S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረናበሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 111-2)

ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረናበሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 111-2)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ  ጀርመን መበል 11 - ክፋል

ነቶም ካህን ንቀሲስ-ጴጥሮስ ረኺበ ከዘራርቦም ስለ-ዝደለኹ፥ መንገደይ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣቕኒዐ ዝኸድኩ። ይኹን እምበር ኣበይ ከም-ዘለዉ ብትኽክል ክሕብረኒ ዝኽእል ሰብ ስለ-ዝሰኣንኩ ተሸገርኩ። እቶም ሰባት ዝተፈላለየን ዘይራኸብን ሓበሬታ ይህቡ ስለ-ዝነበሩ፥ ከመይን እንታይን ክገብር ከም-ዘሎኒ ኣነውን ተጸገምኩ። ከመይሲ ገሊኦም ኣብ ዕረፍቲዮም ዘለዉ ክብሉ ከለዉ፥ ካልኦት ድማ ሓሚሞም ደቂሶምዮም ዘለዉ ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ነናቶም ምኽንያት ዘምጽኡውን ነይሮምዮም።

ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሰሜን ካሮላይና ዝኾነት ከተማ ራሊይ (Raleigh) ብስም ታቦት መድኃኔ-ዓለም ዝፍለጥ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዕለት 17 የካቲት 2019 . ( የካቲት ፳፻፲፩ ..) ብቦኽሪ ጸሎተ-ቅዳሴ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ብወግዒ ጀሚሩ። እዚ ብውሑዳት መንፈሳዊ ቅንእን ራእይን ዝሓደሮም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተበግሰ ምኽፋት ናይ ባዕልና ቤት እግዚኣብሔር ዝብል ክቡር ሓሳብ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኣክል ብዘይ መራሒ ካህን ንሕድሕዶም ብተስፋ ክተኣኻኸቡን ኣገደስቲ መደባት ከጻፍፉን ጸኒሖም እዮም ኣብዚ በጺሖም።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-

28 ታሕሳስ 2012 ግእዝ (7 ጥሪ 2020 ዓ. ም) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት' ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትይኹን (ሉቃ. 214) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።

 መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። . . . ‘(ስለ`) ናብ ቀራና መገድታት (Cross roads) ኪዱ`ሞ፡ ንዝረኸብኩምዎ (ዅሉ) ናብ መርዓ ጸውዑበሎም። እቶም ባሮት ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዅሉ፡ ንሕሱማትን፡ ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልአ። እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርእይ ናብ` ዳስ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረኣየ` ኣታ  ዓርከይ፡ ክዳን መርዓ ኸይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብ` ኣተኻ፧በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ` ንጉስ ንገላዉኡ፡ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽንያት ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ጽውዓትሲ ብዙሓት`ዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት`ዮም በሎም” ማቴ 222,9,14

ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታትውን፥ ኣብዚ እዋን ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥  ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚዩ።

ጾመ ኣርብዓ: ካብ የካቲት 12 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2018እግዚኣብሔር ንበረኸትን ንምሕረትን ዝኸውን ጾም ይግበረልና።

ጾም ማለት ንነፍስኻ ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ገቲእካ፣ ምስ እግዚኣብሄር እትራኸበሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣

ናብ ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንየካቲት (February 2, 2019) ናይ ኣዴና . ድንግል ማርያም ዕረፍታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ምኳኑ ክንገለጽ ንፈቱ።ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተኻፈልቲ በረኸታ ክትኮኑን።

ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም ብኣማላድነት . ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን።

መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝተፈጸመ ዘይመንፈሳዊ ተግባር፥ ባእስን ምትህርራምን ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሕዘነ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div