S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚርና ኽሳዕ እዚ ዕለት እዚ ንኣስታት ሾብዓተ ሰናብቲ ኽንዝኽሮን፡ ንእኡ ዚምልከቱ ንባባት ኸነንብብን፡ ከምቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ክርስቶስ ተንስኣ እምሙታንእናተባሃሃልና ክሳዕ እዛ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ብእኡ ሰላምታና ኽንለዋወጥ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ እቲተስፋ ኣቦዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ኽንቅበል ዘብቅዓና ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመነፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ. ኣሜን።

ስለምንታይ ብኦርጋን መዝሙራት ትጥቀሙ ኣለኹም? እዚ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣይኮነን፣ ስለዚ ብኦርጋን መዝሙር ምዝማር እንተተረፈ ይሓይሽ ።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!
ካብ ግርማይ  ክብረኣብ።

መልሲ ካብ ኣመሓዳራ መርበብ ሓበሬታ

ብክርስቶስ ፍቁር ሓውና ግርማይ፣ ሰላም ኣምላኽ ንዓኻ ይኹን።ስለ ሕቶኻ እናመስገንና፣ ንሕቶኻ ብጌጋ ተረዲእና ግጉይ መልሲ ከይንህብ ምእንቲ ስለምንታይ ኦርጋን ናይ ኦርቶዶክስ ኣይኮነን ከምዝበልካ ሓሳባትካ ከተነጽረልና ብተስፋ ንጽበ። ኣቦታት ካህናት መልሲ ክህቡኻ ድማ ድልዋት እዮም።

ኣንበብቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለኩም ርእይቶ ክትልእኩልና ድማ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው ዝተራእዮም።

ናብ ዝኸበርካ ቢንያምን ናብ ኩልኹም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን፡-

ኣብ ዘዘሎኹሞ ቦታ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን፥ ንዓኻትኩም ይኹን። ቀጺልና ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም ዓወት፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጽንዓትን በረኸትን ክትረኽቡ ንመድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ወትሩ ንጽሊ።

ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡እዚ ሕቶ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።

ብመጀመርታ ኣብ ስራሕኩም ዓወትን ኣሳልጦን ይምንየልኩም። ቀጺለ ድማ ነዚ ዝስዕብ ሕቶይ ክትምልሱለይ ብትሕትና እሓትት።

እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝነበረ። በቲ፡ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ እትነብሩ ውሉደ-ክህነትን ምእመናን፣ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ዘለኹም መንእሰያትን ወለድን፣ ኣብ እስራኤል እትርከቡ ካህናትን ዲያቆናትን፣ ብሓፈሽኡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን "ነቲ ነፍስን ስጋን ዚቐትል ኣምላኽ እምበር" ንኻልእ ኪትፈርሁ ኣይግባእን። ንኣምላኽ ኣሚኑ ዝመጎተ ኣይተሳዕረን: ስለ እምነቱ ጸኒዑ ዝተቓለሰ ድማ ዓስቡ ኣይሰኣነን እሞ: ንዓስቢ ዓወትኩም ሓደ እኳ ከየሕድገኩምሲ ጸኒዑኩም ተቓወሙ። እዚ ኹሉ ዚወርደኩም ዘሎ መከራ ስለ እምነትኩም እምበር ዝፈጸምኩሞ በደል ከም ዘየለ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ። በዚ ድማ ደስ ክብለኩም ይግባእ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ምስ ተቐልዐ፡ እቲ ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለም ምስ ተገልጸ ዓስቢ ዓወትኩም ከም እትረኽቡ እግዚኣብሔር እሙን እዩ። Read more...

ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም፡ ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽንዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብዚ ሳቓዪ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓትቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም።

ድምፀይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሔር ኣእዊ ኣሎኹ፥ ናብ እግዚኣብሔር እምህለል ኣሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፥ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣሎኹ። ተስፋ ክቖርጽ ምስ ቀረብኹ፥ ንሱ እንታይ ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይፈልጥ እዩ። በታ ዝሓልፈላ መገዲ ጸላእተይ መፈንጠራ ሓብኡለይ። የማነ ጸጋም ጠሚተ ዚረድኣኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ዘዕቍበኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ብኣይ ዚግደስ ሰብ የልቦን።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div