S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜድሕን ሊቀ ካህናት!! ቊ.43(24 ግንቦት 2026 ፈ | ግንቦት 16, 2018 ግዕዝ)

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ካብ ትማሊ ሓሙስ (በዓለ ዕርገት) ጀሚርና’ውን፡ ናብ "ዘመነ ዕርገት" ኣቲና‘ለና። ዘመነ ዕርገት ካብ በዓለ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ጊዜ ዜጠቓልል’ዩ። በዓለ ትንሳኤ ናብ መጋቢት 30 ኣብ ዝተሳሕበሉ፡ ዘመነ ዕርገት ናይ 39 መዓልታት ዘመን ኪኸውን ከሎ፡ በዓለ ትንሳኤ ናብ ሚያዝያ 27 ኣብ ዝወረደሉ ድማ፡ ናይ 11 መዓልታት ዘመን’ዩ ዚኸውን። ነዚ ናይ ዘመነ ዕርገት ቀዳማይ ሰንበት ዝተሰርዐ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ "በሰንበት ዐረገ ሐመረ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦  “ብሰንበት ናብ ጃልባ ደየበ፡፡ ንባሕሪ’ውን ገሰፀ። ንንፋሳት’ውን ገሰፆም። (ንደቀ መዝሙሩ) "ኣይትጠራጠሩ ናብ ልብኹም ድማ፡ ጥርጣረ ኣይምጻእ። ከም’ቲ ኣቦይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነ’ውን እልእከኩም ኣለኹ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማኅደር ኣሎ። ኣብ’ታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ተመሊሰ ኽወስደኩም’የ"።

ወልድ ሓወይ ፍቁረይ’ዩ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ተንስአ፡ ንዅሉ ዓለም ሰላም ገበረ። ናብ ሰማያት ብኽብሪ ዓረገ። ነቲ ንሰንበት ዝቐደሳ፡ ንእኡ ኽብሪ ይግብኦ።”  ዚብል’ዩ። ትሕዝቶ ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ በቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ዝተሃንጸ’ዩ። ዕርገት ዝተፈጸመሉ ዕላማ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ኼተዓርቐና’ሞ፡ ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም እንኣትወሉ ደገ ኪኸፍተልናን መሰል ኬውህበናን’ዩ። ኣብ ስርዓት ብሉይ ኪዳን ንኣምላኽን ንህዝብን ዜተዓርቕ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ’ዩ። ነቲ ዚስዋእ እንስሳ ኣብ’ቲ መሰውኢ ይስውኦ’ሞ፡ ደም ናይ’ቲ እንስሳ ኣብ ጭሔሎ (ሸሓኒ) ሒዙ ናብ’ቲ መንበረ ታቦት ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣትው። ነቲ ደም ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ መኽደን መተዓረቒ (ኣብ መንበረ ታቦት) ይነጽጎ። ብድሕሪ’ዚ እግዚአብሔር ንዅሉ ኣበሳ ይቕረ ኢሉ ሕድገት ይገብር (ስርየት ይህብ)’ሞ፡ ምስ ህዝቡ ይተዓረቕ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ብዘይ ዝዀነ ዘረባ ብግብሪ ጥራሕ "ናይ’ቲ ህዝቢ ሓጢኣት በዚ ደም’ዚ ተኸፊሉ’ዩ’ሞ፡ ነዚ ህዝቢ’ዚ ምሕረት ግበረሉ" ኢሉ ይማልድ ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ደም ኣብ መሰውኢ ስለ ዝፈሰሰ ጥራሕ ስርየትን ዕርቅን ኣይርከብን’ዩ። እቲ ደም ናብ’ቲ ብውክልና መኽደን መተዓረቒ (መንበረ ታቦት) ህላወ እግዚአብሔር ዘለዎ ቅድስተ ቕዱሳን ናይ ግድን ኪኣትው ኣለዎ። እዚ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት’ዚ፡ ትእምርታዊ ወይ ግብራዊ ትንቢት ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ኣገልግሎት ክህነትን ግብሪ ድሕነትን’ዩ። ባዕሉ ገንሸል ፋሲካ ዀይኑ ምስ ተሰውአ፡ ብትንሳኤኡ ህያው መስዋእቲ ዀነ። ፍጹም ሊቀ ካህናት ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነቲ ህያው ደሙ ሒዙ ናብ ሰማያት፡ ናብ እግዚአብሔር፡ ናብ’ታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ኣተወ። እግዚአብሔር ከኣ፡ በቲ ናይ ቅዱስ ወዱ ህያው ደም ዘለኣለማዊ ስርየት (ሕድገት) ሃበ። 

እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ሊቀ ካህናት፡ ደም ሒዙ ካብ’ቲ መሰውኢ ናብ’ቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዚገብሮ ጕዕዞ፡ ነቲ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ህያው ደሙ ሒዙ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዝገበሮ ዕርገት ዚውክል’ዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ሊቀ ካህናት፡ ነቲ ደም ኣብ ሸሓኒ ሒዝዎ’ዩ ዚኣትው። ናይ ሓድሽ ኪዳን ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ግን፡ ነቲ ህያው ደሙ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ሒዝዎ’ዩ ዚኣትው። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ሊቀ ካህናት ነቲ ደም ነጺጉ ምስ ወድአ ካብ’ቲ ቅድስተ ቅዱሳን ይወጽእ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ፡ ይምለስ። ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ግን፡ ንዘለኣለም ኣብኡ ይነብር’ምበር ኣይወጽእን’ዩ። በዚ ኸኣ’ዩ ዘለኣለማዊ ስርየትን ድሕነትን ዜውህበና። ስለ’ዚ ዕርገት፡ ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዝጀመረ ግብሪ ድሕነት መዛዘሚ’ዩ። ጐይታና ናብ ሰማያት እንተ ዘይዓርግ፡ ድሕነት ዚብሃል ፈጺሙ ኣይምሃለወን ነይሩ። ስለ’ዚ ስቕለትን ትንሳኤን ዕርገትን ማዕረ ኽብሪ ዚግብኦም ዘይተኻኽኡ፡ ግን፡ ከኣ፡ ተመላላእቲ ግብርታት ድሕነት’ዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ በቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ደሙ ኸም ዜማልደና ኣነጺሩን ደጋጊሙን ጽሑፉ ኣሎ (እብ 12፡24፣7፡25፣ሮሜ 8፡34)። እዚ ሓዋርያዊ ትምህርቲ’ዚ ጽኑዕ መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናን ናይ ኵላተን ኣሓት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስትያንን’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣብ ቅዳሴኣ፦ 

"እንሆ ኣብ ቀራንዮ ምእንታይ ዝፈሰሰ ንጹሕ ደም ወድኻ ምእንታይ ይጠርዕ ኣሎ። እዚ ዚዛረብ ደም፡ ካብ ባርያኻ ኃጢኣት ዜስተስሪ ይኹን።"

ብምባል ብንጹር ኣስፊራቶ ኣላ። ቅዳሴ ሐዋርያትን ቅዳሴ ዲዮስቆሮስን ኪቕደስ ዝወሰነትሉን ዝገበረትሉን ዕላማ ድማ፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ኽንእመኖን ከነመስግነሉን ስለ ዝደለየት’ዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ዕርገቱን ብዘይ ናይ ደሙ ማልዶትን ሕድገት ሓጢኣት ዚረክብን፡ ምስ ኣምላኽ ዚዕረቕን መንግስቲ ኣምላኽ ዚወርስን የልቦን። ስለ’ዚ ነዚ ዘመነ ዕርገት’ዚ ነዚ ዜድሕን ሓቂ’ዚ ብዕምቈት ከነስተምህረሉን፡ ብዛዕባ’ዚ መስተንክር ግብሪ ድሕነት’ዚ ንኣምላኽ ከነመስግነሉን ይግብኣና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ዮሃ14፡1-12 ዝተወስደ ዀይኑ፡ ምስ እብ7፡24-26 ዝተዛመደ’ዩ።

ናይ ጐይታና ዕርገት፡ ምስ’ቲ ናይ ሊቀ ካህናት ኣገልግሎቱ ንምንታይን ብኸመይን’ዩ ዚዛመድ፧ ብኸመይከ’ዩ ብኽህነቱ ዜድሕነና፧ ናይ’ዚ ሕቶና’ዚ መልሲ ኣብ መእተዊ ናይ’ዚ ትምህርትና ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ሰፊሩልና ኣሎ። ብዛዕባ ዕርገት ጐይታና ኽንሓስብ ከለና፡ መብዛሕትናን ዚበዝሕ ጊዜን ጐይታና ነቲ ናይ ምድሓን ስርሑ ዛዚሙስ ናብ’ቲ ናይ ዘለኣለም ማሕደሩ ከም ዝተመልሰ ጌርና ጥራሕ’ምበር፡ ንኼድሕነና ኢሉ ኸም ዝዓረገ ጌርና ኣይንርድኦን ኢና። ድሕነት ብደም ክርስቶስ ከም ዚርከብ ስለ ‘ንሰምዕን ‘ነንብብን፡ እቲ ደሙ ኣብ መስቀል ስለ ዝፈሰሰ ጥራሕ፡ ናይ ድሕነት ስራሕ ዝተዛዘመን ምሉእ ድሕነት ዝረኸብናንዩ ዚመስለና። እዚ ዘይተማልአ ርድኢት’ዚ ይትረፍ ንህይወትና፡ ዋላ ነቲ ኣባዕላና’ኳ ብኣሉታ ጸልይዎ’ዩ። ንልደቱ፡ ንስቕለቱ ዀነ ንትንሳኤኡ ‘ነብዕለሉ ኣገባብ ኣዝዩ ድሙቕን ውዕዉዕን’ዩ። ንበዓለ ዕርገት ግና ኣብ ዙርያ ቤተ ክህነት ዘሎ ሰብ’ምበር፡ እቲ ሓፋሽ ምእመንሲ በዓል ከም ዘሎ’ውን ዘይፈልጥ ሰብ ይበዝሕ። ዕርገት ግን ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተጀመረ ግብሪ-ድሕነት መዛዘሚ’ዩ።

እግዚኣብሄር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ዝተወልደልና ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ናይ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣገልግሎቱ ምእንቲ ኺፍጽም’ዩ። ከም’ቲ ዝተመደበሉ ድማ ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ መስቀል ተሓሪዱ ሞተልና፡ ነቲ ዜድሕን ደሙ ድማ ኣፍሰሰልና። እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ብስርየት ሓጢኣት ድሕነት ዜውህበና ግን፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማያዊት መቕደስ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ዚቐርብን፡ እግዚኣብሄር ነቲ ደም ተቐቢሉ ሕድገት ሓጢኣት (ስርየት ሓጢኣት) ምስ ዚህብን’ዩ። ነቲ ደም ሒዙ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዜቕርቦ ድማ ሊቀ ካህናት ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ጐይታና ኢየሱስ ገንሸል ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሊቀ ካህናት’ውን ኪኸውን ዘድለየ። ናይ ገንሸል ኣምላኽ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ካብ ሰማያት ኪወርድን ሰብ ኰይኑ ኪመውትን ከም ዘድለየ፡ ናይ ሊቀ ካህናት ኣገልግሎቱ ንኺፍጽም ድማ ናብ ሰማያት ኪዓርግ ኣድለዮ። ንዕርገቱ፡ ካብ’ቲ ናይ ልደቱን ስቕለቱን ትንሳኤኡን ዘይንእስ ኣድህቦ ኽንገብረሉ ዚግብኣና ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።

እዚ ድኹምን ውዱቕን ፍጥረት ዝዀነ ሰብ፡ ብግብራዊ መርኣያን ኣብነትን እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ መለኮታዊ ኣሰራርሓን ምስጢርን ብቐሊሉ ኺረድኦ ኸም ዘይክእል፡ እግዚኣብሄር ይፈልጥ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ በቲ ምስሊ ወይ ጽላሎት ናይ ክርስቶስ ዝዀነ ነብዪ ሙሴ ገይሩ፡ ናይ መስዋእትን መቕደስን ክህነትን ስርዓት ኣቘመ። ነዚ ስርዓተ መስዋእትን ክህነትን’ዚ ኻብ ኦሪት ዘጸኣት ጀሚሩ ኽሳዕ ኦሪት ዘዳግም ኣብ ዘሎ መጻሕፍቲ ብዝርዝር ገሊጽዎ ኣሎ። ነዚ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓትን ምስጢራቱን ከም ዚግባእ ዘይተረድአ ክርስትያን፡ ነቲ ክርስቶስ ጐይታና ብስቕለቱን ትንሳኤኡን ዕርገቱን ዝፈጸሞ ግብሪ-ምድሓን ከም ዚግባእ ኺርድኦ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት፡ ነቲ ብኢየሱስ ዝተፈጸመ ናይ ሓድሽ ኪዳን ስርዓት፡ ዚገልጽ ትንቢታውን ትእምርታውን ስርዓት’ዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ምስ ኣምላኽ ኪዕረቕን ሕድገት ሓጢኣት ኪረክብን ምስ ዚደልይ፡ ነቲ ሕጊ ዚእዝዞ ናይ መስዋእቲ እንስሳ ሒዙ ይመጽእ። ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ’ቲ እንስሳ ኣንቢሩ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኻህን ብዛዕባ ዅሉ ሓጢኣቱ ይናዘዝ (ሓጢኣቱ ይእመን)። ስለ’ዚ ነቲ ሓጢኣቱ ኣብ ልዕሊ’ቲ እንስሳ የንብሮ ማለት’ዩ። ሽዑ’ቲ ኻህን ነቲ እንስሳ ወሲዱ ኣብ’ቲ መሰውኢ ይሓርዶ’ሞ ነቲ ደሙ ናብ ቤት መቕደስ ኣእትዩ ኣብ’ቲ መጋረጃ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ይነጽጎ ነበረ (ዘሌ1፡3-5)። ብደረጃ ህዝቢ ኣብ ዓመት ሓንሳእ መስዋእቲ ሓጢኣት ኪፍጸም ከሎ ድማ፡ ሊቀ ካህናት ነቲ ህዝቢ ወኪሉ ኢዱ ኣብ’ቲ እንስሳ ኣንቢሩ ይናዘዝ። ሽዑ ነቲ እንስሳ ሰዊኡ ደሙ ሒዙ ናብ ውሽጢ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣትው’ሞ፡ ኣብ’ቲ ንእግዚኣብሄር ዚውክል መኽደን መተዓረቒ (መንበረ-ታቦት) ይነጽጎ ነበረ። ብኸም’ዚ ኸኣ ናይ’ቲ ዓመት ምሉእ በቲ ህዝቢ ዝተፈጸመ በደል ሕድገት ሓጢኣት ይረክብ ነበረ (ዘሌ16፡11-19)። እቲ ደም ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኣብ ልዕሊ’ቲ መኽደን መተዓረቒ እንተ ዘይፈሲሱ ግን፡ ስርየት ሓጢኣት ፈጺሙ ኣይርከብን’ዩ። እቲ ሊቀ ካህናት ደም ከይሓዘ እንተ ኣትዩ፡ ንርእሱ ብሓዊ መለኮት ይቃጸል ነበረ (እብ9፡7 ፣ ዘጸ30፡10)። ስለ’ዚ ኣብ ሕድገት ሓጢኣትን ድሕነትን ናይ’ቲ ህዝቢ፡ እቲ ደምን እቲ ሊቀ ካህናትን ዓብይን ተመጣጣንን ግደ ነበሮም።

እዚ ስርዓት’ዚ ብዛዕባ’ቲ ብክርስቶስ ጐይታና ዚፍጸም ኣገልግሎት ዕርቂ ዚገልጽ ትንቢታውን ትእምርታውን ስርዓት’ዩ። ጐይታና ብስቕለቱ ገንሸልና ብትንሳኤኡ ድማ ሊቀ ካህናት ኰይኑ፡ ነቲ ህያው ደሙ ሒዙ ናብ ሰማይ ብምዕራግ፡ ናብ’ቲ ዚዕረቐና ኣቦ ቐረበ። እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ነቲ ዚብጀወና ደሙን ዜተዓርቐና ኽህነቱን ብኽብሪ ተቐቢሉ ምስ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ተዓርቀ (ሮሜ5፡10 ፣ ቈሎ1፡20 ፣ እብ2፡17 ፣ 1ጴጥ3፡18)።

"ሕጂ ግና ኣቱም ቀደም (ብሓጢኣትኩም) ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ (ናብ ኣቦ) ቐረብኩም፡ ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ (ናይ ሓጢኣት) ከልካሊ ቐጽሪ ዘፍረሰ፡ ሰላምና’ዩ’ሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ነቲ ጽልኢ፡ . . . ብስጋኡ ስዒሩ ብመስቀሉ’ውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም (ንኣይሁድን ነህዛብን)፡ ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።" ኤፌ2፡13-17

". . . እዚ ዅሉ’ውን፡ ካብ’ቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ዝተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂ’ውን (ንኣና) ዝሃበና ኣምላኽ’ዩ። ማለት ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ ኣብ ክርስቶስ ነበረ’ሞ፡ በደሎም ኣይሓዘሎምን (ሕድገት ገበረሎም። ተዓርቆም)፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለ’ዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና’ሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። . . . "ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ" እናበልና፡ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣለና።" 2ቈረ5፡17-21

ስለ’ዚ ጐይታና ብደሙ ጥራሕ ዘይኰነ ብኽህነቱ’ውን ዘተዓረቐናን ዘድሓነናን። ሊቀ ካህናት እንተ ዘይከውን ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ህያው ደሙ ሒዙ ናብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኬቕርቦ ዚኽእል ካልእ ሊቀ ካህናት ስለ ዘይነበረን ዘየለን፡ ንሕና ሕድገት ሓጢኣት ረኺብና ኣይምደሓንናን፡ ናይ ክርስቶስ ስቓይን ሞትን ዝፈሰሰ ደሙን ድማ ከንቱ ዀይኑ ምተረፈ ነይሩ።

ክርስቶስ ጐይታና ግን ብኸመይ’ዩ ካህን ዝዀነ፡ ናይ ክህነቱ ፍሉይነት ኣብ ምንታይ’ዩ፡ ናይ ኣየኖት ካህናት ሓለቓኸ’ዩ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ጐይታና ኻብ ዓሌት ሌዊ ኻብ ዘርኢ ካህናት ዘይኰነ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ካብ ዓሌት ነገስታት’ዩ ዝተወልደ። እግዚኣብሄር ኣቦ ንዓለም ብክርስቶስ ወዱ ኺዕረቓ ስለ ዝመረጸ ግን፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፡ ብዓሌት (ብተወርሶ) ዘይኰነ፡ ብማሕላ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ገበሮ። ነዚ ምስጢር’ዚ ኸኣ ብነብዪ ዳዊት ባርያኡ ገይሩ ገለጾ።

"እግዚኣብሄር፡ ‘ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጸዴቕ፡ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፧’ ኢሉ መሓለ ኣይጠዓስን ከኣ።" መዝ110፡4 (እብ5፡5-10,7፡11-28)

ብመሰረት እብ 5፡1፡ ሊቀ ካህናት ኪኸውን ዚኽእል፡ ካብ ማእከል ሰብ ዝተወስደ፡ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ክርስቶስ ጐይታና ብምስጢረ ተዋህዶ (ብምስጢረ ስጋዌ) ፍጹም ሰብ ብምዃኑ፡ ዚስዋእ ገንሸልን ዜተዓርቕ ሊቀ ካህናትን ኰነልና። ናይ ጐይታና ክህነት፡ ከም ናይ ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ናይ መልከ ጸዴቅ ክህነት ምዃኑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ’ዚ ናይ ማሕላ ቓሉ ኣረጋጊጹ’ዩ። ናይ ኣሮን ክህነት ኣብ’ዛ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸት ናይ ምድሪ ድንኳን ጥራሕ ዜገልግል ብሞት ዝተደረተ ክህነት’ዩ (እብ7፡18-23 ፣ 10፡1-4,11)። ድኻም ስጋ፡ ማለት ሓጢኣት ዝጠበቖ ክህነት ስለ ዝዀነ፡ ንርእሱን ንህዝቡን ዜተዓርቕ ዓመት መጸ መስዋእቲ ዜቕርብ ክህነት ነበረ (እብ5፡2,3)። ናይ መልከ ጸዴቅ ክህነት ግን ሓጢኣት ዘይብሉ ብሞት ዘይድረት ዘለኣለማዊ ክህነት ስለ ዝዀነ፡ ብሓንትን ዘይትድገምን መስዋእቲ ንዘለኣለም ዜተዓርቕ ዝበለጸ ተስፋ፡ ዝበለጸ ኪዳንን ዝበለጸ ኣገልግሎትን ዘለዎ ክህነት’ዩ (እብ7፡27-28 ፣ 8፡1,2,6,7)። ክህነት መልከጸዴቅ ኣብ ምድራዊ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ሰማያዊ መቕደስ ዜገልግልን ዜተዓርቕን ክህነት’ዩ (እብ 9፡11-14,23-26)። ክህነት መልከጸዴቅ፡ ብሰማያት ዝሓለፈን ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለን ንጉሳዊ ክህነት’ዩ። ንግስነቱ ድማ ብስጋን ብመለኮትን ዝዀነ ድርብ ንግስነት’ዩ። ብስጋ ካብ’ቲ ናይ ነገድ ይሁዳ ኣንበሳ ዝዀነ ናይ ዳዊት ንግስነት ኪኸውን ከሎ፡ ብመለኮቱ ድማ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ዝዀነ ንጉስ ነገስታት’ዩ (ራእ5፡5, 19፡16፣22፡16፣ ሚል 5፡2፣ ዳን7፡13,14፣ ኢሳ9፡6,7፣ ሉቃ1፡31,32)። ነቲ ናይ ገንሸልን ክህነትን ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ መዓልቲ ሆሳእና ብንጉሳዊ ኽብርን ዓጀብን ዝኣተወሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።

"ደጊም (ብዘይካ ብሓጢኣትሲ)፡ ብዅሉ ኸም’ዚ ኸማና ዝተፈተነ’ዩ’ምበር፡ ብድኻማና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን’ሞ፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ።" እብ4፡14,15

"ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰምዪ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዅላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።"እብ5፡9,10

"(እታ ተስፋ) ድማ፡ ከም መልሕቕ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን’ያ’ሞ፡ ናብቲ ኢየሱስ ከም መዓርግ መልከ ጸዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ (ናብ) ውሽጢ’ቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና።" እብ6፡19,20

"ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል’ዩ። ከም’ዚ (ዝበለ) ኽፍኣትን ርኽሰትን ዘይብሉ፡ ካብ ሓጥኣን ዝተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ካህናት ኣድለየና። . . . ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። . . . እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል-ማሕላ ግና፡ ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ’ዩ ዚሸይም።" እብ7፡25-28

"ሕጂ ድማ (ናይ’ዚ) ’ንብሎ ዘለና ኣውራ ነገሩ እዚ (ዚስዕብ)’ዩ። ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ ዝተቐመጠ ናይ’ቲ ጐይታ ደኣ’ምበር ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ (ዝዀነ)፡ ከም’ዚ ዘመሰለ ሊቀ ካህናት ኣሎና።" እብ8፡1,2

ነዚ ሓቂ’ዚ ብዕቱብ ድሕሪ ምንባብናን ብንጹር ድሕሪ ምርዳእናን ናይ ጐይታና ናይ ክህነቱ ፍሉይነትን፡ ክህነቱ ኣብ ድሕነትና ዘለዎ ተራን ጐሊሑን ደሚቑን ኪርኣየና ይግባእ’ዩ። ንሕና ብደም ናይ ክርስቶስ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብደምን ክህነትን ናይ ኢየሱስ ጐይታና ዝደሓንና ኢና። እዚ ነብዕሎን ንዝክሮን ዘለና ዕርገቱ ነቲ ክህነታዊ ግብሪ ድሕነቱ ኸነስተውዕሎን ክንዝክሮን ነዚ ተስፋ ድሕነት’ዚ ድማ ከም ጽኑዕን ድልዱልን ናይ ነፍስና መልሕቕ ጌርና ምእንቲ ኽንኣምነሉን ዝተፈጸመ’ዩ።

ክህነት ግን ብኸመይ’ዩ ዜድሕን፧ ኣገልግሎት ናይ ክህነት እንታይ’ዩ ግዲ፧ ናይ ክህነት ኣገልግሎት ንኣምላኽን ንሰብን ማእከላይን መንጐኛን ኴንካ ምትዕራቕ’ዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ሊቀ ካህናት ንሰብ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ከምኡ’ውን ንኣምላኽ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐውም ነበረ። እቲ ዝበለጸ መርኣያ ናይ ክህነታዊ ኣገልግሎት እቲ ኣብ ዘለ16፡41-50 ዘሎ ታሪኽ’ዩ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብሰሪ ሓጢኣቱ ኺወቕዖን ኬጽንቶን ምስ ጀመረ ነብዪ ሙሴ ንሊቀ ካህናት ኣሮን፡ "ናብ’ቲ ኣኼባ ኺድ’ሞ፡ ኣተዓርቆም" ኢሉ ኣዘዞ። ኣሮን ድማ ጽንሃሁ ሒዙ ናብ’ቲ መዓት ገጹ ጐየየ’ሞ፡ ኣብ መንጐ’ቶም ድሮ ዝተቐዝፉ ምዉታትን ኣብ መንጐ’ቶም ገና ዘይሞቱ ህያዋንን ኰይኑ ደው በለ። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ባዕሉ ዝሓረዮን ዝቐብኦን ሊቀ ካህናት ሓሊፉ ኪኸይድ ስለ ዘይደለየ፡ ቍጥዓኡ ገቲኡ ምሕረት ገበረ። እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ ኪዳን ክህነት ዘሎ ናይ መንጐኛን ማእከላይን ተራ፡ ብጽኑዕ’ዩ ዚሕልዎን ዜኽብሮን። በቲ ኣብ ራእ5፡8 ተገሊጹ ዘሎ መሰረት፡ እቲ ኣብ ጽንሃህ ዚተክኽ ዕጣን፡ ናይ ጸሎት ትእምርቲ ወይ ምልክት’ዩ። ኣሮን ብልሳኑ "በጃኻ ምሓሮም" ኢሉ ኸም ዝጸለየ ኣይተጻሕፈልናን። ነቲ ኣብ መንጐ ህዝቡን ኣምላኹን ደው ኢሉ ዝፈጸሞ ትእምርታዊ ጸሎት ግን፡ እግዚኣብሄር ተቐበሎን ኣኽበሮን።

ኣብ’ታ "መዓልቲ ዕርቂ"፡ እቲ ሊቀ ካህናት ነቲ ህዝቢ ኼተዓርቕ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኪኣትው ከሎ ድማ፡ ደም ናይ’ቲ ዝተሰውአ እንስሳ ሒዙ’ዩ ዚኣትው። ኣብኡ ምስ ኣተወ፡ ብልሳኑ ዜውስኦ ዝዀነ ይኹን ናይ ልመና ቓል የለን። ነቲ ደም ግና በጻብዑ ገይሩ ናብ’ቲ መኽደን መተዓረቒ፡ ማለት ናብ እግዚኣብሄር ይነጽጎ። ስለ’ዚ ብግብራዊ መገዲ "ናይ’ቲ ህዝቢ ናይ ሓጢኣቱ ዋጋ፡ በዚ ደም’ዚ ተኸፊሉ’ዩ’ሞ፡ ምሕረትን ሕድገትን ግበር" ኢሉ ይልምን ኣሎ ማለት’ዩ ብቋንቋ ስነ መለኮት፡ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ማልዶት "ቤዛዊ ማልዶት (Expiatory Intercession) ይብሃል። እዚ ብደም ዚግበር ማልዶት፡ ብዓይነቱ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ማልዶት’ዩ። ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ብዕጣን ዝተገብረ ናይ ሊቀ ካህናት ማልዶት፡ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ንኺገትእ ዝተገብረ’ምበር፡ ንሕድገት ሓጢኣት ኣይነበረን። ንሕድገት ሓጢኣት ዚግበር ማልዶት፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ዕርቂ ብደም ዚፍጸም’ዩ (ዘሌ16፡15)። እቲ ዚድለይ ደም ፈሲሱ ኼብቅዕ፡ ነቲ ደም ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእትዎ ሊቀ ካህናት እንተ ዘየለዩ ግን እቲ ዚድለይ ሕድገትን ድሕነትን ኣይርከብን’ዩ።

ኢየሱስ ጐይታና ናይ መስዋእቲ ሓጢኣት ገንሸል ክነሱ፡ ብኸመይክን ንምንታይን ሊቀ ካህናት ኪኸውን ኣድለየ፧ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ፡ ኣብ’ቲ መሰረተ እምነትና ዝዀነ ምስጢረ ስጋዌ ኢና ‘ንረኽቦ። ባህርይ (Nature) ወይ መንነት ናይ’ቲ ዚስዋእ ኣካል ንመንነት ናይ’ቲ ዚስውእን ዜቕርብን ዜተዓርቕን ሊቀ ካህናት ይውስኖ’ዩ። እቲ ዚቐርብ መስዋእቲ፡ ብተፈጥሮኡ እንስሳ ምስ ዚኸውን ሓጥእ ሰብ ብዝዀነ ሊቀ ካህናት ኪስዋእን ኬተዓርቕን ይኽእል’ዩ። ነዚ እንስሳ’ዚ ንምስዋእ’ኳ፡ እዚ ንርእሱ ሓጥእ ዝዀነ ሊቀ ካህናት ቅድም ንርእሱ ኬተዓርቕ ናይ ግድን’ዩ (እብ5፡1-3 ፣ 7፡27)። እዚ ድማ እቲ ኽህነቱ ዀነ እቲ ዜቕርቦ መስዋእቲ ምሉእ ዕርቂ ኼምጽእ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ዜመልክተና’ዩ። ንኢየሱስ ጐይታና፡ ከም ገንሸል ሰዊኡ ኬቅርቦ ዚኽእል ካልእ ሊቀ ካህናት ኣብዛ ምድሪ ኺርከብ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ብእኡ ዜተዓርቕ ሊቀ ካህናት ካብኡ ዝዓበየ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። ካብኡ ዚዓብይ፡ ካብ ሰብ ይኹን ካብ መላእኽቲ፡ ዋላ ሓደ’ኳ ስለ ዘየለ፡ ንሱ’ዩ ገዛእ ርእሱ ሰዊኡ ባዕሉ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ብገዛእ ደሙ ኼተዓርቐና ዚኽእል። እቲ ብደም ክርስቶስ ዕርቂ ዚግበረሉ መቕደስ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ መቕደስ ዘይኰነስ፡ እቲ ሰማያዊ’ዩ። ብዘይካ ኢየሱስ ናብኡ ኺድይብን ኪኣትውን ዚኽእል ዝዀነ ኻልእ ኣካል፡ የለን (ዮሃ3፡13)። ኢየሱስ ግን ፍጹም ሊቀ ካህናት ኰይኑ ብዕርገቱ ናብ’ቲ ሰማያዊ መቕደስ ኣትዩ፡ ነቲ ናይ ደሙን ስጋኡን ህያው መስዋእቲ ኣቕረበ። በዚ ኸኣ፡ በቲ መሪሕ ጥቕስና ዝገለጸልና መሰረት፡ ብደሙ ቤዛዊ ማልዶት እና’ቕረበ ዘለኣለማዊ ድሕነት ጸገወና። ብዘይ ደም ናይ’ዚ ገንሸልን፡ ብዘይ ቤዛዊ ማልዶት ናይ’ዚ ዘለኣለማዊ ቅዱስ ሊቀ ካህናትን ዝዀነ ኢየሱስ ድሕነት ዚብሃል የለን። ክርስቶስ ጐይታና፡ ከም ፍጡራት ብልሳኑ ዘይኰነስ ከም ስግው መለኮት ብደሙ’ዩ ዚማልድን ዚልምንን። እታ ንሱ ዜቕርባ ማልዶት ድማ ብዛዕባ ሓጢኣትናን ድሕነትናን’ምበር፡ ብዛዕባ ዝዀነ ኻልእ ኣርእስቲ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብዘይካ ሓጢኣት፡ ናይ ደምን ናይ ሊቀ ካህናትን ቤዛዊ ማልዶት ዚጠልብ ዝዀነ ኻልእ ኣርእስቲ የለን። እዚ ሓቂ’ዚ፡ ናይ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያን ጽኑዕ ሰረተ እምነት (ዶክትሪን ወይ ዶግማ)’ዩ። ብናይ ክርስቶስ ቤዛዊ ማልዶት ዘይኣምንን ዘይእመንን ሰብ፡ ይትረፍ ኦርቶዶክሳዊ፡ ብመሰረቱ ክርስትያን’ውን ኣይኰነን። በቲ ዜድሕን ቤዛዊ ማልዶት ዘይምእማን፡ ውጹእ ክሕደትን መናፍቕነትን’ዩ። ብሓይሊ እግዚኣብሄር ኣቦን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን፡ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል፡ ተዋህዶ ስጋን መለኮትን ዝተፈጸመ፡ ነዚ ብክርስቶስ ጥራሕ ዚፍጸም "ቤዛዊ ማልዶት" ምእንቲ ኽንረክብ’ዩ። እቶም ብክርስቶስ ዝተሓርዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ዝተመርሑ ቕዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም "ማእከላይ፡ መንጎኛ፡ ጠበቓ፡ ምእንታና ዚልምን" እናበሉ ብዛዕባ ጐይታና ዝሃብዎ ዅሉ ቓል፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ምእንቲ ኼብርሁልና’ዮም (ኤፌ2፡18 ፣ 1ጢሞ2፡5 ፣ እብ8፡6 ፣ 9፡15,24 ፣ 12፡24 ፣ 1ዮሃ2፡1)። በዚ ቤዛዊ ማልዶት ናይ ጐይታና’ምበር፡ ብግብሩ ኺጸድቕ ዚኽእል ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ቅዱሳን ሃዋርያት "ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም" ዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ኤፌ2፡4-9 ፣ 2ጢሞ1፡9-11 ፣ ቲቶ3፡4-7)።

እምበኣር እዚ ኣቲናዮ ዘለና ዘመነ ዕርገት፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ንኽንምሃረሉን ንኽንነብረሉን ንኸነመስግነሉን ዝተሰርዓልና ዝተባረኸ ዘመን’ዩ። ብዘይ ናይ ክርስቶስ ቤዛዊ ማልዶት ዚርከብ ድሕነት ካብ ዘይሃለወ፡ ኣብ’ዚ ተበጃዊ ማእከልነቱ ዘሎና እምነትን ትውክልትን ክሳዕ’ቲ ዝለዓለ ጥርዙ ኸነዕብዮ ይግብኣና። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ቅዱስ ጳውሎስ ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ብቤዛዊ ማልዶት ምሉእ ድሕነት ዚረኽቡ፡ እቶም ብክርስቶስ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ ጥራሕ’ዮም። ጐይታና ባዕሉ’ውን፦ "መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ’የ። ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።"ብምባል ካልእ ኣማራጺ ኸም ዘየለ ኣግሂዱልና’ዩ (ዮሃ14፡6)። ስለ’ዚ ካልእ ጓል መገዲ ኻብ ምምራጽ ተዓቂብና፡ ኣብ’ዛ ናይ መድሃኔ ኣለም ቤዛዊ ማልዶት ንተዓቘብ። ሰረተ-እምነት ቅድስቲ ተዋህዶና ነኽብርን ንሓልውን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

24 ግንቦት 2026 | ግንቦት 16, 2018 ግዕዝ (መበል 37 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፷፯(፷፰)፡፴፪-፴፫ "ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚኣብሄር።ወዘምሩ ለአምላክነ።ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማይ።"

"ኣቱም መንግስትታት ምድሪ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፡ እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የስምዕ ኣሎ።"

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 10፡1-13

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡20-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1፡6-11

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 14፡1-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴዘዲዮስቆሮስ | መዝሙርበሰንበት ዐረገ ሐመረ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div