
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ መበል 42 ሰንበት ናይ ዘመነ ሓዋርያት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ ካብ ሰነ 18 ኽሳዕ ሰነ 25 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ ኣስተምህሮ" ይብሃል። እዚ ዘመን’ዚ ርእሱ ዝኸኣለ ዓብይ ዘመን’ምበር፡ ናይ ዘመነ ሓዋርያት ንኡስ ዘመን ኣይኰነን። ኵላትና ኸም ንፈልጦ፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ ናይ ኣስተምህሮ ዘመናት’ዩ ዘሎና።
እቲ ቐዳማይን ዝሰፍሐን ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ምስ ዘመነ ነብያት ተደሪቡ ተሰሪዑ ዘሎ ካብ ሕዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ። ካልኣይ ድማ፡ እዚ ዘለናዮ ናይ ወርሒ ሰነ ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመተ ግእዝ ክልተ ጊዜ ዝተሰርዐ እንኮ ዘመን፡ ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ። እዚ ኽልተ ጊዜ ምስርዑ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ኣስተምህሮ ዜጕልሓልና’ዩ። ክልተ ጊዜ ምስርዑ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክልቲኡ ምስ ዘመነ ነብያትን ዘመነ ሓዋርያትን ተደሪቡ ምስርዑ’ውን ነዛ ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን ዝተሃንጸት ቤተ ክርስትያን ዜመሓላልፎ ሓያል መልእኽቲ ኣለዎ። ምኽንያቱ ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን እቲ ዝለዓለ ናይ ኣስተምህሮ ኣገልግሎት ዝሃቡ ኣርኣያና’ዮም። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ውን ኣሰር ናይ’ቲ ርእሳ ዝዀነ ክርስቶስን፡ ኣሰር ናይ’ቶም ዝሃነጽዋ ነብያትን ሓዋርያትን ክትስዕብ ናይ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ ንናይ ኣስተምህሮ ኣገልግሎት ዝሰፍሐ ጊዜን ሓይሊ ሰብን ብምምዳብ ክትተግሃሉን ከተኽብሮን ልዑል ሓላፍነት ኣለዋ። ፍልጠት ኣብ ዝወሓደሉን ድንቍርና ኣብ ዝሰፈነሉን ቤተ ክርስትያን፡ ሰይጣንን ሓጢኣትን’ዮም ዚነግሱ። መንፈሳዊ ፍልጠት ኣብ ዝዓዘዘሉ ቤተ ክርስትያን ድማ፡ ኣምላኽን ጽድቅን’ዮም ዚነግሱ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ንፍልጠት ኣመልኪቱ ኸም’ዚ ዚስዕብ በለ።
"1ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ቃል እግዚአብሔር ስምዑ፡ ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብ’ታ ሃገር የልቦን’ሞ፡ እግዚአብሔር ምስ’ቶም ኣብ’ታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ። . . . 5ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፡ እቲ ነብዪ ኸኣ፡ ምሳኻ ብለይቲ ኺወድቕ’ዩ። . . . 6ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ፡ ኣነ ድማ፡ ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ’የ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፡ ኣነ ኸኣ፡ ንደቅኻ ኽርስዖም’የ። 7ብመጠን’ቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ’የ። 8ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለቡ፡ ልቦም ድማ፡ ናብ ኣበሳኦም የድህብ ኣሎ።" ሆሴ 4፡1,6-8
"ከም’ቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚአብሔር ክትመልእ’ያ’ሞ፡ ኣብ ኲሉ’ቲ ቕዱስ ከረነይ ሓደ’ኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን’ዩ።" ኢሳ 11፡9
ጐይታና’ውን ንሰዱቃውያን ሰኣን ፍልጠት ይስሕቱ ኸም ዝነበሩ ነጊርዎም’ዩ (ማር 12፡24)። ፍልጠት ድማ፡ ብኣስተምህሮ’ዩ ዚርከብ። ኣስተምህሮ፡ ንሰይጣንን ሓጢኣትን ’ንስዕረሉ ዝበለጸ መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ። ፍልጠት፡ የናግፍን የድሕንን’ዩ (ምሳ 11፡9) ቤተ ክርስትያን ንኣስተምህሮ ኽትተግሃሉ ዚግባእ ምኽንያት ከኣ፡ ንሱ’ዩ። እተስተምህር ቤተ ክርስትያን ንህዝባ ናብ መንግስተ ሰማያት ትጓስዮ፡ ዘይተስተምህር ቤተ ክርስትያን ከኣ፡ ብኣንጻሩ ናብ ገሃነም እትጓስይ፡ ኣንጻር ተልእኾኣ እትሰርሕ ቤተ ክርስትያን ትኸውን። እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ድርብ ዘመነ ኣስተምህሮ ድማ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ወርትግ ክንዝክሮ’ሞ ንኣስተምህሮ ብምትጋህ ንጐይታናን ነቦታትናን ምእንቲ ኽንመስል ዝተሰርዐ’ዩ። እቲ እነስተምህሮ ድማ፡ ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን ዘስተምሃርዎ ፍልጠት ሓቂ ኪኸውን፡ እቶም ’ንምህርን እንምሃርን ኵላትና ድማ፡ ነቲ ፍልጠት ሓቂ ክንእዘዝ ይግብኣና።
ነዚ ዘመነ ኣስተምህሮ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር፡ "ናክብር ሰንበቶ በጽድቅ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦
“ነቲ ሓደ ንበይኑ ዝዀነ (ጐይታ) ንሰንበቱ ብጽድቂ ነኽብር፡ ስርዓቱ ኣይንሕደግ፡ ሃሌሉያ፡ ንሱ ጻድቕ’ዩ። ኣብ መንግስቱ ሓቂ ይፈርድ ሃሌሉያ። ወጋሕታ ይገብር። ምስ ወግሐ ምሕረቱ ኺህበና’ዩ። ንሕና ኸኣ፡ ንእግዚአብሔር ብቕንዕና ነመስግኖ ሃሌ ሉያ። ኣምላኽና ኣምላኽ ምድኃን’ዩ። ኵሉ ዚኽእል ሓንቲ’ኳ ዘይስኣኖ’ዩ ሃሌሉያ!፡ ሃሌ ሉያ፡ ሃሌ ሉያ፡ ሃሌሉያ። ቃሉ ጽድቂ፡ ዘረባኡ እሙን’ዩ፡
እታ እግዚአብሔር ብእኣ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን፡ ሰንበቱ ብሰላም ነኽብር፡ ንሱ መሓሪ’ዩ’ሞ፡ ስርዓቱ ኣይንሕደግ።”
ማለት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ንባብናን ድማ፡ ካብ’ዚ ናይ ማቴ 22፡2 ንባብና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።
ዘመነ ኣስተምህሮ ምስ’ዚ መንግስተ ሰማያት ዚተኣሳሰረሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ "መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዚገበረ ንጉስ ትመስል።" ዝብል’ከ ብኸመይ ኢና ንርድኦ፡ ኵልና ከም ’ንርድኦን ንግንዘቦን፡ ሓንቲ ኣውቶቡስ ክትጓዓዝ ከላ፡ ናብ’ታ ተጓዓዝትቲ ዝደልይዋ ዓዲ ንምብጻሕ’ያ ’ትጓዓዝ። እቶም ተጓዓዝቲ ናብታ ዚደልይዋ ዓዲ ንመብጽሒ ዚኸውን ትኬት ወይ ምስክር ወረቀት ክሕዙ ናይ ግድን’ዩ። እንተዘየለ ናብ’ዛ ኣውቶቡስ’ዚኣ ኪስቀሉ ኣይክእሉን’ዮም። ከምኡ ድማ "ኣነ ክርስትያን’የ" ዚብል ካህን፡ ዲያቆን ይኹን ኵሉ ምእመን፡ ካብ ኣምላኽ ዚጽበያ ውቅብቲ፡ ዘለኣለማዊት፡ ብርህቲ መንግስተ ሰማያት ኣላቶ። እዛ መንግስቲ’ዚኣ ናታ ዝዀነ መምርሒታትን ሕጋጋትን ኣለዋ። ንሱ ኸኣ እዚ ቃለ-እግዚኣብሄር ’ንብሎ፡ ቃል ኣምላኽ’ዩ። ብዛዕባ’ዛ መንግስተ ሰማያት’ዚኣ ምግላጽን፡ ብርሃንን ’ንረኽቦ ድማ በዚ መለኮታዊ ቃል’ዚ ኢና። ንምንታይ እንተ ኢልና፡ መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር ቃሉን ከም ኣብ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጽ ዘይፈላለዩ’ዮም። "ቃል ብመጀመርታ ነበረ። እቲ ቃል’ውን ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቃል’ውን ኣምላኽ ነበረ።" (ዮሃ 1፡1 ፣ 1ዮሃ 1፡1-2)። ከም’ቲ መምርሒ ትኬት ናይ’ታ ዓዲ ዝተጻሕፎ ሒዝና ናብ’ታ ’ንደልያ ዓዲ ንበጽሕ፡ እቲ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ዘይሓልፍ ቃሉ ሒዝና ድም፡ ብግዲ ናብ’ታ ’ንጽበያ መንግስተ ሰማያት ክንኣትው ኢና። ኣስተምህሮ ወንጌል ድማ ዝዓበየ ኣተኵሮኡ፡ ብዛዕባ’ዛ መንግስቲ እዚኣ’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሎም ቅዱሳን ድማ ቀንዲ ኣስተምህሮኦም ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት’ዩ ነይሩ። "ኢየሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ሞ፡ ተነስሑ፡ እናበለ ኪሰብኽ ጀመረ።" (ማቴ 4፡17 ፣ ማቴ 3፡1-2 ፣ ማር1፡14-14-15 ፣ ሉቃ24፡47 ፣ ግብ 20፡20-21)። ብዛዕባ ተዳልዩልና ዘሎ ስፍራን ናበይ ከም ንኸይድን ዘይርድኣና እንተልዩ፡ መንፈሳዊ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ኣጋጢሙና ኣሎ ማለት’ዩ። ካብ’ዚ ስጋ ዘይርእዮ ስንክልና’ዚ ንምንጋፍ’ዮም ድማ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዋርያትን ኣስተምህሮኦም፡ "መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’ላ፡" ብምባል ዝጀመርዎ። “ቀሪባ ኣላ” ዚበሉሉ ምኽንያት፡ ካብ ደቂ ሰባት ርሒቃ ከም ዝነበረት ዘመልክት’ዩ። ኣብ ኵሉ ቀራናታት መገዲ እናኸዱ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን ንዚረኸብዎ ዘበለ ኵሉ ወዲ ኣዳም እናጸውዑ፡ ናብ’ታ መንግስቲ’ዚኣ ዓደሙ (ማቴ 22፡9-10 ፣ ራእ 7፡9)። ኣብ መእተዊ ኣርእስተ ትምህርትና ብሰፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ስብከተ ወንጌል፡ ንሰባት ካብ ድቕድቕ ጸልማት መንዚዑ ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዜሰጋግር ስለ ዝዀነ፡ ቀንዲ ርእሰ-ተኮር ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኰይኑ ኢና ንረኽቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነብያት ዚለኣኸሉ። ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ድማ ነቦታትና ሃዋርያት ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ምሂሩን ኣስተምሂሩን ዚዕጠቀሉ ምኽንያት፡ "ንዅሎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም፡" ኢሉ ናይ መወዳእታ ለበዋኡ ዘመሓላለፈ፡ ደቂ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ክንከውንን ንዅሉ ፍጥረት፡ ናብ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ክንጽውዕን’ዩ (ማቴ 28፡19 ፣ ኢሳ 9፡2 ፣ ማር 16፡15 ፣ ዮሃ 14፡28 ፣ ዮሃ 19፡7)። ስለ’ዚ ነታ እንጽበያ መንግስተ ሰማያት፡ ጐደናታት ዘርእየና መነጸር፡ እቲ ህያው ቃሉ’ዩ። መንግስተ ሰማያትን ቃሉን ዘይፈላለየ ሰብ፡ ኣብ መንጎ ስጋን መንፈስን ዘሎ መንፈሳዊ ሓቂ ዚደብዘዞ ሰብ’ዩ።
"መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።" እዚ ሃይለ ቃል’ዚ፡ ምስሊ መንግስተ ሰማያት ዜርእየና ምሳሌ ስለዝዀነ ከነቕልበሉ ይግባእ። እዚ ንጉስ’ዚ መርዓ ወዱ ኪጽንብል ከሎ፡ ዚዕድሞም ሰባት፡ ሕገ መንግስቱ ዜኽብሩ፡ ንሱ ዚደልዮ ክዳን መርዓ ዚኽደኑ ኪዀኑ ይግባእ። ካብ’ዚ ወጻኢ ዝዀነ ሰብ ካብ ዕድመ’ቲ መርዓ ናይ’ቲ ንጉስ ወጻኢ’ዩ። ኣገልገልቱ ብምልኣኽ ደጋጊሙ ክዕድሞም ንርእይ። ንምንታይ እንተኢልና ኣብ መርዓ ወዱ፡ ተሳተፍቲ ሓጐሱን ድግሱን ንኽዀኑ’ዩ። እቲ ዜገርም ግን መብዛሕትኦም ሸለል ክብሉን ነቶም ዓደምቲ ልኡኻት ንጉሰ ከዋርድዎምን ክቀትልዎምን ከለዉ ንርእይ (ማቴ22፡6 ፣ ዮሃ15፡19-20 ፣ 1ተሰ2፡14-15)። ዕድመ መርዓ ወዱ ‘ንዘየኽበሩ ንጉስ ድማ፡ ከተማታቶም ህይወቶም ኣጥፍአ። በቶም ዕድመ መርዓ ወዱ ኣኽቢሮም ኣብ ድግሱ ዝተረኽቡ ተሓጐሰ። በቶም ክዳን መርዓ ከይተኸድኑ ዝመጹ ግን ጐሃየ’ሞ፡ ናብ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮም (ማቴ8፡12 ፣ ማቴ25፡30 ፣ ራእ21፡17 ፣ ይሁ1፡13)። ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምስ እንርእይ’ውን ብወዱ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ-ክርስቶስ፡ ናብ’ታ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦና ኣዳም ርሒቃትና ዝነበረት መንግስተ ሰማያት ጸዊዑና (ዘፍ3፡22-24)። ኵሎም ሃዋርያት፡ ቅዱሳን’ውን ጻውዒቶም እዚ ወንጌል’ዚ’ዩ ነይሩ። ስለ’ዚ’ዩ ኢየሱስ ክርስቶስ "መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’ላ’ሞ ተነስሑ።" ኢሉ ብምጭራሕ፡ ትምህርቲ ስብከቱ ዝጀመረ። ናብ’ዛ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተዳለወትልና መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ መስተንክራዊ ሃሤታ፡ ዕረፍታን ተድላኣን፡ ተቋደስቲ ክንከውን፡ መላእኽቲ ሰማይ ዚተሳተፍዎ፡ ንልቢ ሰብ ብዝሰብር ፍቕሪ ዓደመና (ሉቃ2፡13-14)። እግዚኣብሄር ነብያትን ሃዋርያትን ኵሎም ኣገልገልቱን ዚልኣኸሉ ምኽንያት፡ ነፍሰ ወከፍ ወዲ ኣዳም፡ ኣብ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ግደን ርስትን ንኽህልዎ’ዩ። ነቶም ኣብ ጸልማት ዚመላለሱ ዚነበሩ ነፍሳት፡ ነቲ ህያው ቃሉ ብምእማን፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኪስዕቡ፡ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት እዚ ጥራሕ ምዃኑ፡ ደጋጊሙ ጸውዖም። ዝበዝሑ ካብኣቶም ነዚ ዕድመ ናይ መንግስተ ሰማያት ካብ ምስማዕ ሓንጊዶም፡ ባቢሎንን ፍትወታን ሓርዮም። ፍረ ሕርያኦም ከኣ፡ ናይ ዘለኣለም ኲነኔን ስቃይን ተፈሪድዎም። ንዕኦም ዚሕሾም መርዓ ሰማይ ስለ ዝተሓሰሙ፡ ናብ’ቲ ተጣዒስካ ፍረ-ኣልቦ እተማዕድወሉ፡ ዘለኣለማዊ ሓዊ ክልብለቡ’ዮም (ማቴ25፡41 ፣ ይሁ1፡6-7 ፣ 2ተሰ1፡9-10 ፣ ኢሳ 66፡24)። "ድሕር’ዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም "ኣቱም፡ ርጉማት፡ ካባይ ርሓቁ፡ ናብ’ቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኪዱ" በሎም (ማቴ25፡41)።
"እቶም ዕድመ’ቲ ሰማያዊ መለኮታዊ ቃል ተቐቢሎም ንኣምላኾም ዚተኣዘዙ ግና "እዚ መንፈሳዊ ባህርይ ነይርዎም፡" ኪብሉ፡ ሓደ ሰባኺ ኣቦ ገሊጾም።
1. እሙናት ኰይኖም ተመላሊሶም (1ቈረ4፡1-2)።
2. ኵሉ ሳዕ ብእተዳለወ ህይወት ተመላሊሶም (ማቴ 24፡44-47)።
3. ቅኑዕ ሃቀና ነይርዎም (ማቴ 24፡44-47)።
4. ኣብ’ቲ ናይ ዘለኣለማዊ መሰረት ኢየሱስ ተሰሪቶም (1ቈረ 3፡10-11)።
እዚ ህይወት’ዚ ብምውናን’ዮም፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምኽዳን፡ ልቢ ኣምላኾም ዚደበሱ። ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ኣምላኽ በቶም ቃሉ ሰሚዕና እንእዘዝ፡ ዚደበሰሉ ዘመን’ዩ ክንብሎ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ናብ’ዛ ዋሕዚ ሰላማን ዕረፍታን ዘይውዳእ ኢየሩሳሌም ቤቱ ንኽንኣቱ፡ ነቲ ዚፈትዎ ወዱ መድሓኒ ኣለም ክርስቶስ’ዩ፡ በጃ ኣብ ክንዲ ኵልና ኣሕሊፍዎ። ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ዳስ መንግስተ ሰማያት ተኣኪብና ኪርእየና ከሎ፡ ድርብ ሓጐሱን ፋሲካኡን’ዩ። እቲ ምድራዊ መርዓ ዚገብር ንጉስ፡ ንመርዓ ወዱ፡ ክንድ’ዚ ዕጥቅን ላዕልን ታሕትን ካብ በለ፡ ወተሃደራቱን ኣገልገልቱ ልኢኹ፡ ንዅሉ ሰብ ናብ ኣደራሽ መርዓ ወዱ ካብ ዓደመ’ሞ፡ እዚ መግለጺ ናይ መወዳእታ ሓጐሱ ካብ ኰነ፡ እቲ ንነብሱ ምእታይ ንጹህ መስዋእቲ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘቕረበ ክርስቶስ’ከ ድኣ ክንደየናይ፡ ናብ ኣደራሽ መንግስቱ ኪርእየና ከሎ፡ ከም’ቲ መርዓዊ በታ ኣብ ጎኑ ዘላ መርዓቱ ዚሕጐሶ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ በታ መርዓቱ ዚዀነት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብቲ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ክርእያ ከሎ ዓቢ ሓጐስ ዘይሕጎስ፧ (ራእ 19፡6-7 ፣ ራእ 21፡2 ፣ ራእ 19፡9)። እዛ መንግስቲ’ዚኣ ዓባይን ጽንዕትን መንግስቲ’ያ። ሓደ ዓቢ መራሒ ናይ ሓንቲ ምዕብልቲ ሃገር፡ ኣብ ድኽነት ንዝነብር ህዝቢ "መንግስትና ድኽነት ኣጋጢምዎ ስለ ዘሎ ዓዓቕምኹም ሓግዙና" እንተ ዝብል፡ ይዋዘ’ዩ ዘሎ ኢልና ምሰሓቅናዮ። ሓደ ዚኣረገ ክዳን ዝተኸድነ ሽማግለ፡ "መግስቲ ኣምላኽ ኣብ ድኽነት ትነብር ኣላ’ሞ፡ በብዓቕምኹም ሓግዙና፡" እንተ ዝብለና ግና፡ ሰናቲም ከይተረፈ ምሓገዝናዮ። እዚ ሓሳብ’ዚ ሓደ ኣቦ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ጽባቐን ሃብትን ኪምህሩ ከለው ዚተዛረብዎ፡ ምሳሊኣውን ሓቅን ዘረባ’ዩ። ንመንግስተ ሰማያት ኵሉ ጊዜ (ንቤተ ክርስትያን)፡ ከም ሓገዝ ዜድልያን ድኻን ጌርና ክንሓስባ፡ ኣይግባእን። ስለ’ዚ ኢና ነቲ ኣረጊት ክዳን ዚተኸድነ ሽማግለ፡ ዓቕሙ ንምሕጋዝ ዝተጓየና። ነቲ ዓቢ መራሒ ናይ’ታ ምዕብልቲ ሃገር ግን፡ ሓገዝ ምሕታቱ ዜስሓቀና። ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ዘለና፡ መንፈሳዊ ርድኢት እምነት ከም ቃሉ ዚብሎ እንተ ዝኸውን ግና፡ ክሳብ ክንድኡ፡ ብሓሳብና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ባይታ ድኽነት ኣይምደርበናያን። ብርግጽ መንግስቲ ኣምላኽ’ሲ፡ ዘለዋ ጽባቐን ክቡርነትን ካብ’ቲ ንሕና ንግምቶ ንላዕሊ’ዩ። ኣብ 1ቈረ 2፡9 ከም’ዚ ይብል።
"ግናኸ ኸም’ቲ ጽሑፍ ዚብሎ፡ "ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ ልቢ ሰብ ዘይሓለኖ፡" ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ።" ኢሳ64፡4
"ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል’ዩ’ሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ’ዩ።" ያእ1፡12
"ሕጂ ግና ’ትሓይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊሎም ኣሎ’ሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን’ዩ።" እብ11፡16
"ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ”።" ማቴ25፡34
"ንኣኻትኩም’ምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚ’ውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግረልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ’ዮም።" 1ጴጥ1፡12
እዛ መንግስቲ’ዚኣ፡ ልቢ ሰብ ዘይሓሰቦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰብ’ውን ተሓሊሙ ዘይፈልጥ ሃብትን ክብርን ኣምላኽ ዝሓቆፈት፡ ልዕሊ ኵሉ መዛግብቲ’ያ። ምስ’ቲ "መንግስተ ሰማይን ወዱ መዓር ዚገበረ ንጉስ ትመስል"። ዝብል ከነመሳስላ’ኳ እንተ ፈተንና፡ መግለጺ ዓቕሚ ቃላትና ጥራይ’ዩ። ምኽንያቱ መዐቀኒ ምስሊ መንግስተ ሰማያት፡ ዓይንና ኰነ እዝንና፡ ሰሚዐንኦን ርእየናኦ ዘይፈልጣ፡ ዕረፍትን ሰላምን ንዅሉ ፍጥረት ዚተዳለወሉ፡ ፍሉይ ስፍራ ኣምላኽ’ዩ (እብ12፡22-24 ፣ ዮሃ14፡2 ፣ እብ13፡13-14)። እቲ መርዓ ንወዱ ዚገበረ ንጉስ፡ እቲ ዚገበሮ ናይ ድግስ መርዓ ናይ መዓልትታት ጽንብል’ዩ። ጐይታ ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ክብርታት ግና ዘለኣለማዊ መርዓ’ዩ። ብናይ ምድሪ ቋንቋን ቋንቋ መላእኽትን’ኳ ገሊጽካ ዘይትበጽሖ’ዩ። እዞም ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ዚምህሩና ቅዱሳት ጽሑፋት ግና፡ ዋግዋጎ ምግላጽ ረኺብና፡ ኣብ ጸጽባሕ ብናፍቆታ ከነስተንት ዝድርኹና’ዮም (ማቴ13፡24 ፣ ራእ19፡6-9 ፣ ማቴ 25፡1-14 ፣ ማቴ13፡31-33)።
ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ተጻሒፉልና ዘሎ ኣውራ ነገር እንታይ’ዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ’ከ ከመይ ዓይነት መንግስቲ’ያ፧ እቲ ብዛዕባ፡ "መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል" ዝብል ዘሎ፡ ኣውራ ንመንግስተ ሰማያት ገሊጽዋ ዘሎ ሃይለ ቃል’ዩ። ምስኡ ኣተኣሳሲርና ’ንርእዮ እምበኣር፡ ንመንግስተ ሰማያት፡ ብዘርእን ዘራእን መሲሉ ጽቡቕነታ ኣጒሊሑ ምሂርዎም ኣሎ። ብምስላታት ገይሩ ድማ ብዙሕ ነገሮም። ከም’ዚ እናበለ፡ "እንሆ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።" (ማቴ 13፡3 ፣ ማር4፡2-9 ፣ ሉቃ8፡5-8)። እቲ ዘራኢ ነቲ ዘርኢ ዝዘርኦ፡ ኣብ ሓደ መሬት’ዩ። እቲ ኣብ ጽቡቕ መሬት ዝዝራእ ዘርኢ ድማ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ሱሳ፡ ገሊኡ ሚእቲ ብምፍራይ፡ ንልቢ ዘራኢኡ ዜሕጉስ ፍርያት ይህብ (ማቴ13፡8)። ኣብ ከነተኩረሉ ተዳልዩ ዘሎ ነጥቢ፡ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብኣፍ ኣገልገልቱ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ዝምገበና ቃል መንግስቱ፡ ኵሉ መንፈሳዊ ፍረ ምስ ንፈርየሉ፡ ውሑስ ዝዀነ መገዲ ህይወት ሒዝና ኣለና ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ቀጺሉ’ውን "እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።" (ማቴ 13፡9) ኪብለና ከሎ፡ እዚ ቃል’ዚ ሓለፋ’ቲ ብስጋ እንሰምዖ ምስማዕ፡ መንፈሳዊ ኣእዛንና ተኸፊቱ፡ እንሰምዓሉ ሰማያዊ ጽውዓ’ዩ። ቃል ናይ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ዚሰምዕ፡ ዝእዘዝ፡ መጻኢኡን መጻኢ ኵሉ ሰብን ብሩህ ተስፋ ዜርኢ ብልሂ ክርስትያን’ዩ እዚ ሰማያዊ ቃለ እግዚኣብሄር ጥራይ’ዩ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፡ ብትኽክል ዝግለጸሉ። ንምንታይ እንተበልና፡ ምስጢር ንዅሉ ኣይኰነን። ቅዱስ ኣትናቶዎስ ኣብ ገለ ጽሑፋቶም፡ ምስጢር ንቀረባኻ፡ ንዓርክኻ፡ ጥራይ ኢኻ እትነግሮ ኢሎም ኣለው። ዘገርም’ዩ እግዚኣብሄር ከኣ ነቶም ናብ ቃሉ ዝቀረቡ፡ ከም ኣዕሩኽቱ ቆጺሩ፡ መለኮታዊ ምስጢሩ ይገልጸሎም። እቲ ንማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ዝተገልጸላ ኣውራ ነገር፡ ምስጢር መንግስተ ሰማያት’ዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ከኣ’ያ፡ ኣብ እግሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምቅማጥ፡ ኣብ’ቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝትሕዝቶ ቃል ኣምላኽ ከተቅልብ ዝገበራ። ብስራሕ ናይ ክሽነ ዝሃለኸትን ዝደኸመትን ማርታ ግና፡ ምስ ጐይታን ሓብታ ማርያምን ኣብ ምጥምማት ተረኽበት። ነቲ ኣውራ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝንግዓ ዝሓዘነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ እቲ ዘድልያ፡ ናይ ማርያም ሕርያ፡ ሕርያኣ ኪኸውን መዓዳ። እዚ ዓቢ ምስጢር እምነት ዝተገንዘበት ማርያም፡ ትንሣኤ ኣልኣዛር ሓዋ ብእምነትን ብሓጐስን ተቀበለቶ። እታ ብእምነት ዘይጸንዐ ልቢ ዝነበራ ማርታ ግና፡ ብኣሰቃቂ ዝዀነ ዓውታ፡ ምስ ጐይታ ብምክታዕ ምልክት ዘይምእማና ኣንጸባረቀት (ሉቃ 10፡38-42 ፣ ዮሃ12፡3 ፣ ዮሃ 11፡32 ፣ መሃ 4፡13-14 ፣ ማር 4፡26-29 ፣ ማቴ13፡51-52)።
መንግስተ ሰማያት፦ በቲ ኣብ ቃል ወንጌል፡ ተገሊጹ ዘሎ ቃል እግዚኣብሄር ጌርና ክንገልጻ ኢና። ንምንታይሲ ብባዕላዊ ትንታነ ተገሊጻ ’ትውዳእ መንግስቲ ኣይኰነትን። ዓይነታ በዘን ዚስዕባ መገድታት ኪንገልጻ ኢና።
1. መንግስተ ሰማያት ፈራዲት መንግስቲ’ያ።
ፍርዲ እንተ’ሎ ፍትሒ ኣሎ ማለት’ዩ፧ ፍርዲ እንተ’ሎ ብርግጽ ምፍልላይ ኣሎ። ጸልማት ካብ ብርሃን፡ ሓጢኣት ካብ ጽድቂ፡ ስርናይ ካብ ክርዳድ ኵሉ ጊዜ ክፈላለዩ ጥራይ’ዩ ዘለዎም። ነዚኦም ዝፈሊ እቲ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ጥራይ’ዩ (ማቴ13፡24-30)። ክርዳድ ምስ ስርናይ ተመሳሲሉ ክዓቢ ይኽእል’ዩ። ኣብ ፍረ ምስ በጽሐ ግን፡ ሓረስታይ ብቀሊሉ ከለልዮን ክፈልዮን ይኽእል’ዩ። ጐይታ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ፡ ንዅሉ ከከም ግብሩ ዝፈርደሉ ጊዜ ክመጽእ’ዩ። ኣብ ማቴ 6፡33 ጠቂስዎ ከም ዘሎ "ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፧ እዚ ዅሉ ድማ ይውስኸልኩም። ይብል። ነቶም መንግስቲ ኣምላኽን ሃብታን መገዳን ዚደልዩ ፍርዶም እዚ’ዩ። በረኸትን ጸጋን ይበዝሓሎም። ነቶም ድልየቶም ካብ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ወጻኢ ግና፡ ካብ’ዚ ይሰውረና፡ ፍርዶም መርገምን ኵነኔን’ዩ (ሉቃ12፡31 ፣ ሮሜ14፡16-17 ፣ ቈለ1፡13-14 ፣ ኢሳ45፡24 ፣ ማቴ25፡34,41)።
2. ንቁሓት ክንከውን እትደልየና መንግስቲ’ያ
ኣብ ማቴ 25፡1-13 ተጠቂስልና ዘሎ ሃይለቃል፡ ናይተን ዓሰርተ ደናግል ንረክብ። እቲ መርዓዊ ክርስቶስ ዝሓዘን ንዓሰርቲአን ሓደ’ዩ ነይሩ። ንሱ ከኣ፡ ዘይተን ኣብ ጢናአን መሊአን፡ ነቂሐን ተዳልየን ንኽጸንሓኦ’ዩ። ሎሚ ካብኡ ክንምሃሮ ዝግብኣና ግና፡ እተን ሓሙሽተ ካብኣተን እታ መንግስቲ እትደልዮ መምዘኒ፡ ብምሓዝ፡ ዘይተን ኣብ ጢናአን መሊአን፡ ብንቅሓት ጸንሓኦ። ብምንቅሐን ዝተሓጐሰ መርዓዊ ክርስትስ ድማ፡ ናብ ኣደራሽ መንግስቱ ክኣትዋ ፈቀደለን። እንተ’ተን ሓሙሽተ ደናግል ካባተን ግና፡ ዘይት ዘይብሉ ጢና ሒዘን ተረኽባ። ወዮ መርዓዊ ተባሂሉ ዘል ክርስቶስ ዕያሸ፡ ዝብል ቅጽል ስም ብምሃብ፡ ምስኡ ናብ ኣደራሽ ቤቱ ኪኣትዋ ኣይፈቀደለንን። ብድሕሪ’ዚ ኪገብራኦ ዚፈተና ናይ ምንቃሕ ፈተነ፡ ኣልቦ ፍረ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ ዝገደደ በቲ መርዓዊ ኣይፈልጠክንን’የ ኣቢልወን። ካብ’ዚ ቃል’ዚ ንማሃሮ፡ ዘይምንቃሕ፡ ብምጽኣት ጐይታ ዜሕፍረናን፡ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜትርፈናን፡ ዓሻ ናብራ ረሲእነት’ዩ። መንግስተ ሰማይ ምጽባይ እትሓትት መንግስቲ’ያ። ኣብ ምጽባይ እምበኣር ንቁሓት ክንከውን የድልየና። "ንቅሓት" ማለት፡ ምብርባር፡ ሓለዋ፡ ብዘይድቃስ ምሕላው ማለት’ዩ። እዚ ኣብ መዝገበ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ገጽ 256 ንረኽቦ። ኵሎም ምእመናን ህዝበ እግዚኣብሄር፡ ምእንቲ ከይወድቁ ኪነቅሑን ኪጽልዩን ተኣዚዞም ኣለዉ (ማር12፡33 ፣ ሉቃ 21፡36 ፣ ኤፌ 6፡18 ፣ ቈሎ 4፡2)።
ብመሰረት ቅዱስ ጽሑፍ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ተቀመጥቲ ክንከውን፡ እንታይ’ዩ ኪንገብር ዚድለይ ዘሎ፧ ኣርእስተ ትምህርትና ንምዝዛም እዚ ሕቶ’ዚ ኣሳሪ ነጥቢ ኪዀነና’ዩ።
"መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን’ያ’ምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን’ሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ።" ሮሜ 14፡16
እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካባና ትጠልቦ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና፡ ብጽድቅን ሰላምን ሓጐስን ምንባር’ዩ። እምበኣርሲ ብልዕን መስተን ዘቀድም ስጋዊ ናብራ ሓዲግና፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘምርሕ፡ መንፈሳዊ ፍረ ንሰላም (ገላ 5፡22)። ሎሚ ዕድመ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንዓና ንዅሎም ደቁ፡ ናብ’ታ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን ዝመዓራ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንመጽእ’ዩ። ነዚ መኣዛ ዕረፍቲ’ዚ ዝበሃገት ነብሲ፡ ከም’ቲ እቲ ንወዱ መርዓ ዚገበረ ንጉስ፡ በቶም ክዳን መርዓ ዝተኸድኑን ዝተሓጐሱን፡ ካብ ጐይትኣ፡ ዓቢ ሓጐስን ክብርን ክትረክብ’ያ። ኣብ’ዛ ዓለም ብዛዕባ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ንምርካብ ’ንቕበሎ መከራ፡ ብጸጋኡ እዚ ብቕዓት’ዚ ንምቕባል’ዩ (2ተሰ 1፡5)። ብኣንጻር’ዚ ኣካይዳናን ናብራናን ነዛ መንግስቲ’ዚኣ ዘይምጥንን ዘይበቅዕን እንተ ዀይኑ ግና ወይለና። በዚ ጊዜ’ዚ ነብስና ኣበይ ኣላ፡ ንፍትሽሉን ንንስሓሉን ምቹእ ጊዜ፡ ተዋሂቡና ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ’ዛ መንግስቲ እግዚኣብሄር ግብሪ ጸልማት ዘበለ ዅሉ ቦታ የብሉን (ኤፌ5፡5 ፣ ገላ5፡21 ፣ 1ቈረ6፡9-10 ፣ ቈለ 3፡5 ፣ ራእ 22፡15 ፣ ራእ21፡8 ፣ ገላ 5፡19)። ኣብ መወዳእታ እዚ ኣብ መልእኽቲ ኤፌሶን ተጻሒፉ ዘሎ። ኣብ ምዕራፍ 5፡18-21 መንግስተ ሰማይ ንምእታው ዜድልየና ትሕዝቶ ጠቀስ ዘለዎ ሃይለ ቃል’ዩ። ኣብታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ቤትና ኣባላት ንምዃን በብውልቅናን ብማሕበርን ኣብ’ዚ ተጠቒሱሉና ዘሎ ስርዓተ ኣምልኾ ንንበር።
ሀ. ቃሉ ብምእዛዝ
ለ. ብምስጋና
ሐ. ጾምን ጸሎትን ብምዝውታር
መ. ንሓድሕድና ብምግዝዛእ
ሰ. ኣብ ቅድሚ ዝፋን መንባሩ፡ መዝሙርን መንፈሳዊ ቅኔን ብምቕራብ፡ ልብናን ልቢ ኣምላኽናን ንርታዕ።
ሽዑ ጥራይ ኢና ተቐመጥቲ ኣብ ዝፋን ክብሩን፡ ንሓዋሩ ምስኡ ምስ’ቲ ጐይታ ጐይቶት፡ ኣብ መንግስቱ ከም ንነብር ነረጋግጽ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
28 ሰነ 2026 | ሰነ 21, 2018 ግዕዝ (መበል 42 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: 67(68)፡3-4 "ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ወዘምሩ ለስሙ።ፍኖተ ግበሩ ለዘዓርገ እንተ ዓረብ እግዚአብሔር ስሙ።ወተፈሥሑ በቅድሜሁ።" "ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፡ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ። ንኣምላኽ ቃንዩሉ፡ ንስሙ ኣመስግኑ፡ ነቲ ብበረኻ ዚሓልፍ መገዲ ጽረጉሉ፡ ስሙ እግዚኣብሄር’ዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ሮሜ 2፡1-12 |
ዲያቆን |
|
| 3ዮሃ 1፡1-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 14፡20-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 22፡1-14 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ናክብር ሰንበቶ በጽድቅ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ