በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን።
“ድምጺ ደም ኃውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።” ዘፍጥረት 4:10
መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ 6ይ ፓትርያርክ።
ከም ዝፍለጥ፥ መንግሥትን ጳጳሳትን ተኃባቢሮም፥ ባዕላቶም ከሰስቲ፥ ባዕላቶም ፈረድቲ፥ ብምዃን፥ ንሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ፥ ኣብ ዘይፈጸምዎ ገበንን ዘይወዓልዎ ክሕደትን ኣነዊሮም፥ 17 ዓመታት ኣብ ቤት ኣሲሮም ከብቅዑ፥ እቲ ዝመረረ ድማ ኣብ ጊዜ ሞቶም፥ “ኣብ ወልድ ዋሕድ እምነት የለዉን” ብዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ ወጊዞምን ብማእሰርቲ ኣማሲኖምን፥ ብእሱሮም ብሰማዕትነት ካብ እዛ ዓለም ናብ ሰማያዊ ኣቦኦም ተኣርኒቦም ኣለዉ።
እዚ ገበንን ድፍረትን እዚ ዘየጣዓሶም ከሰስትን ፈረድትን፥ ብዝገበርዎ ገበን፥ ውግዘትን ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ርእሲኦም ተነቢሩ እንከሎ፥ ብድፍረት ንኣቡነ ድዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ፥ ንኣቡነ ቄርሎስ፥ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኢሎም ምሥያሞም ዝዝከር እዩ። ውጽኢት ናይዚ ድማ፥ ሕዝብና፥ ተሰካሚ እዚ ሕርሚ ውግዘት ክኸውን ተፈሪድዎ፥ ኣብ መሪር ምፍልላይን ስቓይን ስደትን፥ ይርከብ። ኣህጉረ ስብከታትና፥ ድሕሪ ሞት ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስን፥ ኣቡነ ቄርሎስን፥ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብሰላማውን ቀኖናውን መንገዲ ክፍታሕ፥ ቅዱስ እንጦንዮስ ቅድስናኦም ክኽበረሎም፥ ኣብ ርእሲኦም ዝተነብረ ዘይሕጋዊ ውግዘት “ኣብ ወልድ ዋሕድ ዚብል እምነት የለውን” ዚብል ናይ ጠቐነን ጸለመን ስም ተላዒሉ፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወገዝዎ ካብ ዝባንና ክወርድን፥ ፍጹም ዕርቅን ምርድዳእን ተገይሩ፥ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ መጓሰን፥ ብሓደ ኣቦን ክትምራሕ፥ ብብዙኅ መንገድታት ክጽዕርን ክሓትትን ጸኒሑ እዩ። መንጎኛታት ኣኃት አብያተ ክርስቲያናት ከይተረፉ ብምልኣኽ ፈቲንናን ጽዒርናን ኢና።
እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ብዘለዉ ኣቦታት ጳጳሳት ንመጸዋዕታናን ሕቶናን ነጺገምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ብግበር ኣይትግበር ትእዛዝ መንግሥታዊ ኃይሊ እምበር፥ ብነፃነት ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ኪፍጽሙ ስለዘይተብዑ፡ ዝበዝኀ ሕዝብና ካብኦም ዝጽበዮ መልእኽቲ ዕርቂ ጎስዮም፡ ብኣንጻሩ “ኢትትናገሩ ነገረ ጽሩዐ ኢለሰማዒሁ ወኢለነባቢሁ” (ንሰማዒኡ ይኹን ንተዛራቢኡ፥ ዘይጥዑም ጽዩፍ ቃል ኣይትዛረቡ።) ከም ዝተባህለ፥ መንካዕ፥ መናፍቓን፥ ተሓድሶ ወዘተ ዚብሉ ኣጸለምቲ ፖለቲካውያን ዝጥቀሙሎም ቃላት ብምጥቃም፥ ጸዋዒትና ዕሽሽ ክብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ሕጂውን ድምጺ ደም ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ፡ ድምጺ ብዙሓት ንኣምላኾምን ሕልናኦምን ኪብሉ መከራ ዝጸግቡ ዘሎዉ ግፉዓት፡ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ እናጠርዐ፥ ኣብ ክንዲ ፍትሓት ምርካብን፥ ንዕርቅን ሰላምን ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ምሕሳብን፥ ዳግማይ ጌጋ ንምፍጻም፥ 6ይ ፓትርያርክ ንምሻም ኣብ ምሽብሻብ ምህላዎም ይገልጹ ኣለዉ።
ስለዚ ድማ ኣህጉረ ስብከታትና፥ እዚ ዚስዕብ ናይ ኃባር መግለጽን ውሳኔን ከውጽእ ተገዲዱ ኣሎ።
1. መርገምን ውግዘትን ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ተነቢሩ እናሃለወ፥ ዝካየድ ዘይቀኖናዊ ምርጫ ፓትርያርክ፥ ኣትሪርና ንኹንኖን ንቃወሞን ኣሎና።
2. ቤተ ክርስቲያን ሓንትን ኣጽናፋዊትን ብምዃና፥ ብሓደ ሲኖዶስን ብሓደ ኣቦን ክትምራሕ፥ ዝግብኣ፥ ሓድነትን ሰላምን ዘየምጽእ፥ ኣብ ቅርሕንትን መርገምን ምፍልላይን ዝተመሥረተ ከቢድ ውግዘት ኣብ ርእሲኡ ተነቢሩ እናሃለወ ዚምረጽ ፓትርያርክ፥ ኣብ ሕዝቢ መርገም እምበር በረኸት ከምጽእ ስለ ዘይክእል፥ ቅድም፥ ጉዳይ ውግዘት ቅዱስ ሰማዕት እንበለ ደም ክለዓል፥ ዕርቂ ኪግበር፡ ብሓድነትን ኅብረትን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝተመርጸ ኣቦ ክኸውን ጸዋዒትና ነቕርብ።
3. አብ ኩለን ገዳማት እትርከቡ አቦታት መነኮሳት፡ ኩሉ ውሉደ ክህነት ኣብ መላእ ዓለም፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ስደት ዝርከብ፥ ሕዝብና ኣብ ምፍልላይ ክነብር ዝገብር፡ ንስደትና ዘንውሕን፥ ምፍልላይና ዘጋፍሕን፥ ሓደገኛ ጉዕዞ ደው ክብል ጸዋዒት ክገብር ነመሓላልፍ።
4. ምእመናንን ምእመናትን፥ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ኩሉን ሓቛፊት ኩሉን እያ፥ እታ ብኣርብዓን ሰማንያን ዝተወለድኩሙላ፥ ቤተ ክርስቲያን ሰላማን ሓድነታን ናይ ምሕላው ኃላፍነት ኣሎኩም፥ ዓገብ ክትብሉን ግቡእኩም ክትፍጽሙን ጸዋዒትና ነቕርብ።
5. ቤተ ክርስቲያንና ሉዓላዊትን ርእሰ-ምሕደራ (autocephaly) ዘለዋ ኣካል እያ። ስለዚ ኩሉ
ምትእትታው መንግሥትን ፖለቲከኛታትን አብ ቤተ ክርስቲያንና ዘስዓቦ ቅልውላውን ሕጊ-አልቦነትን ንኹሉ ግልጺ ስለዝኾነ፡ ደው ክብል፥ ኢዶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ከውጽኡ፥ ኩሉ ኃቢሩ ዓገብ ክብል ጸዋዒትና ነቕርብ።
6.ኣብዚ ደቅና፥ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደትን ስቓይን ምቅትታልን ዝጠፍኡሉ ዘለዉ እዋን፥ ቤተ ክርስቲያን ጽላል ኮይና፡ ብሓደ ልብን ብሓደ መንፈስን፥ ብጸሎት፥ ብሞራልን ሕልናን አብ ክንዲ ደቃ ትጓሲ፥ እንደገና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈላላዪ ጉዳይ ምውዳቕና፥ ኣዚና ንሓዝንን ንጉህን።
7. ንመላእ ምእመናንና ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ፥ ካብዚ መርገምን ውግዘትን፥ ናፃ ኰይንና፥ ኣገልግሎትናን ጉስነትናን ብዘለዉና ኣቦታትና ጳጳሳት እናተመራሕና፥ ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንቡሩ ክምለስ እናጸለና ብትግሃት ኣገልግሎትናን መንፈሳዊ ተጋድሎናን ቀጻሊ ምዃኑ ብመንፈሳዊ ትሕትና ነፍልጥ።
8. በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ መላእ ዓለም፥ ኣብ መንጎ ደቅና ዝኸይድ ዘሎ ጽልኣዊ ምፍልላይን ምብትታንን፥ ካብኡ ሓሊፉ ድማ አብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፥ ዝፈጸም ዘሎ ተደጋጋሚ ግፍዓዊ ቅትለት (ብብዝኂ (ደቂ ኣንስትዮ፥) ዓገብ ንብል። ዝኾነ ምፍልላይ ድማ ብምርድዳእን ብልቦናን ክፍታሕ ንጽውዕ። ከም ቤተ ክርስቲያን ግዴና ክንገብር ምዃንናውን ነፍልጥ።
9. ምእንቲ ሰላም ዓለምን፥ ልዕሊ ኩሉ ድማ ከም ሽንፋእ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርዮም ዘለዉ ደቅና፥ ሰላምን ርግኣትን ኣኣብ ዘለውዎ ክህቦምን፥ ስደቶም ኣሕጺሩ ብሰላም ኣብታ ዕትብቶም ዝተቐብረላ ሃገር፡ ሕጊ፡ ሥርዓት፡ ፍትሕን ርትዕን ነጊሱ ብስኒት ዝነብርሉ ዘመን ኪመጽእ፡ ጸሎት ኩሉ ክኸውን ብኣኽብሮት ንጽውዕ።
እግዚአብሔር ሰላሙን ረድኤቱን የውርደልና።
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ።
ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን።
ንኡስ ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን።
ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ
ጥቅምቲ ፴ /፳፻፲፯ ዓመተ ምሕረት (November 9, 2024)
ቅዳሕ-
ንገዳማት ኤርትራ
ንኣኃት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ