"እንሆ ኸኣ፡ "ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብ’ዚ መጻእካ፧" እናበሉ ጨርሑ። . . . እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ "ኸተውጽኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብ’ዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣትው ፍቐደልና።" ኢሎም ለመንዎ።" ማቴ 8፡29።
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተምህሮን። ቀዳማይ ሰንበት ናብ ዘመነ ነብያትን’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኸኣ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 20 ክሳዕ ሕዳር 26 ዘሎ ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ምኵራብ (ዘመነ መቅደስ)" ይብሃል። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ ምኵራብ ንኡስ ዘመናት ኣለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ኽትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ ናይ ዓብዪ ጾም ሳልሰይቲ ሰንበትን ሰሙንን’ያ። "ምኵራብ" ማለት "ቤት ጸሎት" ማለት’ዩ። እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ "ምኵራብ" ዝተሰምየሉ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵሉ ቦታ ኣብ ዚርከብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድን ዝመሃሮ ትምህርትን ዝፈጸሞ ተኣምራትን ዝገጠሞ ፈተናን ወዘተን ንምዝካርን ካብኡ ንኽንምሃርን ዝተሰርዓልና ንኡስ ዘመን ስለ ዝዀነ’ዩ። ነርባዕቲኡ ወንጌላት ብምስትውዓል እንተ’ንቢብናዮ፡ መብዛሕትኡ ናይ ጐይታና ንጥፈታት ኣብ ኣብያተ ጸሎት ከም ዝተፈጸመ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና።
ከምኡ ዚገብረሉ ዝነበረ ምኽንያት ከኣ፡ ክልተ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ ንሱ’ውን ኣይሁዳዊ ስለ ዝዀነ፡ ከም ኵሉ ኣይሁዳዊ ናብ ኣብያተ ጸሎት ናይ ምኻድ መሰልን ግዴታን ነይርዎ’ዩ። ከም ጐይታና ገይሩ ንሕጊ ሙሴን ንእምነት ኣይሁድን ዘኽበረ ሰብ፡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣይነበረን። ነዚ ድማ፡ ባዕሉ ብልሳኑ ተኣሚንዎ’ዩ (ማቴ 5፡17-20፣ ዮሃ 10፡34,35፣ ሮሜ 3፡31)። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ብትብዓት፡ "ካባኻትኩምከ ብሓጢኣት ዚረትዓኒ (ሓጢኣት ዚረኽበለይ) መን ኣሎ፧" ይብል ነበረ (ዮሃ 8፡46)። እቲ ኻልኣይ ምኽንያቱ ኸኣ፡ ህዝቢ ተኣኪቡ ዚረኽበሉ ቦታ፡ ኣብያተ ጸሎት ስለ ዝነበረ’ዩ። እቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንኺረክብ ስለ ዚመጽእ፡ ልቡ ንመንፈሳዊ ትምህርቲ ኽፉት’ዩ። ኣብ ዕዳጋታትን ኣደባባያትን ወዘተ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ንምስማዕ ስለ ዘይመጸ፡ ንልቡ ዝበሓተ ኻልእ ጕዳያት ስለ ዘለዎ፡ ናቱ ኣቓልቦ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምግልጋል ዝኸፍአ ፈተና ኸም ዜስዕበሉ ይፈልጥ’ኳ እንተ ነበረ፡ ራእዩን ተልእኾኡን ዜተግብረሉ ቦታ ስለ ዝነበረ ግን፡ ናብኡ ምኻድ ኬዘውትር ናይ ግድን ነበረ። ኣይሁድ ንኣብያተ ጸሎቶም "ሕጊ ሙሴ ኣፍሪሶም" ንዝበልዎም ሰባት ከም መግረፊ ቦታ ይጥቀሙሉ ነይሮም’ዮም (ማቴ 10፡17፣23፡34፣ማር 13፡9፣ግብ 5፡40፣22፡19፣26፡11)። ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ፡ ነቲ ዕላማ ናይ ጐይታኦምን መምህሮምን ስለ ዝተረድእዎን ስለ ዝተቐበልዎን፡ ኣሽንኳይ ኣብ ምድሪ እስራኤል ሃልዮም፡ ዋላ ናብ ሃገራት ኣረማውያን ኣህዛብ ምስ ከዱ’ኳ፡ ቅድም ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ነታ ናይ ጐይታኦምን መምህሮምን ኣርኣያ ይትግብሩ ነበሩ።
ካብ’ዚ ክርስቶሳውን ሃዋርያውን ኣርኣያ’ዚ ኸም ’ንምሃሮ’ምበኣር፡ ህዝቢ ንጸሎት ዚእከበሉ ቦታ፡ እቲ ዝበለጸ ወንጌል ዚስበኸሉ ቦታ’ዩ። ናይ ሎሚ ኣብያተ ጸሎትና (ኣብያተ ክርስትያናትና)፡ ክንዲ’ቲ ጐይታናን ሃዋርያቱን ኣብ’ቲ ቐንዲ ተጻብኦ ዚረኽቡሉ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ንወንጌል ዝሰበኽዎን ዘስተምሃርዎን ይስበኽን ይስትምሃርን እንተ’ልዩ ኽንምርምር ይግባእ። ከም’ቲ ግቡእ፡ ምስ’ቲ ብዝሒ ህዝብናን ኣገልገልትናን ኣብያተ ክርስትያናትናን ኣነጻጺርካ፡ ብብዙሕ ዕጽፍታት ኪስበኽ ምተገብኦ። ንሓያሎ ዕቑዳትን (ዓሰርተታት ዓመታትን) ዘመናትን ተዓዚብናዮ ኸም ዘለና ግን፡ ብብዙሕ ዕጽፍታት ጐዲሉ’ምበር፡ ወሲኹ ንርእዮ የለናን። ስለ’ዚ ነዚ ዘመነ-ምኵራብ’ዚ ናይ ብሓቂ ኣስተውዒልናዮ እንተ’ሊና፡ መገድናን ኣሰራርሓናን ብንስሓ ኸነቕንዕ ከም ዚግብኣና ትንተናን ምሕጽንታን ዘይሓትት፡ ውሁብን ርዱእን ሓቂ’ዩ። ነዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር፡ "አምላክ ፍጹም በህላዌሁ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ “ኣምላኽ ብህላወኡ ፍጹም’ዩ። ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ፡ ብመንግስቱ ንዓለም ዚፈርድ’ዩ። ንኽብሩ ሰማያት ገበረ፡ ንዓለም ፈጠራ፡ ንምድሪ ሰረታ፡ ንባሕሪ ገሰጻ። ኣቦ፡ ንሰንበት ቀደሳ። ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለዎ ኣኽሊል ክብሪ ምእንቲ ኽትቅበሉ፡ ናብ’ቲ ማሕደር ንጹሃን ዝዀነ ኣምላኽ-ጽድቂ ቅረቡ። ነቲ መምህር ቅዱሳን፡ ኣኽሊል ሰማእታት፡ ሰያሚ ካህናት ዝዀነ ጐይታ (ኢየሱስ)፡ ክሳዕ መወዳእታ ስለ ዘፍቀርዎ፡ ብጸጋ ጸኒዖም ብሃይማኖት ኣኽሊል ሰማእታት ወረሱ።
ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ። ብሕያውነትካ ንኣና ሰላም ሃብካናን ጸጎኻናን። ንኣኻ፡ ኣታ ንኖህ ካብ ኣይሂ ካብ ብዙሕ ማይ ዘድሓንካዮ፡ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣለና። ዚብል’ዩ። እቲ ናይ ዕለቱ ምስባክ’ውን፡ ብዛዕባ ሥልጣንን ከኣልነትን ናይ ኣምላኽ ዚእመን’ዩ። እቲ ናይ ማቴ 8፡23-34 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ማዕበላት ባሕርን ኣብ ልዕሊ ኣጋንንትን ዘለዎ ሥልጣን ዜረጋግጸልና’ዩ። እቲ ናይ እብ 12፡22-29 ንባብና ድማ፡ እቲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ዚግበር ጉባኤ፡ በቲ ናይ ሰማይ ጉባኤ ኺትካእ ምዃኑ፡ ንእኡ ’ንበቕዖን ናብኡ ’ንበጽሕን ከኣ፡ ብክርስቶስ ምዃኑ ዚገልጸልና’ዩ። እቲ ናይ ግብ 21፡27-33 ንባብና ድማ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት መቕደስ ተታሒዙ ናብ ሓደጋ ሞት ከም ዝተቓልዐ ዚትርኸልና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ ማቴ 8፡23-34 ዝተወስደ’ዩ።
ኣብ’ዚ ዘመነ ምኵራብ፡ ነዚ ኣጋንንቲ ብዛዕባ ዝሓደርዎም ሰባት ዚትርኽ ክፍሊ ወንጌል ዝተመርጸሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን፡ ንምንታይ’ዚ ናይ ኣጋንንቲ ቓል ኰነ፧ ግደ ሓቂ ኽንዛረብ እንተ ዄንና፡ ነዚ ንኡስ ዘመን’ዝን ነዚ ዕለት’ዝን ዚምጥን እቲ ዝበለጸ ንባብ ኺብሃል ዚግብኦ’ዩ። ነቲ ንቕዱሳን ኣቦታትና ብመንፈስ ቅዱስ ዝመርሖም ኣምላኽ፡ ክብርን ምስጋናን ይኹን!! መሰረተ እምነትን ስርዓትን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብ ዘመን ምኵራብ ብዛዕባ’ቲ ባዕላትና ብዕጨ-እምኒ ዝሰራሕናዮ ህንጻ መቕደስ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሃንጸ ህያው ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብነትና ኽንምሃርን ክንምርምርን’ዩ ዚመርሓናን ዚምህረናን። እዚ ቕዱስ ወንጌል ዜዘንትወልና ዘሎ ማሕደር ኣጋንንቲ ናይ ዝዀኑ ሰባት ታሪኽ ድማ፡ ምስ ናይ ኣምላኽን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን ዕላማ ቐጥታዊ ዝምድና ዘለዎ’ዩ። ማሕደርን መቕደስን ናይ ኣምላኽ ኪኸውን ዝነበሮ ሰብ፡ ማሕደር ኣጋንንቲ ዀይኑ ንርእሱ ኺሳቐይን ንኻልኦት ኬሳቕይን ካብ ምርኣይ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ጉድ ኣሎ፧! ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ድማ ንኸም’ዚኣቶም ዝበሉ ሰይጣን ዝሰዓሮምን ማሪኹ መቕደሱ ዝገበሮምን ግዳያት ኬድሕን’ዩ ዝመጸ (ማቴ 8፡16,17፣ግብ 10፡38)። ስለ’ዚ ኣብ ዘመነ-ምኵራብ፡ ብዛዕባ’ቶም ካብ ኣጋንንቲ ዘጽረዮምን ዘድሓኖምን ሰባት ክንምሃር ግቡእ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ዓብይ ጾም ዘመነ-ምኵራብ ነቲ ዕዳጋ ኸብትን ጤለ-በጊዕን በዓቲ ጐሓሉትን ዝዀነ ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌም ብኸመይ ከም ዘጽረዮ ኢና ’ንምሃር። ኣብ’ዚ ናይ ጾመ ነብያት ዘመነ ምኵራብ ድማ፡ ነቶም ህያዋን መቕደስ ናይ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚግብኦም ዝነበሩ ግዳያት፡ ብኸመይ ካብ ኣጋንን’ቲ ኸም ዘጽረዮም ንምሃር ኣለና።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ዝተመርጸሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት ወገናትና ነዚ ኣጋንንታዊ ዘረባ’ዚ ብቓልን ብግብርን የዘውትርዎን ይነብርዎን ምህላዎም’ዩ። ንሓደ ሰብ "ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ኣለዉ" ንኽንብል፡ ኪወድቕ፡ ኬንፈርፍር፡ ኬጕርዕ ወይ ኬዕበድብዶ ናይ ግድነት ኣይኰነን። ኣብ ግብራዊ ኣካይዳኡ ዀነ ቓላት ዘረባኡ ነዚ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ዜራኽብ ኣለና፧" ዚብል ሓሳብ ኣጋንንቲ ይነብሮ እንተ’ልዩ፡ ግዳይ ኣጋንንቲ ምዃኑ ዘይክሓድ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሰባት ብኸመይ ነዚ ቓላት’ዚ ንገብሮን ንነብሮን ከም ዘለና ኽንምሃር ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።
ኣጋንንቲ ኣብ ሰባት ዜውርድዎ ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት እንታይ’ዩ፧ ህላወኦም ብሓፈሻ ኣብ’ቲ ሕብረተ ሰብ ዜውርዶ ጸቕጥን ሃስያንከ እንታይ ይመስል፧ እዚ ሕቶና’ዚ ኣብ’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ብስእላዊ መገዲ ተገሊጹን ተጋሂዱን ኣሎ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ወንጌል ማርቆስን ሉቃስን’ውን ተተሪኹ ኣሎ (ማር 5፡1-20፣ሉቃ 8፡26-39)። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ቍጽሪ ግዳያት ክልተ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ ኣብ ወንጌል ማርቆስን ሉቃስን ግን ሓደ ኸም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ንባብና ናይ ወንጌል ማቴዎስ ስለ ዝዀነ፡ ግን ከም ክልተ ሰባት ጌርና ኢና ኽንዛረበሎም። እዚ ታሪኽ’ዚ ብሰፊሕን ዝርዝራውን መገዲ ገሊጽዎ ዘሎ፡ ቅዱስ ማርቆስ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኣገዳሲ ሓበሬታ’ውን ክንምሃረሉ ኢና። ብርግጽ ኣብ’ዞም ክልተ ሰባት ዝተጋህደ ኣጋንንታዊ ጕድኣት፡ ኣዝዩ ኸቢድን ኣሰቃቕን’ዩ። ናብራ ናይ’ዞም ሰባት፡ ኣብ መቓብር’ዩ ነይሩ። በቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ኸባቢ ብሰላም ኪሕለፍ ክሳዕ ዘይክኣል ኣዝዮም ሓደገኛታት ነበሩ። ናይ ሓጺን መቝሕን ሰንሰለትን ናይ ምስባር ሓይሊ ዝነበሮም’ዮም። እዚ ሓይሊ’ዚ፡ ባህርያዊ ናይ ሰብ ሓይሊ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ናይ’ቶም ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሓይሊ’ዩ። ስለ’ዚ ኼሕምቖምን ኪቈጻጸሮምን ዚኽእል ውልቀ ሰብ ይኹን ጕጅለ ኣይነበረን። በዚ ሓይሎም’ዚ ንሰብ ኬጥቅዑ ኸለዉ፡ ኣብ’ቶም ግዳያቶም ዝዀኑ ሰባት እንታይ ዓይነት ጕድኣት ኬውርዱ ኸም ዚኽእሉ ንምግማት ከቢድ ኣይኰነን። ለይትን መዓልትን ድማ የእውዩ ነበሩ። ከም መላጸ በሊሕ ብዝዀነ እምኒ (ጽልጽለ ወይ ጽንጽሕለ) ገይሮም ድማ፡ ገዛእ ኣካላቶም ይበጥሑን ይጐድኡን ነበሩ። እዚ ተጓዳኢ ባህርይ’ዚ ኣብ’ዞም ክልተ ሰባትን ኣብ’ቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበረ ህዝብን እንታይ ዓይነት ስቓይ ኬስዕብ ከም ዚኽእል ርዱእ’ዩ።
እቲ ጕድኣት ድማ፡ ብቐጥታ ምስ ዓይነትን ብዝሕን ናይ’ቶም ኣጋንንቲ ዚዛመድ ይመስል። ጐይታ "ስምካ መን’ዩ፡" ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ሓተቶ፡ "ብዙሓት ኢና’ሞ፡ ስመይ "ለጌዎን"’ዩ" ኢሉ መለሰ። ለጌዎን (Legion)፡ ኣብ ሮማዊ ሰራዊት ዚዝውተር ናይ ሓደ ኣሃዱ መጸውዒ’ዩ። "ለጌዎን" በዚ ናትና ኣጠቓቕማ፡ "በጦሎኒ" (Battalion) ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ሮማዊ ስርዓት ይገዝኦም ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ቓላቱ ይጥቀመሉ ነበሩ። ጐይታና’ውን ንቝጽሪ መላእኽቲ ኺገልጽ ከሎ ነዚ "ለጌዎን" ዚብል ቃል ተጠቒሙሉ ኣሎ (ማቴ 26፡53)። ሓደ ለጌዎን ኣስታት 6000 ኣባላት ኣለዉዎ። ክንዲ’ዚ ዚኣኽሉ ሕሱማት ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብ እንታይ ኪኸውንን እንታይ ኪገብርን ከም ዚኽእል ንምርድኡ ኣየጸግምን’ዩ።
እዞም ሰራዊት ኣጋንንቲ ኣብ ምልላይ መንነት ክርስቶስን፡ ንስልጣኑን መንነቱን ዘርኣይዎ ግብረ-መልስንከ እንታይ ይመስል፧ ኣጋንንቲ ብኸም’ዚ ተደርብዮም መላእኽቲ- ጸልማት ቅድሚ ምዃኖም ’ንኣምላኽ ዜገልግሉ ቅዱሳን መላእኽቲ’ዮም ነይሮም። ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያትን ምድርን ዘለዉ ዅሎም ሕልቅነትን ስልጣናትን ናይ ቅዱሳንን ርኹሳትን መላእኽቲ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጥሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ቈሎ 1፡16፣ዮሃ 1፡3)። ስለ’ዚ ፈጣሪኦም ምዃኑ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጥዎ’ዮም። ክሳዕ’ታ ዝወደቑላ ጊዜ ድማ ዝሰገዱሉን ዘገልገልዎን ኣምላኾም’ዩ። ሕጂ ስጋ ስለ ዝለበሰ ጥራሕ መንነቱ ኺስወሮም ኣይክእልን’ዩ። ስጋ ዚዕንቅፎ፡ ነቲ ስጋ-ለበስ ፍጡር፡ ንሰብ ጥራሕ’ዩ። እቶም ዝወደቑ መላእኽቲ፡ ርኹሳት መናፍስቲ ናብ ምዃን ደኣ ተለዊጦም’ምበር፡ ተፈጥሮኦም ኣይተለወጠን። ነቲ ብተፈጥሮ ዝዓደሎም ኵሉ ኽእለታት ድማ ኣየሕደጎምን። ስለ’ዚ እቲ ብስጋ ዝተኸወለ መለኮታዊ መንነቱ ኣይተሰወሮምን።
ንዝረኣይዎን ንዝረኸብዎን ሰብ ኬሳድዱን ኪጐድኡን ዝጸንሑ ኽልተ ዕቡዳት፡ ነዚ ብኣካለ-ስጋ ድኹም ኰይኑ ዝተጋህደ ኢየሱስ ምስ ረኣዩ ግን፡ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ጐይታና፡ "ኣታ ርኹስ መንፈስ ውጻእ" ኢሉ ምስ ኣዘዞም፡ ሓደ ዜገርም ምስጢር ገለጹ፡ እቲ "ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብ’ዚ መጻእካ፧" ዚብል ቃል፡ ብጐይታ ዝተመደበሎም ናይ ስቓይ ጊዜን ቦታን ከም ዘሎ፡ እቲ ጊዜ’ቲ ድማ ገና ኸም ዘይበጽሐ፡ ጽቡቕ ገይሮም ከም ዚፈልጡ ዜረጋግጸልና’ዩ (ራእ 19፡20፣20፡3,10 ፣ማቴ 25፡41፣2ጴጥ 2፡4፣ይሁ 6)። ንዝስሓቱ መላእኽቲ ናይ ንስሓ ዕድል ስለ ዘይተዋህበ ግን፡ ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና፧" ዚብል ቃል ተዛረቡ። "ናብ’ዚ መጻእካ፧" ዝበልዎ ድማ፡ ናብ’ዛ "ግዝኣትና" ዚብልዋ ዓለም ምምጽኡ ዜመልክት’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ሰይጣን "ኣምላኽን ገዛእን ናይ’ዛ ዓለም" ከም ዝዀነ ገሊጾም’ዮም (ዮሃ12፡31፣14፡30 ፣16፡11 ፣ 2ቈረ 4፡3,4)።
ካብ’ቲ ዝተዛረብዎ ቓላት ኣዝዩ ዜገርም ግን፡ ናብ’ቲ መጓሰ ሓሰማታት ንምእታው’ኳ፡ ፍቓድ ጐይታ ምሕታቶም’ዩ። ሓሰማ፡ ካብ’ቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን "ዘይንጹሃት፡ ርኹሳት" ዝተባህሉ እንስሳታት ሓንቲ’ያ (ዘሌ11፡7፣ ዘዳ14፡8 ፣ኢሳ65፡4 ፣66፡3,17 ፣2ጴጥ2፡22)። ኣጋንንቲ ናብ’ዛ ርኽስቲ እንስሳ’ኳ ብገዛእ ፍቓዶም ኪኣትዉ ስልጣን ዘይብሎም ድሩታት’ዮም። ናብ’ቲ በርኣያ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ንምእታው ግዳ፡ ማዕረ ኽንደይ ድሩታት ዘይኰኑ። ኢየሱስ፡ ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ኣብ ዘይሃቦም ሰብ፡ ይትረፍ ኣብኡ ሓዲሮም ኬሳቕይዎን ኬዋርድዎን፡ ካብ ጸጕሪ ርእሱ ሓንቲ ኺትንክፉ’ኳ ኣይክእሉን’ዮም። ሰይጣን፡ ንብረትን ቈርበትን ናይ ኣቦና እዮብ ንኺትንክፍ ካብ ኣምላኽ ፍቓድ ከም ዝሓተተ ኣይንረስዕ (እዮ 1፡12 ፣ 2፡6,7)። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ፡ ኣብ ጻድቕ ናይ ኣምላኽ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ኣብ ሓጥእ ሰብ’ውን ከምኡ’ዩ። እግዚኣብሄር ንኺቕጻዕ ኢሉ ንፍቓዱ ኣሕሊፉ እንተ ዘይሂብዎ ሰይጣን ዋላ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብሓጢኣት ዚግዝኦ ሰብ’ውን ስልጣን የብሉን። ንኣከኣብ፡ ነቲ ንሓጢኣት ዝተሸጠ ንጉስ፡ ንኼጥፍኦ እግዚኣብሄር ንፍቓድ ርኹሳት መናፍስቲ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃቦ፡ ኣብ 1ነገ 22፡20-23 ተገሊጹልና ኣሎ። እዚ ሓቂ’ዚ ንኣና ንሰባት ዓብይ ቅሳነት ዚህበና’ዩ። ኣጋንንቲ ዝደለይዎ ኺገብሩ ልኡላዊ ስልጣን እንተ ዚህልዎም፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ብደሓን ኪነብር ዚኽእል፡ ጻድቕ ይኹን ሓጥእ ሰብ፡ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ናይ ሰይጣን ጥሙሕን ዓቕምን ድማ ቀሊል ኣይኰነን (2ተሰ 2፡4-8 ፣ ራእ 12፡3 ፣ ህዝ 28፡2 ፣ ኢሳ 14፡13,14)። ኣጋንንቲ ንናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ጽቡቕ ገይሮም ስለ ዚፈልጥዎ፡ ይእመንዎን ይንቅጥቀጡሉን’ዮም (ማር 1፡24,34፣ ሉቃ 4፡41፣ ግብ 19፡15፣ ያእ 2፡19)።
ኣጋንንቲ፡ ብዘይካ’ቲ ብኣካል ኣብ ሰብ ሓዲሮም ዜውርድዎ ኣካላውን ኣእምራውን ነውጺ፡ እንታይ ካልእ ዜውርድዎ መንፈሳዊ ዀነ ማሕበራዊ ጒድኣት ኣሎ፧ ቈጺርካ ዘይውዳእ ጒድኣታት’ዮም ዜውርዱ። እቲ ቐንዲ ጸገምና ግን፡ እቲ ዚወርደና ጒድኣት ጠንቁ ዀነ ምንጩ ኻብ መን ምዃኑን ስለምንታይ ከም ዝወረደናን ዘይንፈልጦ ምዃንና’ዩ። እቲ ሓቂ ግን፡ ካብ’ታ ኣዳምን ሄዋንን ብሓጢኣት ዝወደቑላ ዕለት ጀሚሩ ግሁድ’ዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ጊዜ በሊዑ ዘይኰነስ፡ ገና ሰይጣን ብዛዕባ ረብሓ ናይ ዘይምእዛዝ ኬወዓውዕ ምስ ጀመረ’ዩ ተጋሂዱ። ኣዳምን ሄዋንን ብውዲት ናይ ሰይጣን ምስ ተታለሉ፡ ነታ ኽፍእቲ ኦም፡ ዘይነበራ ጽባቐ ኪርእዩላ፡ ገና ናብ ኣፎም ከይኣተወት ከላ ጣዕማ ኼስተማቕሩ፡ ዘይተረኽበ ዘይፈልጥዎ ጥበብ ኬድንቑ፡ ብዛዕባ ቕንዕና ኣምላኽ ኪጠራጠሩ ጀመሩ። ናይ ስምዒት ህዋሳቶምን ኣተሓሳስባኦምን ንጽህና ሕልናኦምን ተዛብዐ። ምስ በልዑ ድማ፡ ዘይነበሮም ዕርቃን ተራእዮም፡ ናይ ሕፍረትን ፍርሃትን ስምዒት ወረሮም፡ ሓሶትን ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ሰረጾም። ኣብ ክንዲ ምንሳሕ፡ ንሓጢኣትካ ምኽኑይ ናይ ምግባር ሕማም ተላዕሎም። ውርደት ዝመልኦ ጻዕሪ ስቓይ ሕርሲ፡ ሕማም ስጋ፡ ማሕበራዊ ቕልውላው፡ ብዓብዩ ኸኣ ሞት፡ ኵሉ ምኽሪ ሰይጣን ብምስማዕ ዝመጸ መሪር ሳዕቤን’ዩ። ቅንኢ፡ ስሰዐ፡ ጽልኢ፡ ምፍዳይ ሕነ ዝኣመሰሉ ኣጋንንታውያን ባህርያት፡ ብዙሕ ባእሲ ናይ ውልቀ ሰባት፡ ውግእ ህዝብታትን ሃገራትን እናወለደ ኽንዲ ጉድ ኬናውጸና ይነብር ኣሎ። እዚ ዅሉ ኽንርእይ ከለና፡ እቶም ናብ’ዚ መሪር ሃለዋት’ዚ ዘእተዉና፡ ገና’ውን ዜእትዉና ዘለዉ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክንዝክር እንተ ዘይክኢልና፡ ካብ ምስትውዓል እምብዛ ርሑቓት፡ ገና’ውን ኣብ መንፈሳዊ ዑረት ከም ዘለና ኣዝዩ ዓብይ መረጋገጺ’ዩ።
እቲ ዝኸፍአ ኻብ ሰይጣን ዝወረስናዮ ርኹስ ንብረት ግን እዚ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና" ዚብል ክሕደታዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ፈጣሪኦምን ፈራዲኦምን ክነሱ፡ ንሳቶም’ውን ብዘይ ፍቓዱ ነዛ ኣፎም’ኳ ኪኸፍቱ ኸም ዘይክእሉ ዚፈልጡ ኽነሶም፡ ኣጋንንቲ ምዃኖም ከይተርፎም ግን ብድፍረት "ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና፧" በልዎ። በቲ ሓደ ወገን የንቀጥቅጡ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኦም ይሰግዱ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ እቲ ዝዓበየን ዘየምልጡሉን ጕዳዮም ምስኡ ኽነሱ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ዜራኽብ ጒዳይ ኣሎና፧" ዝመልእኽቱ ናይ ክሕደት ዕልወትን ቋንቋ ይዛረቡ።
ንሕና ደቂ ሰባት’ውን ነዚ ኣጋንንታዊ ውርሻ’ዚ ኣይተጸየፍናዮን። ኣምለኽቲ ጣኦት ዝዀኑ ኣረማውያንን፡ ህላውነቱ ዘይኣምኑ ኢዝሄራውያንን (Atheists)፡ ብዕልሊ "የለኻን" ኢሎም ስለ ዝኸሓድዎ፡ ብቓል ዀነ ብግብሪ ኸምኡ’ዮም ዚብሉን ዚገብሩን። እቶም "ኢየሱስ፡ ወዲ ልዑል ኣምላኽ’ዩ" ኢልና ንኣምን፡ ተደፊእና ’ንሰግደሉ፡ ናብኡ ’ንጽልይ፡ ብዓውታ ’ንዝምረሉ ድማ፡ ካብ’ዚ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና፧" ዚብል ኣጋንንታዊ ማይ ብሑቝ ዘይምጽራይና ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜፍርህን’ዩ። ከም ፍቓዱ ገዲፍና ከም ፍቓድና ንገብር፡ ግን ድማ "ጐይታይ፡ ጐይታይ" ምባል ፈጺምና ዘይንገድፍ ኢና (ማቴ 7፡21)። "ተፋቐሩ" እንተ በለና ብጽልእን ባእስን፡ "ምሕረት ግበሩ" እንተ በለና፡ ብቒምታን ሕነ ምፍዳይን፡ "ትሕትና ግበሩ" እንተ በለና፡ ብትዕቢትን ትምክሕትን ወዘተ ንመላለስ። ሰባት ናብ ቀልብና ኺመልሱና’ "ስለ እግዝሄር፡ ስለ መድኃኔ ዓለም" ኢሎም ስሙ እናጸውዑ እንተ ተማሕጸኑና’ኳ፡ "ምስኡ’ሞ እንታይ ዜራኽብ ኣሎና" ብዝዓይነቱ ድርቅና፡ ብእምቢታ ነቕብጾም። ብትምኒት ስጋና ናብ ገለ ሓጢኣት ክንድፋእ ከለና፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ሕልናና ሕሹኽ ኢሉ እናተዛረበና’ኳ፡ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎኒ፧" ኢልና ንፍቓድ ናይ’ቲ ከንቱ ስጋና ኣኽቢርና፡ ንፍቓድ ናይ’ቲ ልዑል ጐይታ ግን ረጊጽናዮ ንሓልፍ። ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ፡ ሕሉፍ በደልናን ሳዕቤናቱን ጽቡቕ ገይሩ ተረዲኡና ኽነሱ፡ በቲ ኣምላኽ ዚጕህዮ ጓሂ ጒሂና’ኳ ንስሓ ዘይንኣትው ምዃንና’ዩ። ምስ’ቲ ዅሉ ጸገምና፡ ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘየለ ዄንና፡ ነቲ ንቡር መንፈሳዊ ንጥፈታትና ንቕጽል። እቲ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና" ዚብል ኣጋንንታዊ ምህሮን ኣርኣያን ምልቃቕ ኣብዩ፡ ከም ቀደሙ ይቕጽል። እታ ቓል ካብ ኣፍና ፈጺማ ኣይትወጽእን’ያ። ውርዝነትና ኸኣ፡ ንሳ ጥራሕ’ያ። ካብ ናብራናን ግብርናን ድማ ፈጺማ ኣይትፍለይን’ያ። ውርዝነትና ቐሊዓ፡ ስጋ ዝለበሱ ኣጋንንቲ ኸም ’ንመስል ’ተርእየና ድማ ንሳ’ያ። ቅዱሳን ነብያት ድማ ኸምኡ’ዮም ዝበሉ።
"እዚ ህዝቢ’ዚ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩ የኽብረኒ። ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ’ዩ። ንኣይ ከኣ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ ገይሮም (የምልኹኒ ኣለው)።" ኢሳ 29፡13
". . . ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት እስራኤል ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ንሳቶም ብመገደይ ኪመላለሱ ዝፈተዉ (ኼምስሉ) መዓልቲ-መጸ የምልኹኒ። ከም’ቲ ጽድቂ ዚገብርን ሕጊ ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝብስ፡ ቅኑዕ ሕጊ ኻባይ ይደልዩ፡ ፈትዮም ዜምልኹኒ ኸኣ ይመስሉ።" ኢሳ 58፡1,2
"ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካ’ውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን’ዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም’ዩ ዚኸይድ። እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፡ ከም’ቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካ’ውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን’ዮም።" ህዝ 33፡31,32
እምበኣር፡ ካብ’ዚ ርስቲ ኣጋንንቲ ዝዀነ፡ "ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎኒ" ዝመልእኽቱ ግብራዊ ቋንቋ ርእስና ነሕውይ። ቀንዲ ጒዳይና ምስ ጐይታ ምዃኑ፡ ካብኡ ዝተፈልየ ህይወትን ፍቓድን ከም ዘይብልና፡ ኣሉ ብዘይብሃሎ መገዲ፡ ብቓልን ብግብርን ነረጋግጽ። ኣብ ዘመነ ምኵራብ፡ "መቕደስ ኣምላኽ’ምበር፡ መቕደስ ኣጋንንቲ ኣይንኸውንን" ንበል!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
30 ሕዳር 2025 | ሕዳር 21, 2018 ግዕዝ (መበል 11 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: 89 : 11 - 13 / መዝ ፹፰ : ፲፩ - ፲፪ ሰማያት ናትካ እዩ፣ ምድሪውን ናትካ እያ፣ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ፣ ንሰሜንን ደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮ። ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቲ ምድር፤ ወዓለመኒ በምልኡ አንተ ሳረርከ፤ ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ። ወይ / ዓዲ መዝ 103 ፡ 18 - 19 / መዝ ፻፪ : ፲፰ - ፲፱ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝፋኑ አብ ሰማይ ኣቘመ፣ መንግስቱውን አብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ኣላ። ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ፤ እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት፤ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ዕብ 12 : 22 - ፍም |
ዲያቆን |
|
| ያዕ 3 : 1 - 10 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 21 : 27 - 33 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 8 : 23 - ፍም |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ሎቱ ስብሐት |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ