S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስደት ኣብ ቅልውላው ሂወት ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ስደት ትባሃል ስደት፡

ዘይብላ ክብረት፡

ብዘይካ ውርደት፡

ኣብ ደቂ ሃገር ቅትለት፡

ብዝተሳሕለ ካራ ንሞት፡

ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት፡

ካብ ዘይምርዳእ ሕውነት፡

ሰብኣዊ ግህሰት፡

ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖት፡

ካብ ሕድሕድ ግርጭት፡

ኣብ ክልተ ዝተመቕለት፡

ብናይ መራሕታ ጥልመት፡

መንፈሳዊ ስሕተት፡

ኣብ ወገን ኣብ ዓሌት፡

ኣብ ዝግበር ድፍረት፡

ብመራኸቢ ማዕከናት፡

ጸረ ኤርትራውነት፡

ስነ-ኣእምራዊ ሕልፈት፡

ዕጸ-ፋርስ ኣብ ቖልዑት፡

ኣልኮል ኣብ ሰብኡት፡

ዕንደራ ምሸተ-ምሸት፡

ኣብዘይዓዱ ዕብደት፡

መገዲ ጥፍአት፡

ማሕበራዊ ውድቀት፡

ባህላዊ ፍሽለት፡

ቁጠባዊ ዕንወት፡

መግለጺት ምረት፡

መለለይት ሕስረት፡

መበገሲት ጭንቀት፡

መጥፍኢት መንነት፡

ብዘይገለ ሕፍረት፡

ካብ ሃገር ዘውጸአት፡

ብኣማኢት ብኣሻሓት፡

እግሪ ናብ ዝመርሐት፡

ኣብ ምንዳይ ቅሳነት፡

ምሕረት እንተተረኽበት፡

ብጸሎት ብስግደት፡

ናይ ኣምላኽ በርኸት።

 

ስደት ትባሃል ስደት፡

ስድራቤት ዝበተነት፡

ንሰብኣይ ዝፈለየት፡

ካብ ምዉቕ ስድራቤት፡

ሓዳር ዘፍረሰት፡

ቆልዑ ዘዘኽተመት፡

ወለዶ ዘጽነተት፡

ዓድታት ዘባደመት:

ገጠራት ዘውደመት፡

ከተማታት ዘድከየት፡

ሕርሻ ዘብረሰት፡

ንግዲ ዘኽሰረት፡

ምሁር ዘባረረት፡

ነጋዳይ ዘህደመት፡

ሸቃላይ ዘበገሰት፡

ሓረስታይ ዘንቀለት፡

ተማሃራይ ዘላዓለት፡

ድያቆን ዘስዓበት፡

ካህን ከይሓደገት፡

ጉዕዞኦም ናብ ስደት።

 

ስደት ትባሃል ስደት፡

ሉቺገዛ ምስጸልመተት፡

ዝስተማይ ምስጠፍአት፡

ኣውቶቡስ ምስተሳእነት፡

ሕክምና ምስከረረት፡

ዕዳጋ ምስከበረት፡

ድኽነት ምስባኣሰት፡

ጥሜት ምስከፍአት፡

ናብራ ምስሓሰመት፡

ሰበይቲ ዘንጸርጸረት፡

ሰብኣያ ዝሳኣነት፡

ካብቤታ ዝወጸት፡

ቆልዑት ዝሓዘት፡

ንስግረ-ዶብ ዝገስገሰት፡

ወይዘሪት ዝጎበዘት፡

ኣይተርፍን ዝበለት፡

ብኣሳገርቲ ዝተደፍረት፡

ኣደውን ዝኣረገት፡

ሓይላ ዝደኸመት፡

ናብ ስደት ዝኸደት፡

ምስ ሽማግለ ባዓልቤት፡

ኩሎም ጒያ ናብ ስደት።

 

ስደት ትባሃል ስደት፡

መንእሰይ ዘፍለሰት፡

ካብ ዘይውዳእ ኣገልግሎት፡

ንብዙሕ ዓመታት፡

ተሓንጊጡ ብረት፡

ንውግእ ንኲናት፡

ብናይሃገር ስርዓት፡

ኣብቲ ዶብ ኣብ ደረት፡

ካብ ዝጻባእ ጎረቤት፡

ብዘይሓደ ድሌት፡

ናብ ስደት ዝደፍአት፡

ናብ ምደረ-በዳ ዝወሰደት፡

ኣብ ባሕሪ ዘጥሓለት፡

ንብዙሓት ዘስገረት፡

ብጃልባ ዘዕለበት፡

ኣብ ዘይሃገሩ መሬት፡

ክሳብ ዝምለሰላ ዕለት፡

ናብ ዝዓበየላ ቤት፡

ክነብር ኣብ ስደት።

 

ስደት እቲ ወረ፡

ኣብ ሃገሩ ዘይከበረ፡

ኣብ ዘይሃገሩ ዝሓሰረ፡

ላምፓዱሳ ዝዘከረ፡

ሬሳታት ደቂ-ኤረ፡

ዝጣሓለ ከይተደመረ፡

368 ሬሳ ዝተቖጸረ፡

ኣብ ሳጹን ዝሰፈረ፡

ቀብሪ ዘይተገበረ፡

ኣብ መሬት ዘይተነብረ፡

ንቡር ናይ ዝፈጠረ፡

ኣሎ ባሕሪ ዘይሰገረ፡

ኣብ ሊብያ ዝተኣስረ፡

ኣብ ሳሃራ ዝተቐብረ፡

ኣብ ሕጻ ዝተፋሕረ፡

ኩላሊቱ ዝተፈገረ፡

ኣዒንቱ ዝዓወረ፡

መሓውሩ ዝተሰበረ፡

ሕቑኡ ዝተደከረ፡

ብዙሕ ዝተማረረ፡

ብጓሂ ዝሓረረ፡

ስደት ዝመረረ፡

ጽንዓት ይሃብ ዝፈጠረ።

 

ኣሕዋትና ኣሓትና፡

ኣብ ስደት ዘለና፡

ካብ ስድራ ዝተፈለና፡

ኩነታት ኣገዲዱና፡

ካብ ሃገር ዝወጻና፡

ጥርናፈ የድልየና፡

ኤርትራውያን ኩላትና፡

ኣፈላላይ ኣወጊድና፡

ክብረት ዝህበና፡

ሓይሊ ዝፈጥረልና፡

ጥምረት ዝኾነና፡

ዓወት ዘምጻኣልና፡

ብፍቕሪ ተማእኪልና፡

ስኒት ኣብ ሕድሕድና፡

ሕውነት ኣኽቢርና፡

ሓድነት ኣቐዲምና፡

ሰላም ኣሰኒና፡

ከይተፈለየ ካባና፡

ተኸባቢርና ተሓባቢርና፡

ክንዕወት ኣብ ሂወትና፡

ኣብ ዘለና ኣሊና፡

ኣምላኽ ይርዳኣና፡

ከም ፍቃድ መድሓኒና፡

ንሓላል ህዝብና፡

ካብ ቅልውላው ስደትና፡

ናብ ኤርትራ ሃገርና፡

ብሰላም ይምለሰና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div