እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 11 ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ፡ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት፡ ከምኡ’ውን ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ሓዋርያት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ድማ፡ "ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ" (ጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩሉ) ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ኸኣ፦
“ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሢኡ’ዩ’ሞ፡ ኣቱም ጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩ፡ ኣብኡ ማዕጾ ሓጺን ሰበረ፡ ካብኡ ድማ፡ ንቐዳማይ ፍጥረቱ አውፅአ። ንቶማስ ዝተወግአ ጐድኑ፡ ንእንድርያስ ዝተሸንከራ ኣእዳዉ ኣርኣዮ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ምስ መላእኽቲ ናብ ሰማያት ብኽብሪ ዓረገ። ኣቱም ጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩ። ንተዘክሮ ቅድሳቱ ኣመስግንዎ።
እቲ ንኼድሕነና ዝሓመመን ዝሞተን፡ ምእንቲ ኺብጀወና’ውን ዝዓረገ፡ ንሱ ንሰንበት ጐይታኣ’ዩ፡ መላእኽቲ ብሓጐስን ብሰላምን ተቐበልዎ።”
ዚብል’ዩ። ናይ ዘመነ ዕርገት መዝሙር ከም ምዃኑ መጠን፡ ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ሓይሊ መልእኽቲ ኣብ’ቲ "ዓርገ ከመ ይቤዘወነ (ምእንቲ ኺብጀወና ዓረገ)" ዚብል ሓረግ’ዩ ዘሎ። ስለ’ዚ ነዚ ብዕርገቱ ዝረኸብናዮ ቤዛነት ’ንዝክረሉ ቕንያት ስለ ዝዀነ፡ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ "ዘመነ ቤዛ’ዩ"። ዘመነ ዕርገት ካብ ዝኣተወሉ ጊዜ ጀሚርና፡ ዕርገት ጐይታና ምእንታና ዝተፈጸመ ግብሪ ድሕነት ምዃኑ ደጋጊምና ጠቒስና ኣለና። እንሆ ሕጂ ድማ፡ ቅዱስ ያሬድ ብመዝሙሩ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ ምድሪ ግብርታት ምድሓን’ዩ ተዛዚሙ’ምበር፡ መስርሕ ድሕነት ግን፡ ፈጺሙ ተወዲኡ’ዩ ማለት ኣይኰነን። እዚ ናይ ዕርገት ተበጃውነቱ ኽሳዕ ዕለተ ምጽኣቱ ኪቕጽል’ዩ። ነቲ ህያውን ዚዛረብን ዜማልድን ደሙ ሒዙ፡ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ፡ መዓልቲ ምጽኣቱ ይጽበይ ኣሎ (እብ 10፡12-14)። እታ ምድብቲ ጊዜ ምጽኣት ምስ መጸት፡ ነቶም ዚጽበይዎ ዘለዉ እሙናቱ ንኼድሕን፡ ብሰራዊት መላእኽቱ ተዓጂቡ፡ በቲ ልዑል መለኮታዊ ሓይሉን ክብሩን ብቝጥዓ ኺግለጽ’ዩ። ካብ’ዚ መዋትን ናይ ውርደት ስጋናን ካብ’ዛ ተካል ዓለም’ዚኣን ኸይተናገፍና፡ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ዚመስል ስጋ ናብ ምልባስ ከይተለወጥናን ናብ’ታ ሰማያዊት ሃገርና ኸይኣተናን፡ ‘‘ምሉእ ድሕነት ረኺብና’’ ኺብሃል ኣይከኣልን’ዩ (1ቈረ 15፡49-54፣ፊል 3፡20,21፣ሮሜ 8፡22,23፣1ዮሃ 3፡1,2፣2ቈረ 3፡18 ካ.ት)። እንተ ዀነ ነዚ ምሉእ ድሕነት’ዚ ዚረኽብዎ፡ እቶም ነቲ ብዕርገት ዝተገብረሎም ቤዛነት ዘስተውዓልዎን ዝተቐበልዎን ዝተወከልዎን’ዮም። ምኽንያቱ ከም’ቲ ጐይታና በቲ ኣብ ሉቃ 19፡11-27 ዘሎ ምስላ ኣብሪሁልና ዘሎ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኺመጽእ ንዝኸደ ወራሲ፡ "እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና" ንዝበሉ፡ ናይ ብሓቂ ንግስነትን መንግስትን ተቐቢሉ ምስ መጸ ጽቡቕ ኣይረኸቡን። እቶም ብዕርገት ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ ብደሙ ይብጀዎም ከም ዘሎ ዘይኣምኑን ዘይቅበልዎን’ውን፡ ኣብ’ታ ብኽብሪ ዚግለጸላ ናይ ምጽኣቱ ጊዜ ምስ መጸ፡ ነቲ ዝቐደመ ግብሪ ቤዛነቱ ስለ ዝነዓቕዎ፡ በዚ ዳሕረዋይ ናይ ምጽኣቱ ግብሪ ድሕነት ኬድሕኖም ዘይኰነስ፡ ኪፈርዶምን ኪመዓቶምን’ዩ። እታ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ ምዕራጉ፡ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ግብሪ’ያ። እቲ ናብ’ታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ፡ ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጡ፡ ከም ሊቀ ካህናት መጠን በቲ ኣብ መስቀል ዘፍስሶ ህያው ደሙ ዚፍጽሞ ናይ ቤዛነትን ናይ ምትዕራቕን ግብሩ ግን፡ እቶም ብደሙ ዝዓደገና ዅላትና ናብ’ታ ዘዳለዋ መንግስቲ ብኣካል ኽሳዕ ’ንኣትው ኪቕጽል’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ቲ ናይ ግብ8፡14,25 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
እዚ ኣርእስትናስ እምበርዶ ኽዉንነታዊ’ዩ፧ ሰብ ባዕሉዶ ኻብ ማእሰርቱ ኺናገፍ ይኽእል’ዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ዝዓይነቱ ማእሰርቲ ኢና ንዛረብ ዘለና፧ ብርግጽ ካብ መንፈሳዊ ይኹን ኣካላዊ ማእሰርቲ፡ ባዕልኻ ኽትናገፍ "ኣይክኣልን’ዩ" እኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ቀሊል ዘይምዃኑ ግን ፈጺምካ ዘይክሓድ’ዩ። ኣካላዊ ማእሰርቲ ዘጋጠሞም ሰባት፡ መቝሕ ሓጺን ብጥበብ ፈቲሖም ዕጹው ገዛን ጽኑዕ ቀጽርን ሓለዋን ጥሒሶም፡ "ተኣምራዊ" ኽትብሎ ብዚክኣል መገዲ ዘምለጡን ተናጊፎም ሓራ ዝወጹን ከም ዘለዉ ሒደት ምስክርነታት ይስማዕ’ዩ። መብዛሕትኡ እሱር ግን፡ ወይ ናይ ፍርዲ ጊዚኡ ወዲኡ፡ ወይ’ውን ምሕረት ረኺቡ፡ ወይ ሓራ ዜውጽእ ሓይሊ መጺኡ ስለ ዘናገፎ’ዩ፡ ምፍታሕ ዚረክብ።
ማእሰርቲ ግን ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። እቲ ዚኣስር ኣካል’ውን ብዓይነቱ ብዙሕ’ዩ። መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምሃር ስለ ዘለና ግን፡ እቲ ’ንዛረበሉ ዘለና ማእሰርቲ’ውን መንፈሳዊ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እቲ ዚኣስር ኣካል፡ እቲ ብልሓተኛ ድያብሎስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻብ ማእሰርቲ ድያብሎስ ዜናግፍን ሓርነት ዚጽግውን ድማ፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ስልጣን ሂቡ ስለ ዝፈጠሮ፡ እቲ ሰብ ባዕሉ’ውን ኣብ ማእሰርቱ ዀነ ኣብ ፍትሓቱ፡ ቀሊል ዘይኰነ ግደ ኸም ዘለዎ ኺዝንጋዕ ኰነ ኺክሓድ ኣይግባእን’ዩ።
ድያብሎስ ድማ ኣዝዩ ሓያል መልኣኽ’ዩ። እግዚኣብሄር ብልኡላዊ ስልጣኑ ስለ ዚድርቶ’ዩ’ምበር፡ ኪገብሮ ዘይክእል ነገር የብሉን። እዚ ዅሉ ሓይልን ክእለትን ስልጣንን እናሃለዎ ግን፡ ሓጢኣት ኣብ ዘይገበረ ሰብ ክንዲ በሰር ’ትኸውን ስልጣንን ነጻነትን የብሉን። ሓጢኣት፡ ድያብሎስ ዚጥቀመሉ ኣጽዋርን መፈንጠራን’ዩ። ሓጢኣት ክንገብር ከለና፡ ንህይወትና ናብ ፍቓድን ስልጣንን ናይ ሰይጣን ኣሕሊፍና ንህባ’ለና ማለት’ዩ። ንሱ ድማ ኣብ’ቶም ንፍቓዱ ዚግዝኡ ኣገልገልቱ ዚጭክን ሕሱም ገዛኢ ስለ ዝዀነ፡ ብዘይርኣይን ብዘይፍታሕን መቝሕ ኣሲሩ፡ ኣብ’ዛ ሓጻር ምድራዊት ህይወትናን ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ መጻኢናን ኬሳቕየና ይነብር። ነቶም ዝኣበይዎ፡ ንጽድቂ ኣምላኽ ጥራሕ ኪግዝኡ ዝመረጹን ዝቘረጹን ናይ ኣምላኽ ጀጋኑ ግን፡ ኪቃጸዎምን ኪፈታተኖምን ደኣ ይነብር’ምበር፡ ነዛ ኺጽግዖም’ኳ ኣይክእልን’ዩ። ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ብሉጽ መርትዖና፡ ኣቦና እዮብ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ስለ ዝዀነ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ዝነበረሉ፡ ከም ኵሉ ሰብ ብድያብሎስን ብሓጢኣትን ተፈቲኑ’ዩ። እንተ ዀነ ሓጢኣት ስለ ዘይፈጸመ፡ ድያብሎስ ኣብ ልዕሊኡ ምልኪ ኺህልዎ ኣይከኣለን (ዮሃ8፡46 ፣ 2ቈረ 5፡21 ፣ እብ7፡26 ፣ 1ዮሃ3፡3,5)። ጐይታና ባዕሉ’ውን፦
"ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ (ድያብሎስ) ይመጽእ ኣሎ’ሞ፡ ኣባይ ሓንቲ’ኳ የብሉን።"
ኢሉና ኣሎ (ዮሃ14፡30)። ሓጢኣት ዚገብር ዝዀነ ዅሉ ግን፡ "ድያብሎስ፡ ኣባይ ሓንቲ’ኳ የብሉን" ኪብል ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ብሓጢኣቱ ናይ ፍቓድ ሰይጣን ኣገልጋልን ባርያን እሱርን ይኸውን ስለ ዘሎ’ዩ። ስለ’ዚ ንሓጢኣት "እምቢ" ብምባልን ንጽድቂ ጥራሕ ብምእዛዝን፡ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኻብ ማእሰርቲ ኣብ ምንጋፍ ዓብይ ግደ ኸም ዘለዎ ኣይክሓድን’ዩ።
ንሓጢኣት ምግባር ግን፡ ብኸመይ ኢና ኸም ማእሰርቲ ’ንገልጾ፧ ሓጢኣት ምስ ገበርናኸ ናይ ማእሰርቲ ስምዒትዶ ይስምዓና’ዩ፧ ብኣንጻሩ ዕግበትን ሓጐስን መንፍዓትንዶ ’ይኰነን ዚስምዓና፧ ሓጢኣት፡ መንፈሳዊ መርዚ ስለ ዝዀነ፡ ንመንፈሳዊ ህዋሳትና፡ ንሕልናናን ኣእምሮናን የደንዝዞ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ሓጢኣት ዚፈጥሮ መንፈሳዊ ሃለዋትና ’ነስተውዕለሉ ዓቕምና ይዝርፈና’ዩ። ስለ’ዚ እናረኣና ዘይንርእይ ዕውራት፡ እናሰማዕና ዘይነስተውዕል ጸማማት’ዩ ዚገብረና። ልክዕ ብኣልኮል ከም ዝተበላሸወ ሰኽራም ሰብ ኢና ንኸውን። ሰኽራም ሰብ፡ ዋላ ኣብ ጽርግያ ወዲቑ ደቂሱ ኸሎ፡ ኣብ ገዝኡን ዓራቱን ደቂሱ ዘሎ ኽሳዕ ዚመስሎ፡ ብዛዕባ ሃለዋቱ ዝዀነ ዓይነት ምርዳእ የብሉን። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ናይ ሓጥእ ሰብ ሃለዋት ብስእላዊ ኣገላልጻኡ ብንጹር ኣርእዩና’ሎ።
"እምበኣርሲ ኸም’ቲ ኣህዛብ፡ (በቲ ከንቱ ኣተሓሳስባኦም) ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ ብጐይታ (እምዕደኩም) ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖም’ውን ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ።" ኤፌ4፡7-19
ድንቍርና፡ ድንዛዘ፡ ጽልመታ ኣእምሮ እንተ’ልዩ፡ ነቲ ሓጢኣት ኣብ ልዕሌና ዚፈጥሮ ማእሰርትን ካልእ ተካል ሃለዋትን ከነለልዮ፡ ዝዀነ ዓይነት ዓቕሚ ኺህልወና ኣይክእልን’ዩ። ነብዪ ኤርምያስ’ውን፡ ብዛዕባ ህዝቢ ይሁዳ ዝሃቦ፦ "ህዝበይ ዓሻ’ዩ’ሞ፡ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂ’ዮም’ሞ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት’ዮም። ሰናይ ንምግባር ግን ኣይፈልጡን’ዮም።" ዚብል ምስክርነት፡ ኣዝዩ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ’ዩ (ኤር6፡22)። ነስተውዕል!! ኣእምሮ ዘይብሎም ድንዙዛት ክነሶምሲ፡ ሓጢኣት ንምግባር ግን ጥበበኛታት’ዮም። ኣብ’ታ ሰናይ ግብሪ ኽትበጽሕ ከላ ግን፡ እቲ ጥበብ ተሰዊሩ፡ ሓንቲ’ኳ ዘይክእሉ ደናቍር ይዀኑ። ስለ’ዚ ናይ ሓጢኣት ሊቃውንቲ፡ ናይ ጽድቂ መሃይማን ኰይኖም ይተርፉ ማለት’ዩ። ምስሊ ናይ’ዚ ኣዝዩ ዜሕዝን ተካል ሃለዋት’ዚ ኸመይ ከም ዝዀነ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
"ሕጊ፡ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣነ ግና ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ መዋቲ ሰብ’የ። ስለ’ዚ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን’የ። ምኽንያቱ ነቲ ዝጸልኦ (ሓጢኣት)’የ ዝገብሮ ዘለኹ’ምበር፡ ነቲ ዝደልዮ (ሰናይ) ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። . . . እምበኣር (ነቲ እኩይ ግብሪ) እቲ ኣባይ ሓዲሩ (ነጊሱ) ዘሎ ሓጢኣት’ዩ ዚገብሮ ዘሎ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣሎኒ’ምበር ምግባር ሰናይሲ የብለይን . . . ሰናይ ክገብር ኣብ ዝደለኹሉ ኽፉእ እገብር፡ እዚ ሕጊ’ዚ ድማ ባህርያዊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ’ዩ። ግናኸ ኣብ ሰብነተይ ኰይኑ ምስ’ቲ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ’ውን ዚማርኸኒ ካልእ ሕጊ (ኸም ዘሎ) እርእይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብ’ዚ (ኣሲሩ) ናብ ሞት ዚወስደኒ (ዚጐትተኒ) ዘሎ ሰብነትሲ መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ፧"
ብምባል፡ ብግሩም ኣገላልጻ ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ7፡14,15,17,18,21-24 ካ.ት)። እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ፡ መንፈሳዊ ማእሰርቲ እንታይ ምዃኑ ቝልጭ ኣቢሉ ዜርእየና’ዩ። ማእሰርቲ ማለት’ኮ፡ ክትከዶ ናብ ዝደለኻ ቦታ ኽትከይድ ዘይምኽኣል፡ ክትገብሮ ዝደለኻ ክትገብር፡ ክትረኽቦ ዝደለኻ ክትረክብ ዘይምኽኣል ማለት’ምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። እኩይ ንምግባር ዚፈቕደልካን ዜበላሕተካን፡ ሰናይ ንምግባር ግን ምዕይ ከም ዘይትብል ገይሩ ዚድርተካ ማእሰርቲ፡ ብዓይነቱ ኣዝዩ ረቂቕ፡ ብኽብደቱ ድማ ኣዝዩ ኽፉእን መሪርን ማእሰርቲ ምዃኑ ከመይ ጌርካ ኽትክሕዶ ይክኣል፧ ባርነትን ማእሰርትን ናይ ሓጢኣት’ምበኣር ከም’ዚ’ዩ ዚገብር። እቲ ፈቲኻ ዘንገስካዮ ሓጢኣት ኣባኻ ይጒይተት፡ ንስኻ ድማ ዘመንካ ምሉእ ባርያኡ ትኸውን።
ሓጢኣት ምግባር ብርግጽ ማእሰርቲ ምዃኑ ዚገልጸልና ጥቕስታትከ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ፡
"እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር። ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት። በቲ ዓብይ ድንቍርናኡ ኸኣ ይጋገይ።" ምሳ5፡22,23
"ኣርዑት ኣበሳይ ብኢዱ ተኣስረ፡ ተጠላሊፉ ኸኣ ኣብ ክሳደይ ተነብረ። ንሱ ንሓይለይ ኣድከመ፡ ጐይታ ናብ ኢድ ናይ’ቶም ክቃወሞም ዘይክኣለኒ (ጸላእተይ) ኣሕሊፉ ወፈየኒ።" ደጉ1፡14
"ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም’የ፡ ኣብ’ቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩ፡ ህዝብታት ንጒድኣቶም ኪእከቡ’ዮም።" ሆሴ10፡10
ካብ’ዚ ማእሰርቲ’ዚ ኸይተናገፍና ኸለና፡ ሞት ስጋና ወይ ምጽኣት ጐይታ እንተ’ርኪቡና ድማ፡ እቲ ማእሰርትና ብእኡ ኣቢሉ ዘለኣለማውን መሪርን ማእሰርቲ ኸም ዚኸውን፡
"ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምእንቲ ሓጢኣት ሞተ። ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና፡ ጻድቕ ክነሱ ምእንቲ’ቶም ሓጥኣን ሞተ። ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። በዚ መንፈስ’ዚ ኸይዱ’ውን ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድሕነት ሰበኸሎም።" 1 ጴጥ3፡18,19 ካ.ት
ሲኦልን ገሃነምን እቶም ብህይወት እናሃለዉ ካብ’ቲ መንፈሳዊ ማእሰርቶም ከይተፈትሑ ናይ ስጋ ሞት ዘርከቦም ሓጥኣን፡ ንዘለኣለም ዚቕጽዑሉ ኣብያተ ማእሰርቲ’ዩ።
ስለ’ዚ ኻብ’ዚ ሕሱም ማእሰርቲ’ዝስ፡ ብዘይካ ባዕላትና ኻልእ ፈታሒ የብልናን ማለት ድዩ፧ ባዕላትናኸ ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ማእሰርትና ኽንናገፍ ’ንኽእል፧ ኣይፋልን፡ ብዘይካ ኣምላኽ ካብ መንፈሳዊ ማእሰርቲ፡ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት፡ ኬናግፍን ኪፈትሕን ዚኽእል ዝዀነ ኻልእ ኣካል የለን። እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኪኸውን ዘድለየ ድማ፡ ኻብ’ዚ ኽፉእ ማእሰርትና’ዚ ምእንቲ ኺፈትሓና’ዩ። ልዕል ኢልና ኸም ዘንበብናዮ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቶም ናብ ሲኦል ዝወረዱ ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ኻብ ማእሰርቶም ዝፈትሖም’ውን ጐይታና ባዕሉ’ዩ። ኣብ ዘመነ ትስብእቱ ኻብ ዚፍጽሞም መለኮታውያን ተልእኾታቱ ሓደ፡ ንእሱራት ምፍታሕ ምዃኑ፡ ብቕዱሳን ነብያት ተነጊሩናን ተተስፊናን ኢና (ኢሳ61፡1 ፣ 49፡9 ፣ 42፡6,7)። እዚ ትንቢት’ዚ ብዛዕባኡ ዝተነግረ ምዃኑ፡ ባዕሉ ጐይታና ኣብ ሉቃ 4፡17-21 ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ነቲ ኣሲሩና ዝነበረ ናይ ሓጢኣት ጽሕፈት ዕዳ ብሞቱን ብደሙን ደምሲሱ፡ ነቶም ናይ ሓጢኣትን ሞትን ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣስተሓፊሩ፡ ካብ ናይ ሞትን ሓጢኣትን ማእሰርትና ኸም ዝፈትሓና ኣቦታትና ቕዱሳን ሃዋርያት ኣረጋጊጾልና’ዮም (ቈሎ2፡11-15 ፣ 1፡13,14 ፣ ኤፌ 2፡1-7)።
ጐይታና ብስልጣን መለኮቱን ብሞት ስጋኡን ካብ ማእሰር ሞትን ሓጢኣትን ሓርነት ስለ ዝኣወጀልና ጥራሕ ግን፡ ኵላትና ውጹኣት ሓራ ኢና ማለት ኣይኰነን። ካብ ህዝቢ ዓለም መብዛሕትኡ፡ ንክርስቶስን ነቲ ብእኡ ዝተዋህቦ ድሕነትን ሓርነትን ኣሚኑ ስለ ዘይተቐበሎ፡ ገና ኣብ ማእሰርትን ኣብ ደምበ ሞትን ይነብር ኣሎ። ካብ’ቲ "ንክርስቶስ እኣምኖን እቕበሎን’የ" ዚብል ክርስትያን ህዝቢ መብዛሕትኡ ድማ፡ ገና ኣብ ታኼላ ሓጢኣት ተኣሊኹ ይነብር ስለ ዘሎ፡ ገና ኣብ ማእሰርቲ’ዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ካብ ማእሰርትና ኣብ ምንጋፍ፡ ንሕና’ውን ዓብይ ግደን ብጽሒትን ከም ዘሎና፡ ክንክሕዶ ዀነ ኽንስሕቶ ዘይግባእ ግሁድ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዮም ቕዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ጴጥሮስን፦
"ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና’ዩ። ስለ’ዚ (ኣብ ሓርነት) ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ’ውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። . . . ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽውዓት ኢኹም’ሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ’ምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ (ንሓጢኣት) ምኽንያት ኣይትግበርዎ።"
"ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስድደተኛታትን እመኽረኩም ኣለኹ፡ ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ። እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ። ከም’ዚ እናገበርኩም፡ ንዕሽነት ናይ’ቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዓብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። . . . ከም ውጽኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ’ምበር፡ ከም’ቶም ነቲ (ብክርስቶስ ዝተዋህቦም) ሓርነትሲ፡ መጐልበቢ ኽፍኣቶም ዚገብርዎ (ሰባት) ኣይትኹኑ።"
ብምባል ሃዋርያዊ ምሕጽንታኦም ዘቕረቡልና (ገላ5፡1,13 ፣ 1ጴጥ2፡11,12,16)። ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ዋላ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንና ኣገልግሎት እናፈጸምና’ኳ፡ ሓጢኣት ምሉእ ዕድመና’ዩ ዚቃጸወና። ስጋና ብሓጢኣት ካብ ምፍታን ዚናገፍ፡ ኣብ ምጽኣት ጐይታ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ምስ ተለወጠ ጥራሕ’ዩ። ዝደሓነት ነፍሲ ኣብ ዘይደሓነ ስጋ ሒዝና ንነብር ስለ ዘለና፡ ከም ብሓድሽ ናብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ናይ ምእታው ተኽእሎ ዘሎና ድኹማት ፍጡራት ኢና። ነቲ ሞትን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝዋጋኡ ኽቡር ሓርነትና ናይ ምዕቃብ፡ ተሓታትነት ዘለዎ ሓላፍነት ከም ዘሎና ግን፡ ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ኽንዝንግዕ ኣይግብኣናን’ዩ።
እሞ ኸመይ ጌርና ኢና ነቲ ኽቡር ሓርነትና ኽንዕቅቦ፡ ካብ ዳግማይ ማእሰርቲ ድማ ንርእስና ኸነድሕን ’ንኽእል፧ ክልተ መገድታት’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ መገዲ፡ ንሓጢኣት በቲ እግዚኣብሄር ዚርእዮ ኣዒንቲ ምርኣይን በቲ ንሱ ዚጸልኦ መጠን ምጽላእን፡ ንኸይንፍጽሞ ድማ ብቘራጽነት ምእባይን’ዩ። ንሓጢኣት "እምቢ" እንብለሉ ትብዓትን ጽንዓትን ከነጥርይ ይግባእ። እዚ መርገጺ’ዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው፡ ግድነታዊ ውሳነን ስጕምትን’ዩ። ነዚ መርገጺ’ዚ ኺወስድ ዚኽእል፡ እቲ ብርግጽ ሓቀኛ ድሕነት ዝረኸበ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ሓጢኣት ካብ ምግባር እንተ ዘይድሒንና’ሞ፡ ካብ ምንታይ ድሒንና ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣብ ሓርነትካ ምጽናዕ ማለት፡ ከም ብሓድሽ ደጊምካ ባርያ ሓጢኣት ካብ ምዃኑ ርእስኻ ምሕላው ማለት’ዩ።
እቲ ኻብ ማእሰርትና ንፍትሓሉ ኻልኣይ መገዲ ድማ፡ ንስሓ’ዩ ውዱቕን ውርደት ዚብርሆን ኣብ ውሽጡ ሕጊ ሓጢኣት ዘለዎን ስጋ ለቢስና ኸም ዘለና ግን ኣይንዘንግዕ። ገባሪኡን ደራሲኡን ባዕሉ ስለ ዝዀነ፡ ሰይጣን ነዚ ድኻም ስጋና’ዚ ኣጸቢቑ’ዩ ዚፈልጦ፡ በቲ ዝለዓለ ዓቕሙ’ውን ይምዝምዞ’ዩ። ስለ’ዚ ዅሉ ጊዜ ብፍታውናን ብኣፍልጦናን ዘይኰነ፡ ብዘይምስትውዓልን ብዘይፍታውናን ሓጢኣት የጥብቐልና’ዩ (ሮሜ7፡20,21፣ እብ12፡1)። ስለ’ዚ ኢና "ሓጢኣት የብለይን" ኢልና ኽንምካሕ ዘይንኽእል (መክ7፡20 ፣ 1ዮሃ1፡8,10)። ብዘይ ፍቓድናን ኣፍልጦናን ዝጠበቐና ሓጢኣት እንተ ዀይኑ፡ ብሓቀኛ ንስሓ ኸነርሕቖን ካብ ማእሰርቱ ኽንፍታሕን፡ ምስጢር ንስሓ ተሰሪዑልና ኣሎ። እቲ ድኻምና ዚፈልጥ ኣምላኽ ሕድገት ሓጢኣት ረኺብና ናብ ሓርነትና ‘ንምለሰሉ ዕድል ምእንቲ ኺህበና፡ ነቲ እንኮ ናይ ባህርይ ወዱ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ፡ በጃና መስዋእቲ ገበሮ። ንስሓ፡ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት እንፍትሓሉ ናይ ጸጋ ምስጢር’ዩ። ሓጢኣት ፈጺሙ ኽነሱ ንስሓ ንምእታው ዚድንጒይ ክርስትያን፡ ሕልናኡ ዝደንዘዘ፡ ኣእምሮ ዝጸልመተ፡ ሕሰም ሓጢኣት ዘይተረድኦ፡ ካብ ሓርነት ንላዕሊ ማእሰርትን ባርነትን ናይ ሓጢኣት ዚብርሆ፡ ውሉድ ጥፍኣት’ዩ። እቲ ምእንቲ ሓርነትና ኺብል ሓጢኣትና ጸዊሩ ሞትና ዝሞተልና ጐይታ፡-
"እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ክትጠፍኡ ኢኹም" ኢሉ ብኣጽንዖት ኣጠንቂቑ’ዩ (ሉቃ13፡2-5)። ኣብ’ታ "ይግባይ" ዘይብሃላ መጋባእያን መንበር ፍርድን ተቐሚጡ ዚፈርደና ድማ ንሱ’ዩ። ካብ ሓጢኣት ምግባር ንላዕሊ፡ ካብ’ቲ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ዘይምንሳሕ፡ እቲ ዝኸፍአን ዝመረረን ሓጢኣት’ዩ። ምኽንያቱ ንንስሓ ምንዓቕ ማለት፡ ንመስዋእቲ ክርስቶስ ምንዓቕ ማለት’ዩ።
እምበኣር ርእስና ንመርምር’ሞ፡ ምስ’ቲ ናይ ሓጢኣት ማእሰርትና፡ መሺኡናን ቀሲንናን ንነብር ከይንህልው ንጠንቀቕ። ኢየሱስ ጐይታና፡ ንፍትሓትናን ሓርነትናን ኢሉ ዚገብሮ ዅሉ ብጽሒቱ ፈጺሙ’ዩ። ንሕና ኸኣ ነቲ ዝኸኣልናዮ ብእምቢታና ነቲ ዘይከኣልናዮ ድማ ብንስሓና፡ ካብ ማእሰርትና ርእስና ነናግፍ ከም ዘለና ነረጋግጽ። ሳላ ደም ናይ’ቲ ቕዱስ ገንሸልን ሳላ’ቲ ዜንጽህ ቃሉን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዝተዋህበና ምልኪ ንዓቅቦ። ዳግማይ ብሓጢኣት ተኣሲርና፡ ንዘለኣለም ናብ ማእሰርቲ ገሃነም ኣይንእተው። ነቲ ክርስቶስ ብሞቱ ዝጸገወና ሓርነት፡ ብኽብሪ ንዓቕቦ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
21 ሰነ 2026 | ሰነ 14, 2018 ግዕዝ (መበል 41 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: 67(68)፡3-4 "ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ወዘምሩ ለስሙ። ፍኖተ ግበሩ ለዘዓርገ እንተ ዓረብ እግዚአብሔር ስሙ። ወተፈሥሑ በቅድሜሁ።" "ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፡ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ። ንኣምላኽ ቃንዩሉ፡ ንስሙ ኣመስግኑ፡ ነቲ ብበረኻ ዚሓልፍ መገዲ ጽረጉሉ፡ ስሙ እግዚኣብሄር’ዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ኤፌ 4፡1-13 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 1፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 8፡14-25 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 16፡25-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ