S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሰንበትን ሳምንትን እዚገብር ሄርወይ ከኣሕያዋይ ባርያኢላ እትጽውዖ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ ከከም ዓቕሙ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ኬስተንትንን ርእሱ ኺምርምርን ዝተሰርዐ ኣገዳሴ ጊዜ ድማ እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኣዚና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጾም እናጾምናዮ ኽነስና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና መክሊት ርእስና ምምርማርን፡ ዘጉደልናዮ ምፍጻምን እንተ ረሲዕናዮ፡ ነቲ ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነትን ክብርን ከም ዜስእኖ ኸነስተውዕል ዝተመደበልና ጊዜ እዩ።

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከም ዝተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ከም ዝተዋረደን ጌርና ቆጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ

እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንብባ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርኸብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ደብረ ዘይትኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ።

እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 4, 2018 ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ።መጻጕዕተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ 38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።

እዚ ሰንበት እዚ፡ ለካቲት 25, 2018 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።

እግዚኣብሔር ማለት ፍቕሪ ማለት ምዃኑ ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ ዝግባእ መባእታዊ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። ‘’ፍቅር ሰሓቦ ለወልደ ኣምላኽ እመንበሩ ወኣብጽሖ እስከ

እዛ ሰንበት፡ ለካቲት 18, 2018 ካልኣይ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን እያ።ቅድስትተባሂላ ድማ ትጽዋዕ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና ድማ ንቅድስና ዝምልኸት ትምህርቲ ክንከታተል ኢና።

ንተስፋ ዘዕን ነገራት

መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር፡ ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን፡ ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div