱ ንሰባት’ውን ዜዕንው ኣጋንንታዊ ፍረታት ንፈርይ እንተ’ሊና ድማ፡ ንርእስና ኸነጥፍእ ንኣምላኽን ነቶም ኣብ ጥቓና ዘለዉ ዅሎምን ድማ ኸነዋርድ፡ ንሰይጣንን ነጋንንቱን ግና ከነኽብር መሪጽና ኣለና፡ ማለት’ዩ። እቶም እዚ ዝመትከሎም፡ ዝምድናታት ምዕናው ዝተልእኾኦም ከኣ ዓመጻ፡ ሕሰም፡ ስሰዐ፡ ስርቂ፡ ክፍኣት (ተንኰል) ቅንኢ፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕምየት፡ ጽልኢ፡ ግፍዒ፡ ኵርዓት፡ ንዕቀት፡ ጃህራ፡ ዘይምእዛዝ፡ ጥልመት፡ ጭካነ፡ ቂምታ፡ በቐል (ምፍዳይ ሕነ) ሻራ፡ ኣድልዎ ወዘተ ይፈርዩ። ንምቅብባል ተጸዪፎም ምብልላዕ ዚመርጹ ሰባት፡ ህይወቶም ነዚ’ዩ ዚመስል። ነቶም ከም’ዚ ዝፍሪኦም ዝተመደበ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ከኣ፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ህይወት ብመንፈስ እንተ’ልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ፡ ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለይ።....ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን እንተ ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” ኢሉ ኣጠንቂቑና ኣሎ (ገላ 5፡15,25,26)።
እምበኣር ሕጂ ዚተርፈና፡ ሕሉፍ ኣካይዳናን ህልዊ ዝምድናታትናን ኣተሓሕዛኡን ብዕቱብ ምፍታሽን ምምርማርን፡ ብንስሓ ምሕዋይን፡ ንመጻኢ ድማ ዘይንዕንቀፈሉ ዕሩይ መገዲ ምምራጽን ጥራሕ’ዩ። ልክዕ ከም ጐይታና ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ንሓድሕድና ንቀባበል ምህላውና ነረጋግጽ። እቶም ንምቅብባል ክውን ዚገብርዎን ንዝምድናታት ዚሃንጽዎን ናይ መንፈስ ቅዱስን ናይ ቃል እግዚአብሔርን ፍረታት ኣብ ህይወትና ምህላዎምን ንጥቀመሎም ምህላውናን ርግጸኛታት ንኹን። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዝምድናታትና ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ጸብጻብ ከነቕርብ ስለ ዝዀንና፡ ጽቡቕ ዜፍድየና ንኣምላኽ ዜኽብር ታሪኽ ምቅብባል ንሃንጽ ምህላውና ብዘይ ዝዀነ ምምታእ ነረጋግጽ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥር ፰, ፳፻፲፬ ግዕዝ (16 ጥሪ 2022 ፈ). መበል 19 ሰንበት: ቊ.26/፳፮ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 15፡1-13 |
1 ዮሃ 4፡14-ፍጻመ |
ግብ 13፡32-43 |
ማቴ 4፡16-32 |
ዘእግዚእትነ ማርያም |
መዝ ፻፴፩(፻፴፪)፡፮,፯ "ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ። ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም። ንበውእ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር።" "እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፡ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ