እዚ ሰንበት’ዚ (ግንቦት 14, 2017) ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቅሲ መበገሲ ጌርና፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንና ዝቚጸረልና ጽድቂ ክንምርምር ኢና።
እዚ ሰንበት'ዚ (ግንቦት 7, 2017) ራብዓይ ሰንበት ናይዚ ዘለናዮ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንእንታይነት እቲ፡ ምስ ክርስቶም ምትንሳእና ከም ውሁብ ወሲዱ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ክንደልዮ ዝምዕደና ሰማያዊ ድሌት እንድህስሰሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ (ሚያዝያ 30, 2017) ሳልሳይ ሰንበት ናይ ቅነ ትንሳኤ እዩ። ነቲ ብምኽንያት ትንሳኤኡ ኣብ ህይወትና ዝመጸ ጸጋታት እነስተንትነሉ ክቡር ግዜ ድማ እዩ። ምስቲ ታሪኽ ናይ ሰብ ኤማሁስ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ህይወት ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ዝተፍጥሪ ሓዲሽ ተስፋ፡ ነዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሓደ እዃ ብክርስቶስ እንተኣልዩ ንሱ ሓዲሽ ፍጥረት እዩ” ዝበሎ ሓቂ ክንድህስስ ኢና።
እዚ ሰንበት'ዚ ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂሉ ይስመ። ነቲ ጐይታ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንሓዋርያት ዳግማይ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ተጋሂዱ ዘጸናንዓሉን እምነቶም ዝሓደሰሉን ግዜ ዝዝኸረሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ፥ በዅሪ ሰንበት ዘትንሳኤ (ኣውደ ኣመት) እዩ። ብዛዕባና ትርጉምን ኣገዳስነት ትንሳኤ እንመሃረሉ መዓልቲ ድማ እዩ።
እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።
እዚ ሳብዓይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ብስያሜ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኒቆዲሞስ እዚ እቲ ብስውር ወደ መዝሙር ጐይታ ዝነበረ ሓለቃ ኣይሁድ ፈሪሳዊ እዩ። ነቲ ጐይታ ምስኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዝገለጾ ምስጢር ሰማያዊ ልደት እነስተንትነሉ ሰሙን ድማ እዩ።
እዚ ሳድሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 26) ገብር ኄር ይስመ። እዚ ክፍሊ፡ ካብቲ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ተቀቢሎም ከሽርፉ ዝወጹ ባሮት፡ ጐይትኦም ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦም መኽሊት ከም ዝተጸባጸቦም ዝምህር ክፍሊ ወንጌል ዝተወስደ እዩ።
እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 19) ደብረ ዘይት ይስመ። ጐይታና ኢየሱሰ ዝበዝሐ ትምህርቱ ኣብ ከረን ደይቡ እዩ ዝመሃሮ። ኣብ መጀመሪ ስብከቱ ኣንቐጸ ብጹኣን ተባሂሉ ዝፍለጥ (ማቴ 5-7)። ካብቲ ናይ መወዳእታ ትምህርታት፡ ማለት
እዛ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 12, 2017) መጻጒዕ ተባሂላ ትስመ። መበገሲ ሓሳቡ ካብቲ ወንጌላዊ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ 5 ኣስፊርዎ ዘሎ ምሕዋይ ናይቲ ን 38 ዓመት ዝተደነስ ሰብኣይ እዩ። ናይ ኣስተንትኖና ኣርእስቲ ነዚ ሰሙን ድማ፡ እታ ጐይታ መግለጺ ክብሩ ንኽትከውን ክሓድራ ዝብሃጋ፡ ዘጽረያ፡ ዝቐደሳ ህይወትና፡ ድሕርቲ ኵሉ ዝተገብረክላ ዓብዪ ስራሕ ኣምላኽ፡ ደጊማ ከይትብድል ክትጥንቀቕ ትምዓድ ዝብል እዩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ