ዝኸበርካ ክቡር ዮሓንስ: ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ንኹልና ይኹን! ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዘቕረብካዮ መንፈሳዊ ሕቶታት ደንጕና ምምላስና
ይቕረታ እናሓተትና እዚ ዝስዕብ መልሲ ንሕቶታትካ ነቕርብ።
1.ሕቶ፡- ብዘይካ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘይወጸ መጻሕፍቲ ክንኣምኖምሲ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና? እናበሉ ዝሓቱኒ ኣለዉ እሞ እንታይ እዩ መልስኹም?
መልሲ፡- ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘይወጹ መጻሕፍቲ ክትብል ከሎኻ ብዛዕባ እቶም ስፍርን ቁጽርን ዘይብሎም መጻሕፍቲ ዓለም ከም መጻሕፍቲ ልበ-ወልድ, ናይ ዛንታን ታሪኽን መጻሕፍቲ፥ ናይ ሥነ-ፍልጠትን ሥነ ቀመማትን መጻሕፍቲ፥ ናይ ኣትክልትን እንስሳታትን መጻሕፍቲ ናይ ፍልስፍናን ሳይነስን መጻሕፍቲ ……. ወዘተ ብሓፈሻ ብዛዕባ መንፈሳዊ ቃል እግዚኣብሔርን እምነት ኣምላኽን ዘይዛረቡ እንተ ኮይኖም ናይ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኮኑ ፈሊጥና ኣብ ማሕበራውን ዕለታውን ናብራና ከከም ኣገዳስነቶም ርኢና ንዘድልዩና ክንጥቀመሎምን ንዘየድልዩና ከኣ ክንሕሰሞምን ንኽእል።
ብዛዕባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝበሃሉ ግና ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ሃይማኖትና መጻሕፍቲ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ይምቀሉ። 1. ቅዱሳት መጻሕፍቲ 2. ኣዋልድ መጻሕፍቲ ከኣ ይበሃሉ። እቶም ቅዱሳት መጻሕፍት (ኣምላካውያን መጻሕፍቲ) ቁጽሮም 81 እዮም። ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን ተባሂሎም ድማ ኣብ ክልተ ይኽፈሉ። ብሉይ ኪዳን ብ40 ቅዱሳን ሰባት፥ ሓዲሽ ኪዳን ድማ ብ8 ቅዱሳት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ቦታታትን ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ኢዮም። እቶም ኣዋልድ መጻሕፍቲ ዝበሃሉ ድማ (ናይ ሕግታት፥ ቀኖናታት፥ ዜማታት፥ ገድልታት፥ ተኣምራት፥ ሃይማኖተ ኣበው፥ ሲኖዶሳት፥ መጻሕፍተ ስርዓትን መጻሕፍቲ ትምህርተ ሃይማኖትን ……… ወዘተ ዘጠቓለሉ እዮም።
ኣዋልድ መጻሕፍቲ ክንብል ከሎና ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተወለዱ ወይ ከኣ ዝወጹ ብትሕዝትኦምን መንፈሶምን ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝሰማምዑ ማለት እዩ። ኣዋልድ መጻሕፍቲ ብተመሃሮ ናይ ሓዋርያትን ድሕሪኦም ዝሰዓቡ ቅዱሳንን ዝተጻሕፉ ኢዮም።ከመይ ጌርና ንኣምኖም ንዝብል ሓታቲ ድማ ዝኾነ ኦም ብፍሬኡ ኢዩ ዝፍለጥ፥ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ ሕማቕ ኦም ድማ ሕማቕ ፍረ ከም ዝፈሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብምሳሌ ሓቢሩና ኣሎ። ስለዚ እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፥ ንተግሳጽ፥ ንምእራም፥ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ’’ 2ጢሞ 3፡17 ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ኣዋልድ መጻሕፍቲ ከኣ መሠረቶም ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝወጹ ብምዃኖም ብትሕዝትኦም ንሓቀኛ ኣማኒ ዘጠራጥሩ ኣይኮኑን።
ንኣብነት ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ‘’ኢየሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ’’ ዝብል ጥቕሲ ኩሉ ክርስቶስ ዝገበሮ ነገራት ከም ዘይተጻሕፈ የብርህ። ከምኡውን ብዛዕባ ጴጥሮስን ጳውሎስን ብሕይወቶም ከለዉ ዝጸሓፍዎ ደኣ እምበር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣማውታ ኩሎም ሓዋርያትን ሰማዕትነት ጴጥሮስን ጳውሎስ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣይንረክብን ኢና። እቶም ተመሃሮ ናይ ሓዋርያትን ብድሕሪኦም ዝሰዓቡ ቅዱሳን ኣቦታትን ብዙሕ መንፈሳዊ ጥቕሚ ዘለዎ ብዋጋ ዘይሽነን ክቡር መጻሕፍቲ ሃይማኖት ጽሒፎም ከም ዝገደፉልና ክንርዳእ ድማ ሠናይን ጠቓምን ኢዩ። ዮሓ 20፡30
2. ሕቶ፡- ብዛዕባ ኣገዳስነት ጥምቀት ከይተረደአካ እንከሎ ስለምንታይ ሓደ ሕጻን ኣብ ዕሸል ዕድሜኡ ይጥመቕ? ጎይታ ደሙ ኣፍሲሱ ከም ዝሞተልካ ከይኣመንካ ምጥማቕ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ዝብል ኢዩ።
መልሲ፡- ጥምቀት ማለት ኣብ ዝተቐደሰ ማይ ጥሒልካ ምውጻእ፥ ምስ ክርስቶስ ሞትካ ምስኡ ምትንሳእ፥ ካብ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ ዳግማይ ምውላድ ማለት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ክልእኮም ከሎ ‘’እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም’’ ደኣ በሎም እምበር ኣብ 30 ዓመቶም ኣጠምቕዎም ዝብል መምርሒ ፍጹም ኣይሃቦምን። ስለዚ ጸጋ ጥምቀት ብዘይ ምፍልላይ ናይ ዓሌትን ጾታን ወለዶታትን ሽመትን ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝወሃብ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ማቴ 28፡19።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝግበር ዝነበረ ግዝረት ናይ ጥምቀት ምሳሌ ምዃኑ ብሰፊሑ ተገሊጹ ንረኽቦ። ኣምላኽ ንኣቦና ኣብርሃም ዝተወልደ ዘበለ ተባዕታይ ሕጻን ኣብ 8ይ መዓልቲ ይገዘር ዝብል ኪዳን ሃቦ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ግዝረት ድማ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ጥምቀት ኮይኑ ካብ ኣዳማዊ ርስሓት ኃጢኣት የንጽሓና ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘’መንግሥተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ሕደግዎሙ ሕጻናት ናባይ ምምጻእ ኣይትኸልክልዎም’’ ከም ዝበለን ኢዱ ኣንቢሩ ከም ዝባረኾምን ኣብ ማቴ 19፡14 ነንብብ። ክርስቶስ ከምዚ ዝበለ ብናይ ሕጻንነት ንጽህናኦም ደኣ እምበር ብልቦናዊ እምነቶም ኣይኮነን። ስለዚ ሕጻናት ገና ኣብ ቁልዕነት ከለዉ ካብ ኣመንቲ ስድራ ቤት ስለ ዝተወልዱ ብእምነት ጸጋ ጥምቀት ክቕበሉ ዝኽልክሎም የልቦን። ኣብ ዕለታዊ ናብራናውን ሕጻናት ሓሚምና ናብ ሕክምና ውሰዱና ከይበሉና ከለዉ ምሉእ ጥዕና ንኽረኽቡ ብናይ ወለዲ ሓላፍነት ሕክምና ወሲድና ዘድሊ መድኃኒት ንህቦም ኢና። ስለዚ ከመይ ደኣ መንፈሳዊ ጸጋ ንኽቕበሉ ብሓላፍነት ስድራ ቤትን ወለድን ጸጋ ጥምቀት ኣገዳሲ ዘይከውን? ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ንሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ (ዘሌ 12፡1-8) ተኸቲላ፥ ካብ ቅዱሳን ኣቦታት ብዝተመሓላለፈ ሥርዓትን ሓዋርያዊ ትውፊትን መሠረት ጌራ ሕጻናት ምስ ተወልዱ ወዲ ኣብ 40 መዓልቲ ጓል ድማ ኣብ 80 መዓልቲ ጸጋ ጥምቀት ክቕበሉ ትእዝዝ። እዚ ከኣ ብቅዱስ ማይ ተሓጺቦም ( 1ጴጥ 3፡21)፥ ብቅብኣ-ሜሮን ተሓቲሞም (2ቆሮ 1፡22)፥ ቅዱስ ቍርባን ተቐቢሎም (ዮሓ 6፡54)፥ ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክኣቱ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ክርስቶሳዊ ትእዛዝ ተቐቢላ ብጥምቀት ዳግማይ ልደት ትፍጽም። ዮሓ 3፡5።
እቶም ሕጻናት ከይኣመኑ ክጥመቑ የብሎምን ዝብል ክርክር ዘልዕሉ ግና ናይ እምነት መሠረትን መለኮታዊ ምስጢራትን ብግቡእ ካብ ዘይምርዳእ ዝተላዕለ ኢዩ። ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ከኣ ወትሩ ምርጫ እምበር ግዴታ ዝበሃል ከም ዘየለ ምፍላጥ የድሊ። ኣብ 30 ዓመት ኣሚንና ክንጥመቕ ኣሎና ካብ ማለት ግና ቅድሚ 30 ዓመት እንተ ሞትናኸ ኢልካ ምሕሳብውን ልቦና ኢዩ። ብመሠረቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ኩሉ ክንፍጽሞን ክንገብሮን ኢና ምባል፥ ፍጡር ማዕረ ፈጣሪ ምምዝዛን፥ ንእምነት ሓዲግካ ብግብርኻ ክትድሕን ምፍታን ኢዩ ዝኸውን። እምበኣር ደቂ ኣዳም ብግብርና ይኹን ብሓሳብና ማዕረ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንከውን ብፍጹም ዘይሕሰብ ስለ ዝኾነ፥ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ 40 መዓልትን 40 ለይትን እንጌራን ማይን ከይወሰድና ክንጸውም፥ ኩልና ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ተሰቒልና ክንመውት፥ ከምኡ ድማ ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ መቓብር ክንትንስእ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንዘመናት ዘጽንሓቶ ሥርዓት ምስጢረ-ጥምቀት ተቐቢልና ብመገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ድሕነት ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ ኣብ ግብርና ዘይኮነስ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ተስፋ ንግበር፥ ብእምነትውን ንንበር!!
ብሠናይ መገዲ እምነት ክንጎዓዝ ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና!
ደቂቀ እንጦንዮስ ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቴክሳስ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ