S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብተስፋ ተኣሰሩ፧ ቊ.21 (7 ታሕሳስ 2025 ፈ | ሕዳር 28, 2018 ግዕዝ)

"ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸብበናን’ዩ፡ ’ንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይጠፍእን ኢና።" 

2ቈረ 4፡8,9 (ዘካ 9፡12)

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተምህሮን ካልኣይ ሰንበት ናብ ዘመነ ነብያትን’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ መፃጕዕ (ዘመነ ቀንዲል)" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ ዝተሰምየሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብዛዕባ ፈዋስነት ናይ ጐይታ ንኸነስተንትንን ንኸነመስግንን ዝተሰርዓልና ጊዜ ስለ ዝዀነ’ዩ። ብ"መፃጕዕ" ዚስመያ፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ ሰናብትን ሰሙናትን’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ናይ ዘመነ ነብያት ሰሙን ክትከውን ከላ፡ ብዛዕባ ፍወሳ ናይ’ቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይን ንሱ ዘስዓቦ ኽርክር ኣይሁድን ’ንምሃረላ’ያ። እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ ኣብ ራብዓይ ሰንበትን ሰሙንን ናይ ዓብዪ ጾም (ጾመ’ርብዓ) ዝተሰርዐት፡ ብዛዕባ ፍወሳ ናይ’ቲ 38 ዓመታት ምሉእ ዝመጽጕዐ ሰብኣይ ’ንምሃረላ’ያ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ንዝተገብረ ዅሉ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣብ ሓደ ረፍዲ ኸነንብቦ ስለ ዘይንኽእል ደኣ ሓደ ወካሊ ንባብ ተመሪጹልና’ምበር፡ እቲ ቐንዲ ኽንምሃሮን ከነስተንትነሉን ዚድለይ ዘሎ ኣርእስትስ፡ ፈዋስነት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። 

ማእለያ ዘይብሉ ሕማማት ኣብ ዝመልኣ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ፈውስን ፈዋስነትን ንኣና ንደቂ ኣዳም ኣዝዩ ዜገድሰና ኣርእስቲ’ዩ። ናይ እግዚአብሔር ፈዋስነት፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዝተጋህደ መለኮታዊ ባህርይ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝተራእየ ግና፡ እቲ "ኢየሱስ፡ ኣማኑኤል" ዝተሰምየ እግዚአብሔር ወልድ፡ ስጋና ለቢሱ ኸማና ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ’ዩ። ንርእሱ’ቲ "ኢየሱስ" ዚብል ስም’ውን "መድሓኒ፡ ፈዋሲ" ማለት’ዩ። ፈዋስነቱ ድማ፡ ንሕማም-ስጋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሓጢኣት ነቲ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕብ ሕማም ነፍሲ’ውን ዚምልከት’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና እንተ ዘየለ’ኳ፡ እቲ ፈዋስነቱ ግና፡ ብምሥጢረ ቀንዲል ገና ኣብ ማእከልና ኣሎ። እቲ ፈዋሲ ስሙ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ገና ይሰርሕ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ዘመነ መፃጕዕ” ማለት፡ “ዘመነ ቀንዲል” ማለት’ዩ። እምበኣር እዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ፈዋስነትን ብዛዕባ ምሥጢረ ቀንዲልን ብስፍሓት ’ንምሃረሉን ነቲ መሓሪ ኣምላኽ ’ነመስግነሉን ቅንያት’ዩ።

ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "ይቤሉ እስራኤል" ዘርእስቱ’ዩ። ነቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሠረት ብምግባር ዝደረሶ መዝሙር’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “እስራኤል፡ "ብዕዉሩ ዝተወልደ’ሞ ብሰንበት ኣዒንቱ ዝተኸፍታ ሰብ ከም ዘሎ ኣይርኣናን ኣይሰማዕናን" ይብሉ። ንሱ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ ከም’ዚ ኣይምገበረን ነይሩ። (ንሳቶም) "ብዛዕባ’ቲ ዘሕወየካ እንታይ ትብል፧" በልዎ። (ንሱ ኸኣ) "እቲ ዘሕወየኒ፡ ካብ’ዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ ኣይትንገር" (በለኒ በሎም)።

ብሰንበት ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ ጸብሪ ገበረ’ሞ፡ ዕዉር ኣሕወየ፡ ሃሌ ሉያ፡ ሃሌ ሉያ፡ ሃሌ ሉያ!! ሎሚ ፀሓይ ጽድቂ በሪቓትሎም’ያ’ሞ፡ ጻድቃን ብብዙኅ ሰላም ይተሓጐሱ።”

ማለት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ 2ቈረ 4፡1-12 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።

ተስፋን ማእሰርትን እንታይ ኣራኸቦ፡ ተስፋኸ ብኸመይ’ዩ ዚኣስር ምስ ምንታይን ብዛዕባ እንታይን’ዩኸ ዚኣስረና፧ ረብሓ ዘለዎ ማእሰርቲ ድዩኸ፧ "ማእሰርቲ" ዚብል ቃል፡ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዘይምሹእ ናይ ስግኣት ስምዒት ዚፈጥር ቃል ምዃኑ ዘይክሓድ ሓቂ’ዩ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ ግን፡ ምስ’ቲ ዅሉ ሰብ ኵሉ ጊዜ ኺሰምዖ ዚደልይ "ተስፋ" ዚብል ሰናይ ቃል ተዛሚዱ ስለ ዝመጸ፡ ጽቡቕን ኣርባሕን ማእሰርቲ ምዃኑ ድማ ኪስወረና ኣይክእልን’ዩ። ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ህይወትና፡ "ምእሳር" ንረብሓና ኢልና ’ነዘውትረሉ ብዙሕ ንጥፈታት ኣሎ። ከይጠፍእ ዜስግኣና እንስሳና ኣሲርና ንሕልዎ። ከይወድቕ ’ንፈርሆ ንብረትና፡ ኣብ መጽዓኛ ይኹን ኣብ ካልእ፡ ጽቡቕ ጌርና ጠሚርና ንኣስሮ። ብመኪና ዀነ ብነፋሪት ክንጐዓዝ ከለና፡ ንድሕነትና ኽንብል ብመቐነት (Safety belt) ርእስና ንኣስር ኢና። እምበኣር ተስፋ’ውን፡ ንመንፈሳዊ ድሕነትና ኣዝያ ኣገዳሲት መቐነት’ያ። ኣብ ጒዕዞ ህይወት፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዜጋጥመና ዜናውጽ ማዕበላት ማእለያ የብሉን። ገሊኡ መንፈሳዊ፡ ገሊኡ ኸኣ ስጋዊ’ዩ። ገሊኡ ምድራዊ፡ ገሊኡ ድማ ሰማያዊ ጒዳያት’ዩ። ዝደለዮ ዓይነት ማዕበል ይኹን፡ ብዘይ ተስፋ ኺስገር ዚኽእል ዋላ ሓንቲ’ኳ የለን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ "ተስፋ የለን" ማለት፡ "ህይወት ኣብቂዑ" ማለት’ዩ። ከም ኵሉ ሰብ ብህይወት ምንባር ኣዝዩ ዜድልዮምን ዜገድሶምን ክነሶም፡ ብኣሰቃቒ ኣገባብ ብገዛእ ኣእዳዎም ህይወቶም ዜጥፍኡ ሰባት’ኮ፡ እታ ምስ ህይወት ጠሚራን ኣሲራን ከተንብሮም ’ትኽእል ተስፋ ስለ ዝሰኣኑ፡ ዚወስድዎ ተካል ምርጫ’ዩ። "ኣጆኻ ኪሓልፍ’ዩ። ዝበለጸ መዓልታት ይጽበየካ’ሎ" ዚብል ናይ ተስፋ ድምጺ እንተ ዚሰምዑ፡ ነታ ዜፍቅርዋ ህይወቶም ምነሓፍዋ ነይሮም። ብዘይ ቃል ዓለም ብዘይ ተስፋ፡ ህይወት መርገም’ምበር፡ በረኸት ኣይኰነትን። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ካብ’ቲ መንፈስ ቅዱስ ብባርያኡ ብነብዪ ዘካርያስ ዝተዛረቦ፦

"ኣቱም ብተስፋ ዝተኣሰርኩም፡ ናብ’ቲ (ዕርድኹም) ተመለሱ፡ ኣነ (በረኸትኪ) ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ ሎሚ’ውን እነግረኪ ኣለኹ። . . . ንኣኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ፡ ነቶም እሱራትኪ ኻብ’ቲ ማይ ዘይብሉ ጒድጓድ ከውጽኦም’የ።" ዚብል ቃል ዝተወስደ’ዩ (ዘካ 9፡11,12)። እዚ ንቤት እስራኤል ተዋሂቡ ዘሎ ድርብ ተስፋ፡ ምስ’ቲ ወሃብ ተስፋ ዝዀነ ኣምላኽ ኣጽኒዑ ዚኣስር፡ ግሩም ተስፋ’ዩ። ኵሉ ተስፋ ድማ ምስ ኣምላኽ’ዩ ዚኣስረና። ናይ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዜጋጥም ዜናውጽ ማዕበላት ዕላማ፡ ካብ ኣምላኽ ኬርሕቐናን ኬዀብልለናን’ዩ። 

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ንተስፋ ኣመልኪቱ ኻብ ዝተጻሕፈ ጥቕስታት፡ ብዝበለጸ ዜረድኣናን ዜርግኣናን ጥቕሲ፡ እቲ ኣብ እብ6፡8-20 ዘሎ ንተስፋ ምስ መልሕቕ ናይ መርከብ ኣዛሚዱ ዚገልጽ ሃዋርያዊ ቓል’ዩ። ህይወት ሰብ ኣብ ምድርን፡ ህይወት መርከብ ኣብ ባሕርን፡ ፈላሊኻ ኽትርእዮ ኽሳዕ ዜጸግም፡ ኣዝዩ ተመሳሳሊ’ዩ። እቲ ቐጢን ማያት ባሕርን ውቅያኖስን ኪሕቈንን ኪገላበጥን ምስ ጀመረ፡ መርከብን መርከበኛታትን ምስናይ ተጓዓዝቶም ዚረኽብዎ መከራ፡ "ዝወዓለ ይንገርካ" ኢልካ ኺሕለፍ ጥራሕ’ዩ ዚሓይሽ። ገሌና ብዝረኣናዮ ተንቀሳቓሲ ፊልምታት ገለ ኣምር ይህልወና ይኸውን። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝሰፈረ ናይ ማዕበል ትረኻታትሲ፡ መዓስ ቀሊል ኰይኑ። መልሕቕ፡ ረጊኣ ደው ክትብል ኣብ ዝደለየት ኰነ ብማዕበል ኣብ ትጭነቕ መርከብ ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ዕዙዝ’ዩ። ተስፋ ኣብ ህይወት ሰብ ዘለዎ ግደ ድማ፡ ካብ’ቲ መልሕቅ ኣብ መርከብ ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ዝዓዘዘ’ዩ።

ምስ’ዚ ዘለናዮ ናይ ዘመነ-መጻጕዕ ንኡስ ዘመን እዚ ኣርእስትና ዘለዎ ኣገዳስነትከ ብኸመይ’ዩ ዚግለጽ፧ ኣብ ገዛእ ርእስና ኻብ ዝተመኮርናዮ ዀነ ኣብ ካልኦት ሰባት ካብ ዝተገንዘብናዮ ትዕዝብቲ ኸም ’ንርድኦ፡ ንህይወት ወዲ ሰብ ካብ ዜጨንቑ ሕሱማት ማዕበላት ሓደ፡ ሕማም’ዩ። ዜውርዶ ስቓይን ዚፈጥሮ ማሕበረ-ቝጠባውን ማሕበረ-ልቦናውን ጸቕጢ (ወይ ነውጺ) ቐሊል ኣይኰነን። ሞት ኬስዕብ ዚኽእል ምዃኑ’ውን ነቲ ማዕበላዊ ነውጹ ብዝኸፍአ ዜጋድዶ’ዩ። ነዚ ዜናውጽ ማዕበል’ዚ ብዓወት ክንሰግሮ ዜኽእለና ዓብይ መንፈሳዊ ሓይሊ ድማ፡ ተስፋ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመና ሕማም ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ተስፋ እንተ ዘይገበርና፡ ብቐሊሉ ኺሓውይ ብዚኽእል ሕማም ነዊሕ ክንሳቐይን ክንመውትን’ውን ንኽእል ኢና። ተስፋና ኣብ’ቶም ዚሕክሙናን ዚኣልዩናን ሰባት ጥራሕ እንተ ገበርና ግን፡ ዋላ ኻብ’ቲ ኣካላዊ ሕማም ብቐሊሉን ቀልጢፍናን እንተ ሓወና’ኳ፡ ካልእ ዝኸፍአ መንፈሳዊ ሕማም ኣጥሪና ኸም ዘለና ግን ክንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ። ትውክልትኻን ተስፋኻን ኣብ ሰብ ምግባር፡ ውሉድ መርገም ዚገብር ዓሻ ምርጫ’ዩ። ስለ’ዚ ብኽብደት ሕማም ኣብ ’ንናወጸሉ እዋን፡ ኣብ ኣምላኽ ነቕ ዘይብል ጽኑዕን ምሉእን ተስፋ ኽንገብር’ዩ ዚግባእ።

ሕማም፡ ማዕረ ኽንደይ ንሰብ ከም ዜናውጾ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኸም’ኒ ኣቦና እዮብ፡ ንጉስ ህዝቅያስ፡ ንጉስ ኣሳ ዝኣመሰሉ ሓያሎ ኣብነታት ኣለዉና። ሕማም፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኣካላትካ ዜውርዶ ስቓይ፡ ኣብ ልብኻን ሕልናኻን መንፈስካን ዜውርዶ ነውጺ ኸቢድ’ዩ። ፍርሃት፡ ጭንቀት፡ ቅብጸት ተስፋ፡ ትዕግስቲ ኣልቦነት፡ ጓሂ፡ ምስትምሳል ወዘተ፡ ሕማም ኣብ ውሽጥና ዚፈርዮም ሓጥእ ስምዒታት’ዮም። ነዚ ናይ ሕማም ፍረ’ዚ ኼርሕቖ ዚኽእል፡ እቲ ብጽኑዕ ተስፋ ንነፍሱ ዘለምለመ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ንጉስ ህዝቅያስ ኪመውት ምዃኑን ብዛዕባ ሓዳሩን መንግስቱን ኪላበውን ምስ ተነግሮ፡ ኣዝዩ ሰንበደ። እንተ ዀነ ተስፋኡ ኣብ ኣምላኽ ዝገበረ ለባምን ብልህን ሰብ ስለ ዝነበረ። ብመሪር ብኽያት ዝተሰነየ ጸሎት ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ከኣ ጸሎቱ ሰሚዑን ንብዓቱ ርእዩን 15 ዓመታት ወሰኸሉ። ኣብ ኢሳ 38፡1-20፡ ነቲ ኣብ ጊዜ ሕማም ዝተሰምዖ ነውጽን ድሕሪ ምሕዋዩ ዘቕረቦ ምስጋናን ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ፈራህ ኣምላኽ ዝነበረ ንጉስ ኣሳ ኸቢድ ናይ እግሪ ሕማም ምስ ሓዞ ግን፡ ተስፋኡ ኣብ ኣምላኽ ገይሩ ብጸሎት ኣብ ክንዲ ዚጋደል፡ ተስፋኡን ትውክልቱን ኣብ ሓኻይም ገይሩ ብመሪር ስቓይ ሞተ (2ዜና16፡11-14)። ኣቦና እዮብ ብኸቢድን ዜፈንፍንን ሕማም ንነዊሕ ዓመታት ዝተሳቐየ’ዩ። ንውሓትን ክብደትን ናይ ሕማሙ ንተስፋኡ ማዕረ ኽንደይ ከም ዝተፈታተኖ ደጋጊሙ ተኣሚኑ ኣሎ (እዮ 6፡8,9፣7፡6,11-16፣9፡25፣10፡1-7 ፣ 7፡1,15,16 ፣ 19፡10 ፣ 30፡16)። ይኹን ድኣ’ምበር፡ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ተስፋ፡ ኣብ ልቡ ኣዕሚቑ ዝሰረተ ነበረ። እቶም ኣዕሩኹ ዘይጠቕሙ መጸናናዕቲ ዀይኖም ኣዝዩ ኺምረርን ኣፉ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዚኸፍትን እንተ ገበርዎ’ኳ፡ ነቲ ናይ ተስፋ መሰረቱ ኺንቕንቕዎ ግን ኣይከኣሉን። ብዛዕባ’ቲ ስቓዩን ብዛዕባ በደል ብጾቱን ብምርረት ኪዛረብ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ተስፋ፦

"ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ (ኣምላኽ) ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም’ዩ። እቲ ቘርበተይ ምስ ጠፍአ ድማ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ’የ። ኣነ ባዕለይ ክርእዮ’የ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ፡ ካልእ ኣይኰነን።"

ብምባል ብኣጽንዖት ገሊጽዎ ኣሎ (እዮ 9፡25-27)። ስለ’ዚ ነቲ ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ዚገጥመና ናይ ጥዕና ግድላት፡ በቲ ናይ ኣምላኽ ተስፋ ጥራሕ ኢና ኽንስዕሮ ’ንኽእል። ናይ እምነት መሰረት፡ ተስፋ’ያ። ተስፋና እንተ ማህሚና፡ እምነትና ኽትደክምን ክትጠፍእን’ያ። ብዘይ እምነት ድማ ንኣምላኽ ከነስምዖን ከነስምሮን ኣይክኣልን’ዩ (እብ 11፡6)።

ክሳዕ መዓስ ኢና ተስፋ ኽንገብር ዚግብኣና፧ "ካብ’ዚ ንደሓር ተስፋ ምግባር ኣይክኣልን ወይ ኣየድልን’ዩ" ዚብሃለሉ ደረት ኣለዎ ድዩ፧ ንተስፋ፡ ደረት የብላን። "ንተስፋ ደረት ኣለዋ" እንተ ኢልና፡ "ንናይ እግዚኣብሄር ከኣልነት ደረት ኣለዎ" ንብል ኣለና ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ተስፋ ’ንገብረሉ፡ ኣምላኽ’ዩ። "ተስፋ ቐቢጸ" ምባል፡ "ንኣምላኽ ቀቢጸዮ" ማለት’ዩ። ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ዝኸበደ ሓጢኣት ከኣ፡ ንኣምላኽ ምቕባጽ’ዩ። ናብ ናይ ኣምላኽ መንነት ዘድሃበ፡ ናይ ድፍረት ሓጢኣት ድማ’ዩ። ዋላ ተስፋና ኸይተፈጸመ እንተ ዚተርፍ’ኳ፡ ኣምላኽ ኪቕበጽ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ፍቓዱ ስለ ዘይኰነ ደኣ’ምበር፡ ምኽኣል ስለ ዝሰኣነ ወይ እምብዛ ስለ ዝጨከነ ኣይኰነን። በዚ ጸጋ’ዚ ኻብ ዝተመስከረሎም ቅዱሳን ሓደ፡ ኣቦና ኣብርሃም’ዩ። እቲ ዝተዋህቦ ተስፋ ድማ፡ ውሉድ ናይ ምርካብ ተስፋ’ዩ። እዚ ተስፋ’ዚ ኺውሃቦ ኸሎ፡ ንሱ ወዲ 75 ዓመት፡ ሳራ ድማ ጓል 65 ዓመት ሸማግለታት’ዮም ዝነበሩ። ገና እቲ ተስፋ እናተዋህቦም ከሎ’ኳ፡ ተስፋ ኣብ ዚህብ ዕድመ ኣይነበሩን። ተስፋኦም ከይተፈጸመ በብዓመቱ እናደንጐየ ብዝኸደ መጠን፡ ተስፋኦም እናማህመነ ኪኸይድ ድማ ጽቡይ’ዩ። ኣብ መንጎ’ውን ናይ ቅብጸት ምልክታት ይርኣዮም ነይሩ’ዩ (ዘፍ 15፡2,3 ፣ 17፡17 ፣ 18፡11-13)። እዚ ናይ ድኻም ስጋ ላዕላዊ በጨቕታታት ግን፡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ጽኑዕ ተስፋ ዚውክል ኣይነበረን። ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ጳውሎስ ባርያኡ ገይሩ ኣረጋጊጽዎ’ዩ። 

"ከም’ቲ ዘርእኻ ከምኡ ኪኸውን’ዩ" ዚብል (ተስፋ) ዝተነግሮ፡ ኣብርሃም ኣብ’ቲ ተስፋ ዘይብሉ (ዅነታት)፡ ተስፋ ብምግባር፡ ኣቦ ብዙሓት ከም ዚኸውን ኣመነ። ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት (ኰይኑ) ስለ ዝነበረ፡ ኪወልድ ከም ዘይክእልን ማህጸን ሳራ’ውን ከም ዝሞተን እናረኣየ’ኳ እምነቱ ኣይደኸመን። ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንኣምላኽ ክብሪ ሃበ’ምበር፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን። ኣምላኽ ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለ’ዚ ድማ፡ እምነቱ ንጽድቂ ተቘጽረሉ።" ሮሜ 4፡18-22 ካ.ት

ተስፋ ዘለዎ ዅነታት እናረኣኻ ተስፋ ምግባር’ሞ፡ ዅሉ ሰብ ዋላ’ቲ ብኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ’ውን ይኽእሎ’ዩ። ጓል 20 ዓመት ጐርዞ እናረኣኻ፡ "እዚኣ ናይ ምውላድ ተስፋ ኣለዋ" ኢልካ ምትስፋው፡ ተስፈኛ ኣየስምየካን’ዩ። ኣሽንኳይ ንጓል 90 ዓመት፡ ናብ 50 ዓመት ንዝተጸጋግዐት ሰበይቲ፡ "ክትውልድ ትኽእል’ያ" ኢልካ ተስፋ ምግባር ግን፡ ሓቀኛ ትስፉውነት’ዩ። ጸሎሎ ዚመስል ደበና ኣብ ልዕለኻ ተንጠልጢሉ ኺነጕድ እናሰማዕካ፡ በርቂ ብዜሰንብድ ድምጺ ኺበርቕ እናረኣኻ ምትስፋው ዘይኰነስ፡ ደበና ይኹን ጥሉል ንፋስ ኣብ ዘይብሉ ወቕቲ፡ እግዚኣብሄር ንጸሎት ሰሚዑ ኸም ዜዘንም ተተስፊኻ ብእምነት ምምህላል ግን፡ ንኣምላኽ ዜኽብር ግብራዊ ተስፋ’ዩ።

ኣብ ዘመነ ሙሴ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል፡ ተስፋ ምግባርን እምነትን ዚብሃል ነገር ዘይፈልጥን ዘይርከቦን ህዝቢ ምንባሩ፡ ግሩም ገይሩ ተተሪኹልና ኣሎ። እታ ዝለዓለት ክእለቶም፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣምላኽን ምጕርምራም ጥራሕ’ያ። ኣብ ታሪኽ ዘይድገም ፍሉይ ተኣምራት እና’ርኣዮም’ኳ፡ እዚ ድኻሞም’ዚ ፈጺሙ ኺፍወስ ኣይከኣለን። ገለ ጸገም ብዘጋጠሞም መጠን፡ "ኣምላኽ ንኺቐትለና’ዩ ኻብ ግብጺ ዘውጻኣና" ዚብል ሓሳብ ጥራሕ የናውጾም ነበረ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ በጺሖም "በየን ኢና ኽንሓልፍ" እናበሉ ኸለዉ፡ እቲ ጨካን ፈርኦን ምስናይ ሰራዊቱ ናብኣቶም ገጹ ኺግስግስ ምስ ርኣይዎ፡ ነፍሶም ብጭንቀት ተናወጸት። ናይ ተስፋ ኣሰር’ኳ ኣብ ውሽጦም ስለ ዘይነበሮም ድማ እቲ ጭንቀቶም መግትኢ ወይ ደረት ዘይብሉ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። ተስፋ ዚህብ ኵነታት ኣይነበረን። እቲ ተስፈኛ ሙሴ ግን፡ ዓብይ ናይ እምነት ቃል ተዛሪቡ፡ ተስፋ ኺዘርኣሎም ተጋደለ። 

"ኣይትፍርሁ፡ ጽንዑ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ። እዞም ሎሚ ’ትርእይዎም (ዘለኹም) ግብጻውያን፡ ንዘለኣለም ኣይክትርእይዎምን ኢኹም። እግዚኣብሄር ኪዋግኣልኩም’ዩ’ሞ፡ ህድኡ።" ዘጸ 14፡13,14 ካ.ት

ተስፋ፡ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኣምላኽ ኪስረተሉ ዚግብኦ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። እግዚኣብሄር ብዘይ ዚርኣይ ሰራዊት ብኸመይ ኪዋጋእ ከም ዚኽእል ክንግምቶ’ውን ኣየድልይን’ዩ። ባሕሪ ሰንጢቑ፡ በዛ ተኣምር’ዚኣ ንእስራኤላውያን ኣድሒኑ፡ ንግብጻውያን ብኣኣ ኣጥፍኦም። ደም ዘይፈሰሶ ተኣምራዊ ውግእ ገበረ (ዘጸ 14፡15-31)። እስራኤላውያን ግን ዚርኣይ ተስፋ ስለ ዘይረኸቡ፡ ብእግዚኣብሄር ኪትስፈዉን ኪኣምኑን ከበዶም።

ማርያምን ማርታን ኣብ ጐይታ ዝነበረን ተስፋ፡ ኣልኣዛር ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ጥራሕ ነበረ። ምስ ሞተ ግን፡ ተስፋአን’ውን ምስኡ ሞተ። ካብ ዚመውት ራብዕቲ ዝገበረ’ሞ ዝበስበሰ ሬሳ "ኪትንስእ ይኽእል’ዩ" ዚብል ተስፋ ኣይጸንሐንን። እቲ ኸኣል-ኵሉ ጐይታ "ኪትንስእ’ዩ" እናበለን’ኳ፡ ኪትስፈዋን ኪኣምናን ተሸግራ። ተስፋ ዚግበር በቲ ኸኣል-ኵሉ ጐይታ’ምበር፡ ብኽብደት ኵነታት ኪኸውን ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ ዚዓብዮን ዚኸብዶን ኵነታት የልቦን።

ኵነታት ከም’ዚ ገይሮም ኪገላብጡና ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም፡ ተስፋና ንኺጸንዕን ንኺዓዝዝን እንታይ ንግበር፧ ተስፋና ምስ ኣምላኽ ኣጥቢቑ ዚኣስረና ብኸመይ’ዩ፧ እቲ ዚገላብጠና ፈተናታት፡ ሓንቲ ዕላማ ጥራሕ’ያ ዘላቶ። ንሳ ኸኣ ነታ ተስፋና ምምንዛዕ’ዩ። እዛ ’ንዛረበላ ዘለና ተስፋ፡ ተራ ባህጊ ወይ ተራ ሃረርታ ኣይኰነትን። እምነት እትወልድ፡ መኣዝን ህይወትና ’ትመርሕን ’ተቕንዕን ተስፋ’ያ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኸም ዘሎ፡ እዛ ተስፋ’ዚኣ እተድሕን ተስፋ’ያ፡ ነፍሲ እተጽንዕ ጽንዕትን ድልድልትን ተስፋ’ያ (ሮሜ 8፡24 ፣ እብ 6፡19,20)። ቅዱስ ዮሃንስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ ድማ እተንጽህ ተስፋ’ያ (1ዮሃ 3፡3)። ብመሰረቱ’ውን ክርስትያን ምዃን ማለት፡ ነዛ ተስፋ’ዚኣ ንምርካብ ካብ ዓለማዊ ህይወት ሃዲምካ ምውጻእ ማለት’ዩ (እብ 6፡17,18)። እምበኣር ተስፋ ኣብ ምድራዊ ዀነ ኣብ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ዕዙዝ ግደ ኻብ ሃለዋ፡ ናይ ተስፋ ኣታሕዛና ኸነጸብቕ ናይ ግድን’ዩ። ናይ ብሉይ ኰነ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቅዱሳን’ውን ንኣኣ’ዮም ዝመዓዱና። እቲ ብተስፋ ዝተዓወተ ቕዱስ ዳዊት፦

"ብእግዚኣብሄር ተተስፈው፡ በርትዕ፡ ልብኻ ቀጥ ይበል፡ ኣጆኻ፡ እወ፡ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር። . . . ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ’ትገብሩ ዅሉኹም፡ በርትዑ፡ ልብኹም’ውን ይጽናዕ።"

ብምባል ምዒዱና ኣሎ (መዝ 27፡14 ፣ 31፡24)። ብዛዕባ ተስፋኡ ብርታዐን ጽንዓትን ዘይብሉ ልቢ፡ ይቕለል ይኽበድ፡ ዝመጸ ህቦብላን ንፋስን’ዩ ንተስፋኡ ዚምንጥሎ። ማዕበል ዘጨነቖም መርከበኛታትን ተጐዓዝትን፡ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም፡ ንዅሉ’ቲ ጽቡቕን ዜርብሖምን ንብረቶም እና’ልዓሉ ናብ’ቲ ባሕሪ’ዮም ዚድርብይዎ (ዮና 1፡5፣ ግብ 27፡15)። ኣብ ናይ ቀደም ታሪኽን ኣብ ናይ ሎሚ ዜናታትን ከም ’ንሰምዖ፡ ሰብ ኣልዒሎም ናብ’ቲ ባሕሪ ዚድርብዩ’ውን ኣለዉ። ቅብጸትን ጭንቀትን ኣዝዩ ሕሱም ሃለዋት’ዩ። ኣብ ጊዜ ፈተና ልቡ ኼህድእ ዘይከኣለ ክርስትያን ድማ፡ ቅድሚ ዅሉ ተስፋኡ’ዩ ዚድርብይ። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ ኵሎም ካልኦት ባህርያት ድማ መስርዖም ሓልዮም ይድርበዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነፍሶም ናብ ምድርባይ ይብጻሕ ማለት’ዩ። ናይ ብሓቂ ኪዕወትን ኪድሕንን ዚደልይ ሰብ፡ ተስፋኡ’ዩ ኣጽኒዑ ዚሕዝ። ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ ተስፋ ምድርባይ፡ መንፈሳዊ ርእሰ-ቕትለት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እቲ መጋቢ-ምስጢራት ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ እዛ ወርቃዊት ምኽሪ’ዚኣ’ዩ ዝሃበና።

". . .  ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና። . . . ነታ (ናይ) መጀመርታ እምንቶና (ተስፋና) ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣለና። . . . ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም’ምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት’ዚ ኼርእይ ንደልይ ኣለና። . . .  እቲ ተስፋ ዝሃበና (ኣምላኽ) እሙን’ዩ’ሞ፡ ነታ እምንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓ’ያ።" እብ 3፡6,14 ፣ 6፡11,12 ፣ 10፡23

ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ንርድኦ ኸም ዘለና፡ እቲ መፍትሕ-ቃላት (ሓረጋት) ክልተ’ዩ። ቀዳማይ፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ ካልኣይ ድማ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ዚብል’ዩ። ካልእ ሳልሳይ ራብዓይ ኣማራጺ የብሉን። "እንተ ኸበደኸ፡ እንተ ነውሐኸ፡ እንተ መረረኸ" ኢልና ኻልእ ፍታሕ ክንልቅበሉ ኣየድልን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምግባሩ’ውን በደል’ዩ። ንሕና ነታ ተስፋ ኣጽኒዕና ንሕዛ፡ ንሳ ኸኣ ምስ’ቲ ወሃብ ተስፋን እሙንን ኣምላኽ ኣሲራ ትሕዘና። ንተስፋኻ ምድርባይ ግን፡ ንኣምላኽካ ምድርባይ’ዩ። ስለ’ዚ፡ ከም ነብዪ ኣንባቆም፡ ኣብ ኣዝዩ ኽፉእን ተስፋ ዜቝርጽን ኵነታት’ኳ፡ ብኣምላኽ ተስፋ ምግባር መለለዪና ንግበሮ (ኣን 3፡27-19)። ንኣምላኽ ዚቐብጽዎ፡ እቶም ንርእሶም ቅቡጻት ዝዀነ ጥራሕ’ዮም’ሞ፡ መልሕቕናን መቐነትናን ኣጽኒዕና ንሓዝ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

ታሕሳስ 2025 | ሕዳር 28, 2018 ግዕዝ (መበል 12 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፮፡፫-፬ "ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።"

ዓዲ፡ መዝ.፬፡፪፣፫ "ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።"

ንባባት

ኣንባቢ

2ቈረ 4፡1-12

ዲያቆን

1ዮሃ 5፡11-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 4 : 14 - 23

ንፍቅ ካህን

ዮሐ 9 : 13 - 25

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ ወይ ዘወልደ ነጐድጓድ መዝሙር፦ ይቤሉ እስራኤል 

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div