"እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ ዕለት’ዚኣ ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "ፋሲካ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “ፋሲካ፡ እታ ዕለት’ቲኣ ቅድስቲ’ያ፡ በታ ዕለት’ቲኣ ንተሓጐስ፡ ንተሓጐስ፡ ብኣኣ ባህ ይበለና፡ እታ ዕለት’ቲኣ መስተርሆትን ዕረፍትን’ያ፡ ሰማይን ምድርን ብኣኣ ይተሓጐሱ። ፋሲካ ፋሲካ፡ ናይ መድሓኒና ዝኽሪ ትንሳኤኡ’ያ።
ኦ ጐይታ ድምጽኻ ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ግብርኻ ርእየ’ውን ተገረምኩ። ጐይታ መን’ዩ ኸማኻ፡ ንምዉታት ብቓልካ ኣተንሳእካ፡ ሕይወት ሂብካ፡ ንኣና ሰላም ጸጎኻ፡ ኵላትና ምስ ጻድቃንካ ኃቢርና በዓለ ፋሲካ ንግበር።” ማለት’ዩ። መዝሙርና ብንጹር ኣሚቱልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ፋሲካ"’ዩ። እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ነቲ ብክርስቶስ ዝተገብረልና ቤዛዊ ሞትን ንእኡ ዝሰዓበ ትንሳኤኡን ምልስ ኢልና ደጊምና ’ንሓስበሉ ንኡስ ዘመን’ዩ። "ፋሲካን ትንሳኤን" ዚብሉ ቓላት ኣብ እምነት ክርስትና ዚዝውተሩ ተመሳሰልትን ተተኻኻእትን ስማት’ዮም። ኣብ ኣድህቦ መልእኽቶም ግን፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ፍልልይ ዘለዎም’ዮም። ፋሲካ፡ ሓይሉ ኣብ መስዋእትነትን ቤዛነትን ናይ ክርስቶስ ዘድሃበ ቓል’ዩ። "ፋሲካ" ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ቓል’ዩ። ትርጕሙ ድማ፡ "ሓለፈ" ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ዝወጸ ስም’ዩ። በዅራት ግብጺ ዚቐዝፍ ዝነበረ መልኣኽ ቍጥዓ፡ ነቶም ደም ናይ’ቲ ገንሸል ፋሲካ ኣብ ልዳውቲ ቤቶም ዝለኸዩ እስራኤላውያን ግን፡ ከይቀዘፈ ይሓልፎም ስለ ዝነበረ ዝወጸ ስም’ዩ። እታ ስድራ ቤት ብቤዛነት ናይ’ቲ ገንሸል ትድሕን ነበረት። ነቲ ስጋ ናይ’ቲ ገንሸል ብዘይበዅዐ ቕጫ ምስ ዚበልዕዎ፡ ምስ’ቲ ገንሸል ሓደ ኣካል ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ናይ’ቲ ገንሸል ሞት ከም ናታቶም ሞት ተቘጽረሎም (1ቈረ 10፡18)። ናይ ብሉይ ኪዳን ገንሸል-ፋሲካ ግን፡ ትንሳኤ ኣይነበሮን፡ እንስሳ ስለ ዝነበረ፡ ኪትንስእ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ስርዓት ብሉይ ኪዳን፡ ናይ ትንሳኤ ኣምር ኣይነበሮምን። ሓይሊ መልእኽቱ ናብ’ቲ ቤዛዊ ሞት’ዩ።
ናይ ሓድሽ ኪዳን ገንሸል ፋሲካ ግን፡ ስግው መለኮት (ስጋ ዝለበሰ መለኮት) ስለ ዝዀነ፡ ታሪኹን ኣገልግሎቱን ብሞት ዘይኰነስ፡ ብትንሳኤ’ዩ ዚዛዘም። ፋሲካ ብሉይ ኪዳን ንጊዚኡ ካብ ሞት-ስጋ ጥራሕ’ዩ ዜድሕን ነይሩ። ፋሲካ ሓድሽ ኪዳን ግን፡ ካብ ሞት ስጋ ዘይኰነስ፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ዜድሕን ዝዓበየ መስዋእቲ’ዩ። ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ዘድሓነና ድማ፡ ካብ ሞት ስለ ዝተንስአ’ዩ። ሰኣን ትንሳኤ፡ መስዋእቲ ብሉይ ኪዳን ምዉት መስዋእቲ ዀይኑ ይተርፍ ነበረ። ስለ’ዚ ድማ፡ ምሉእ ዕድሚኦም ኪስውኡ ይግደዱ ነበሩ ( እብ 10፡1-4 )። መስዋእቲ ሓድሽ ኪዳን ግን፡ ሳላ ትንሳኤ ንዘለኣለም ህያው መስዋእቲ ስለ ዝዀነ፡ ኪድገም ዘየድልዮ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኰነ (እብ 7፡26,27፣10፡10-18)። ናብ ኣእምሮና ኺመጽእ ዚግብኦ ሕቶ ግና፡ እስራኤላውያን እቲ መልኣኽ ቍጥዓ ንበዅራቶም ከይቀተለ ስለ ዝሓለፈ "ፋሲካ (ሓለፈ)" እንተ ኢሎም፡ ንሕናኸ እንታይ ስለ ዝሓለፈና ኢና "ሓለፈ (ፋሲካ)" ኢልና ነብዕል ዘለና፧" ዚብል’ዩ። እቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምሕላፍ (ፋሲካ)፡ ካብ’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣዝዩ ዝዓበየ’ዩ። ናይ ብሉይ ኪዳን ቍጥዓ ቅጽበታዊ’ዩ ዝነበረ። ኪሓልፍ ከሎ፡ ፈልዩ ነቲ በዅሪ ተማሊኡ ምስ ከደ ብድሕሪኡ ኣይተመልሶምን። ናይ ሓድሽ ኪዳን ቍጥዓ ግን፡ ኣባና ስለ ዚነብር፡ "ደቂ ቝጥዓ፡ ኣቓሑ ቝጥዓ" ኢና ንብሃል (ዮሃ 3፡36፣ሮሜ 9፡22፣2፡5,8፣ኤፌ 5፡6፣2፡3፣1ተሰ 2፡15,16)። ስለ’ዚ ብመሰረቱ ንኣና ካብ ኣቕሓ ቝጥዓን ደቂ ቝጥዓን ናብ ኣቓሑ ምሕረትን ደቂ ምሕረትን ብምልዋጥ’ዩ ዜድሕነና። ካብ’ቲ ናይ ቍጥዓ ምድብ የውጽኣና ማለት’ዩ (1ተሰ 5፡9)። ባዕላትና ብምርጫና፡ ከም ይሁዳ፡ ናብ’ታ ናይ ቍጥዓ ምድብ እንተ ዘይተመሊስና፡ እግዚአብሔር ንሕርየቱን ንሕያውነቱን ፈጺሙ ኣይጥዓሰሉን’ዩ። ፋሲካ ክርስቶስ’ምበኣር፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ኽቡርን ዓብይን’ዩ። ነቲ ብፋሲካ ዝተገብረልና ምሕረትን ዝተዋህበና ድሕነትን ከም ዚግባእ እንተ ዘይተማሂርናዮን፡ ልብና ኣብኡ ኣውዲቕና ኸም ዚግባእ እንተ ዘየስተውዒልናዮን እቲ በዓል ይፈዅስና’ሞ፡ ናይ ብልዕን መስተን፡ ናይ ወርቅን ጨርቅን በዓል ጌርና ብዝኸፍአ ነሕስሮ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ግን፡ ነዚ ብደምን መስዋእትን ናይ ወዲ ኣምላኽ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተገብረልና ምሕረትን ድሕነትን ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽነስተውዕሎ፡ ነዚ ፋሲካ’ዚ ’ነስተንትነሉ ንኡስ ዘመን ሰርዓትልና። ስለ’ዚ ኣብ ጸሎትና ኣዘውቲርና "ነቲ ብቕዱስ ወድኻ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርካለይ ናይ ፋሲካ ምስጢር ብመንፈስ ቅዱስ ግለጸለይ" ኢልና ኽንጽልይ ይግብኣና። ከምኡ እንተ ዘይገበርናን ናብ ምሉእ መንፈሳዊ ርድኢት እንተ ዘይበጻሕናን ግን፡ ኣብ ደምበ ምሕረት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን እናሃለናን እናተመላለስናን’ኳ ኣቓሑ ቝጥዓ ዄንና ኽንነብር ኢና።
ጽባሕ ሓሙስ "በዓለ ዕርገት" እነብዕለሉ ኽቡር ዕለት’ዩ። ካብ በዓለ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ቕንያት ድማ፡ "ዘመነ ዕርገት" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ኻብ’ቶም ዓበይቲ ንኡስ ዘመናት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና ካብ’ታ ዝተንስኣላ ዕለት ልክዕ ኣብ 40 መዓልቱ ዝዓረገ፡ በዓለ ዕርገት ድማ፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቱ’ዩ ዚብዓል። ዕርገት ጐይታና ካብ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ዘይንእስ ግብሪ ምድሓን ስለ ዝዀነ፡ ብደረጃ ኣገዳስነቱ ኸም ሓደ ዓብይ ዘመን ኪረኣይ ዚግብኦ’ዩ። ኣብ መእተዊ ናይ’ቲ ዚስዕብ ሰንበት ትምህርትና፡ ዕርገቱ ብኸመይ ድሕነት ከም ዜውሕሰልና ኽንምሃሮ ኢና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ 2ቈረ5፡1-10 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ምስ’ዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን ዜዛምዶ እንታይ’ዩ፧ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ዝነበርዎ ናብራ፡ ናይ ባርነት ናብራ ነበረ። ግብጺ ሃገሮም ዘይኰነትሲ፡ ምድሪ-ጓና፡ ምድሪ-ግሽነት ነበረት። እዚ ንኣስታት 430 ዓመታት ዘሕለፍዎ ናይ ግብጺ ናብራ። ነታ ብኣምላኽ ርስቶምን ሃገሮምን ክትከውን ዝተመደበትሎም ምድሪ ተስፋ ንኺናፍቕዋን፡ ናብኣ ዜብቅዖም ህይወት ንኺነብሩለን ዝተሰርዓሎም’ዩ። ካብ ግብጺ ሓራ ወጺኦም ናብ ምድሪ ተስፋ ጒዕዞኦም ዚጅምሩ ድማ፡ ፋሲካ ምስ ዚፍጸም’ዩ። እዚ ብገንሸል ዚፍጸም ፋሲካ፡ እምነት ዚጠልብ ስርዓት ነበረ። ገንሸል ኣዳልያ ከም’ቲ ዝተኣዘዘቶ ገይራ ነቲ ገንሸል ሓሪዳ ዝበልዐትን ደሙ ኣብ ልዳት ቤታ ዝለኸየትን ስድራ ቤት፡ ካብ’ቲ ንግብጻውያን ዝቐዘፈ መዓት ድሒና ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ወጺኣ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ተስፋ ጒዕዞኣ ትጅምር ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ዝመረጸትን ዘይተኣዘዘትን ስድራ ቤት ድማ እቲ ንግብጻውያን ዝቐዘፈ መዓት ኣብ ሰባን እንስሳኣን ይወርድ’ሞ፡ ካብ’ቲ ባርነት ዚኸፍእ ሞትን ሓዘንን ትቕበል ነበረት። ስለ’ዚ ፋሲካ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ስድራ ቤት፡ ምድሪ ተስፋ ናይ ምውራስ ተስፋ ዝተቐበለት ስድራ ቤት’ያ።
እዚ ናይ ብሉይ ኪዳን ፍጻመ’ዚ ነቲ ናይ ብሓድሽ ኪዳን በቲ ቕዱስ ገንሸል ፋሲካና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚፍጸም ተስፋ ትእምርቲ ኪኸውን ዝተሰርዐ’ዩ። በቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ መስዋእቲ ናይ ገንሸል ፋሲካና ዘይኣመነን በቲ ደሙ ዘይነጽሀን ዘይተቐደሰን ሰብ፡ ነታ ቕድስቲ ሃገር ናይ ምውራስ ተስፋን ተኽእሎን ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ምእንቲ ወንጌልን ምእንቲ ክርስቶስ ጐይታኡን ኣብ ደሴት ጳጥሞስ (ደሴት ፍጥሞ) ተኣሲሩ ኸሎ ኣዝዩ ፍሉይ ራእይ ተኸስተሉ። ካብ ኵሎም ኣህዛብን ህዝብታትን ዓለም ዝዀኑ ሓደ’ኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰባት፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ’ቲ ገንሸልን ደው፡ ኢሎም፦ "ምድሓን ናይ’ቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይ’ቲ ገንሸልን’ዩ።" እናበሉ ብዓውታ ኺጭድሩ ኸለው ርኣየ፡። ሽዑ ኻብ’ቶም ኣርባዕተ ሽማግለታት (ኣሕሉቕ) ሓደ ድማ፦ "እዚኣቶም ካብ’ቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ’ዮም። ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም ናይ’ቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደው። ስለ’ዚ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝፋን ኣምላኽ እነዉ፡ ኣብ’ታ መቕደሱ’ውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለው። . . . ድሕሪ ደጊም ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን፡ ጸሓይ ኰነ ሃሩር ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን’ዩ። (ምኽንያቱ) እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ኪጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት’ውን ኪመርሖም’ዩ፡ ኣምላኽ’ውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዝ’ዩ።" ብምባል፡ ብዛዕባ መንነት ናይ’ቶም ጉባኤ ቕዱሳን ገለጸሉ (ራእ7፡9-17 ካ.ት)። ባህጊ መንፈሳውያን፡ እዚ መስተንክር ክብሪ’ዚ’ዩ። ነዚ ኽብሪ’ዚ ዚበቅዕ ድማ እቲ ብደም ናይ’ቲ ገንሸል ፋሲካና ዝተዓደገን በቲ ደም’ቲ ተሓጺቡ ዝነጽሀን ዝጸደቐን ክርስትያን ጥራሕ’ዩ። ብዘይ ፋሲካ ዚርከብ ክብርን ዚፍጸም ባህግን ስለ ዘየለ፡ እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመንን እዚ ‘ንምሃሮ ዘለና ኣገዳሲ ኣርእስትን ኣዝዩ ሓያል ዝምድና ኸም ዘለዎም ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ።
"ኣብ ስጋ ምስፋር" ከምኡ’ውን "ካብ ስጋ ምግዓዝ" እንታይ ማለት’ዩ፧ መኣዝ ኢና ኣብኡ ሰፊርና መኣዝ ኢናኸ ኻብኡ ንግዕዝ፧ እዚ ምስፋርን ምግዓዝን’ዚ ምስ’ቲ ተስፋናን ባህግናን ዘለዎ ዝምድና እንታይ’ዩ፧ "ስጋ" ዚብሃል ዘሎ፡ እዚ ለቢስናዮ ንነብር ዘለና ሰብነትና’ምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ኣይኰነን። እዚ ድንኳን’ዚ ንኣና ቤትናን ማሕደርናን’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዚ ዝለበስናዮ ስጋ "ድንኳን" (Tent) ብምባል ሰምዮምዎ ኣለው (2ቈረ5፡1 ፣ 2ጴጥ 1፡13,14)። ኣቦና እዮብን ንጉስ ህዝቅያስን’ውን ከም ማሕደርን ድንኳንን ገሊጾምዎ ኣለው (ኢሳ 38፡12 ፣ እዮ 4፡20)። ካብ’ቲ ኸም ድቂ ዝተጠነስናላ ዕለት ጀሚርና፡ ብሞት ክሳዕ ንፍለይ ዘሎ ጊዜ፡ ኣብ’ዚ ስጋ’ዚ ንነብር። መዓልታትና ጸንቂቕና ምስ ወዳእና ድማ ካብ’ዚ ስጋ’ዚ ግዒዝና፡ ክሳዕ ምጽኣቱ ወይ ኣብ ሲኦል ወይ ከኣ ኣብ ገነት ንጸንሕ።
ኣብ’ዛ ስጋ’ዚኣ ሰፊርና ኽሳዕ ዘለና፡ ካብ ጐይታና ርሑቓት ኴንና ኢና ንነብር። ምኽንያቱ እቲ ለቢስናዮ ዘለና ውዱቕ ስጋ ንህላወና ዀነ ንዅለንትናና ይድርቶ፡ ከም መጋረጃ ኰይኑ ይኽውሎን ይጋርዶን’ዩ። ሃዋርያ ይዅን ተራ ክርስትያን ካብ’ዚ ድሩትነት’ዚ ሓራ ኣይኰነን። ካብ’ዚ ድሩትነት’ዚ ሓራ ወጺእና ንጐይታና ኽንርእዮ ንኽእል፡ እግዚኣብሄር ነዒንቲ መንፈስና ኸፊቱ ምስ ዚግለጸልና ጥራሕ’ዩ። ነብዪ ኤልሳእን እቲ ናቱ ረድእን ክልቲኦም ከም’ዚ ኸማና ዝፍጥረቶም ሰባት’ዮም ዝነበሩ። ንኽልቲኦም ዚሕልዉ ኣእላፋት መላእኽቲ ኸቢቦምዎም ከለው፡ ነብዪ ኤልሳእ ይርእዮም፡ እቲ ናቱ ረድኢ ግን ፈጺሙ ኺርእዮም ኣይከኣለን፡ እቲ ጐበዝ ነቶም መላእኽቲ ንኺርእዮም እግዚኣብሄር ነቲ ናይ መንፈስ ኣዒንቱ ኪኸፍተሉ ኣድለየ (2ነገ6፡14-17)። ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ብዳርባ እምኒ እናተፈጽፈጸ ኸሎ ኣዒንቱ ተኸፊቱ ነቦን ንኢየሱስን ኪርእያ ተኸፍታ (ግብ7፡55,56)። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻልኦት ንላዕሊ ቝሊሕ እንተ በሉ ግን ብዘይካ ደበና ሰማይ ካልእ ኪርእዩ ኣይክእሉን ነበሩ። ስለ’ዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ፡ ካብ ብዙሕ ነገር ደሪቱና ኸም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ካብ’ዚ ስጋ’ዚ ተፈሊና፡ ብዝተፈልየ ኽቡር ስጋ ምስ ጐይታና ኽንነብር ክንብህግ ዚግብኣና። እዚ ባህጊ’ዚ ናይ መንፈሳዊ ጥዕናና፡ ብሓፈሻ ናይ መንፈሳውነትና መግለጽን መለክዕን’ዩ።
ባህጊ ስለ ዘሎና ጥራሕሲ መንፈሳውያን ንኸውን ማለት ድዩ፧ መንፈሳውያን ስለ ዝዀንና ደኣ ባህጊ ይህልወና’ምበር፡ ባህጊ ስለ ዘሕደርና ጥራሕ መንፈሳውያን ክንከውን ኣይክኣልን’ዩ። መንፈሳዊ ኣብ ዘይኰነ ሰብ ምስ ጐይታ ናይ ምዃን ባህጊ ኺህልዎ ፈጺሙ ዘይክኣል’ዩ። ምኽንያቱ መንፈሳውነት ብመንፈስ ቅዱስ ዚህነጽ ህይወት’ዩ። "መንፈሳውነት" ማለት ብመንፈስ ምንባር ብመንፈስ ምሕሳብ ኵለንትናኻ ብመንፈስ ምምራሕን ምምሕዳርን ማለት’ዩ።
"ናይ ስጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ፡ ሞት የምጽእ። ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግን፡ ህይወትን ሰላምን የምጽእ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፡ ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን’ዩ። እቶም ብስጋ ዚምርሑ’ውን ንኣምላኽ ኬሐጒስዎ (ኬስምርዎ) ኣይክኣሎምን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ’ልዩስ፡ ብመንፈስ’ምበር ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ናይ ክርስቶስ ኣይኰነን።" ሜ8፡6-9 ካ.ት
"ኣነ ግና፡ ‘ብመንፈስ ንበሩ፡ (ከምኡ እንተ ነበርኩም) ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም።’ እብለኩም ኣለኹ። . . . ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና (ሰባት) እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።" ገላ5፡16,25 ካ.ት
ስለ’ዚ ብመሰረት’ዚ ቓል’ዚ፡ እቲ ብመንፈስ ዚነብር ሰብ ሓሳቡ ዀነ ባህግታቱ ንኣምላኽ ዜሐጒስን ዜኽብርን ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምውራስን ምስ ጐይታ ኢየሱስ ናይ ምንባርን ክብሪ ዚረክብ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎን ብእኡ በቲ ዝሓደሮ መንፈስ ቅዱስ መንፈሳውነት ዝሃነጸን ሰብ ጥራሕ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝገለጸሉ ስማት ወይ ቅጽላት ሓደ፡ "ዕርቡን ርስትና" ዚብል’ዩ፦
"መንፈስ ቅዱስ እቶም ጥሪት ኣምላኽ ዝዀንና ኽሳዕ ‘ንድሕን፡ ንውዳሰ ኽብሩ ዕርቡን ርስትና’ዩ።" ኤፌ1፡14 ካ.ት
"እቶም ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ እቲ ብፍቓዱ ንዅሉ ነገራት ከም መደቡ ዚገብር ኣምላኽ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ሓረየና። ኤፌ1፡11,12, ካ.ት
ዕርቡን ርስትና ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ውሉድ ኣምላኽን መዋርስቲ ክርስቶስን ምዃንና፡ ከየቋረጸ ኣብ ውሽጥና ዚምስክረልናን ልዑል ባህጊ ዜሕድረልናን ንባህግና ዜዕብዮን ንሱ’ዩ።
". . . እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ’ዮም። . . . ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ’ዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። እምበኣር ውሉድ ካብ ኰንና ወረስቲ ድማ ኢና። ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ ኢና። . . . ሮሜ8፡14,16,17
ስለ’ዚ እቲ ምስ ክርስቶስ ናይ ምንባር ልዑል ባህጊ ዚህልዎ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጡ ዀይኑ ዚምስክረሉ ሰብ ጥራሕ’ዩ።
ባህጊ ዘሎካ ምዃን’ሞ፡ እንታይ ፍሉይ ነገር ስለ ዝዀነ ኢና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ተገዲስና ኽንምህሮን ክንምሃሮን ዜድልየና፧ ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግባኣና ሓቂ እንተ’ልዩ፡ እዚ ‘ንዛረበሉ ዘለና ባህጊ፡ ተራ ናይ ስጋ ሃረርታ፡ ህርፋን ወይ ትምኒት ዘይምዃኑ’ዩ። እዚ ‘ንዛረበሉ ዘለና ባህጊ፡ መንፈሳዊ ጥራሕ ዘይኰነ ግብራውነት ዝመልኦ ባህጊ’ዩ። እዚ ባህጊ’ዚ ዘለዎ ሰብ፡ ኣዝዩ ብሉጽን ዓይነታውን (Quality) ህይወት’ዩ ዚነብር። ንትምኒትን ባህግን ናይ ስጋ ዕድል ስለ ዘይህብ፡ ንድያብሎስ ኰነ ንስጋ ዚኸውን መእተዊ ነቓዕን ስፍራን ኣይርከቦን’ዩ። ይትረፍ ብቐሊል ፈተና ኺጽዓድ፡ ሞት ዜስዕብ መከራ እንተ ወረዶ’ኳ፡ ክምህ ዘይብል ኣዝዩ ጽኑዕ ምስክር ናይ ክርስቶስ ኰይኑ’ዩ ዚውድእ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ተስፋን ባህግን፡ ንስቓይ ናይ’ዛ ዓለም ኪንዕቅን ተዓጊሱ ኺስዕርን ዜኽእሎ ሓይሊ የጐናጽፎ’ዩ።
"ስቓይ ናይ’ዚ ዘመን’ዚ፡ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ እኣምን’የ።" ሮሜ 8፡18 ካ.ት
"ስለ’ዚ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ብግዳም’ኳ እንተ ማህመንና፡ ብውሽጥናስ ኣብ ጸጽባሕ ኢና ‘ንሕደስ ኢና። እዚ ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን ጸበባናን ኸኣ፡ ካብ ኵሉ ዚበልጽን መዘና ዘይብሉን ዘለኣለማዊ ኽብሪ የጥርየልና ኣሎ። 2ቈረ4፡16,17 ካ.ት
ስለ’ዚ ኸኣ ኢና ኣብ’ታ ክርስቶስ ዘለዋ ኽንከውንን ምስኡ ኽንነብርን እቲ ዝለዓለ ናይ ህይወትና ባህጊ ኽንገብሮ ዚግብኣና። ካብ’ዛ ባህግና’ዚኣ ኼታርፈናን ኪዀልፈናን ንዚመጽእ ዜስድዕ፡ ዜርዕድ ኰነ ዜዘንግዕ ዅሉ ፈተናታትን መፈንጠራታትን ብልዑል ጥንቃቐ፡ ብብርቱዕ ትብዓትን ብዘይነቓነቕ ጽንዓትን ‘ክንዋግኦ፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ድማ ናይ ግድን ክንስዕሮ ዚግብኣና።
ናይ’ዚ ባህጊ’ዚ ዕብየትን ኣገዳስነትን ክሳዕ ኽንድ’ዚ ኺዓዝዝ ዝገበሮ ግን እንታይ’ዩ፧ ንሕና ኣዚና ስለ ዝደለናዮ ጥራሕሲ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዓብይን ኣገዳስን ይገብሮ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ናትና ግደ’ሞ ኣዝዩ ኢምንት’ዩ። ጐይታና ነዛ ተስፋን ባህግን’ዚኣ ኺነግረናን ኣብ ውሽጥና ኼሕድረልናን’ዩ ኻብ ሰማያት ወሪዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ (ዮሃ3፡11፣13,31-33)። ብዘይካ’ዛ ሓላፊት ዓለም ካልእ ተስፋ ዘይብሎም ዜደንግጹ ፍጥረት ምዃንና ኣዝዩ ስለ ዘጕሃዮ፡ ብኣካላ ስጋ ወሪዱ ናብ’ታ ኽብርቲ ዓለም ንኣትወሉ ምስጢር ገሊጹ፡ ነቲ ተስፋ ኣብ ልብና ዘርኦን ኣሕደሮን (1ቈረ15፡19)። ኣብ ምንጋርና ጥራሕ ከይተደረተ፡ ምስኡ ናይ ምንባር ክብሪ ምእንቲ ኺጽግወና በጃና ሞተ።
"(ብህይወት) እንተ’ለና ወይ እንተ ሞትና፡ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ ክርስቶስ ምእንታና ሞተ።" 1ተሰ5፡10
ስለ’ዚ ንሕና ነዛ ኽብሪ’ዚኣ ምእንቲ ኽንረክብ ክንዲ’ዚ ዚኣክል መሪር ዋጋ ስለ ዝኸፈለ፡ እዛ ባህጊ’ዚኣ ዘይብልካ ምዃን፡ ንስቓይን ሞትን ናይ ክርስቶስ ምቅላልን ከንቱ ምግባርን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ነቲ ናትና ምስኡ ኣብ ሰማያት ምንባር፡ ካባና ንላዕሊ ይብህጎ ምንባሩ ደጋጊሙ ተኣሚኑ’ዩ።
"ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ’ሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ (ሰባት) ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ንሳቶም’ውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልው እደልይ ኣለኹ።" ዮሃ17፡24
"ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መሓድር ኣሎ። መሓድር እንተ ዘይህሉ ግና ምነገርኩኹም ነይረ። ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ’የ’ሞ፡ ናባይ ክወስደኩም’የ።" ዮሃ14፡2,3 ካ.ት.
ነቶም ዚስዕብዎን ተጊሆም ብፍቕሪ ዜገልግልዎን ደቁ ዝሃቦ ተስፋ ድማ፡ "እቲ ዜገልግለኒ ድማ፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ኣብኡ ኪኸውን’ዩ።" ዚብል’ዩ (ዮሃ12፡26)። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብኸቢድ መከራ ዚሓልፉ ዝነበሩ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ሓዘን ተሰሚዕዎም ከይጒድኡ’ሞ፡ ንድሕሪት ከይምለሱ ምስ ሰግአ ዝሃቦም ተስፋ፡ ጐይታ ተመሊሱ መጺኡ ምስኡ ኪዀኑ ብዓጀብ መላእኽትን ብልዑል ክብርን ከም ዚወስዶም ዚገልጽ’ዩ።
". . . ኣምላኽ ነቶም ብኢየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም’ዩ። . . . እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ’ውን ቅድም ኪትንስኡ’ዮም። ድሕሪ’ዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘለና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምስኣቶም ሓቢርና ብደበና ኽንልዓል ኢና። ከምኡ’ውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት’ዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።" 1ተሰ4፡13-18
እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ኳ፡ ንኣና ንድኹማትን ሓጥኣንን ፍጥረት ምስኡ ኽንነብር ብሂጉናስ፡ ንሕና ምስ’ዚ ልዑልን ጻድቕን ጐይታ ምንባር፡ እቲ ዝለዓለን ቐዳማይን ባህግና እንተ ዘይገበርናዮ፡ ንሕሉፍ ትዕዝብትን ንሕሱም ፍርድን ኣይኰነናንዶ፧ ምስ ኢየሱስ ኣብ መንግስተ ሰማያት ምንባር ዘየብሃጎ ሰብ፡ ምስ ድያብሎስ ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ምንባር ኣብሂግዎ ኸም ዘሎ፡ ብቓላት’ኳ እንተ ዘይበሎ፡ ብግብራዊ መገዲ ግን ኣሉ ብዘይብሃል መገዲ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ ኪዝንጋዕ ኣይግብኦን’ዩ።
እምበኣር ርእስና ንመርምር’ሞ፡ ባህግና ነጸብቕን ንፈውስን፡ ለካሚና ዘይኰነስ ጠቓሚና ባህጊ ንምረጽ። እዚ ‘ንዛረበሉ ዘለና ባህጊ፡ ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና ኣዝዩ ሓያልን ወሳንን ተራ ኸም ዘለዎ ኣይንዘንግዕ። በቲ ስጋናን ዓለምን ሰይጣንን ኣብ ውሽጥና ዜዕፍርዎ ከንቱ ባህግታት ኣይንታለል። ነቲ ናይ ጐይታናን ናይ ቅዱሳኑን ባህግታት ብምምራጽ ድኣ ንድሕነትና ንለብም!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
17 ግንቦት 2026 | ግንቦት 9, 2018 ግዕዝ (መበል 36 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ "ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።" "እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 2ቈረ 5፡1-10 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 4፡4-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 10፡39-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 21፡1-14 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ፋሲካ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ