S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ፋልማይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ

መግለጺ ፋልማይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ / ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ናይ ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ቅድስና ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን፥ ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያናት 29 ሚያዝያ 2023 ብመሪሕነት ክልቴኦም ብፁኣን ጳጳሳት፡ ሓያለ ጳጳሳት ናይ ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ብመስዋእቲ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ውህደት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ድሕሪዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (ሕብራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን) ሕጉ ኣጽፊፉ፡ ውሁድ ምምሕዳር ተኺሉ፡ ክሳብ ሕጂ መሠረት ኣብ ምንጻፍ እዩ ጸኒሑ፡ ብኣብዝሓ ሸነኹውን ብጽቡቕን ተስፋ ብዝህብን መንፈሳዊ ጎደና ይጉዓዝ ኣሎ።

ምፍልላይ ኣድኪምዎ ሓድነት ጸሚእዎ ዘሎ ሕዝብና በዚ ታሪኻውን መንፈሳውን ዕርቂ ሓጎሱ ኣብ እዋኑ ገሊጹ እዩ። እቲ ዕርቅን ሕውየትን ኪሰፍሕ፡ ጠንቂ ምፍልላይን ምውግጋዝን ኮይኑ ዘሎ ግህሰት ቀኖናን ምፍራስ ሕግን ተነጸሩ፡ ፍትሒ ነጊሱ ምስ ኣብ ዓዲ ዘሎዉ ብፁኣን ጳጳሳት’ውን፡ ዕርቀ-ሰላም ክርእይ ዘሎዎ ባህጊ ዓብዪ ምኻኑ ብዝተፈላለየ መገዲ የመስክር ኣሎ። ካብ ምፍልላይ ውድቀት እምበር ረብሓ ስለዘየለ፡ ናይ ውሁድ /ስብከት ጸሎትን ተስፋንውን ንሱ እዩ።

እዚ ካብ ሓምለ 11 - 14 2024 ( -   ፪፻፩፮ ግእዝ) ብብፁኣን ጳጳሳት እንዳተመርሐ ኪካየድ ዝቐነየ፡

ዝተፈላለየ እዋናዊ መንፈሳዊ ትምህርትታት ዝሓቖፈ፡ ምምሕዳራዊ ዝምልከት ጎድናዊ ዘተታት ዝተኻየደሉ፡ ህሉው ኩነታት ብምግምጋም ኣንፈት መጻኢ ጉዕዞ /ስብከት ዝኣመተሉ ሰፊሕ ጉባኤ፡ ሰንበት ብመስዋእቲ ቅዳሴ ብወግዒ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ክውሃብ ዝቐነየ ኣስተምህሮታታት፡ ኣብ ስደት ዝተወልዱ ደቅና ብብዝሒ ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ፡ ብዝርድእዎ ቛንቛ እንግሊዘኛ ዘዕግብ መደባት ተሰሪዕሎም ቀንዩ፡፡ ብምምሕዳራዊ ሸነኽውን እቲ ዝልዓለ ሥልጣን ዘሎዎ ጉባኤ ውሉደ ክህነት ብምምሕዳር /ስብከት ዝቐረበሉ ሓጺር ጸብጻብ፡ ገምጋምን መፍትሒ ሓሳባትን ሰሚዑ ብምህብታም፡ ኣገደስቲ ምኽርታትን ውሳኔታትን ኣሕሊፉ ኣሎ። ብናይ ግዜ ሰሌዳ ዝተሰነየ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ኪፍጸም ዘሎዎ ሓያሎ መደባት ስራሕውን ኣቐሚጡ ኣሎ።

ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ።” (ኤፌሶን 4:3) ዝብሎ፡ ውዲት ሰይጣን ተሳዒሩ፡ ቤተ ክርስቲያን እትዓብን እትትሥእን ብሕብረትን ብውህደትን ብዝፍጸም ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ጥራሕ እዩ። ሕብረት ንምሕላው ከኣ መንፈሳዊ ተጋድሎ ይሓትት እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ዝሃባ ኣድማሳዊ ተልእኾን፡ ታሪኻዊ መድረኽ ዘሰከመና ሓላፍነትን ብምልኣት ክንፍጽም እንተኾይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶክሳዊ ኣማኒን ውሉደ ክህነትን፡  በብጻውዒትናን ማዕርግናን ፈጣሪ ዝሃበና ጸጋታትና ኣወሃሂድና ክንዓይን፡ ኣብ ዘመንና ፍቓድ ኣምላኽ ፈጺምና ናይ ምድሪ ጉዕዞና ክንዛዝምን ይግብኣና።

ውሁድ ጉባኤ /ስብከት ምስቲ ዓመታዊ ክብረ በዓል መድሓኔ ኣለም ብሓደ ስለዝተኻየደ ፍሉይ ድምቀትን በረኸትን ሂብዎ ቀንዩ። መራሕቲ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ፡ ኩሎም ምእመናን ዋሽንግቶን ዲሲ ዘቕረብዎ መስተንግዶን ዘርኣይዎ ሓልዮትን ኣዝዩ ዝንኣድ ንገየሽትን ዕዱማትን ዘሐጎሰ እዩ ኔሩ፡ ልዑል ኣምላኽ ጻምኦም ኪኸፍሎምውን ንጽሊ።

እግዚኣብሔር ብሰላምን ብጥዕናን ሓልዩ ንዝመጽእ ዓመት ብዝዓዘዘ መንፈስ ኣብ ካልኣይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ከራኽበና እንዳጸለና፡ ስለቲ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ልዑል ምስጋናን ክብርን ይብጽሓዮ።

ልዑል እግዚኣብሔር ኣገልግሎትናን ቤተ ክርስቲያንናን፡ ነቲ ዝተወለድናሉን ንነብረሉ ዘሎና ሃገራትን ይባርኽ።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ።

14 ሓምለ 2024 (ሓምለ ,  ፪፻፩፮ ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div