
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 51 ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሓሰ 22 ክሳዕ ነሓሰ 26 ኣብ ዘሎ ቕንያት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦
“ኣብ ጊዚኡ ዝናም ይህበና፡ ኣብ ጊዚኡ ዝናም ይህበና። እኽሊ በረኸት’ውን ይህበና። ክረምቲ ይኸፍት ምሕረት ይገብር፡ ናይ ዝናም በረኸት ይህበና፡ ዓይኑ ኸፊቱ፡ የማኑ ዘርጊሑ፡ ሳህሉ ይልእኽ፡ በቲ ዚፈልጦ ይኸብር።፫ ኣዒንቲ ዅሉ ነፍሲ ንእኡ ይጽበያ። ንሱ ድማ፡ በብጊዚኡ ምግቦም ይህቦም።
ብናይ ትእዛዝ ቃልካ ዝናም ከተውርድ፡ ኣዒንቲ ዅሉ ነፍሲ ንኣኻ ይትስፈዋ። ጐይታኣ ንሰንበት መን’ዩ ኸማኻ፡ ኢድካን ምሕረትካን ክትዝርግሕ ኣጽኒዕና ንልምነካ። ንጉስ ሰላም መድኃኔ ዓለም ሰላምካ ሃበና።
ባሕርን ንፋሳትን ዚእዘዙሉስ መን ኰን ይኸውን፧ ንሱ ጐይታኣ ንሰንበት’ዩ፡ ጨቓዊት ኳዃትን ዓሳታትን ነብርታትን ብሓጐስን ሰላምን ይጽውዕዎ፡ ንሱ ድማ፡ ይምልሰሎም።”
ማለት’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ መዝ 147፡9-10፣145፡15,16 መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ’ዩ። ንእግዚአብሔር ብዛዕባ’ቲ ብኽራማት ዝሃበና በረኸትን ሲሳይን ዜመስግን መዝሙር ስለ ዝዀነ "ዘመነ በረከት (ዘመነ ሲሳይ)’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ ናይ’ቲ "ዕጕለ ቋዓት፡ ደስያት፡ ዓይነ ኵሉ" ዝተሰምየ፡ ሳልሳይ ንኡስ ዘመን ናይ መወዳእታ መዓልታት’ዩ። እቲ ዘራእቲ ኽራማት ተስፋ ናብ ’ንገብረሉ ደረጃ ዚበጽሓሉ ቕንያት’ዩ። በቲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኣምላኽ እና’መስገንና፡ ብዛዕባ’ቲ ዚስዕብ ደረጃታት ድማ፡ ናብ ቈፎኡ ኽሳዕ ዚኣትው ተስፋናን እምነትናን ኣብ’ቲ ወሃብን ከላእን ኣምላኽ ጌርና ትውክልትና እነዕብየሉ’ዩ። ካብ ነጣሪ በረድን ካብ ነፋሪ ኣንበጣን ካልእ ባልዓትን ሓልዩ፡ ካብ ሃጕጒ ካብ ዋግ ባሊሁ በረኸትና ናብ ምሕፋስ ኬብቅዓና ንኣምላኽ ብቕቡል ጸሎት ክንምሕጸነሉ ዚግባእ ቅንያት’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት ምስባክና፡ ጨቓዊት ኳዃት ከይተረፉ ናብኡ ኸም ዚምህለሉ ይነግረና እንተ’ልዩ፡ እቶም በርኣያኡን በምሳሉን ዝተፈጠርና ደኣ ማዕረ ኽንደይ በእምሮን ብምስትውዓልን ብምሉእ እምነትን ኽንምህለል ዘይግብኣና። ደቂ ኣዳም ብባህርይና ክንጾሮን ክንፈትሖን ዘይንኽእል ስእነትን ጸበባን ኬጋጥመና ኸሎ ጥራሕ ኢና፡ ንጸሎትን ምህለላን ከም ሓደ ኣማራጺ ’ንወስዶ። ክንረክብን ኪበዝሓልናን ከሎ ግና፡ ’ንርስዖ። ምኽንያቱ ርኢኻ ምስኣን ከም ዘሎ’ውን ስለ ’ንዝንግዖ’ዩ። ኪስእን ከሎ ዜእውይ፡ ኪረክብ ከሎ ግን፡ ፈጺሙ ዘይዝክረካ እንተ ዀይኑ፡ ተበላጽን ጠላምን ባህርይ ከም ዘለዎ’ዩ ዜርእይ። ናይ መንፈሳዊ ምስትውዓል ጸገም ከም ዘለዎ’ውን የመልክት’ዩ። እቲ ዜድልዮ ነገር ኣብ ኢዱ ስለ ዝኣተወሉስ፡ ምሉእ ብምሉእ ናቱ ዝዀነ፡ ካብ ሥልጣንን ዋንነትን ናይ ኣምላኽ ሓራ ዝወጸ ይመስሎ። እግዚአብሔር ኣብ’ታ ህይወቱን ስጋኡን፡ ኣብ ማዕከኑን ቈፎኡን ከይተረፈ ምሉእ ሥልጣን ከም ዘለዎ ይዝንግዖ። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ደንቍርና ምእንቲ ኽንናገፍ ድማ’ዩ፡ እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተሰሪዑልና ዘሎ። ግራትካ ስለ ዝቐደወልካ፡ ንኣምላኽ እንተ ረሳዕካ፡ ንሱ ከኣ፡ ነቲ እኽሊ ገዲፉ ነታ ነፍስኻ የሕድገካ’ሞ፡ ዘይትበልዖ ዘይትረብሓሉ በረኸት ይኸውን። ዋላ ንኣኻ ከይወሰደ’ውን፡ ብጽጉብካ ጥሙይ ብኽዱንካ ዕሩቕ ከም ’ትኸውን ብምግባር ጉድ ይገብረካ (ሃጌ 2፡6)። ብብርቱዕ ድኻም ዘይትን ወይንን ጸሚቝካ ኣጋንእካ መሊእካዮ ኽነስኻ፡ ከም ዘይትልከዮን ከም ዘይትሰትዮን ገይሩ፡ ረብሓኻ ጻዕርን ውርደትን ጥራይ ከም ዚኸውን ይገብሮ (ሚክ 6፡13-15)። ምስ ኣምላኽ ናይ ምትህልላኽ ፍረ ኣዝዩ መሪር’ዩ። ዘመነ ክረምት ድማ፡ ዝናምን እኽልን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ልቦናን መንፈሳውነትን’ውን ኬውሕዘልና’ዩ ዚግባእ። ካብ ክረምቲ ንኽንምሃር፡ ብሕርሻ ’ንነባበር ሓረስቶት ክንከውን ናይ ግድን ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብኽረምቲ ዘይናበር ፍጥረት ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ፈጺሙ የልቦን። ስለ’ዚ እዚ ዘመነ ክረምት’ዚ ብመንፈሳዊ በረኸት’ውን ከም ዝጸገወና ኸነረጋግጽ መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ሉቃ12፡20 ንባብና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።
ስጋዊ ብልህነት፡ ንዓና ከም ምእመናንን ምእመናትን ናይ እግዚኣብሄር ኣገዳስነት ኣለዎ’ዶ፧ ኣብ ህይወትና ዜውርዶ ሃስያኻ ብኸመይ ንገልጾ፧ ስጋዊ ብልህነት ንዓና ደቂ ሰባት ዘለዎ ኣገደስነት ሓደ ኻብ’ቲ ክንስሕቶ ዘይግባኣና ሓቂ’ዩ። ኣብ’ዚ ኣርእስተ ምህሮና፡ "ንመንፈሳዊ ዕሽነት" ብኣትኩሮ ክንዛረበሉ ከምኡ’ውን ከነስተውዕለሉ ከም ዘለና ንምጥንቃቕ ድኣ’ዩ’ምበር፡ ስጋዊ ብልህነት ኣየድልን’ዩ ኣይኰነን ንብል ዘለና። ብመንፈሳዊ መገዲ ዝተሰነየ ስጋዊ ብልሂ፡ ወትሩ ኣብ መሐለዊና ከም ዘለና ዜርእየና ናይ ለባማት ናብራ’ዩ። ኣብ 1ቈረ6፡19 ". . . ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።" ይብል ከምኡ’ውን ኣብ ሮሜ 8፡6-7 ስለ’ዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት’ዩ። እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን’ዩ። እዘን ክልተ ጥቕስታት ብቕደም ተኸተል ክንርእየን ከለና፡ ሓሳብ ስጋ በይኑ ትርፉ ሞት ጥራይ’ዩ። መዓስ ኰን’ዩ ኣምላኽ ዚደልዮ ዚሓስብ እንተኢልና፡ ብሓሳብ መንፈስ ክግራሕን ክምዘንን ከሎ’ዩ። እቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ በቲ ካብኡ ዝመንጨወ ቃል ህይወት ገይሩ ንስጋና፡ ንኣምላኽ ከኽብርን ክእዘዝን ይገብሮ። ስጋና ኣብ’ዚ ጐደና ምስ ዚህሉ’ዩ ንእግዚኣብሄር ኬስምር’ዚ ዚዀነሉ። ስለ’ዚ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ምእመን ብስጋኡ ንኣምላኹ ኬኽብር ናይ ግድን’ዩ። እዚ ኣብ ህይወቱ ዘቋጸረ ሰብ ጥራይ’ዩ፡ መንፈሳዊ ልቦና ዜጥረየ ሰብ ንብሎ። ስጋና ከመይ ኣቢልና ናብ መንፈሳዊ ሓሳብ ነጥብቆ ምስ ንግንዘብ ባሮት ኣምላኽ ተባሂልና ንሰመ። ስጋና ብቓል ኣምላኽ እንተ ዘይተገሪሑ ግና "ባርያ ኣምላኽ" ዘይኰነ "ባርያ ሰይጣን" ከም ዘብለና ኣይንረስዕ (ዮሃ3፡6 ፣ እብ11፡5 ሮሜ8፡9 ፣ ቈሎ1፡10 ፣ ሮሜ8፡5 ፣ ፊሊ3፡18-19)። እዚ ሕጂ እንርእዮ "ስጋዊ ብልሂ" ግና ምስ ፍትወት ዓለምን ፍትወት ርእስኻን ዝተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ ቀጺልና ሃሳይነቱ ንርአ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዕለት ሰንበት ተዋሂቡ ዘሎ ካብ ሉቃ 12፡40 ዝተወሰደ ምስ እንርኢ።
"ኣምላኽ ግና፡ ‘ኣታ ዓሻ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ’ዮም። እዚ ዝደለብካዮ ድኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧’ በሎ። ክቡራት ህዝበ እግዚኣብሄር ኣብ’ዚ ምዕራፍ’ዚ፡ ነዚ ሃብታም ሰብኣይ ዓሻ ዘበሎ ምኽንያታት እንታይ ይኸውን እንተ ኢልና፡
1. ንነብሱ ኣብ ቦታ ኣምላኽ ኰይኑ ፈሪድዎ፦ "ንነፍሰይ ከኣ፡ ኦ ነፍሰይ! ንብዙሕ ዓመታት ዚኣክል ብዙሕ ዝተደለበ ሃብቲ ኣለኪ’ሞ ኣዕርፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ፡ ኺብላ’የ በለ" (ሉቃ12፡19)። ወናኒ ናይ ርእሱ ኪኸውን ዚኽእል ሓደ’ኳ የብልናን። ንሕና ብመድሓኒ ዓለም ክርስቶስ፡ ብደሙ ኣብ መስቀል ዚዓደገና ስለ ዝዀንና ናይ እግዚኣብሄር ኢና። ንነፍሱ ‘ንብዙሕ ዓመታት ኣዕርፊ።’ ከኣ ኢሉዋ። ዘገርም’ዩ ኣሽንኳይዶ ንብዙሕ ዓመታትሲ ነዛ ካልኢት’ውን ብዘይ’ቲ ዋናና ዝዀነ ኣምላኽ ክንጸንሕ ኣይንኽእልን ኢና። "ዓሻ ዳፋርን ኣማኒ ርእሱን’ዩ።" ከም እተጻሕፈ፡ መርኣያ ናይ ርእሱ ዘረባ፡ ንነፍሱ ብኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣብ ኢድ መላእኽቲ ጸልማት ከውድቓ ከሎ ንርኢ። ብስጋ ልቦና ዘለዎን ጽቡቕ ናይ ምምሕዳር ክእለትን ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ገዛእ ርእስኻ ብምእማንን ፍልጠትካ ኣቐዲምካን እትገብሮ ዕዮ ግና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝጐሰኻ፡ ዚነበረካን ዘለካን’ዩ፡ ምስ ህይወትካ ዚስእነካ። ናይ ኣምላኽ ፍቓድ "በዛ ለይቲ’ዚኣ ክትከይድ ኢኻ" እዩ ነይሩ። ናይ’ዛ ገዛእ ርእሱ ሊቅነትን ሓሳብ ግና፡ ‘ንነዊሕ ዘመን እናተሓጐስኩ። በቲ ኣብ ማዕከነይ ዘሎ እኽለይ፡ ዕረፍቲ፡ ተድላ ኪዀነለይ’ዩ።’ ዝብል። ስጋዊ ብልህነት ዚብሉኹምሲ ከምዚ’ዩ። ዓለም ነዚ ብህልህነት ክትብሎ ከላ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽና ግና፡ "ዕሽነት’ዩ" ዝብሎ (ማቴ12፡20 ፣ መዝ39፡6 ፣ ማቴ7፡1 ፣ ሉቃ23፡40 ፣ ሮሜ2፡2 ፣ ሮሜ14፡10 ብዕሽነት ስጋኻ እትሰርሖ ስራሕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብልሹውን ፉንፉንን ግብሪ’ዩ ዝብሃል። ባዕልኻ እትፈርዶ ፍርዲ ከም’ቲ ጽሑፍ ዝብሎ ዓሻ’ዩ ዘብለካ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣምላኽ ከም ዘየለ ብቃልካን ብግብርካን ትእውጅ ኣለኻ ማለት’ዩ። እምበኣር ናይ’ዚ ሃብታም ሰብኣይ ጸገም ኣብ’ዚ’ዩ ነይሩ። ንማዕከኑ ኣግፊሑ ብምስራሕ፡ ንነፍሱ ንብዙሕ ዓመታት ክትነብር ብባዶ እምነት ፈሪድዋ። ካብ ፍትወት ዓለም ብምብጋስ፡ ኣብ ህይወቱ ብልዕን ሓጐስን ተነብዩ። ወዮ ንሕስያ ዘይርከቦም ፍትወት ዓለምን፡ ስሰዐን፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብሉን ግብርታት ጸልማት ንገሃነም ከም ዚፈረድዎ ተጻሒፉልና ኣሎ (መዝ53፡1 ፣ መዝ10፡4 ሮሜ1፡28 ፣ ዘፍ6፡11-13 ፣ ሉቃ12፡20)።
2. ውሕስነቱ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ረሲዑ፡ ሓንቲ መርከብ ኣብ ወሰን ባሕሪ፡ ኣብ መልህቅ ከይኣሰርና እንተ ገዲፍናያ፡ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ኣብ ካልእ ባሕሪ’ያ ትርከብ። ምስ’ቲ መልህቅ እንተ ኣሰርናያ ግን ኣብታ ዝነበረታ’ያ ትጸንሓና። ውሕስነት እታ መርከብ ኣብ’ቲ ክትህልዎ ዘለዋ ቦታ መታን ክትጸንሕ፡ እቲ ብገመድ ኣሲሩ ሒዝዋ ዘሎ መልህቕ’ዩ። መርከብ ብዘይ መልህቅ ግን ንዓኣን ንዋናኣን ኣብ ሓደጋን ክሳራን’ዩ ዘእትዎ። ካብ’ዚ እንምሃሮ እንተ ሃልዩ፡ ውሕስነት ወይ ከኣ ድሕነት ምእመናን ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይተተኽላ ክርስትያን ነፍሲ፡ ከምታ ኣብ መልሕቅ ዘይተኣስረት መርከብ’ዩ። መወዳእታኡ ዕድል ናይ ንስሓ እንተዘይረኺቡ ንጥፍኣቱ’ዩ። ". . . ኣታ ዓሻ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧" በሎ። (ሉቃ12፡20)። ልብኻ ንዘውደቕካሉ ንዕኡ ፍቓድካ ከም እትህብ ርግጽ’ዩ። ነዚ "ዓሻ" ተባሂሉ ዘሎ ሃብታም ሰብኣይ፡ እቲ ዝኣከቦ ሃብቲ ኪጠልምን ንኻልእ ኪወሃብ ከሎን ንርኢ። ንስጋኡ ባህ ዜብሎ፡ ኣብ ምድላይ ልቡ ዘንቀደ ሰብኣይ፡ ንነፍሱ ዚደልዩ ሓይልታት ጸልማት ኣብ ዘርያኡ ተጋዕቱ። እቲ ጐይታ ክብሪ "እዚ ዝደለብካዮ ድኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧" በሎ። እዚ ኪብሎ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሃብቲ፡ ብመገዲ ፍቓዱ ስለ ዘይደለዮ፡ ናብ ምስጢር ፍቓዱ መሊሱ፡ ተኻፋሊ እትዋቱ ኪኸውን ኢሉ’ዩ። ሃብቱ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ከይተሰወሮ ከሎ፡ ናብ’ቲ ስሒትዎ ዘሎ ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ ክምለስ መዓዶ (ሮሜ12፡2)። ንሱ ግን ወይልኡ
ብመንፈስ ዓያሹ ኽንከውን መንፈስ ኣምላኽ ይድግፈና ድዩ፧ ብመሰረቱ’ውን ነቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ "ኣታ ዓሻ" ዝብል ቅጽላዊ ናይ ዘለፋ ስም ዚጠበቆ፡ ኣብ ናብራ መንፈሳዊ ዕሽነት ተኣሊኹ ስለ ዝተረኽበ’ዩ። ብመንፈስ ዓሻ ምዃን ኣብ ቅድሚ ዓቢ ኣምላኽ፡ ኣዝዩ ዜዋርድ፡ መዳርግቲ ኣልቦ’ዩ። እቲ ብደቂ እስራኤል ዘንጸርጸረ ኣቦና ሙሴ፡ ቃላት ዕሽነት ብምዝራቡ፡ እግዚኣብሄር ወቂስዎ’ምበር ኣይነኣዶን። "ንመንፈሱ ኣንጸርጺሮምዎ ነበሩ’ሞ፡ ብኸናፍሩ ዕሽነት ተዛረበ።" መዝ106፡33 ኣሽንኳይ’ዶ ብመንፈስ ዓያሹ ክንከውንሲ፡ ብስጋ ዓያሹ ክንከውን’ኳ ዝፈቅደልና ስነ መጐታዊ ሕጊ ተፈጥሮ የለን። ኣቦን ሙሴ ኣብ ኵሉ መገዱ ንእግዚኣብሄር ኣስሚርዎ ኽነሱ፡ ኣብ’ዛ ቦታ’ዚኣ ዝገበሮ ናይ ቃላት ምንጽርጻር ዕሽነት ግን ኣይተናሕፈን። ምኽንያቱ "ዕሽነት" ንዅልትናኻ ማለት ንስጋኻን መንፈስካን ነፍስኻን ዝምርዝ ግናይ መድሃኒት’ዩ (ዘሁ20፡10-11 ፣ መዝ78፡40 ፣ እዮ2፡10 ፣ እዮ42፡7-8)። ኣቦና ሙሴ ብሰሪ’ዚ ኣበሳ’ዚ ንኸንኣን ከም ዘይኣተወ፡ ኣብ ዘሁ27፡12-44 ተነጊሩና ኣሎ። ካብ’ቲ ኣብ’ዚ ሃይለ ቃለ’ዚ ተጻሒፉ ዘሎ "ንቃለይ ስለ ዝዓሎኹም" ተጻሒፉ ኣሎ። ዕሽነት ምዕላው ካብ ጸጋ ኣምላኽ ዘትርፈካ፡ ክትበጽሖ ዝተመደበልካ ዘየርእየካ፡ ፍረ ኣልቦ ዝዀነ ጣኦት’ዩ። ኣቦና ሙሴ ደጋጊሙ ንኣምላኽ ክእዘዞ’ምበር ከጉህዮ ኣይንርእዮን ኢና። ሓደ ጊዜ ብዝገበሮ ገበን ግን ዓቢ ዋጋ ኣኽፊልዎ። ክቡራት ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ንሕና’ውን ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞ ህወትና "ቃላት ዕሽነት" ብምልፍላፍና፡ ልቢ ኣምላኽ ክንጐድእ ንነብር ከይንህሉ ንፍራህ። ኣብ ኵሉ ዘመን ህይወትና ዝተዛረብናዮም ቃላት፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣፍ ኣውጺኦም ክፈርዱና’ዮም። "ዝሙት፡ ስሰዐ፡ ክፍኣት ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኩርዓት ዕሽነት። እዚ ዅሉ ክፉእ ካብ ውሽጢ’ዩ ዚወጽእ። ንሰብ ከኣ የርክሶ (ማር7፡22)። ብመንፈሳዊ ዕሽነት ዚተወቅዐ ሰብ፡ ብዅሉ ናይ ጸልማት ሓጢኣት ኪውቃዕ ናይ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "መንፈሳዊ ብልህነት" ክህልወና ከም ህጻናት ክንከውን ዝመሃረና (ሉቃ18’15-17 ፣ ማቴ19፡13-15 ማር10፡13-16)። ኣብ መንጎ ከም ህጻን ምዃንን ዓሻ ምዃንን ዓብይ ፍልልይ’ዩ ዘሎ። ዕሽነት ምስ ድፍረትን ክፍኣትን ዚተሓሓዝ ክኸውን ከሎ፡ ከም ህጻን ምዃን ግን፡ ምስ ቅንዕና፡ ንጽህናን ግርህነትን ዝኣመሰለ ትርጒም’ዩ ዝህበና። ዓሻ ዝብል ቃል ከመይ ንብልሽውና ዝመልአት ዝገልጽ ምዃኑ ኣብ ብዙሓት ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ እነረጋግጾ ሓቂ’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ፡ ካብ ናብራ ዕሽነት ወጺእና፡ መዝገብ ልብና ምስትውዓልን ጥበብን ንምልኣዮ (ዘሁ12፡11 ፣ 2ሳሙ24፡10 ፣ መዝ38፡5 ፣ 2ዜና16፡9)። ኣብ መዝገበ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ "ዓሻ" ዝብል ብኸምዚ ኣገላልጻ ጠቂስዎ ኣሎ።
ዓሻ፦ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፡ ንሰብ ዘይሕግዝ፡ ንጣዕሚ ርእሱ ጥራይ ዝነብር’ሞ ብልሹው ጠባይ ዘለዎ ሰብ ዓሻ ይብሃል (1ሳሙ25፡25 ፣ መዝ14፡1 ፣ ምሳ15፡2)።
እምበኣር እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ብመንፈስ "ዓያሹ" ክንከውን ኣይደልየናን’ዩ። እዚ ኵልና ክንግንዘቦን ክንርድኦን ዘለና ሓቂ’ዩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ንዕሽነትን ንግርህነትን ክንሓዋውሶ ንርኢ ኢና። እዞም ሓረጋት እዚኣቶም ኣብ ትርጉሞም ሕቆን ከብድን ኪዀኑ ከለው፡ ኣብ ናብራና’ውን ከምኡ’ዩ ፍልልዮም። ዕሽነት ንመንፈሳዊ ህይወት ዘበላሹን ዝምርዝን ዓሚቕ ዓዘቅቲ ሓጢኣት ምዃኑ ኣብ’ዚ ትርጉም መዝገበ ቃላት ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ካብ’ዚ ቀጺልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ካብ "መንፈሳዊ ዕሽነት" ወጺእና ክንነብር ከመይ ከምዝድግፈና ገለ ነጥብታት ንርአ።
1. ንድኻምና ይድግፍ፦ "መንፈስ ቅዱስ ድማ ንድኻምና ይድግፎ’ዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ከምዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና። ግና እቲ መንፈስ ባዕሉ’ዩ ብዘይንገር እህህታ ዚጽልየልና።" ሮሜ8፡26
ኣብ ድኻሙ ዝተደገፈ ሰብ ግድን’ዩ ናብ ብርትዐን ምጽንናዕን ኪሰጋገር። ኣብ ኵሎም ቅዱሳን፡ ስራሕ እግዚኣብሄር ክንርኢ ከሎና፡ መጀመርታ ኣብ ድኻሞም ወይ ጐዳጉዶም (ጎደለኦም) ኣትዩ’ዩ ዝድግፎም ዝነበረ። ኣብ ድኻሙ ክድገፍ ዘየንቀደ ሰብ ግን፡ ኣብ ዕሽነት፡ ጸልማትን ርባርባ ድነ ሞትን’ዩ ዚነብር። ስለ’ዚ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከም’ቲ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሕ ዓሻ ሰብኣይ ምእንቲ ከይንኸውን ወትሩ ምስ ደገፈና’ዩ። ክብሪ ንስሙ ይኹን (ማቴ7፡26)። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ደጋጊፉ፡ ከምተን ሰባማት ደናግል፡ ነታ እትመጽእ መንግስቱ ድልዋት ኰይንና ንኽንጸንሕ’ዩ (ማቴ25፡9 ፣ ኢሳ55፡6-7 ፣ ራእ3፡17-18 ፣ ይሁ1፡20-21 ፣ ሮሜ8፡14-15)። "ኣምላኽ ግና፡ ኣታ ዓሻ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለው። እዚ ዝደለብካዮ ድኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧ በሎ።" ሉቃ12፡20 ኣምላኽ "ኣታ ዓሻ" ኪብለካ መቸስ ማዕረ ክንደይ ኣብ ታኼላ መንፈሳዊ ዕሽነት ተተኺልካ ከምዘለኻ’ዩ ዘርኢ። የግዳስ ነዚ ሃብታም ሰብኣይ ዕሽነቱ ብምርኣይ ካብቶም ንነፍሱ ዝደልዩ "ኣጋንንተ ጽልመት" ኣናጊፉ ንምድሓን’ዩ ዝምዕዶ ነይሩ። ማዕከኑ ብእኽሊ ኪመልእ’ምበር ልቡ ብፍቕሪ ኪመልእ ዘይፈቀደ ሃብታም ሰብኣይ፡ ዕሽነቱ ብኣምላኽ ዘይምድጋፍ ኰነ። ክቡራን ህዝበ እግዚኣብሄር፡ በቲ ምርኩስና ዚዀነ ኣምላኽ ክትድገፍ ምድላይ መንፈሳዊ ልቦና’ዩ። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ሓዲግና ንኽንድገፍ ንደገፍ። እዚ ጥራይ’ዩ እቲ እንኮ ምስጢራዊ ምድሓንን ብልህነትን። መንፈስ ቅዱስ ውሉድ ስለ ዝዀንና፡ ንምድጋፍና ኢዱ ዘርጊሑ’ሎ (ገላ4፡6 ፣ እብ4፡14 ፣ ሮሜ15፡1)።
2. ከም ፍቓድ ኣምላኽ ይመርሓና፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ካብ’ቲ ዝዓበየ ስርሑ ኣብ ህይወትና፡ ብልህታትን መስተውዓልትን ኰይንና ክንርከብ፡ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣቢሉ ይመርሓና ምኽንያቱ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ’ዮም።" ሮሜ8፡14 መራኽብ ኣዝየን ዓበይቲ’ኳ እንተ ዀና፡ በታ ኣብ ቅድሚት እትርከብ ንእሽቶ ስካን’የን ዚምርሓ። እቲ መራሒ መርከብ በታ ስካን ገይሩ ናብ’ቲ ዝደልዮ ቦታ የብጽሓ (ያእ3፡4)። ስካን ዘይብላ መርከብ ግና፡ ስዲ’ያ እትከይድ ማለት ናብ ዘፈቀደ ቦታ’ያ እትኸይድ። መወዳእታኣ ከኣ ዓቢ ሓደጋ ይኸውን። ብመሪሕነት ቃለ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ዘይምራሕ ክርስትያን ነፍሲ ከኣ ዕድሉ ምስቶም ዓያሹን ጥፉኣትን’ዩ (ማቴ13፡40)። መብዛሕትኡ ጊዜ ጸገምና ኣብ’ዚ’ዩ። "ብመንፈስ ኣምላኽ ንምራሕ ኣለና" ንብል ኣብ’ቲ ግብራዊ ናብራና ግና ስጋዊ ሓሳብ ውሒጥና፡ ብእኡ ንምራሕን እተገዛእናን ኴንና ኢና እንርከብ። ኣብ ህይወት ዝዓበየ ክሳራ ወይ መግደራ ዚብሃል ፍቓድ ኣምላኽን መሪሕነት ቃሉን ክርሕቀካ ከሎ’ዩ (1ጴጥ4፡1-3 ፣ 1ቈረ9፡27 ፣ ያእ1፡14-15 ፣ ሮሜ8፡12-13)። እቲ ኣሎና እንብሎ ስጋዊ ብልሂ ካብ ገዛእ ርእስና ዚምንጩ እንተ ዀይኑ፡ ግጉይ መስመር ስለ ዝዀነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዓት ዜብለና ኣይኰነን። እንተ ጸለና እንተ ተማህለልና፡ እንተ ቈዘምና ወይ’ውን ዝዀነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንተ ገበርና፡ ብፍቓድ ኣምላኽን ቃሉን ዝተማእዘነ ኪኸውን ይግባእ።
"እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን’ዩ’ሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስ’ውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ’ዩ።" ሮሜ8፡27
እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ምእንታና ደቂ ሰባት ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ከም ንልምን ዚገብረና፡ ነቲ ክቡር ሓሳቡ ተረዲእና ብእኡ ክንምራሕ ይድግፈና። ሓሳባት ሰባትን ምኽሮምን ክንሰምዕ ሪጋ ተሰሪዕና ከም ንውዕል ናይ ኵልና ቀሊል ተመኩሮ’ዩ። ነቲ "ወዳጀ" ዚዀነ ዓሚቍ ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽን ፍቓዱን ንምርካብ ግዳ፡ ኣብ ስፍራ ቅድስናኡ ተቐሚጥና ክንደይ ክንደልዮ ዘይግብኣና፧ ሮሜ11፡33 ፣ መክ3፡11 ፣ እዮ37፡23 ፣ ዳን4፡35 ኣብ’ቲ ቅዱስ ጽሑፍ፡ ከም’ዚ ብምባል መሪቕና ኣሎ።
"ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኵሉ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም።" እብ13፡21
ዝዓበየ ናፍቆት ጸሓፊ መልእኽቲ እብራውያን ፍቃድ እምላኽ ምግባርን ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ክነብሩ’ዩ ነይሩ። ሎሚ ፍቓድካ ንምግባር ደግፈኒ ዝብል ናይ ብልህታት ጸሎት ንልብና ይምልኣዮ። ንምንታይ’ሲ እግዚኣብሄር፡ ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ዝፍጽም እሙን ኣምላኽ’ዩ (መዝ145፡19 ፣ መዝ34፡9 ፣ ማቴ26፡42 ፣ ዮሃ4፡34)።
ሎሚ ህይወትና ኣበየናይ መገዲ ዀን ትህሉ፧ ብልህነትናኸ ስጋዊ ድዩ ወይስ መንፈሳዊ፧ ናይ’ዚ ኵሉ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉልና ዘሎ ኣውራ ጠማሪ ሓሳብ እዚ ሕቶ’ዚ። ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ትምህርቲ፡ ህይወትና ዘላቶ ኵነታት ተገንዚብና ብቓልን ብግብርን ምዕራይ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ’ዛ ደረጃ’ዚ እንተ ዘይበጺሕና፡ ኵሉ መንፈሳዊ ህይወትና ባዶን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዘጉህን’ዩ ዚኸውን። ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኣብ ሉቃ 12፡20 "እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ ማዕከን እኽሉ ዝብሎ፡ ባዕላውን ስጋውን ሓሳብ’ምበር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝብሎ ዝነበረ ሓሳብ ዚሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን። ኢድ ሰባት ዘይኰነስ፡ ዓስቢ ዘይምእዛዙ ኣብ ኢድ ኣጋንንቲ ተደርበየ። ብዘይ ኣምላኽ "ለባም’የ" ዚብል ሰብ ዕጭኡ ካብ’ዚ ኣይሓይሽን’ዩ፧ "ለባማት ኢና እናበሉ ዓሸው።" "ወእንዘ ይፈቅዱ ይጥበቡ ዓብዱ።" ሮሜ1፡22 ፣ ኤር8፡8-9 ፣ ምሳ26፡12 ፣ 1ጴጥ4፡3 ሎሚ እቲ እንኮ ካብ መንፈሳዊ ዕሽነት ወጺእና፡ ስጋዊ ብልህነትና እነዕርየሉ መገዲ፡ ልብና ንኣምላኽ ምሃብ ጥራይ’ዩ። ካልእ ኣማራጺ መገዲ የብልናን። ምኽንያቱ መገዲ ዕሽነት መገዲ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ፡ መገዲ መንፈሳዊ ብልህነት ግና፡ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ከሎና፡ ምስሊ መንግስተ ሰማያት እንርእየሉ፡ ዓቢ ጸጋ’ዩ። ነዚ ቃል’ዚ ሰሚዕና ንምእዛዝ ሸለል ክንብል ኣይግባእን። "እመቦ ዘያጸምኦ ለቃለ ወኢይገብሮ ይመስል ከመብእሲ ዘይሬኢ ፍጥረተ ገጹ በመጽሔት።" ያእ1፡23 ፣ ህዝ33፡31-32 ፣ ማቴ7፡26-27 ፣ ያእ2፡14-26
ክቡራን ህዝበ ክርስትያን፡ ኣብ’ዚ ዕለተ ሰንበት’ዚ፡ ንነፍስና ተጠንቂቕና ክንሓታ ዝግብኣና ሕቶ ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ ህይወተይሲ ምስቶም ጐይታ ለባማት ዚበሎም ድያ ወይስ ምስቶም ዓያሹ ዝተባህሉ፧ እቲ ጐይታ ኽብሪ ቦታኻ/ኺ ኣብ ቦታ ዕሽነት’ያ ዘላ ኪብለና ከሎ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ልቦና ከይርኤና ዕሽነት ሓዲግና ናብኡ ንጥበቕ። ነተን ዘይተን ወዲአን፡ ዕሽነት ዚመልኦ ህይወት ዝመረጻ፡ ክሳብ ሎሚ ዕለት ኣብ ሲኦል ዚሳቀያ ዘለዋ ሓሙሽተ ዓያሹ ደናግልን ካልኦትን ከይንመስል ርእስና ንሓሉ (ራእ3፡15-16 ፣ ማቴ25፡3 ፣ እብ12፡15 ፣ ኢሳ58፡2)። ከም’ቲ ቃሉ ዚብለና፡ ዘለናዮ ቅንያትን ዘመንን እናመርመርና፡ ብጥንቃቐ፡ ብርዝነት፡ ብመንፈሳዊ ልቦና፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ከምኡ’ውን ብትዕግስቲ፡ ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ቅዱስ ለባማት ንኹን (ኤፌ5፡15 ፣ምሳ14፡18 ፣ 1ጴጥ1፡22-23 ፣ እዮ2፡10)። ነቲ ቃሉ ዝብለና ምስ እነቅልብ ጥራይ ኢና ብልህነትና ስጋዊ ድዩ ወይ መንፈሳዊ ዝርድኣና። እዚ ምግላጽ’ዚ ኣብ መንፈሳዊ ኣእምሮና ምስ ኣተወ፡ ንህይወትና ወርትግ ኣብ’ቲ ናቱ መገዲ፡ ፍቓድ፡ ህላውነትን በረኽትን ክንረኽባ ኢና። ደው ኢልናሉ ዘለና ቦታን ሃይማኖትን ብርግጽ ክንፈልጦ ኢና (1ዜና16፡27 ፣ ነህ9፡3 ፣ መዝ103፡22 ፣ ኢሳ60፡13 ፣ ግብ7፡7)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
30 ነሓሰ 2026 | ነሓሰ 24, 2018 ግዕዝ (መበል 51 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፵፬(፻፵፭)፡ ፲፭,፲፮ "ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ። ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ።" ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፱-፲ "ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ።ወለዕጕለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ።ኢይፈቅድ ኃይለ ፈረስ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 2ቈረ 8፡1-15 |
ዲያቆን |
|
| ያእ 1፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 22፡6-22 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ሉቃ 12፡13-26 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘኤጲፋንዮስ | መዝሙር፦ ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ