S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጐይታና፡ ነዒንቲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ካብ ዚፍውስ ንደሓር ኣብ ኢየሩሳሌም ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ነበረ። ብድሕሪኡ ድማ “ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ። እቲ ደገ-ኣባጊዕ ኣነ እየ፡ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዚብል ከቢድ ትምህርቲ ይምህር ስለ ዝነበረ እቶም ተጻረርቱ ፈጺሞም ዓቕሎም ኬጽብቡ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ተደጕሉ ዜቕለልዎም ዝነበሩ ምእንቲ ኺገልጾ ሓደ ኣገዳስን በዳህን ሕቶ ሓተቶም። ነዚ ሕቶ እዚ ኺሓትቶም ከሎ፡ ብእኡ ፈጽፊጾም ንኺቐትልዎ ድሮ ኣብ ኣእዳዎም ኣእማን ጨቢጦም ነበሩ። ስለዚ ብቝጥዓ ደሞም ፈሊሑ፡ ምፍሳስ ንጹህ ደሙ ጸሚኦም ከለው፡ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩኒ ዘለኹም፧” ኢሉ በዳሂ ሕቶ ሓተቶም። እዚ ዝርርብ እዚ ናብ ምርምር ስለ ዜእትዎም፡ ብመጠኑ ቝጥዓኦም ኪበርድ ዚሕግዝ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ “ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ኣይኰነናን ብእምኒ እንቐትለካ፧” ኢሎም ካብ ዘረባኡ ንላዕሊ ግብሩ ይረትዖም ከም ዝነበረ ተኣመኑ (ዮሃ 10፡31-33)።

ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንየሩሳሌም ከአ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ኾታ ስምዑ፡ ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፡ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፡ ምስናይ እዚ ኸአ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኮነን፡ መዓት ኣይወርደናን እዩ፡ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ። ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ የሩሳሌም ከአ ኩምራ ኣእማን ክትከውን፡ ደብሪ እታ ቤትውን ኩርባ ዱር ኪኸውን እዩ (ሚክያስ 3. 9-12)።

“ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ።ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶምን።” ሉቃ 2፡38 ከምቲ ሕጊ-ሙሴ ዚእዝዞ፡ ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም መዓልታት ምንጻሃ (40 መዓልታት) ምስ መልአት፡ ነቲ እንኮን በዅርን ውሉዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቝማ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ኽትገብሮ፡ እቲ ንምንጻሃ ዚግባእ መስዋእቲ ኽትውፍይ ምስ ዮሴፍን ወዳ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ናብ ቤት መቕደስ ከደት (ዘጸ 13፡2 ዘሌ 12፡4,6,8)። ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ተኣዚዞም እናፈጸምዎ ኸለው ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ክልተ ነብያት ናባታቶም መጹ። እቲ ቐዳማይ፣ ስምኦን ኪኸውን ከሎ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ ከኣ ብዛዕባ ሃና ጓል ፋኑኤል ዜዘንትው እዩ።

“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” (ሉቃ 4፡52)

ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብታ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ከም ኵሉ ኣተዓብያ ሰብ፡ ብኣካል ስጋን በእምሮን ዓበየ፡። ኣብ ሉቃ 2፡40፡ “እቲ ህጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽ’ውን ምስኡ ነበረ።” ብዚብል ቃል እቲ ዂለንተናዊ ዕብየቱ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣካል ስጋ ጥራይ  ዓብዩ፡ ብመንፈስ እንተ ዘይዓብይ ነይሩ፡ ዕብየቱ ንዕብየት መብዛሕትና መሲሉ ምተረፈ ነይሩ። ኣብቲ ናትና ኣተሓሳባ፡ ዝዀነ ህጻን ተወሊዱ ብስጋ ኺዓብየልና እምበር ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየት ውላዱ ዚሓስብ ዳርጋ የብልናን። ነዚ መንፈሳዊ ዕብየት ፈጺምና ኻብ ኣእምሮና ስለ ዘዋደቕናዮ፡ ዋላ ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን በጺሕና ኽሳዕ ሽምግልና’ውን በቒዕና ኽነስና ገና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ተደሪትና ክንነብርን ክንመውትን ንረኣይ ኣሎና። ጐይታና ግና እቲ ኽንዓብዮ ዚግባና ዓይነታዊ (ideal) ማለት መንቅብ ኣልቦ፡ ምሉእ ፍጹም፡ ዚወጾ ዘይብሉ ዓይነት ኣተዓባብያ እንታይ ከም ዚመስል ብግብሪ ኣርእዩና እዩ።

ብምኽንያት 6ይ ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ

ሎሚ 25 ሚያዝያ 2010 ኣ.ፈ (17 ሚያዝያ 2002) መበል 6ይ ዓመተ-ሲመት ናይ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ‘’ትማሊ ፈላሲ ሎሚ ፈላሲ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ መንፈሳዊ ቃሎም ክንዝክሮ ከሎና፡ ውሽጣዊ

እዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሄር ወልድ ብኣካል ስጋ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ቐዳመይቲ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ፡ ኽብሩ ድማ ዝገለጸላ መዓልቲ እንዝክረላ መዓልቲ እያ። እቲ ስጉው ቃል፡ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ስጋዊ ህይወቱ ዀነ ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነታቱ፡ ብዘይካ ብሓጢኣት ብዅሉ ነገር ከምዚ ኸማና ዀይኑ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ መርዓ እንተ ዓድምዎ ይኸይድ፡ እንዳ ፈተውቱ፡ እንዳ ጸላእቱ ከይተረፈ፡ ብቓላቱ ኼፈንጥርዎ ኢሎም ኣብ ዝዓደምዎ ዕድመ ኸይተረፈ ይኸይድ ነበረ። ዝዀነት ትኹን ዓይነት መድረኽ ወንጌል ንምስባኽ ይጥቀመሉ ነበረ። ነዛ ተዓዲሙላ ዝነበረ መርዓ ድማ፡ መለኮታዊ ኽብሩ ንምግላጽ ዝመረጻ መድረኽ ነበረት። ናብቲ መርዓ ምስናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲቱን ምስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ ኸደ። ምናልባት ብስጋ ብዝምድና ናይ ዚብጽሕዎም ሰባት መርዓ ነይሩ ኪኸውን ይክእል እዩ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ። ኣሜን።
ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ መርበብ-ሓበሬታ ተዋህዶ በዚ ትገብርዎ ዘለኹም ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት  መድሃኔ ዓለም ባዕሉ ይሓግዝኩም። በሉ በርትዑ! ኣጆኹም ቀጽልዎ እናበልኩ እዘን ዝስዕባ ርእይቶታት እሰደልኩም፣-

ኣብ ቅንያት ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጐሊሖም ካብ ዝተራእዩ ባህርያት ኣምላኽ ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምምራሕ ባህርይ እዩ። ብዓብዩ ንሰብ-ጥበብ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ናብታ ጐይታና ዝነበራ መብልዕ ማል መሪሑ ኸም ዘምጽኦም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተማሂርና ኢና። ነቲ ቕዱስ ህጻን ስግደትን ገጸ በረኸትን ኣበርኪቶም ናብ ሄሮድስ ኪምለሱ ምስ ሓሰቡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብራእይ ለይቲ ተገሊጹ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ዓዶም ኪምለሱ እምበር ናብ ሄሮድስ ከየላግሱ ነጊሩ ብቕኑዕ መገዲ መርሖም፡።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div