S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ብወግዒ ቆይሙ!

ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 . ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።

 

ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ነቶም ብምልኣተ-ጉባኤ ውሉደ-ክህነት ዝተመርጹ ሠለስተ ኣባላት ዘለዉዋ ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምዳብ፥ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ሓዋርያዊ ጉስነት ህዝቦም ዝሕግዝ፥ ምስ መንግስታዊ ሕግታትን ኵነታት መነባብሮ ሃገረ ካናዳን ኣብ ግምት ብምእታው፥ ኣገዳሲ መመሓደሪ ዓንዲ-ሕጊ ኣብ ምንዳፍ ከም ዘለዉውን ተፈሊጡ ኣሎ። መመሓደሪ ዓንዲ-ሕጊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ተነዲፉ ም ተዛዘመ፥ ንዘተን ተወሳኺ ሓሳብን ናብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣገልገልቲ ውሉደ-ክህነትን ለኣኽ እዩ። ብምልኣተ-ጉባኤ ምስ ጸደቐ ድማ ብወግዒ ክስርሓሉ ከም ዝጅምር ተገሊጹ።

 

ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝርከቡ ኣርቶዶክሳውያን ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብመገዲ ስደት ናብ ካናዳ ዝኣተዉ እዮም። ከም ዝፍለጥ ብምኽንያት ኣብ ሃገርና ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምፍራስ ልዕልና ሕግን ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ፈቐዶ ስደት ይበታተኑ ከም ዘለዉ ንዕዘቦ ዘሎና ዘሻቕል ፍልሰት እዩ። በዚ ምኽንያት  ናብ ሃገረ ካናዳ በብእዋኑ ዝኣትዉ ዘለዉ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብዝያዳ ይውስኽ ከም ዘሎ ማዕከን ዜናታት ይሕብሩ።

 

ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ በዚ ጀሚርዎ ዘሎ መንፈሳዊ መደብ ዕዮ እናተመርሐ፥ ኣሰር ሓቅን ጽድቅን ዝስዕቡ፥ ንዶግማን ቀኖናን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘኽብሩ፥ ንፍቕርን ሰላም ዘቐድሙ፥ንሕግን ፍትሕን ዝተግሁ፥ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ብዘይ ምፍልላይ እናጠርነፈን እናሓቖፈን ምእንቲ ሓድነትን ድሕነትን ኦርቶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ኢሉ ንኹሉ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ንዘጋጥም ፈተናን ሽግርን እናተጻወረ፥ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ሠናይ ኣበርክቶን ሰፊሕ ጽልዋን ክህልዎ ናይ ወትሩ ጸሎትናን ትምኒትናን እዩ።

ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ እቲ ንእሽቶስ ሺሕ፥ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ።  እግዚኣብሔር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ። (ኢሳ 6022 )ዝበለ፡ ከይንኣሰ ዝዓቢ የሎን እሞ እዚ ሕጂ ብመንፈሳዊ ቅንእን ሰፊሕ ራእይን ዝጅመር ዘሎ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ጽባሕ ኣብ ዝዓበየ መንፈሳዊ ደረጃ ምምሕዳር ንኽበጽሕ ረድኤትን መሪሕነት እግዚኣብሔር ከሰንዮ ንኣምላኽ ንልምን።

 

ልኡ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div