S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ ዝዓበናሉ ባህልና ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን።

ይዝከረኒ ኣብ ዓድና ከለኹ ንእሽተይ፡

ቀደም ክጻወት ምስ ኩሎም የዕሩኽተይ፡

ሻኲ ተወሰጥ ቃርሳ ምስ ያህለለይ:

ሸደድ ገበጣ እንተላይ ሓንዳይ፡

ሕንቂል ሕንቅሊተይ ሰሰናቢተይ፡

እንካ ኣዝግነኒ ሻነ ብምንታይ፡

ተባሂሉ ክጽወት ኣብ ዓደይ፡

ደስ ይብለኒ ክዝክር ባህለይ።

 

ኳኽየኳኽ ዓርከይ ኣበለኻ፡

መን ትባሃል እንታይከ ደሊኻ፡

ጭርጭር ዓበደ ክጻወት ምሳኻ፡

ኣኹድር ሕንቆ ክንቃለስ ኣብቲ ሸኻ፡

ኣስቲ ብሕልኮ ክሕንኩል እግርኻ፡

ያላኻ ያላኻ ስግር ማዕዶ ዘለኻ፡

ናብቲ ገደል ሸለው የብላኻ፡

በል ተናዘዝ መን ኢኻ መን ኢኻ፡

እንዳበሉ ኣሕዋት ክጻወቱ ኣብ በረኻ፡

ናይ ንእስነት ጸወታ ዝምስጥ ልብኻ፡

ዘይርሳዕ'ዩ ባህሊ ናይ ዓድኻ።

 

ከበሮ እምብልታ ምስ ጣቕዒት፡

ክራር ደርፊ ምስ ሳዕስዒት፡

ሻምብቆ ንመሰንቆ እንዳሰነየት፡

ናይ ጭራዋጣ ቃና ጎበዝ ዝመሰጠት፡

ካብ ርሑቕ ክድሀ ድምጺ ናይ መለኸት፡

ይበል ጓይላ ጎበዝ ዓዲ ዝማረኸት፡

 

ኣውሎ ማሰ ጨፈራ ምስ ዕልልታ፡

መኣዛ ዝመልኦ ናይ ዓድና ጸወታ፡

 

ዳስ ተተኺሉ ሕጸ መርዓ ኾይኑ፡

መርዓውቲ ክመጹ ካባ ዲኖ ዝተኸድኑ፡

 

ፋኑስ ጥዋፍ ኣብቲ ዳስ ተወሊዑ፡

በራሚል ገንእታት ስዋ ተሰሪዑ፡

 

ሜስ ብርዚ እንተኾነ ተጸሚቑ፡

ጎበዝ ከሰልፍ ድግድጊት ተዓጢቑ፡

 

መስተ ኽስተ ብሸሎኻ ብዋንጫ፡

ጮማ ዝሕላ ስጋ ቀሪቡ ብምርጫ፡

 

ጸብሒ ብጻሕሊ ክስራሕ ውዒሉ፡

ዕዱማት ክበልዑ መኣዲ ዝኣኸሉ፡

 

እንጀራ ምስ ዝግኒ ብመሶብ ቀሪቡ፡

ብላዕ ስተ ክባሃል ጸሓይ ዓሪቡ፡

 

ኣንስቲ ተኸዲነን ጋቢ ምስ ጥልፊ ክስዕሳዓ፡

ሰብኡት እጀጠባብ ምስ ሽወሽ ዝገበሩ ኣብቲ መርዓ፡

መርዑት ዓድና ተሓቢኤን ክስሕቃ ገጸን ከይተቐልዓ፡

መናእሰይ ይጭፍሩ ይዘሉ ዋላ ደቀርባዓ፡

 

ኣብ ህድሞ ዓድና ኣብ ሕጽኖት መርዑት፡

ኣብ ንእዲ ኣብ መደብ ኮፍ ኢሎም ቆልዑት፡

ኣደራራስ ክጻወቱ እንተላይ ዓበይቲ ሰብኡት፡

 

ኣየወ ክምዕርግ ባህሊ ናይ ዓድና፡

ላዛ ዋዛ ዝሓዘለ ዘይብሉ መዘና፡

ምዕቃብ የድሊ ባህሊ ናይ ሃገርና፡

መታን ክወርሱ ንኣሽቱ ቆልዑ ደቅና፡

ክመሓላለፍ ካባና ናብቶም ተካእትና፡

ካብ ቅድም ዝጸነሔ ናይ ስድራ ቤትና።

 

ይዝከረኒ ሕዛእቲ ዓዲ ብጥሪትና ክጥሕሰስ፡

ነዊት ኣርዑት ዕርፊ ማሕረሻ ምስ ከርፈስ፡

ኣብዑር ጸሚድካ ግራት ዋላኻ ክሕረስ፡

ስገም ስርናይ መሸላ ጣፍ ዕፉን ክሕፈስ፡

ዓተር ዓይኒዓተር ሰበረ ብርስን ባልዶንጓ ከውሕስ፡

ኒሁግ እንጣጢዕ ብልቱግ ዳጉሻ ዋግኡ ክመልስ፡

በቲ ሓደ ወገን መንእሰይ ይረኤ ኣብቲ ሩባ ክሕንብስ፡

ገሊኡ ሸዊት ዓተር እንዳበለዔ ክጻወት ክሕጎስ፡

ገጠራት ሃገርና ክትነብሮ ዘብህግ መንፈስካ ዘሕድስ።

 

ይዝከረኒ ኣብ ዓዲ ጥሪትና ሳዕሪ ከነባልዕ፡

ላም ኣርሒ ምራኽ ብዕራይ ዝራብዕ፡

ከምኡውን በቕሊ ፈረስ ኣጣል ኣባጊዕ፡

ኣድጊ ከይተረፈት ዒሉ ክትብል ፍንጭራዕ፡

ዕየት ብተይ ማሕስእ ደርሁ ኣብ ደንበ ክስራዕ፡

ኣቦታት ይወፍሩ ክሓርሱ ክዘርኡ ኩሉሳዕ፡

ኣደታት ክጉልጉላ ክጽህያ እቲ ዘይብላዕ፡

ጓሶት ክደርፉ ካብ ስግር ማዕዶ ክስማዕ፡

ጥዑም እዋን ኔሩ ጨሪሱ ዘይርሳዕ።

 

ይዝከረኒ ናብ ቤተክርስትያን ክንከይድ ኣንጊህና፡

ምስ ወለድና ኣሕዋት ኣሓት ኩላህና ተኣኪብና፡

ቅዱስ ዮውሃንስ ምስ ብርሃነ መስቀል ከነኽብር፡

መንፈሳዊ ባዓላት ኮይኑ ብጉቡእ ክንዝክር፡

 

ገልገለ መስቀል ሒዝና ክንብል ሆያሆየ፡

ሓደ ሰብ ከይተረፈ ዝነኣሰ ዝዓበየ፡

 

ኣዋልድ ክደርፋ ከበሮ ሒዘን እንዳዘለላ፡

ዮውሃንሰይ ቅዱሰይ ምሒርዋ ንነብሰይ እንዳበላ፡

 

ልደት ጥምቀት ትንሳኤ ይስዕብ ተኸታቲሉ፡

ከከም ወቕቱ ብወግዒ  ይኽበሩ ይበዓሉ፡

 

ካህናት መስቀል ሒዞም የሳልሙ ንኹሉ በብሓደ፡

ድያቆናት ነይሩዎም ዝገብርዎ ናቶም ግደ፡

 

ኣበይ ይርከብ እዚ ኽቡር ባህሊ ናይ ወለድና፡

ይሃስስ ይጠፍእ ኣሎ መተካእታ ዘይብልና።

 

ይዝከሩኒ ኣብ ዓድና ናኣሽቱ የሕዋተይ፡

ከምኡውን እቶም ቆልዑት ጎረባብተይ፡

ተዋሃሂዶም ክነብሩ ጠባይ ንጠባይ፡

እምቢ ዘይብሉ ብጀካ ሕራይ፡

ንዝሸምገሉ ዝብሉ ኣቦይ ኣደይ፡

ንዝዓበዩ ዝብሉ ኣብሻይ ኣያይ፡

ንዝነኣሱ ዝብሉ ሓወይ ሓብተይ፡

ወለዲውን ዝብሉ ወደይ ጓለይ፡

ክብሪ ዘለዎ ባህሊ ናይ ህዝበይ፡

ተስፋ ኣሎኒ ክምለስ ናብ ዓደይ፡

ኣብታ ቁሸተይ ከሕልፋ ዝተረፈት ሂወተይ፡

ምስ ሞትኩ'ውን ክቕበር እብታ ሓመድ ዓደይ፡

ኣብ ሃገርና ኽትቅበሩ ትምነዩ ዶ ከምዚ ኸማይ፡

ትምኒትና ኽፍጸም ንጸሊ ናብቲ ኣምላኽ ሰማይ።

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና፡

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና፡

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና፡

ብሓልዮት ንዓቅቦ ባህሊ ሃገርና።

2 August 2024

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div