S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቲ’ጸላኢ ተትሓጎሰ ኣብ መንጎና ኣትዩ

ኣይነብርን ብኸምዚ ኩሉ ክቅየር’ዩ

ክርስቶስ ማለት ክቡር ኢየሱስ ድማ ፈውሲ ማለት እዩ። እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ክቡር ጎይታ ሰማይን ምድርን ፈውሲ ኩሉ ፍጡርን ማለት እዩ። ትእዛዝ ክርስቶስ ዝፍጽምን ኣሰሩ ዝስዕብን ድማ ክርስቲያን ይበሃል። 

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሐ ዓለም፡ ‘ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡’ ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።” ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 2፡21)።

ዝኸበርካ ክቡር ዮሓንስ: ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ንኹልና ይኹን! ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ  ንዘቕረብካዮ መንፈሳዊ ሕቶታት ደንጕና ምምላስና

ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ እዚ ሰንበት'ዚ በዓለ-መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ) እዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ፡ በቲ ሓይሊ ኽሳዕ ዚለብሱ፡ ነቲ ተስፋ-ኣቦ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኺጽበዩ ዝኣዘዞም መሰረት፡ ኣብታ ደርባዊት ህንጻ ደዪቦም ከይብኰሩ ሓቢሮም እናጸለዩ ተጸበይዎ (ሉቃ 24፡49 ፣ ግብ 1፡4,5)። እቲ እሙንን ሓቀኛን ጐይታ ድማ፡ ነቲ “እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ” ኢሉ ዝገለጾ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም (ዮሃ 15፡26)። ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ከለው ድማ፡ ብድንገት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚጥዕም ጽምዲ ካብ ሰማይ መጸ። መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንዅላ’ታ ቤት መልአ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ መሲሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐሚጡ መልኦም (ግብ 2፡1-4)

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።

ምሉእ ዕድሜኻ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ምውፋይ፡ ዅሉ ክረኽቦ ዝኽእል ዕድል ኣይኮነን። ብዘይ ኣምላኻዊ መጸዋዕታ ኸኣ፡ ዝኽየድ መገዲ ወይ ኪብጻሕ ዝኽእል ምዕራፍ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይ’ሲ፡ “ኣብ ከብዲ ኣዴኻ

"ንሱ ድማ፡ ‘እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ’ዩ’ ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ’ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .”ሉቃ 24፡44-45። እዚ ናይ’ዚ ዕለአት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮ’ዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕቲ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮም’ውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።

ናብ ኣቶ ኣማኒኤል ሳህለ፡ ጸሓፊ ሓንቲ ዓለም፡ መራኸቢ ብዙሃን ትማልን ሎምን:
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝወጸ ጽሑፍካ፡ ኣብ ክርስትና ወይ ኣብ እስልምና እምነት ከም ዘየብልካ፡ ዕሉል ኣረሜናዊ ከም 

“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈተኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዓበኒ’ በሎ።” ዮሃ 21፡22። ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱ “ንዑ ተመስሑ” ኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም። ጐይታና፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣዝዮም ከም ዜፍቅርዎ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮን።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div