S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቤተይሲ ንኹሎም ሕዝብታት ቤት ጸሎት ክስመ ኢዩ! ኢሳ 56፡7

ቤተ ክርስቲያን ማለት ሕፃን ሽማግለ ድኻ ሃብታም ሰብኣይ፡ ሰበይቲ ዝተማህረ፡ ዘይተማህረ ከይተባህለ ብዘይ ፍልልይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ወይ ሠለስተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከብኩሙሉ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ኣለኹ።

ኢሉ ኣብ ማቴ 18፡20 ከም ዝመሃረና ብሓድነት ንፈጣሪ እነምልኸሉ፡ እንጽልየሉን እንልምነሉን መስዋእቲ ምስጋና እነዕርገሉን ቅዱስ ቦታ ኢዩ። ብተወሳኺ ጎይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዓለም መድኃኒ ምዃኑ ዝኣምነሉ ኩሎም ቤተ ክርስቲያን ይባሃሉ።

እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ በቲ ንድኅነት ኩሉ ዓለም ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለ ጎይታ ዝፈሰሰ ደም ዝተዓደገት ክትከውን ከላ መጸናንዒኣን መሃሪኣን ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ዝሓለፈ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ንጎይታ ኣብ እትስዕበሉ ዝነበረት እዋን ንዕቤቱ፡ ንኣምላኽነቱ ንሥልጣኑ ንኽእለቱን ፍቕሩን ኣብ ትገልጸሉ ዝነበረት ዘመን ኣብ ዝተፈላለየ ጎቦታት፥ ገዛውትን፥ ጣሻታትን ኣምላኾ ክፍጽሙ ድሕሪ ምጽናሕ ንመጀመርያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊጵስዩስ ዝተባህለ ሃገር ተሠርሐ። ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊት ከም ምዃና መጠን ካብ ዝተመሠረተትሉ ዘመን ጀሚራ ክሳብ ዘመንና ዝተፈላለየ ታሪኽ ኣለዋ። ንኣብነት ካብቲ ዘለዋ ታሪኽ ከመይ ኢላ ከም ዝተመሥረተት ከመይ ኢሉ ሕዝብታት ዓለም ከም ዝተቐበላ ከመይ ኢሉ ቃል እግዚኣብሔር ከም ዝተዘርግሐ ዝገልጽ ታሪኽ ኣለዋ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ወኪል ናይ ሰማያዊት መንግሥቲ ኣምላኽ እያ። ቀንዲ ሥርሓን ዓላማኣን ድማ ንሓደስቲ ኣመንቲ ኣብ ሓድነት ክርስቶስ ትቕበል፡ ትመርሕ፡ ብሓድነት ተማሓድር። ኣብ ሕይወት እታ ቤተ ክርስቲያን ባህ ካብ ዘብለካ ድማ እቶም ኣመንታ ብሓንሳብ ይነብሩ ምንባሮም፡ ዘለዎም ኩሉ’ውን ናይ ሓባር ነበረ። እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ጸጽባሕ ዝድኅኑ ነፍሳት ኣብታ ማኅበር ይውስኽ ነበረ። (ግሓ 44፡47) ካልእ እቶም ዝኣመኑ ሓደ ልብን ሓደ ዕላማን ነበሩ። ኩሉ ናይ ኃባር ነበረ’ምበር ሓደ’ኳ ኣብ ገንዘቡ እዚ ናተይ’ዩ ዝብል ኣይነበሮምን። (ግሓ 4፡32-35) ኢሳ 58፡7)። ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብሓሳብ፡ ብፍቓድ፥ ብሥልጣን ሓደ ከም ዝኾኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብሃገር፥ ብቦታ፥  እንተ  ዘይኮይኑ ብእምነት፥ ብውልድነት፥ ብተስፋ ሓንቲ ምዃና ጎይታ ክገልጽ ከሎ  ‘’ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ኣነ እቲ ዝሃብካኒ ክብሪ ሃብክዎም’’ ይብል።  ( ዮሓ 17፡22) ሉቃ 12፡32) ኣመንታ ከተብዝኅ ሓድነታ ከተደልድልን ክትሕሉን ቀንዲ ዓላማኣን ሥርሓን ከም ዝነበረ ኣብ ኤፈ 4፡4-6) ይገልጽ።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰማያዊ መሳልል ጥራሕ ዘይኮነት ኣብ ዓላማኣ ንዘለዉ ትምህሮምን ትሕልዎምን። ካብ ናይ ክርስቶስ እምነት ከይዝንብሉ ኣጸቢቓ ትመኽሮምን ትምዕዶምን ኣብ ርእሲ ምንባራ፡ ኣብ ሽግሮም ከይተረፈ’ኳ ትረድኦም ነበረት። እዚ ድማ ሓደ መርኣያ ናይ ሓድነታ ኣብ ክርስቶስ ዝተመሥረተ ሕይወት ስለ ዝነበራ እዩ። ናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር ዝሓለፈ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ክርአ ከሎ ኩሉ ጊዜ ነቲ ብመንፈሳውነቱ ዝነቕሐ’ምበር ነቲ ዝደቀሰን ዝሞተን ጥፍኣታን ውድቀታን ጎሊሑ ኣይረኣዮን’ዩ። (2 ጴጥ 2፡7-9)። እዚ ክብል ዝደረኸኒ ምኽንያት እዛ ብእምነታን ሥርዓታን ሃብታም ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ደጌታታ ከፊታ ክትምህርን ከተጸናንዕን ይግብኣ ነይሩ። ናብ ደምቢኣ ዝመጹ መንእሰያት ደቃ ኣይናተይን’ዮም እናበለት ናብ ተዃሉ ኣሕሊፋ ከይትህቦምን ከይተባርሮምን ኣዝያ ክትጥንቀቐሉ ዝግብኣ እኳ እንተ ነበረ ነዚ ዕሽሽ ኢላ ብገዛእ መራሕታ ትሳቐ ኣላ።

ቤተ ክርስቲያን ዝሸምገሉ ሰባት ጥራይ ዝኣትውዎን ዝማሃርሉን ዝጽልይሉን ቦታ ዘይኮነስ ሕፃናት ንኣሽቱ ኣወዳት፡ ኣዋልድ ብዘይምፍልላይ ኩሉ ሰብ ክኣትዎ ዝግባእ ቅዱስ ስፍራ ኣምላኽ’ዩ። እዚ ካብ ኮነ ናብ ደምቢኣ ንዝመጹ መንእሰያት ደቃ ሓንጎፋይ ኢላ ክትቅበሎም ግቡእ እዩ። ብዛዕባ እቶም ካብ ደምቢኣ ዝስጎጉ ዘለዉ መንእሰያት መን ኮን ኃላፍነት ክወስድ ይኸውን? ኣብ ቅድሚ ሰብ እኳ ፍርዲ እንተ ተሳእነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ብዛዕባ’ዘን ዝጠፍኣ ዘለዋ ነፍሳት ዘሕትት ጉዳይ እዩ። መንእሰይ ክሳዕ ዝኾነ ጊዜ ጉድለት ክርከብ ዝክኣል እዩ። ቤተ ክርስቲያን ግን እንታይ’ዩ ሥርሓ? ንዝደኸመ ከተበርትዕ፥ ንዝተሰብረ ክትጽግን፥ ንዝሓዘነ ከተጸናንዕ ፥ ንዝተጋገየ ክትእርምን ክትመልሶንዶ ኣይኮነን? ኣብዚ እዋን ፈተና ግን በዚ ኣብ ልዕሊ መጓሰአ ዝወርድ ዘሎ ናይ ቶዃሉ ወራር ንህላዌኣ ዝፈታተን ኮይኑ ብውሽጥን ብወጻእን ትብደል ከም ዘላ ይርኣየካ።  

እዚ ክብል ከሎኹ ድማ ከም ወቐሳ ዘይኮነስ ካብ ዘሎኒ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቅንኢ እየ። ብሰሪ ዝርአ ዘሎ ናይ መንእሰያትን፥ ኣመንትን፥ መንፈሳውያን መራሕትን፥  ምብትታን ረብሓ ካልኦት ንኸውን ምህላውና’ዩ። እዚ ካብ ኮነ ቤተ ክርስቲያን ኃላፍነታ መጓሰኣን ቀጥ ኣቢላ እትሕልወሉ፡ ሓቢራን ሰሚራን ንዕዮ ወንጌል ትነቕሓሉ ጊዜ ሕጂ ኢዩ።

ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ከምዚ ዝብል ነንብብ፡ እቲ ኣባጊዑ ዝፍኑ ዘይጠቅም ጓሳ ወይልኡ፡ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቅልጽሙን ኣብ ልዕሊ የማነይቲ ዓይኑን ይኹን። ቅልጽሙ ብጥራሽ ክነቅጽ የማነይቲ ዓይኑ ከኣ ብዘላ ክትጽልምት’ያ (ዘካ 11፡17) ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ካብዚ ቁጥዓ’ዚ ከተምልጥ እንተኮይና ንመጓሲኣ ኣበርቲዓ ክትሕሉ የድሊ። ነዞም ብተዃሉ ዝውረሩ ዘለዉ ደቃ ምምሃርን ምምዓድን ዝያዳ ውጽኢት ክትረኽበሉ እትኽእል ከኣ ከምቲ ንገዛ ክትሓንጽ እምኒ መሠረት ዘድልየካ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዘይ መንእሰያት ሓቀኛታት መራሕትን ከምቲ ተሰካሚ እምኒ ስኢኑ ዝወድቕ መንደቕ’ያ እሞ ኩሉ መጻኢ ዕቤት እዛ ቤተ ክርስቲያን ዝምነ ክሓስበሉን ክጽልየሉን ዝግባእዩ እብል። ልዑል እግዚኣብሔር ብደሙ ንዘጥረያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እሙናት መራሕቲ ፍቕርን ይሃበና!!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div