
"ኣነ ኸኣ ንኣቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ (መንፈስ ቅዱስ) ኪህበኩም’ዩ። . . . ንስኻትኩም (ብክርስቶስ) ቃል-ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡ’ውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም። (መንፈስ ቅዱስ) ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና’ዩ።"ዮሃ 14፡16 ፣ ኤፌ1፡13,14
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሻምናይ ሰንበትን መበል 50 መዓልትን ናይ ዘመነ ትንሳኤ፡ ከምኡ’ውን ናይ ዘመነ ዕርገት ካልኣይ ሰንበት’ዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድማ’ዩ። እግዚአብሔር ርሑስን ዝተባረኸን በዓል ይግበረልና። በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ "በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ፡ በዓለ ጰንጤቆስጤ" ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። "ጰራቅሊጦስን ጴንጠቆስጠን" ዚብሉ ቓላት፡ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ቃላት’ዮም። ጴንጠቆስጤ፡ "መበል ሓምሳ" ማለት ኪኸውን ከሎ፡ “ጰራቅሊጦስ” ድማ፡ “ኣብ ጐንኻ ዚቐውም መጸናንዒ፡ ረዳኢ” ማለት’ዩ። ካብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሩ ዘሎ ሓደ ሰሙን (ክሳዕ ታሽዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ) "ዘመነ ጰራቅሊጦስ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስለ’ዚ ዘመነ ጰራቅሊጦስ፡ ናይ ሸሞንተ መዓልታት ንኡስ ዘመን’ዩ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈት ክንምሃረሉን ከነስተንትነሉን፡ ነቲ ወሃቢና ኣምላኽ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና ዘመን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብስፍሓትን ብዕምቈትን እተስተምህረሉ ትምህርቲ፡ "ምሥጢረ ሜሮን" ይብሃል። ብዛዕባ ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ኣብ ምስጢረ ስላሴ ኢና ’ንመሃሮ። መንፈስ ቅዱስ" ዚብል መጸውዒ ስም፡ ናይ’ቲ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ምስ እግዚአብሔር ወልድን ዝነበረን ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ህላወ ስሙ’ዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ዝሰረጸ (ዝወጸ)፡ ብስም ክርስቶስ ዝተላእከ ኣካል ቅድስት ስላሴ’ዩ።
በዓለ ጰራቅሊጦስ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኵሎም ናይ ጐይታና ደቀ መዝሙር ዝወረደሉ ዕለት’ዩ። እዚ ዕለት’ዚ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን "በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ሰሙናት" ተባሂሉ ይኸብር ነበረ (ዘሌ 23፡15,16፣ዘዳ 16፡9-12,16፣ግብ 20፡16፣1ቈረ 16፡8)። ልክዕ ከም’ቲ ናይ በዓለ ፋሲካ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዚብዓል ዝነበረ በዓለ ሓምሳ’ውን ብዛዕባ ናይ ሓድሽ ኪዳን በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዜመልክት ግብራዊ ትንቢት’ዩ ዝነበረ። ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ፡ ነብያት’ውን ብትንቢቶም ገሊጾምዎ’ዮም (ዮኤ 2፡28-32፣ግብ 2፡16-21፣ህዝ 36፡25-29፣ኢሳ 44፡3-5)። ጐይታና ባዕሉ’ውን መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ተቐቢሉ ኸም ዚልእከልና፡ ብመንፈስ ቅዱስ’ውን ከም ዜጥምቐና ደጋጊሙ ኣተስፍዩ’ዩ (ዮሃ 7፡36-39፣14፡16,17,26፣15፡26፣16፡7-15፣ ግብ 1፡4,5፣ዮሃ 1፡33፣ ማር 1፡8፣ግብ 2፡4፣11፡16፣19፡4-6)። እሙን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ከም’ቲ ዘተስፈዎ ድሕሪ ዕርገቱ ድሕሪ 10 መዓልታት ነቲ ተስፋ ኣቦ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሶ (ግብ 2፡1-4,11-21,33)። ሊቃውንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጽዎ፡ "በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ቤተ ክርስትያን ዝተወልደትሉ ዕለት’ዩ"። መንፈስ ቅዱስ ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ናይ ዘለኣለማዊ ርስትናን’ዩ (2ቈረ 1፡21,22፣ኤፌ 1፡13,14 )። መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ሰብ፡ ናይ ክርስቶስ ኣይኰነን፡ ካብ ኣምላኽ ኣይተወልደን፡ ኣይደሓነን ከኣ (ሮሜ 8፡9)። እምነትን ጕዕዞን ክርስትና ድማ፡ ብዘይ ረድኤትን ምርሒትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኪንበርን ኪኽየድን ኣይክኣልን’ዩ። ነቲ ዝተዋህቦም መንፈስ ዝዓቀቡን ዚእዘዙን ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ዄንና፡ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ መንፈሳዊ ልደትና ዕለት’ዩ። ብስጋ ዝተወለድናሉ ዕለት ከም ’ነኽብር፡ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ መንፈሳዊ ልደትና ኢና ነኽብር። እቲ ብምስጢረ ሜሮን ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ፡ ገና ኣባና እንተ’ልዩን ንእዘዞን ብእኡ ንምራሕን እንተ’ሊና፡ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ናይ ብሓቂ በዓልና’ዩ። ከም ንጉሥ ሳኦል፡ ነቲ ዝተዋህበና መንፈስ ብብዝሒ ሓጢኣትና ኣርሒቕና፡ ብፍቓድ ስጋናን ብፍቓድ ሰይጣንን ንምራሕ እንተ’ሊና ግን፡ እቶም ቀንዲ ጸላእቱን ተጻረርቱን ኴንና ስለ ዘለና፡ እዚ በዓል’ዚ ንኣና ዚምልከትን ዚብጽሓናን ኣይኰነን። ንመንፈስ ቅዱስ ምብዳል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ዚኸልእ ሓደገኛ ተግባር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዝወለደናን መቕደሱ ገይሩ ዘኽበረናን መንፈስ ቅዱስ ንዘይምብዳል ጥንቁቓት ክንከውን ይግባእ።
ካብ ጽባሕ ድማ፡ ናብ “ዘመነ ሓዋርያት (ጾመ ሓዋርያት) ክንሰግር ኢና። ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና ቅዱሳን ሓዋርያትን ኵሎም ደቀ መዝሙርን፡ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቕባሎም፡ ንሾሞንተ መዓልታት ዚኣክል ምስ ጸንበልዎ፡ ድሕሪኡ ንኣስታት 40 መዓልታት ከም ዝጾሙ ይንገር። እዚ ዝገበሩ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዚስዕብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም እግዚኣብሔር ኬዐውቶም፡ ካብ ኵሉ ኽፉእ ኪሕልዎም ህይወቶም ንምምዕቋብ’ዩ። እዛ መሰረት ቅዱሳን ሓዋርያት ዝተሰረተት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ድማ፡ ኣሰሮም ስዒባ ሃዋርያዊ ተልእኾኣ ኽትፍጽም፡ ኣብ’ቲ ሓዋርያዊ ናይ ጾምን ጸሎትን ገድሎም ድማ ኽትሓብር፡ ንጾመ ሓዋርያት፡ ሓደ ኻብ’ቶም ሾብዓተ ዓበይቲ ኣጽዋማት ገይራ ብሕጊ ቤተ ክርስትያን ሰርዓቶ። እግዚአብሔር፡ ነዚ ዘመነ ጾም’ዚ ንኣምላኽ ብዜስምር ንኣና’ውን ብዚሃንጽ መገዲ ኸም ፍቓዱ ጌርና ኽንጾሞን ብዓወት ክንዛዝሞን ብጸጋኡ ይደግፈና።
በዓለ ትንሳኤን በዓለ መንፈስ ቅዱስን፡ ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ከም ሓንቲ ዕለት ስለ ዚረኣያ፡ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ቅዳሴን ናይ ክልቲኡ በዓላት ዝዀነ ፍልልይ ዘይብሉ ሓደ ዓይነት’ዩ። ኣርእስቲ ናይ’ቲ መዝሙር “ይትፌሳሕ ሰማይ” ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ፦
“ሰማይ ትተሓጐስ፡ ምድሪ’ውን ባህ ይበላ፡ መሰረታት መዓሙቝ መለኸት ይንፍሑ። ኣኽራንን ኰረቢትን ኵሎም ኣእዋም መሮርን ይጨድሩ። ሎሚ ኣብ ሰማይ ዓብይ ሓጐስ (ኰነ)። ምድሪ ድማ፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር።
ኣኽራንን ኵድኵዶታትን ኵሎም ኣእዋም መሮርን ይጨድሩ። ሎሚ ኣብ ሰማያት ዓብይ ሓጐስ ኰነ። ምድሪ ድማ፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር)።
ነቲ ፍጹም ንጉስ፡ ኣይሁድ ፈረድዎ፡ ዓቀይቲ ንኽዳውንቱ ተማቐልዎ። ርእሱ’ውን ብዘንጊ ሃረምዎ። ንጐድኑ ብዂናት ወግእዎ። ትንሳኤኡ ኣብ ሰንበት ገበረ። ንነገስታትን ንኣሕዛብን ንሃገራትን ሰላም ይጽግው። ንነገስታትን ንኣሕዛብን ንሃገራትን ሰላም ይጽግው (ይህብ)።”
ማለት’ዩ። መዝሙርና ብዝመርሓና መሰረት፡ እዚ ዘመነ ጰራቅሊጦስ "ዘመነ ፍስሓ (ዘመነ ትፍስሕት)" ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ነዚ በዓል’ዚ መሰረት ዝገበረ ምስ ዮሃ14፡6 ፣ኤፌ1፡13,14 ዝተዛመደ’ዩ።
ምውራድ መንፈስ ቅዱስ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ፍጻመ ዚዀነሉን ብኽብሪ ዚብዓለሉን ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ፍጹም ኣምላኽን ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካልን’ዩ። ምውራድን ምግላጽን ናይ እግዚኣብሄር ወልድ ኣዝዩ ዓብይን ክቡርን ፍጻመ እንተ ዀይኑ ምውራድ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ’ውን ፈጺሙ ኻብኡ ብዘይንእስ መገዲ፡ ማዕሪኡ ዓብይን ኣገዳስን ፍጻመ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ከም’ቲ ብዛዕባ ጐይታና፡ ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ብቕዱሳን ነብያት ቃል ተስፋ ተነጊሩ’ዩ (ኢሳ32፡15-17 ፣ 44፡3 ፣ 59፡21 ፣ ህዝ36፡27 ፣ 33፡29 ፣ ዮኤ 2፡28-32 ፣ ዘካ 12፡10)። ጐይታና ኢየሱስ ብኣካለ ስጋ ምስ ተገልጸ ድማ ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ተደጋጋሚ ተስፋ ይህብ ነበረ (ማቴ10፡20 ፣ ሉቃ11፡13 ፣ 24፡49 ፣ ዮሃ7፡39 ፣ 14፡16 ፣ 16፡17 ፣ 20፡22 ፣ ግብ1፡5,8)። በቲ ቕዱስን ነብያትን ጐይታናን ዝሃብዎ ተስፋ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብ ልዕሊ ሃዋርያትን ኵሎም ደቀ መዝሙርን ብኽብሪ ወረደ (ግብ2፡1-4)። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ምልኣት ስላሴ ዝተጋህደሉ ዕለት’ዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝተወልደትሉ ዕለት’ዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ናይ ዝተቐበለ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መንፈሳዊ ዕለተ ልደት’ዩ። ጐይታና ብዛዕባ ዕርገቱ ንደቀ መዝሙሩ ኺዛረብ ከሎ፦
"(ክኸይድ’የ ኢለ) ስለ ዝነገርኩኹም፡ ልብኹም ጓሂ መልአ። ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዜሕሽኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ፡ ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን’ዩ’ሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰድደልኩም’የ።"
ኢሉ ነገሮም (ዮሃ16፡6,7)። ኢየሱስ ምስኣቶም ከሎ ስለ ዝኸፍኦም ኣይኰነን ከምኡ ዝበሎም። ንሱ ኸይከደ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይመጽእ፡ ምስ መጸ ንዘለኣለም ኣብ ውሽጥናን ምሳናን እናነበረ ንእምነትና ብግብሪ ኽንነብሮ እናኣኽኣለ ብዅሉ ስለ ዚረድኣናን ስለ ዜገልግለናን’ዩ ኸምኡ ዝበለ። ሓደ ሰብ ክርስትያን ዚኸውን ንክርስቶስ ስለ ዝኣመነ ጥራሕ ዘይኰነ፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተቐበለ’ውን’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፦
"ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተኣልዩስ ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ናይ ክርስቶስ) ኣይኰነን።"
ብምባል፡ ነቲ ሓቂ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ8፡9)። ጐይታና’ውን ካብ መንፈስ ቅዱስ ክንውለድ ናይ ግድን ከም ዝዀነ፡ ብዘይ’ዚ ውልድነት’ዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ክንወርስ ከም ዘይንኽእል ብዘየማትእ ርጉጽነት ነጊሩና’ዩ (ዮሃ3፡3-5)። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ መንፈስ ቅዱስ፡ "መንፈስ ውልድነት" ተባሂሉ ዚጽዋዕ። ንእግዚኣብሄር ከም ኣቦና ኽንቅበሎ፡ ክንእዘዞ ከነኽብሮ፡ "ኣቦና" ኢልና ብጸሎትና ኽንጽውዖ ዜኽእለና መንፈስ ቅዱስ’ዩ (ሮሜ8፡14,15፣ ገላ4፡6,7)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መንፈስ ቅዱስ ናይ ውልድነትና መረጋገጺ ማሕተም’ዩ (ኤፌ1፡13፣ 4፡30 2ቈረ1፡22)። በቲ ኣብ ማሕበራዊ ዀነ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ዘለዎ ግደ ኣስፊሕና ምስ ‘ንርእዮ ድማ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምውራዱ ኣገዳስነትን ዕብየትን ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁን ጐሊሑን’ዩ ዚርኣየና። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንበዓለ ትንሳኤን ንበዓለ መንፈስ ቅዱስን "ከመ አሐቲ ዕለት" (ከም ሓንቲ መዓልቲ) ገይራ’ያ ትገልጸንን ተኽብረንን። ግደን ክብርን ናይ መንፈስ ቅዱስ ከም’ቲ ዚግባእ ስለ ዘይተመሃርናዮን ስለ ዘይፈለጥናዮን ግን ኣብ ህይወትና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዀነ ኣብ ኣበዓዕላና፡ ነቲ ዚግብኦ ኽብሪ ኸም ዘይሃብናዮ ኣሉታ ኺውሃቦ ዘይክእል ርኡይ ሓቂ’ዩ። ዘይክርስትያን ህዝቢ ኽሳዕ ‘ንመስል፡ ብዓለማውነትን ስጋውነትን ተዓብሊልና ንነብረሉ ዘለና ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
መንፈስ ቅዱስ ግን ንምንታይ’ዩ ኸም "ዕርቡን" ተገሊጹ ዘሎ፡ ዕርቡንሲ ኣብ ንግድን ዋኒናዊ ጕዳያትን’ምበር፡ ንምንታይ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ‘ንጥቀመሉ፧ ካብ ማሕበራዊ ተመክሮና ኣጸቢቕና ኸም ‘ንፈልጦ፡ ዕርቡን ንሓደ ተወዓዒልና ዝተሰማማዕናሉ ንብረት፡ መሬት ወይ ገዛ፡ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ‘ንወስዶ፡ ገለ ኽፋል ናይ’ቲ ዋጋ እንኸፍሎ ገንዘብ’ዩ። ንኣብነት ሓደ መንበሪ ገዛ ኽንገዝእ ምስ’ቲ ዋናኡ ምስ ተሰማማዕና፡ ምሉእ ዋጋኡ ኸፊልና ናትና ኽሳዕ ‘ንገብሮን ክሳዕ ‘ንሰፍሮን፡ ገለ ሚእታዊት ናይ’ቲ ዋጋ ብዕርቡን መልክዕ ብሕጋዊ መገዲ ንኸፍል። ካብ’ታ ዕርቡን ዝኸፈልናላ ዕለት ጀሚራ እታ ገዛ ብሕጊ ናትና’ያ። እቲ ዋናኣ ዝነበረ ሰብ፡ ንኻልእ ሰብ ኪሸጣ ወይ ተመሊሱ ንርእሱ ኺገብራ ኣይክእልን’ዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ብክርስቶስ ወዱ ኣሚኖም ደቁ ኪዀኑ መሰል ውልድነት ዝሃቦም ሰባት፡ ናይ ርስቲ ተስፋ ሂቡ’ዩ። ነዚ ርስቲ’ዚ ኸም ዝህበናን ከም ዜውርሰናን ምእንቲ ኼረጋግጸልና፡ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ናይ ተስፋኡ መረጋገጺ ኪዀነና ሃበና። እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ክርስትያን፡ ኣብ ውሽጡ ዀይኑ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ስለ’ዚ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ዅሉ ኸም ዚወርሶ፡ ርስቲ ኸም ዘለዎ ይምስክረሉን የረጋግጸሉን ማለት’ዩ። መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ሰብ ግን፡ ውሉድ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ፡ ርስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ኣይክእልን’ዩ። ናይ ስጋ ወለድና ኺውረስ ዚኽእል ንብረት እንተ’ልይዎም ውዒልና ሓዲርና ኽንወርስ ምዃንና ዝዀነ ዓይነት ጥርጥር ኣይስምዓናን’ዩ። ውልድነት ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ’ዩ። ኣብ "ምስላ ጥፉእ ወዲ" ኸም ‘ነንብቦ፡ እቲ ዀብላሊ ወዲ፡ ናይ ውልድነት መሰሉ ስለ ዝዀነ፡ "ካብ’ዚ ጥሪት’ዚ ነቲ ዚብጽሓኒ ግደ ሃበኒ" ኢሉ ሓተቶ’ሞ፡ ካብ’ቲ ገንዘብ ብጽሒቱ ተቐቢሉ ብቕልለትን ብዕብዳንን ዘረዎ። እቲ ኣቦ ነቲ ኣብ ገዝኡ ዝጸንሐ’ሞ ዝዀረየ ወዱ ኼህድኦ ኸሎ ድማ፡ "ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣለኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ’ዩ፡" ብምባል ኣረጋገጸሉ (ሉቃ15፡11-32)።
እንታይ ዝተዳለወልና ርስቲ ስለ ዘሎ’ዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዕርቡን ዚውሃበና፧ መንፈስ ቅዱስ ዕርቡን ርስትና ኪኸውን ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ሕጂ ኣብ ኢድና ዘይኣተወ፡ ድሕሪ ምጽኣት ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን እንወርሶ ኣዝዩ ዓብይ ርስቲ ስለ ዘሎና’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና፡ ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሱ ቕዱሳን ዝተዳለወ ርስቲ ኸም ዘሎ ደጋጊሙ’ዩ ዚነግረና። እቲ ዝተሰብከልና ቕዱስ ወንጌል፡ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ዜረስትየና ቓል’ዩ (ግብ20፡32)። ነዚ ርስቲ ቕዱሳን ‘ንረኽቦ ድማ፡ ብክርስቶስ ብምእማን’ዩ (ግብ26፡18፣ ኤፌ1፡11)። ነዚ ርስቲ’ዚ ብክርስቶስ ገይሩ ብቑዓት ዝገበረና ድማ እግዚኣብሄር ኣቦ’ዩ (ቈሎ1፡10)። ብሓፈሻ ንቕዱሳን ዝተመደበ ርስቲ፡ እቲ ክርስቶስ ጐይታና፡ ከም ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚወርሶ ዅሉ’ዩ።
"ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ’ዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር፡ ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ’ውን መዋርስቱ ኢና። . . . ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡ’ውን ክንከብር ኢና" ሮሜ8፡16,17
"ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከም’ቲ ተስፋ’ውን ወረስቲ ኢኹም። . . . ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ‘ኣባ፡ ኣቦ’ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕሪ’ዚ ውሉድ’ምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና ብክርስቶስ ወራስ ኣምላኽ ኢኻ።" ገላ3፡29 ፣ 4፡6,7
ስለ’ዚ ብዘይካ ኣምላኽነቱ፡ ክርስቶስ ጐይታና ንዝረኸቦን ዝዀኖን ኵሉ ኽንረኽቦ ኢና። ብዘይካ ብመለኮት ብዅሉ ነገር ንእኡ ኽንመስል ኢና። እዚ ተስፋ’ዚ ኸኣ ነቲ ብእምነትን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዝረኸብናዮ ውልድነት መሰረት ዝገበረ ተስፋ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦
"ርኣዩ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሃል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡ’ውን ኢና። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና እንታይ ከም ‘ንኸውን ከኣ ኣይተገልጸን (ዘሎ)። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከም’ታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና’ሞ፡ ንእኡ ኸም ‘ንመስል፡ ንፈልጥ ኣለና።"
ብምባል ነቲ ሓቂ ኣብሪሁልና ኣሎ (1ዮሃ3፡1,2)። ልክዕ ከም ክርስቶስ፡ "ውሉድ ኣምላኽ" ናይ ምዃን ክብሪ ስለ ዝተዋህበና፡ እቲ ድሕሪኡ ዚስዕብ ኵሉ’ውን ኪውሃበና’ዩ። ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ ካብ’ቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ዚዓብይ ዝዀነ ኻልእ ነገር የብሉን። ንእኡ ነቲ ሓደ ወዱ ኻብ ሃበና፡ ብድሕሪኡ ኺህበና ዘይክእል ነገር የብሉን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፦
"እቲ ንወዱ’ኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ’ምበር፡ ዘይነሓፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና!!"
ብምባል ብኣስተንክሮን ብርጉጽነትን ዝተኣመነ (ሮሜ8፡31)።
እቲ ‘ንወርሶ ርስቲ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ኣይተጻሕፈልናን። ኣብ ምጽኣቱ’ዩ ብምልኣት ዚግለጸልና። ጥቕልል ብዝበለ መገዲ ግን፡ እዚ ዚስዕብ ተዘርዚሩልና ኣሎ።
1. ህይወት ዘለኣለም፦ ሞትን መዋትነትን ዘይብሉ፡ ደረት ኣልቦ ህይወትን ዕድመን ኪውሃበና’ዩ። እዚ ህይወት’ዚ ሕማም፡ ድኻም፡ እርጋን ወዘተ ዘይብሉ፡ ልክዕ ከም መላእኽቲ ዄንካ ዚንበሮ’ዩ (ማቴ25፡46 ፣ ቲቶ1፡2 ፣3፡7)
2. መንግስቲ ኣምላኽ፦ መንግስተ ሰማያት፡ ርስቲ ቕዱሳን’ያ። እዛ መንግስቲ’ዚኣ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወትልናን ዝተመደበትልናን’ያ (ማቴ25፡34 ያእ2፡5)። ጐይታ’ውን "ከም’ቲ ናይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።" ኢሉና’ዩ (ሉቃ22፡29,30)። ስለ’ዚ ድማ ከም ንነገስታት ኣኽሊል ኣዳለወ (2ጢሞ4፡8)። ከምኡ’ውን ኣብ’ታ መንግስቱ ዝፋናት ኣዳለወ (ራእ20፡4 ፣ ማቴ19፡28) መንግስቲ ኺህብ ከሎ፡ ምስኡ ንግስነት’ውን ይህብ’ዩ (2ጢሞ2፡12 ፣ ራእ3፡23 ፣ 22፡5 ፣1፡6 ፣ 5፡10)።
3. መጠንን መግለጽን ዘይርከቦ ሓጐስን ክብርን፦ (ሮሜ8፡17 ፣ 2ቈረ4፡16,17 ፣ ማቴ25፡21,23 ፣ 1ጴጥ1፡6-9 ፣ ማቴ13፡43 ፣ ዳን 12፡3)።
ምስ’ዚ ናይ ርስቲ ጒዳይ ብዚዛመድ፡ ኣብ ምውሓስ ናይ’ዚ ርስቲ’ዚ ግደ መንፈስ ቅዱስ እንታይ’ዩ፧ ኣቐዲምና ከም ዕርቡን ኰይኑ ብዛዕባ’ቲ ተዳልዩልና ዘሎ ርስቲ፡ ምሉእ ዝዀነ ርጉጽነት ከም ዚህበና ጠቒስና ኣለና። እዚ ማለት ግን ስቕ ኢሉ ከም ምልክት ወይ ከም ገንዘብ ኰይኑ ኣብ’ቲ ውሽጥና ኮፍ ኢሉ ይነብር "ማለት ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ኣካላውነትa ዘለዎ ፍጹም ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽንርስዕ ኣይግባእን’ዩ። መረጋገጺ ምስክር ኪዀነና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብራ ወረስቲ ኽንነብር ኣኽኢሉ ንምውራስ ብቝዓት ዚገብረና’ውን ንሱ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበና ምኽንያት እንታይ ምዃኑ፦
"እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን’ዩ ዘድሓነና’ምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን፡ ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።"
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ቲቶ3፡6-8)። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዓብይ ግደ ዘለዎ ኣምላኽ’ዩ። ብደም ክርስቶስ ዕዳ ሓጢኣትና ተኸፊሉ ብእኡ ተሓጺብና ኽንነጽህ ከለና ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዳግም ተወሊድና ድማ ውሉድ ኣምላኽ ንኸውን። ድሕሪ’ዚ ግን ከም ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ናይ ምንባር ሓላፍነት ኣሎና። እቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ግን ብሓጢኣት ዝላደየን ዝማሰነን ኣዝዩ ድኹምን ውዱቕን ስጋ’ዩ። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ተሓዲሱ ሓይሊ ተመሊኡ እንተ ዘይተንሲኡ፡ ናብ’ታ ናብራ ቐደሙ’ዩ ዚምለስ። ነቲ ዝተዋህበና ውልድነት ብጽድቂ ኽንነብሮ ዚሕድሰናን ሓይሊ ዜዕጥቐና ድማ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ክንምላእን ክንጥመቕን ዜድልየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። መንፈስ ኣምላኽ ምስ መልኦ ኣብ ህይወት ናይ ንጉስ ሳኦል ዝተራእየ ለውጢ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጽ’ዩ።
"መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሌኻ ኺወርድ’ዩ፡ ምስኣቶም ከኣ ክትንበይ ኢኻ፡ ኻልእ ሰብ ክትከውን ድማ ክትልወጥ ኢኻ። . . . ካብ ሳሙኤል ኪኸይድ ዝባኑ ምስ መለሰ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ።" 1ሳሙ10፡6-9
ሎሚ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ሓድሽ ኪዳን’ውን፡ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝተቐበለ ክርስትያን ተመሳሳሊ ለውጢ’ዩ ዚኽሰት፡ ልቡን ኣተሓሳስባኡን ፈጺሙ ይሕደስን ይልወጥን። ነቲ ዝተቐበሎ ውልድነት ዚምጥንን ዚበቅዕን ህይወት ኪነብር የኽእሎ (ሮሜ12፡2 ፣ 2ቈረ5፡16,17 ፣ ኤፌ4፡22-24 ፣ ቈሎ3፡5-10)። ንሓጢኣት ዚጽየፈሉ ንጽድቂ ዜፍቅረሉን ዚገብረሉን ዓቕሚ ይረክብ።
ውልድነትና ናይ መሰል’ምበር ናይ ባህርይ ውልድነት ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ተማሂርና ኢና። ስለ’ዚ ከም ውሉድ ኣምላኽ ዄንና ኽንነብር እንተ ዘይክኢልና፡ ንውልድነትና ኽንስእኖ ኸም ‘ንኽእል ክንስሕቶ ዀነ ክንክሕዶ ኣይግባኣናን’ዩ። እቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ንጉስ ሳኦል፡ ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ጸጋን መጐስን ኣየስተውዓሎን፡ ኣየኽበሮን ከኣ። ፍቓድ ናይ’ቲ ዝሓደሮ መንፈስ ቅዱስ ገዲፉ፡ ፍቓድ ርእሱ ኺገብር መረጸን ተሃላለኸን። ስለ’ዚ ማሕደር ናይ’ቲ ኽቡር መንፈሱ ኪኸውን ዘይበቅዕ ሰብ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ኣምላኽ ነዓቖ። ስለ’ዚ ድማ ነቲ ብሕያውነት ዝሃቦ ቅዱስ መንፈስ ኣሕዲጉ፡ ንዜሳቕዮ ኽፉእ መንፈስ ኣሕሊፉ ሃቦ (1ሳሙ15፡22-29 ፣ 16፡14)። ንጉስ ዳዊት ካብ ሳኦል ስለ ዝተማህረ ኣብ ልዕሊ ኡርያን ባትሴባን ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ፡ "ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ ቅዱስ መንፈስካ’ውን ኣይተግድፈኒ።" ኢሉ ተማሕጸነ (መዝ51፡11)። ከምኡ ኽንስእኖ ኸም ‘ንኽእል ስለ ዝፈለጠ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ" ኢሉ መዓደና (1ተሰ5፡19)። ንምንታይን ብኸመይን ከም ‘ነጥፍኦ ኺገልጾ ከሎ ድማ፡ ንሰብ ኤፌሶን ከም’ዚ ኢሉ ጸሓፈሎም፡
"ስለ’ዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ። . . . ኣብ ኵራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። . . . ንድያብሎስ ስፍራ ኣይትሃብዎ። እቲ ዝሰረቐ ደጊምሲ ኣይስረቕ፡ . . . ዘይጠቅም ዘረባ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን ዝተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጒህይዎ። ብዘሎ (ምርረትን) ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሓቕ። . . . (ኣይትቀየሙ)፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተደናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተበሃሃሉ።" ኤፌ4፡25-32
ኣብ’ዛ ዓንቀጽ’ዚኣ እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ኬርሕቖን ኬስእነናን ዚኽእል ዓይነታት ሓጢኣት ተዘርዚሩ እንሆ፡ ዋላ ኣዝያ ንእሽቶ’ውን ትኹን፡ እቲ ብሓጢኣቱ ንድያብሎስ ስፍራ ዚህብ ሰብ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ስፍራኡ ኺነቕሎን ኬርሕቖን ዝደለየ ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ ንርኹስ መንፈስን ንቕዱስ መንፈስን ኣብ ሓደ ህይወትን ኣብ ሓደ ልብን ብሓባር ከተአንግዶምን ከተገልግሎምን ፍጹም ኣይክኣልን’ዩ (1ቈረ10፡18-22 ፣ 2ቈረ6፡14-18 ፣ 1ቈረ3፡16,17 ፣ 6፡19,20)። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ንኽብሩ ኣዝዩ ቐናእ ስለ ዝዀነ፡ ኣበሳና ኪኖ ደረት ንስሓ ኸይሓልፍ ጐይታና ብንጹር ኣጠንቂቑና’ዩ (ማቴ12፡31,32)።
እምበኣር ብመንጽር’ዚ ሓቂ’ዚ ርእስና ብዕቱብ ንመርምርን ንፈትሽን። እዚ ኣቲናዮ ዘለና ዘመነ ጰራቅሊጦስ፡ ነዚ ዕላማ’ዚ ዝተሰርዐ ኣገዳሲ ዘመን’ዩ። ነቲ ዓብይን ከቶ ዘይምጥነናን ርስቲ ዜውርሰና ውልድነትና፡ ብኸመይ ሒዝናዮን ንነብሮን ኣለና። እቲ ዜውርሰና መንፈስ ቅዱስ ገናዶ ኣባና ይነብርን ይመርሓና ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ማሕደሩ ዝገበረና፡ ዚሓድረሉ ቦታ ስለ ዝሰኣነ ዘይኰነስ፡ ንኣና ኼድሕንን ኬርብሕን፡ ንኣቦ ወረስቱ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ ኺገብረና ኢሉ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መኽበሪና ነኽብር። ንድያብሎስ ነቲ ርኹስ መንፈስ ብምሉእ ሓይልና ንጻረሮን ስፍራ ንኽልኣዮን። ነቲ ብሩኽ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ግን ነኽብሮን ንተኣዘዞን። ነቲ ዓብይን ክቡርን ዘለኣለማውን ርስትና ምእንቲ ኽንረኽቦ፡ ነቲ ዕርቡን ርስትና ነኽብሮን ንዓቅቦን። ማእከላይ መልእኽትን ዕላማን ናይ’ዚ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ነቲ መውረሲኻን ርስትካን ምኽባር’ዩሞ፡ ሃየ ኸምኡ ንግበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
31 ግንቦት 2026 | ግንቦት 23, 2018 ግዕዝ (መበል 38 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ "ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።" "እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 2፡22-37 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይትፌሣሕ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ