“ኢየሱስ ድማ፡ ‘ንዑ ተመስሑ’ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ’ኳ ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ኺሓቶ ዝደፈረ የልቦን።”ዮሃ: 21፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታና ኽልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተገሊጹ፡ ህያው ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም ኬብቅዕ፡ ገለ ኻብ ሃዋርያት ዘይትጽበዮ ስጕምቲ ኺወስዱ ተራእዩ። ጐይታና ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓው እንድርያስን መርከቦም እናሓጸቡን እናኣዐረዩን ከለው፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ካብቲ ንስድራኦም ዚጥውሩሉ ሞያ ምግፋፍ ዓሳን ብቐንዱ ኻብ ስድራ ቤቶምን ፈልዩ ወሲድዎም ነበረ (ማቴ 4፡18-20)። ካባታቶም ሕልፍ ኢሉ’ውን ንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ምስ ጸውዖም ነቲ ሽማግለ ኣቦኦም፡ ነቲ ሞያኦምን ጃልባኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ (ማቴ 4፡21-22)። ጐይታና ምሳታቶም ኣብ ዝነበረለን ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓመታት፡ ናብ ጃልባኦም ሞያኦምን ኰነ ናብ ስድራ ቤቶም ኣይተመልሱን።
ጐይታ ግና ካብ ሞያኦምን ስድራኦምን ጥራይ ኣይፈለዮምን። በብኽልተ ገይሩ ንዕዮ ወንጌል ኪልእኮም ከሎ፡ ናይ ወርቂ ዀነ ናይ ብሩር ገንዘብ ቋጺሮም ከይማልኡ፡ ካብኡ ሓሊፎምውን ቀለብን ቅያር ሳእንን ክዳውንትን ከይወስዱ ኸልከሎም። ንርእሶም መከላኸሊ ዚኸዉን በትሪ ኸይሕዙ ድማ ኣዘዞም (ማቴ 10፡9,10)። ንሓደ ሰሪሑ ብርሃጽ ገጹ ዚምገብ ዚመስሎ ሰብ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ትእዛዝ እዩ። ቀለብን ገንዘብን ምምላኦም ሓጢኣት ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣምላኽ (ኣብኡ) ዘለዎም እምነትን ትውክልትን ኬዕብዮ ዝተጠቕመሉ መለኮታዊ ጥበብ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም ነበረ። ርትዓውነት ናይዚ መለኮታዊ ሕጊ’ዚ ንምርግጋጽ’ውን፡ “ኣየናይ ዓቀይታይ’ዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ (ንጐይታኡ) ዚኽተል፧ ወይኒ ተኺሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን’ዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰትይ መን’ዩ፧” ዚብል መጎታዊ ቓል ተጻሒፉልና ኣሎ (1ቈረ 9፡7,9)። ኣብ ምድራውን ስጋውን ዕዮ ዘይተገብረ ኣሰራርሓ፡ ኣብ መለኮታውን ሰማያውን ኣገልግሎት ኪግበር ምሕሳብ፡ ባህርይን መንነትን ናይቲ እትስዕቦ ዘለኻ እምነትን ጐይታን ዘይምስትውዓልካ ዜመልክት’ዩ። ጐይታና ነዛ ሓቂ’ዚኣ፡ ካብታ ንርእሱ ዝጸውዖምን ዝፈልዮምን መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ደቀ መዛሙርቱ ኼስርጻ ይደልይ ነበረ።
ነዛ ሓቂ’ዚኣ ምስትውዓሎምን ዘይምስትውዓሎምን ኬረጋግጽን ደጊሙ ኼዘኻኽሮምን ስለ ዝደለየ፡ ኣብታ ምስጢረ ቍርባን ሰሪዑ ናብ ጌተ ሰማኔ ዝተበገሰላ ሓሙስ ምሸት፡ “እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ ገለዶ ጐዲልኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ዋላ ሓንቲ’ኳ ኸም ዘይጐደሎም ብቕንዕና ተኣመኑ (ሉቃ 22፡35)። “ጐይታ ንምንታይ’ዩ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ሰዓት ነዛ ሕቶ’ዚኣ ኣልዒልዋ፧” ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና’ዩ። ኵሉ ዚፈልጥ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነን፡ ብዘይካ ሓጢኣት ንኻልእ ኵሉ ድኻምና ዝተኻፈለን ዚርድኣናን ፍጹም ሰብ ስለ ዝዀነን፡ እዚ ናይ መሰረታዊ ጠለባት (Basic needs) ነገር፡ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ከም ዜሸግሮም ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነበረ።
ኣይደንጐየን ከኣ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ክልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተራእይዎም ክነሱ፡ ማሕበራዊ ውሕስነቶም ኣብ ሓደ ዝወደቐ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዖም፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኪሓልዩ፡ ናብቲ ቐደም ቀቢጾም ዝሓደግዎ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ሞያኦም ኪምለሱ ተላዕሉ። እቲ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ ሞያ ዘብቅዐ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ። እቲ ብዅሉ ነገሩ፡ ማለት ብጽውዓ፡ ብተኣምኖ፡ ብኽሕደት ወዘተ ቐዳማይ ዝነበረ ርእሰ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ’የ” ብምባል ነቶም ድሮ ልቦም ከምኡ ሓሳብ ኬሰላስል ዝጸንሐ ብጾቱ ደገ ኸፈተሎም። ንሳቶም ድማ ምስኡ ኸዱ እንተ ዀነ እቲ ምርጫኦም ኣይሰመረሎምን። መርበቦም ሰበባ እምበር ሓደ ዓሳ’ኳ ኣይሓዘን። እቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ስእነቶም ብበረኸት ተገሊጹ ሞያኦም ዝለወጠሎም (ሉቃ 5፡1-11) ጐይታ ድማ ንረዲኤቶም ደጊሙ ተገልጸ። “ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ልዑል ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተመክሮ ዝነበሮም፡ ደቂ ባሕሪ ገሊላ ዝዀኑ ሾብዓተ ጠላዓት ሰብኡት፡ ይትረፍ ንሾብዓቲኦምን ንስድራኦምን ዚኸውን ዚብላዕ ኪረኽቡ፡ ንኸስዐ ሓደ ሰብኣይ ዜዐንግል ምግቢ እኳ ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ እቲ መጋቢ ዅሉ ፍጥረት ኢዱ እንተ ዘይዘርጊሑልካ፡ ክትረክብን ክትእክብን ኣይከኣልን’ዩ። ምግቢ ዕለት ዚህብ ጐይታ እምበር ባሕሪ ወይ ምድሪ ኣይኰነን። መርበቦም ንየማን ኪድርብዩ ነጊርዎም ምስ ተኣዘዙ ግና፡ መርበቦም ኪጾሮ ዘይክእል መጠን ዓሳ ረኺቡ። ንፍጡራቱን ፍቁራቱን ምእንቲ ኺምግብ ድዩ በቲ መለኮታዊ ስልጣኑ ነቶም ዓሳ ኸካብ ዘለውዎ ጸዊዑ ኣኪብዎም ወይስ ሽዑ’ዩ ፈጢርዎም ንሱ ጥራይ’ዩ ዚፈልጦ። ንሱ ኸይሃቦ ዚረክብን ዚዕንገልን ፍጡር ከም ዘየልቦ ግን፡ መጋቢነቱ ብግብሪ ኣረጋገጸ። እቲ ፍቁር ወደ መዝሙር ድማ፡ ብመልክዑን ብድምጹን ኬለልዮ እንተ ዘይከኣለ’ኳ ብግብሩ ኣለልይዎስ “ጐይታና እምበር’ዩ” በለ። መርበቦም ኪጾሮ ዘይክእል በረኸት ሓፊሶም ክነሶም፡ ካብ ክብደቱ ዝተላዕለ መርበቦም ከይተቐድደ ምስ ተረፈ ንመርበቦም ዘጽንዓሎም’ውን ንሱ ምዃኑ ተገንዘቡ። ናብቲ ጐይታኦም ዘለዎ ደንደስ ባሕሪ ምስ መጹ ግና፡ ካልእ ተኣምር ጸንሖም፡ ዝተኣጕደ ጓህሪ ሓውን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚጥበስ ዓሳን፡ መቛስዪ እንጌራን ረኸቡ። ነቲ ሓዊ መን ኣጐዶ፧ መዓስከ ተኣጕደ፧ እቲ ዓሳኸ ካበይ መጸ፧ ነቲ እንጌራኸ መን ሰንከቶን ኣምጽኦን፧ ነገሩ ኸይተሓተተ ዝተመለሰ፡ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ነበረ፡ ብሕም ኪብልን ደፊሩ ኺሓትትን ዝተረኽበ ኣይነበረን። ሕያዋይ መጋቢ እዩ’ሞ፡ ካብቲ እንጌራን ጥቡስ ዓሳን ዓዲሉ ዓንገሎም። ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኰኑ፡ እቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን ጐይታ ናይ ዕለት እንጌራኦም ምስናይ ትርፉ ሃቦም።
ነቶም ብሓቂ ደቂ ትንሳኤ ዝዀንና ዅልና እዚ ዓብይ ተኣምር’ዚ ኣርእስቲ ስብከትናን ትምህርትናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክፍልናን ብጽሒትናን እዩ። እቲ ንጉስ ትንሳኤ ፡ ነቶም ንትንሳኤ ናብራኦምን መንነቶምን ዝገበርዎ ደቁ፡ ብሓቂ እሙን መጋቢ እዩ። ንመርበብና ዚመልኦን ከይቅደድ ዜጽንዖን ንሱ እዩ። ጕልበትናን ሞያናን ኣይኰነን ዚቕልበና። ደቂ ትንሳኤ ነዛ ሓቂ’ዚኣ እንተ ረሲዖምዋ፡ ካብ ዚጸግብዎ እንጌራ ንላዕሊ፡ ዚጽግብዎ ጭንቀት’ዩ ዚበዝሕ። እዞም ደቂ-ትንሳኤ ሃዋርያት፡ መርበቦምን ባሕሮምን ዚቕልቦም መሲልዎም ለይቲ ምሉእ ድኽም ሓዲሮም፡ ነተን ኣብ ውሽጦም ተኸዚነን ዝነበራ ብካሎሪ ዚዕቀና ጸዓት ደኣ ኣህሊኾምወን እምበር ኪምገቡ ኣይከኣሉን። ይትረፍ ኣብዛ ብዙሕ ዘሪእካ ሒደት ዚሕፈሳ ዝተረግመት ዓለም፡ ኣብታ እትመጽእ ሰማያዊት ዓለም እኳ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜገልግለና፡ “እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን’ዮም ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቕምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ሉቃ 12፡36)። ነቶም ምግቢ ነፍሲ ኺምገቡ ደልዮም ደድሕሪኡ ናብ በረኻታት ዝሰዓብዎ ህዝቢ ኣመልኪቱ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እሞ፡ ዚበልዕዎ ስለ ዘይብሎም የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ ጾሞም ከሰናብቶም ኣይፈቱን’የ።” ዝበሎ ቓል፡ መጋቢነት ናይዚ ንጉስ ትንሳኤ ብንጹር ዚገልጸልና እዩ (ማቴ 15፡32)። ነቲ “ኣሎ” ኢልካ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘይትኽእል መጠን ምግቢ ብተኣምር ባሪኹን ኣብዚሑን ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ትሽዓተ ሽሕ ሰብኡት ዚርከብዎም ማእለያ ዘይብሎም ቈልዓ ሰበይቲ ኣጽጊቡ፡ ልዕሊ 19 መሶብ ዘትርፈ መጋቢ ኸኣ’ዩ (ማቴ 14፡15-21 ፣ 15፡32-39)። በቲ ዅሉ ዚኽእልን ደንጋጽን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ጭንቀትና ንኺፍውስ ድማ፡ “ንህይወትኩም ብእትበልዕዎን እትሰትይዎን ፡ ንስጋኹም ብእትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ። እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢሉ ተዛረበና (ማቴ 6፡25,33)። ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ቀዳምነት ዚህቡ ደቂ ትንሳኤ ምግብን ክዳንን ወሰኽ (ለጠፍ) እምበር ቀንዲ ነገር ኣይኰነን። ነቶም ዘይደቂ ትንሳኤ ግን፡ ምግብን ክዳንን ቀዳምነቶም ፡ ጽድቂ ግና ለጠፍ’ዩ። እቶም ደቂ ትንሳኤ እታ ናብ ባሕሪ ዝደርበይዋ መርበቦም በረኸት ሒዛ ኽትመጾም ከላ፡ ነቲ ወሃቢ፡ ጽቡቕ ገይሮም ስለ ዚፈልጥዎ “ጐይታና እምበር’ዩ (ዝሃበና)” እዮም ዚብሉ። መኣዲ ኪቕረቡ ኸለው ድማ፡ ነቲ “ንዑ ተመስሑ” ዚብል ድምጹ ይስምዕዎ። እቶም ደቂ ዓለም ግና፡ “ጨቐቕ ኢለ፡ ደም ርሂጸ ዘምጻእክዎ እምበር፡ ከም ቈጽሊ ካብ ገረብ ቀንጢበ ኣየምጻእክዎን” ኢሎም ነቲ መጋቢኦም ይጀሃርሉ። ነቲ ንጻድቃንን ንረሲኣንን ብማዕረ ዜናብር መጋቢነቱ ፈትዮም ይኽሕድዎ። ደቂ ትንሳኤ ዲና ደቂ ዓለም፧ ኣብ ዝወፈርናሉ ዓውዲ ሞያ፡ ናብቲ ዜብልዓና ሞያ ኢድና ክንዝርግሕ ዝነገረና ድምጹ፡ ነቲ ንዑ ተመገቡ፡ “ንቐደም በሉ” ኢሉ ዝመገበና ሕያውነቱ ንስምዖን ነቕልበሉ፡ ካባኡ ሓሊፍና ንሕያውነቱን መጋብነቱን ዚምጥን ምስጋናን ክብርን ንህቦ ደዀን ንህልው፧ ኣቱም ደቂ ትንሳኤ፡ “ንዑ ተመስሑ፡ ንቐደም በሉ”!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ዕለት፥ ሰንበት ግንበት 26, 2018 ግንበት 18, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 106/107፡15-16 ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት። “መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ፡ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቈረ 15፡50-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 21፡10-ፍጻሜ |
1ዮሐ 3፡13-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) |
ግብ 2፡22-32 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ