S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ ቅዱስ ዮውሃንስ መጥመቕ: ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ንኽብሪ ንዘክር ማዓልቲ ቅዱስ ዮውህንስ

ውላድ ካብ ኤልሳቤጥ ምስ ካህን ዘካርያስ

ቀረባ ቤተሰብ ንጎይታና እየሱስ ክርስቶስ

ህዝቢ ከጥምቕ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ

ብግፍዒ ተቐትለ ብንጉስ ሄረዶትስ።

ቅዱስ ዮውሃንስ ንስድራቤቱ ውላድ ሓደ

ኣብ ጊዜ እርጋን ሽምግልና ብመብጽዓ ዝተወልደ

ንኣምላኽ ከገልግል ናብ ቤተክርስትያን ዝተወስደ

ንቡር መዕበያ ዘይረኸበ ናየቦ ይኹን ናየደ

ኣብ በረኻ ኣንበጣን ማዓርን በሊዑ ምንባር ዝለመደ።

 

ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ደው ኢሉ ኣብቲ ዝዓሞቐ

ንጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ብትሕትና ዘጠመቐ

ንዓበይቲ ማይ እናፍሰሰ ንናኣሽቱ ኣብ ማይ እናጥለቐ

ንኣምላኽ ብኽብሪ ኣገልገለ ሂወቱ ከይበቐቐ

ምስጢረ ጥምቀት ዘተግበረ ብሂወቱ ዝጸደቐ።

 

ሄረዶትስ ንባዓልት ቤት ሓው ከሐጉስ ኢሉ

ሰራዊቱ ኣዳለወ ብረቶም ከልዕሉ

ንቕዱስ ዮውሃንስ ብድፍረት ክቐትሉ

ድሌቱ ኣማልአ ከምቲ ዝኣዘዞ ብቓሉ

ናይ ቅዱስ ዮውሃንስ ርእሲ ኣብ ሽሓኒ ኣቕረብሉ።

 

ቅዱስ ዮውሃንስ ማዓልቲ ንዘክር ብገልገለ መስቀለ

ዝዓበየ ዝነኣሰ ሽግ ወሊዑ ሆያ ሆየ እንዳበለ

ገሊኡ ከበሮ ብጣቕዒት ኣሰንዩ እንዳዘለለ

ገሊኡ ኣብ ቤተክርስትያን ብመንፈሳዊ መዝሙር እንዳዓለለ

ጸጋ በረኸቱ ይረክብ እቲ ከብዕል ዝተዓደለ።

 

ኣብ እዋን ቅዱስ ዮውሃንስ ባዓል ሽዑ ንሽዑ

ኣታኽልቲ ዓንቢቡ ሸዊት ዓተር ጨልቂዑ

ምድረ ሰማይ ደሚቑ ብርሃን ተወሊዑ

ኣወዳት ኣዋልድ ይዘሉ ከበሮ እንዳወቕዑ

ኣረጊት ምስ ሽማግለ ይደርፉ ይስዕስዑ

ኩሉ ሰብ የብዕሎ ዋላእቶም ህጻናት ቖልዑ።

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና

ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና

ዕድመን ጥዕናን የውርድ ንኹላህና

ዝተባረኸት ዝተቐደሰት ማዓልቲ ቅዱስ ዮውሃንስ ይግበረልና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div