ምሉእ ዕድሜኻ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ምውፋይ፡ ዅሉ ክረኽቦ ዝኽእል ዕድል ኣይኮነን። ብዘይ ኣምላኻዊ መጸዋዕታ ኸኣ፡ ዝኽየድ መገዲ ወይ ኪብጻሕ ዝኽእል ምዕራፍ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይ’ሲ፡ “ኣብ ከብዲ ኣዴኻ
ከይተሃነፅካ ሓሬኹኻ፤ ከይተወለድካ’ውን ቀደስኩኻ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፍ “ጸዋዕታ ከም ዘሎ” ስለ ዘመልክት፡ እቶም ምሉእ ዘመን ሕይወቶም ንኣገልግሎት ቤተ-እግዚኣብሔር ዉፉያት ኮይኖም ዝፍጽሙዎ፡ ክንደይ ኮን ተዓዊቶም እዮም!! (ኤር. 1፡4)።
ሓደ ካብ’ዚኣቶም ድማ፡ ቀሺ በርሀ ወልደማርያም’ዩ ክንብል እኹል ምኽኒያት ኣሎና። ከመይ’ሲ፡ ታሪኽ ቀሺ በርሀ የማነ-ጸጋም ከየግለሰ፡ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ጀሚሩ ኣብኡ’ዩ ዝድምድም። ምሉእ ዘመን ሕይወቱ ድማ፡ ንኣገልግሎት ቤተ-እግዚኣብሔር ተወፍዩ ፈጺሙዎ። ብመሠረቱ ንቀሺ በርሀ ዘይፈልጥ ውሉደ-ክህነት ይርከብ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብቐረባ ዘይፈልጥ እንተዘይኮይኑ፡ መንነት ቀሺ በርሀ ዝጠፍኦ ኣሎ ኣይብልን። ብሓደ ሸነኹ፡ ኣብ ኣሥመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ወደ-ኣሥመራ’ዩ ክበሃል ከሎ፤ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ ኣብ ደምበ ተዋሕዶ ዝበቘለ፡ ንኦርቶዶክስ ሃይማኖቱ ቅዱስ ቅንኣት ዝነበሮ፤ ምእንቲ ተሓድሶን ዕቤትን ቤተ-ክርስቲያን ብዘይ ዕረፍቲ ዝጐየየን ዝተቓለሰን፤ ብልቦና’ውን ዝፍለጥ ከቢድ ካህን’ዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል።
ከምዝፍለጥ፡ ቅድሚ ሓሙሳ-ዓመት ኣቢሉ፡ “ማኅበር ሓዋርያት” ክምሥረት ከሎ፡ ቀሺ በርሀ ገና ንእሽቶ ዲያቆን’ዩ ኔሩ። ኣብ’ቲ ሽዕኡ ዝነበሮ ዕድመ-ንእስነቱ ድማ፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ መንፈሳዊ መድረኽ ተዋሳኢ ኮይኑ ክርከብ፡ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይነበረን። “እሾኽ ብበላሓ ትፍጠር” ከምዝበሃል ግን፡ ቀሺ በርሀ ኣብ’ቲ ዅሉ መልኣከ-ሰላም ቀሺ ዲሜጥሮስ፡ ማኅበረ-ሓዋርያት ንምምሥራት ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ የማናይ ኢድ ኮይኑ ከም ዘሰነዮም ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ’ውን ብዘይ ቃል-ዓለም ክዝረብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ማኅበረ-ሓዋርያት ብዘይ ተሳትፎ ቀሺ በርሀ ክንቀሳቐስ ዝኽእል ኣይነበረን እንተ ተባህለ፡ ንምግናን ቢልካ ዝዝረብ ቃል-ኣጋንኖ ኣይኮነን። ብዝተረፈ ዅሉ ኬረጋግጾ ከም ዝኽእል፡ መልኣከ-ሰላም ቀሺ ዲሜጥሮስ፡ ኣብ’ቲ ሽዕኡ ኣብ ፖለቲካ ብዝነበሮም ተሳትፎ፡ ንዕዮ ማኅበር ዝዀውን ኰነ ዝተርፍ ጊዜ ስለ ዘይነበሮም፡ ጠቕላላ ንጥፈታት ማኅበረ-ሓዋርያት ኣብ ዝባን ቀሺ በርሀ ተጻዒኑ ምንባሩ ክኽሕዶ ዝኽእል የልቦን።
እቲ ማኅበር ወናኒ ቤት ማኅተም ኴይኑ፡ ቅዱሳት ማጻሕፍቲ ከኅትም ምስ ጀመረ’ውን፡ ጽሑፋት ኣብ ምእራም ይኹን፡ ናይ ምፍቃድ ሓላፍነት፡ ንሊቀ መዘምራን ሞጐስ ዑቝባጊዮርጊስን ንቀሺ በርሀን’ዩ ተውሂቡ። ሊቀ መዘምራን ሞጐስ ምስ ኃለፉ’ውን፡ ነቲ ከቢድ ሓላፍነት ንበይኑ’ዩ ክቃለሶ ጸኒሑ። እቲ ምእራም መጻሕፍቲ፡ ሳዕቤን ድኻም ዓይኒ’ኳ እንተ ኣኸተለሉ፡ ኣብ ምሥጢረ-መለኮት ተፋልሶ ከየጋጥም ካብ ዝነበሮ ስክፍታ፡ ካልኦት ይግበርዎ ቢሉ ክገድፎ ሕልናኡ ኣይፈቐደሉን።
ብተውሳኺ እቲ “ዜና-ሓዋርያት” ብምባል ዝፍለጥ ዝነበረ ጋዜጣ፡ ኣብ ምድላዉ ወይ ኣብ ምምርሑ፡ ሓላፍነት ንሊቀ-መዘምራን ሞጐስን ንቀሺ በርሀን ተዋሂቡ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ብኽልቲኦም እናተኣሌ ኸኣ፡ ክሳብ’ዚ ዘቋረጸሉ ጊዜ’ዚ ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ። ብዝተረፈ ቀሺ በርሀ፡ ንቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝነበሮ ሓልዮትን ተገዳስነትን፡ እቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ብጊዜን ሰዓትን ዝውሰን ኣይነበረን። ዝለ’ዚ ድማ እዩ፡ ደድሕሪ ዕዮ ማኅበር፡ ከበሳን ቈላን ክብል ዓመታት ዘመኑ ዝወደኦ። ስለ’ዚ’ውን’ዩ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ምድረ-ኩናማ ተተኺሉ ዝርከብ ፈልሲ-ተዋሕዶ፡ ቀሺ በርሀ ዝገበሮ ኣበርክቶ ብውሑዳት ቃላት ዝውሰን ኣይኮነን። ዕዮ ማኅበር፡ ንቀሺ በርሀ ኵሉ ነገር ስለ ዝነበረ፡ ንሓዳሩን ንደቁን ዝተርፍ ጊዜ’ውን ኔሩዎ ኣዪበሃልን።
ብዝተረፈ፡ ቀሺ በርሀ፡ ንኣገልግሎት ወንጌል ካብ ዝነበሮ ሕሉፍ ቅንኣት ተላዒሉ፡ ነቲ ኣብ ማኅበረ-ምእመናን-ተዋሕዶ ዝጸንሐ ዘመናት ዘቝጸረ ጸገም መልሲ ንምሃብ፡ ኣብ ታሪኽ ተዋሕዶና ንመጀምርታ ጊዜ፡ መጽሓፍ-ጸሎት ብትግሪኛ ከዳሉ ዝኸኣለ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ካህን ከምዝነበረ ክንገርሉ ግቡእ’ዩ። እዚ ገና ኣብ ዕድመ ንእስነት ከሎ ዝጸሓፎ ምዃኑ ክሕሰብ ከሎ ድማ፡ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ዝነበሮ ተወፋይነት ክሳብ ማዕረ ክንደይ ከም ዝነበረ ዘረድእ እዩ።
ቀሺ በርሀ፡ ሠሪሑ ዘይደክም ዓይነት ሰብ’ውን ስለ ዝነበረ፡ ምስ’ቲ ክሳብ መሬት ኩናማ ተዘርጊሑ ዝርከብ ዕዮ’ቲ ማኅበር ክወድቕን ኪትንሥእን፡ ክሳብ መወዳእታ ዘመን ሕይወቱ ካብ ጻዕሪን ድኻምን ኣየዕረፈን። ኣብ’ዚ ዝተባህለ ነዊሕ ጕዕዞ፡ ብዘይፈተና’ውን ኣይነበረን። ስለ ዝዀነ’ውን መልኣከ-ሰላም ቀሺ ዲሜጥሮስ፡ ንቡረ-ዕድ ተባሂሎም ንኣዲስ-ኣበባ ምስ ከዱ፡ ህልውና እቲ ማኅበር ንሓደጋ ዘቃልዖ ክስተታት ተቐልቂሉ ከም ዝነበረ ክከሓድ ኣዪከኣልን። ቀሺ በርሀ ግን ንዅሉ ከከም ኣመጻጽእኡ መኪቱ፡ ነቲ ማኅበር ካብ’ቲ ኣንጸላሊይዎ ዝነበረ ሓደጋ ኬድኅኖ ክኢሉ’ዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ጸገም ብኸምኡ ዝውዳእ ኣይንበረን። ብዘመነ ደርጊ’ውን ዕረፍቲ ክረክብ ኣይከኣለን። ዅሉ ነገር ምስ ስም መልኣከ-ሰላም ከም ዝተሓሓዝ ይግበር ብምንባሩ’ውን፡ ነቲ ማኅበር ወኪሉ ኣብ መድረኽ ክወፅእ ንቀሺ በርሀ ቀሊል’ዩ ዝበሃል ኣይነበረን። እቲ ትብዓት ዝመለለይኡ ካህን ግን፡ ብካድራት ደርጊ ተዳሂሉ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይነበረን። ብዅሉ መዐቀኒ፡ ክብሪ ካህን ንምሕላው ብቕዓት ዝነበሮ፡ ኣዚዩ ብኽብሪ ዝጥመት ካህን’ዩ ኔሩ ተባሂሉ ኪንገረሉ ግቡእ’ዩ።
ድሕሪ መልኣከ-ሰላም ናብ ቤት ማሕቡስ ምእታዎም፡ ኣብ መሪሕነት እቲ ማኅበር ብዝተፈጥረ ሃጓፍ፡ ቀሊል ዘዪበሃል ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ ኔሩ’ዩ። ንብረት ኣረክብ ክሳብ ምባል’ውን ተበጺሑ ኔሩ። ቀሺ በርሀ ግን፡ ኣብ ሕይወቱ ኬኸትሎ ብዛዕባ ዝኽእል ሳዕቤን ከይተገደሰ፡ ንብረት ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዝዀነ ኣየረክብን’የ ብምባል፡ ጸኒዑ ደው ክብል ዝኸኣለ ካህን’ዩ። ብዝተረፈ ንቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ክንድ’ዚ’ዩ ቢልካ ብዓቐንን ርሕቀትን ክውሰን ዝከኣል ኣይኮነን። ይዅን’ምበር፡ እቲ ኣብ መሪሕነት ቤተ-ክርስቲያን ዝነበረ ድኽመት ይረኣዮ ስለ ዝነበረ፡ ናብ’ቲ መንበረ- ፓትሪያሪክ ኣቢሉ ኪቀላቐል ድሌት ኣይነበሮን። ምስ’ቶም ጳጳሳት ዜራኽብ ጕዳይ ክህልዎ’ውን ይደሊ ኣይነበረን። ቀሺ በርሀ፡ ዝመርጾ ምርጫ፡ ከም ንህቢ ኣብ ዕምባብ እምበር፡ እቲ ካብ ረብሓ ቤተ-ክርስቲያን ወጻኢ ዝርከብ ዅሉ ንዕኡ ጐዱፍ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ካብ’ቲ መንበረ-ፓትሪያሪክ ኮነ ካብ’ቶም ጳጳሳት ተፈንቲቱ ክኸይድ ምርጭኡ ዝዀነ።
እዚ ማለት ግን፡ ንቤተ-ክርስቲያን ዝነበሮ ሓልዮትን ተገዳስነትን ገዲፍዎ ማለት ኣይኮነን። ስለ ዝዀነ’ውን ኣብ ከባቢ 1992 ዓ.ም. (2000 ዓ.ም.ፈ.)፡ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ከም’ቲ ኪዀኖ ዝግብኦ ኴይኑ ብጽፈት ኪጸሓፍ ኣሎዎ ዝብል ሓሳብ ስለ ዘልዓለ፤ ብናቱ ተበግሶ፡ ንኣባ ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል፣ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ መባእ፣ መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረሚካኤል፣ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያምን ከምኡ’ውን ኣነ ዘሎኹዎን ጕጅለ ብምጽዋዕ፡ ነቲ ጕጅለ ኣእሚኑ፡ ነቲ ሥራሕ ክጅመር ዝገበረ ብሩህ ራእይ ዝነበሮ ዓብዪ ካህን’ዩ ኔሩ። ምንም’ኳ እቲ ዕዮ ኣብ መፈጸምታ በጺሑ እንተ ዘይተባህለ፡ ብዙሕ ከም ዝተሠርሐ ግን እፈልጥ እየ። ብዝተረፈ ካብ’ዞም ዝተጥቕሱ ጕጅለ፡ ኣባ ተወልደብርሃንን ኣነን ኢና ብሕይወት ዘሎና እምበር፡ ካልኦት’ሲ፡ ጓሂ ተማሊኦም ናብ መቓብር ወሪዶም እዮም።
ታሪኽ ቀሺ በርሀ ካብ ማኅበር-ሓዋርያትን ቤት ማኅተም ኮዀበ-ጽባሕን ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ልዕሊ ሓሙሳ-ዓመት ዝኸይድ ታሪኽ’ዘን ትካላት’ዚኣተን፡ ቀሺ በርሀ ዘይወዓሎን ዘይተሳትፎን ፍጻሜ ኔሩ ክባሃል ኣዪካኣልን። ትርግታ ልቢ እተን ትካላት’ውን ባዕሉ ቀሺ በርሀ’ዩ ኔሩ። ንሱ ባብሕር’ዩ ኣብ ሓቂ ጸኒዑ ደው ዝብል ደኣ እምበር፡ ሥጋዊ ረብሓ ዘማዕዱ ብዘይ ምንባሩ፡ ዳርጋ ጸላእቱን ፈተውቱን ዘኽብሩዎ ሰብ’ዩ ኔሩ ክባሃል ይከኣል። ንኣብነት እቶም ጊዜ ዘልዓሎም ኃያላት ንዮፍታሔ ዲሜጥሮስ መራሕ ሃይማኖት ተዋሕዶ ቢሎም ኣብ መንበር ምስ ኣቐመጥዎ፡ ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ዝሰግአ ቀሺ በርሀ’ዩ ኔሩ። ከመይ’ሲ፡ ንዮፍታሔ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኪመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ካብ ቀሺ በርሀ ንላዕሊ ክርድኦ ዝኽእል ኣይነበረን። ዝዀነሉ መሲልዎ’ውን ብምኽሪ ክሕግዝ ፈቲኑ ኔሩ እዩ። “ምዒድካ ኣይ ንልቢ፡ መዊጽካ ኣይ ንስኒ፡” ስለ ዝዀነ ግን፡ ከንቱ ጻወምከ ኤሳው ከም ዝባሃል ኮይኑ።
ዮፋታሔ ካብ ቀሺ በርሀ ንኪርሕቕ ዝገበሮ ናቱ ምኽኒያት ስለ ዝነበሮ፡ ተሓቢኡ ክኸይድ’ዩ መሪጹ። ከመይ’ሲ፡ ንኣቦይ ቤተ-መዘክር ወይ ሙዚየም ኬሥርሓሎም ብምባል፡ ካብ ማኅበረ-ሓዋርያት ዝወሰዶ መጻሕፍቲን ሰነዳትን ንምስዮናውያን ሸይጡ ስለ ዝበልዎ፤ ቀሺ በርሀ፡ እዚ ሕቶ’ዚ ከየልዕልሉ ፍርሂ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ’ዩ። ስለ’ዚ ካብ ቀሺ በርሀ ክርሕቕ እምበር፡ ናብኡ ኣቢሉ ክቐርብ ዘየኽእሎ ናይ ሕልና ወቐሳ ኔርዎ እዩ። ክብሪ ወላዲኻ ሼጥካ ካብ ምብላዕ ዝኸፍእ’ከ እንታይ ካልእ ታሪኽ ኣሎ፧ ስለ’ዚ’ውን ቀሺ በርሀ ብዛዕባ ዮፍታሔ ዝነበሮ ኣቕዋም፡ ብግልፂ ይዛረብ ምንባሩ ብዙሓት ይፈልጡ እዮም። ዮፍታሔ ኬፍርስ እምበር ኪሓንፅ ኣይመጽአን ዝብል ኣቕዋም’ውን ኔርዎ። ብሕሹኽሹኽ ዘይኮነ ኸኣ ብግልጺ ክዛረብ ይስማዕ ኔሩ።
ብዝዀነ ኣብ ከባቢ 1993 ዓ.ም. (2001 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ዝነበረ ጊዜ፡ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን እንዳ ሥላሴ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ሓደ ዓቐኑ ዝሓለፈ ንዕቀት ተፈጺሙ ምንባሩ ይፍለጥ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ብ “ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ” ዝፍለጥ፡ ብሸንገብን ዓሊ ዓብዱን ዝምራሕ ዝነበረ ማኅበር፡ ናብ ቀጽሪ እንዳ ሥላሴ ጥሒሱ ብምእታው፡ ሕንፃ ክሠርሕ ዓበይቲ ማሺኔሪ ኣዋፊሩ፡ መሠረት ኣብ ምዅዓት በጺሑ ከም ዝነበረ ግልጺ ዝዀነ ሓቂ’ዩ። እዚ ዅሉ ግፍዕን ዓመጽን እናተፈጸመ ከሎ ግን፡ እቲ መንበረ ፓትሪያሪክ ስቕ ኪብል’ዩ መሪጹ። ብግልጺ ድማ፡ “ብዘይ ኣፍልጦ መንግሥቲ ኣይተገብረን ክበሃል ኸኣ ኣይንደልን ኢና” ክብሉ ተሰሚዖም። ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉ’ዚ ንቀሺ በርሀ ኪወሓጠሉ ኣይከኣለን። ስለ’ዚ’ውን ኣንጻር’ቲ ዝፍጸም ዝነበረ ወራር ንበይኑ ተቓውሞ ብምግባር ተላዒሉ። ካብ ጳጳሳት፡ ብዘይካ እቶም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ-መንግሥቲ ዝርከቡ ዘሎዉ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ ካልእ ዝደገፎ ዋላ ሓደ’ኳ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ዅሎም ፈተውቲ ቀሺ በርሀ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ፈሪሆሙሉ ኔሮም እዮም። እቲ ብፍቕሪ ሃይማኖቱ ዝነደደ ካህን ግን፡ ፈሪሁ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይነበረን። ስለ ዝዀነ’ውን፡ ብኃይሊ እግዚኣብሔር፡ መጒቱን ረቲዑን ካብ’ቲ ደምበ ኬውጽኦም ዝኸኣለ ካህን፡ ሕጂ ሞይቱ ተባሂሉ መርድእ ዝንገረና ዘሎ ቀሺ በርሀ ወልደማርያም እዩ። ንሓዘንና ዘኽብዶ ኸኣ እዚ’ዩ። ከመይ’ሲ፡ ብቅዉም-ነገር ዝልለ፡ ክቡርን ረዚንን ካህን ኢና ነጥፍእ ዘሎና።
ንሞት ቀሺ በርሀ ካብ ዘቀላጥፎ ሓደ፡ እቲ ብዮፍታሔ ዝምራሕ ሲኖዶስ ንማኅበር-ሓዋርያት ምስ ቤት ማኅተሙን ገንዘቡን ንብረቱን ወሪሰዮ እየ ብምባል ዘሕለፎ ውሳኔ እዩ። እዚ ዅሉ’ዚ፡ ቀሺ በርሀ፡ ንልዕሊ ሓሙሳ-ዓመት ዝደመወሉን ዝደኸመሉን እዩ። ምስ ሕይወቱ ዝተጣበቐ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ነት ዓማጺ ውሳኔኦም ክጻወሮ ኣይከኣለን። እዚ ዅሉ’ዚ፡ ንቀሺ በርሀ ዋዜማ ሞቱ’ዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ዮፍታሔ፡ ኬፍርስ እምበር ኪሓንፅ ኣይመጸን፡ ዝብሎ ዝነበረ ድማ፡ ኣብ ግብሪ ክፍጸም ተራእዩ። ካብ’ዚ ንደሓር፡ እቲ ብሕይወት ምንባር ዝብል ብሂል ንቀሺ በርሀ ትርጕም ኣይነበሮን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ “ይእዜ ትስዕሮ ለገብርከ በሰላም” ብምባል፡ ምድራዊ ዕዶቱ ፈጺሙ መገዲ ሰማይ ዝኸደ። ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ግፍዒ ብዝፈጸመ መጠን፡ “ኣገናዕ” ዝብሉ ጐይቶት ምስ ዘለዉዎ ዮፍታሔ ክዛረብ ድማ፡ ድሌት ኣይነበሮን። ሰማዒ ዳኛ ኣብ ዘይብሉ መጋባእያ’ኸ መን ክዛረብ ይደሊ፧!
ብመሠረቱ ሞት ንዅሉ ዝበጽሕ ጽዋዕ ስለ ዝኾነ፡ ቀሺ በርሀ፡ ስለምንታይ ይመውት ክሳብ ምባል ዝበጽሕ ተቓውሞ የብልናን። ይዅን እምበር፡ እዚ ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ቢሉ፡ ሠለስተ ምሩጻትን ብሉጻትን ደቁ ንመሥዋዕቲ ሃገር ዘወፈየ ካህን’ዚ፡ እታ ዕድሚኡ ምሉእ ዝደኸመላን ዝደመወላን ቤት-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ፡ ብበዓል ዮፍታሔ ብቐጻሊ ክትፈርስን ክትዓኑንን ምርኣዩ፡ ትርጕም መሥዋዕቲ ደቁ ምርድኡ ከምዘጸግሞ ርዱእ’ዩ። “ወዲ ዓሻስ ክልተ ጊዜ ይውቃዕ” እንተበለ’ውን ኣየኽፍኣሉን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣቤት!! ቢሉ፡ ዝሰምዕ ዳኛ ምስ ሰኣነ፡ እቲ ቃንዛን ስቓይን ዝመልአ ከብዱ፡ ከየተንፈሰ ብሕቱሙ ተማሊኡዎ ናብ መቓብር ምኻዱ፡ ክንደይ ዘየብኪ፡ ክንደይ ኸኣ ዘሕዝን’ዩ።
ዝኸበርካ ቀሺ በርሀ!
ንዅሉ ገጊዜኡ ኣሎዎ፡ ከም ዝበሎ ሰሎሞን ግዲ ኮይኑ፡ እነሆ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ኣብ’ዝ ዝሓለፈ እዋናት፡ ዓዕኑድ ቤተ-ክርስቲያን ዝነበሩ ሊቃውንቲ፡ “ኢታርእየኒ ሙስናሃ ለቤተ-ክርስቲያን” ብምባል፡ ማንም ኪትክኦ ይኽእል’ዩ ክበሃል ዘይከኣል ሃጓፍ ገዲፎሙልና ሓሊፎም። ንሳ’ቶም ድማ፡ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ፣ መጋቤ-ሥብዝኾነርዓት ሉቃስ፣ መምህር ዓምደብርሃን እዮም። እነሆ ድማ፡ ብምኽኒያት ናታቶም ሞት ዝቘሰለ ልብና ገና ከይተጸናነዐ ከሎ፡ ሕጂ ድማ ንስኻ ገዲፍካና ኬድካ እነሆኻ። እወ! እቲ ብዛዕባ እምነተ-ተዋሕዶ ዝነበረካ ቃንዛን ስቓይን ስለ ንፈልጥ፡ ኣብ’ዚ ፍትሒ ጠፊኡዎ ዘሎ ጊዜ’ዚ፡ ክትነብር እንተ ኣጽልኣካ፡ ተጋጊኻ ዝብለካ የልቦን። እንተኾነ እዚ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ዘሎ ጸገም እናፈለጥካዮ፡ ከመይ ኣቢልካ ጨኪንካ ክኸይድ’የ ትብል፧! ትማሊ፡ ከም እቲኦም ዘኣመሰሉ መተካእታ ዘይርከቦም ሊቃውንቲ ኣፋኒናስ፡ ሕጂ ድማ ንዓኻ ክንስእን!! እሞ ኸኣ ኣብ’ዚ ሕጂ ቤተ-ክርስትያንና ብኸቢድ ፈተና ትሓልፍ ዘላትሉ ጊዜ። ብዝኾነ ጻዕዳ-ይጽናሕካ ቢልና ብምርቓ ክንፋነወካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ከቶ ካብ መገሻኻ ከነትርፈካ ኣይኒኽእልን ኢና። ግዳስ እቶም ኣቐዲሞም ሓሊፎም ዝጸንሑ ዓበይቲ ሊቃውንቲ፡ መልኣከ-ሰላም ቀሺ ዲሜጥሮስ፣ ጸሓፌ-ትእዛዝ ገብረሥላሴ ዓስቡ፣ ሊቀ-መዘምራን ሞገስ ዑቝባጊዮርጊስ፡ ብዙሕ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ሒዞም ከም ዝጸበዩኻ ርግጽ’ዩ። እዚ ሕጂ ብበዓል ዮፍታሔን በቶም መለካውያን ጳጳሳት ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት እንተ ዘይዄይኑ ኸኣ፡ ካልእ ኪትነግሮም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ምስ ነገርካዮም፡ ሓሙዅስቲ ነስኒሶም ክዳውንቶም ከም ዝቐዱ ርግጽ’ዩ። መልእከ-ሰላም ግን፡ እዚ ዅሉ ዝፍጸም ዘሎ ዕንወት፡ ብምኽኒያት’ቲ ርጉም ወዶም ምዃኑ ምስ ዚሰምዑ፡ ምጽንናዕ ዘይብሉ ሓዘን’ዩ ክዀኖም። ርጉም ግን ከይተረግመ ርጉም’ዩ። ብዝኾነ፡ ጸሎት የድሌና ከም ዘሎ ንዅሎም ንገረልና።ንስኻ ድማ፡ እቲ ኬድካዮ ዘሎኻ መገዲ፡ መገዲ ደሓን ይግበረልካ። እቲ ምሉእ ዘመን ሕይወትካ ዘገልካዮ ኣምላኽ ኣብ ጽርሓ-ኣርያም ይቀበልካ። ኣሜን።
ተኽለማርያም ምርክሃጽዮን /ዲያቆን/
ሃገረ -ጀርመን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ