"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ኤርትራ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን።” (መዝ. 79፡ 2-3) ብዝብል መዝሙር ምስጋና፣ ሰንበት 20 ሰነ 2010 ዓ.ም
ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ኣብ መላእ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ተኻይዱ። ዝኽሪ ስውኣትና፡ ንኩሉ ዓይነት ሕብረተ ሰብና ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብጸሎተ ፍትሓት ዘኪርዎም።
እዞም ምእንታና ሓሊፎም ኢልና እንዝክሮም ስዉኣትና፡ ክብርቲ ህይወቶም ክህቡ እንከለዉ፡ ዓላምኦም ኣብ ውሱን ውልቃዊ ረብሓ ዝተሰረተ ኣይነበረን። እታ ኣብ ኣጋ ምሕላፍ ህይወቶም ዚብልዋ “ዓወት ንሓፋሽ" እትብል ቃል እኳ ነቲ ብድሕሬና ዝተርፍ ኩሉ ዓወት ይኹነሉ ማለት እዩ። ዕውት ሕብረተ-ሰብ ዚበሃል ድማ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ምሉእ ናጽነት ተጠቒሙ፡ ብናጽነት ነታ ክሕልዋ፡ ከማዕብላ፡ ክኸናኸና ዝተዋህበቶ መሬት ብዘይ ፍርሂ ምስ ዝነብረላ ጥራይ እዩ። ብኻልእ ቃላት፣ ብሕጊ፣ ብፍትሕን ርትዕን ተማእኪልካ ብማዕርነት እትነብረላ ሃገር ምውናን ማለት እዩ።
ብተወሳኺ፡ ዓመት መጸ ብዛዕባ መቓብሮምን ሬሳኦምን ምስቁርቋር ዘይኮነስ፡ ብህይወት ዘለዉ ወለዶምን ደቆምን ክንጥውር መንፈሳዊን ሞራላዊን ግዴታና ምኻኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ